መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃን
“መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ [“ብኣእምሮ ጥቁዋት ኵኑ: ” NW ]።”—1 ጴጥሮስ 4:7
1. “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት ነቲ ናይ ክርስትያናት ኣነባብራ ኣጸቢቐን ክትንክፍኦ ኣለወን። ይኹን እምበር: ጴጥሮስ ነቶም ኣንበብቱ ካብ ስጋዊ ሓላፍነታቶምን ከርእይዎ ዘለዎም ሓልዮትን ከድሓርሕሩ ኣይኰነን ዝነግሮም ዘሎ፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥፍኣት ክቕለዉ ኣይኰነን ዘተባብዕ ዘሎ። ኣብ ክንድኡስ “ብኣእምሮ ጥቁዋት ኵኑ” ኢሉ መዓደ። ‘ብኣእምሮ ጥቁው’ ምዃን ጽቡቕ ምምዝዛን ምግባር: ንቑሕ: መስተውዓሊ: ብኣዘራርባን ተግባርን ሚዛናዊ ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ክመርሖ ምግዳፍ ማለት ኢዩ። (ሮሜ 12:2) “ኣብ ማእከል . . . ቔናንን ጠዋይን ወለዶ” ንነብር ስለ ዘሎና: ግድላትን ሽግራትን ንምልጋስ ጥቁው ኣእምሮ የድልየና ኢዩ።—ፊልጲ 2:15
2. ትዕግስቲ የሆዋ ሎሚ ንክርስትያናት ዝጠቕሞም ብኸመይ ኢዩ፧
2 ‘ብኣእምሮ ጥቁዋት ምዃን’ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምስትውዓል እተሓወሶ: ክዉን ኣረኣእያ ክህልወና ይሕግዝ ኢዩ። (ቲቶስ 2:12፣ ሮሜ 12:3) ብመንጽር እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:9 ተመዝጊቡ ዘሎ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ዝብል ቃላት ክርአ ከሎ እዚ ኣድላዪ ኢዩ። የሆዋ ነቶም ዘይኣመንቲ ጥራይ ዘይኰነስ “ምእንታኻትኩም”—ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ—ኢሉ እውን ይዕግስ ምህላዉ ኣስተብህል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ” ኢዩ። ምናልባት ገሊኣቶም ነቲ ውህበት ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝበቕዑ ኰይኖም ምእንቲ ክርከቡ ገለ ለውጢ ከምኡውን ምትዕርራይ ምግባር ገና የድልዮም ይኸውን። ስለዚ እምበኣር: ገለ ምትዕርራይ ምግባር ከድልዮም ዝኽእሉ መዳያት ንርአ።
ኣብ ብሕታዊ ርክባትና “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃን
3. ወለዲ ብዛዕባ ውሉዳቶም ንገዛእ ርእሶም እንታይ ክሓቱዋ ኣለዎም፧
3 ገዛ ናይ ሰላም ቦታ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ኣብ ገሊኡ ‘ቤት ቈየቛ ዝመልኦ’ ኢዩ። (ምሳሌ 17:1) ስድራቤትካኸ ከመይ ኢያ፧ ቤትካ ካብ “ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ናጻ ድያ፧ (ኤፌሶን 4:31) ውሉዳትካኸ፧ ዝፍቀሩን ሞሳ ዝዋሃቦምን ኰይኑ ይስምዖም ድዩ፧ (ምስ ሉቃስ 3:22 ኣረኣእዮ።) ክትምህሮምን ከተለማምዶምን ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ኣብ ክንዲ ብነድርን ሕርቃንን ‘ብጽድቂ ከም ዝእደቡ’ ትገብሮም ዲኻ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ውሉዳት “ውህበት እግዚኣብሄር” ስለ ዝዀኑ ብዛዕባ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ የሆዋ ኣጸቢቑ ይግደስ ኢዩ።—መዝሙር 127:3
4. (ሀ) ሰብኣይ ንሰበይቱ ሕማቕ ብዝዀነ መገዲ ምስ ዝሕዛ እንታይ ክስዕብ ይኽእል፧ (ለ) ሰብ ሓዳር ኣንስቲ ምስ ኣምላኽ ሰላም: ኣብ ስድራቤተን ድማ ሓጐስ ከዕብያ ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧
4 ናይ መርዓ ብጻይናኸ፧ ‘ሰብኡት ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።’ (ኤፌሶን 5:28, 29) ሓደ ሃሳዪ: ዓብላሊ: ወይ ድማ ዘይምኽንያታዊ ሰብኣይ ናይታ ገዛ ህድኣት ኣብ ሓደጋ የእቱ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ እውን የበላሽዎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ሰብ ሓዳር ኣንስቲኸ፧ ንሳተን እውን ብተመሳሳሊ ‘ከም ንጐይታ ገይረን ንሰብኡተን ክእዘዛኦም’ ይግባእ። (ኤፌሶን 5:22) ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኢላ ምስ እትሓስብ: ነቲ ናይ ሰብኣያ ጕደለታት ሸለል ኢላ ብዘይ ጓሂ ንኽትእዘዞ ክሕግዛ ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ እዋን ሰበይቲ ሓሳባ ንኽትገልጽ ትግደድ ትኸውን። ምሳሌ 31:26 ብዛዕባ እታ ደገኛ ሰበይቲ “ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት: ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ” ትብል። ንሰብኣያ ብሕያውነት: ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ብምሓዝ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ሰላም ትዕቅብ: ሓጐስ ናይ ምልእቲ ስድራቤት ድማ ተዕቢ።—ምሳሌ 14:1
5. መንእሰያት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዶም ብኸመይ ክርእይዎም ከም ዘለዎም ዝህቦ ምኽሪ ክስዕብዎ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 መንእሰያትከ ንወለድኹም ብኸመይ ኢኹም እትርእይዎም፧ እቲ ኣብ ዓለም መብዛሕትኡ እዋን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ናይ ምሕጫጭ: ኣኽብሮት ዘይብሉ ቃላት ትጥቀሙ ዲኹም፧ ወይስ ነቲ “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ: እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ኢኹም እትእዘዙ፧—ኤፌሶን 6:1-3
6. ምስ ኣምለኽቲ ብጾትና ሰላም ክንስዕብ እንደሊ ብኸመይ ኢና፧
6 ምስ ኣምለኽቲ ብጾትና ኣብ እንገብሮ ምምልላስ እውን ‘ንሰላም ንደልያን ንስዕባን’ ምስ እንኸውን “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃንና ነንጸባርቕ ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:11) ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይለዓሉ ኢዮም። (ያእቆብ 3:2) ጽልኢ ክዓቢ እንተድኣ ገዲፍናዮ: ናይ ምልእቲ ጉባኤ ሰላም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። (ገላትያ 5:15) ስለዚ እምበኣር ዘይምርድዳእ ቀልጢፍኩም ኣደቅስዎ፣ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃለው በሉ።—ማቴዎስ 5:23-25፣ ኤፌሶን 4:26፣ ቈሎሴ 3:13, 14
“ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃንን ናይ ስድራቤት ሓላፍነታትን
7. (ሀ) ኣብ ስጋዊ ነገራት “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ንኽንከውን ጳውሎስ ብኸመይ ኢዩ ዘተባብዐ፧ (ለ) ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ናይ ገዛ ሓላፍነታት እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ፧
7 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘ብኣእምሮ ጥቁዋት ኰይኖም ክነብሩ’ ምዒድዎም ኢዩ። (ቲቶስ 2:12 NW ) ኣብቲ ትሕዝቶ ጳውሎስ ኣንስቲ “ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ: ነፍሰን ዚቐጽዓ [“ብኣእምሮ ጥቁዋት ክዀና:” NW ] ንጹሃት: ቤተን ዚአልያ” ክዀና እውን ምትብባዑ ኣገዳሲ ኢዩ። (ቲቶስ 2:4, 5) ጳውሎስ ነዚ ዝጸሓፎ ካብ 61- 64 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኢዩ: እዚ ድማ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ቅድሚ ምጥፍኡ ውሑዳት ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ። ገና ግን: ከም ቤት ምእላይ ዝኣመሰለ ዕዮታት ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ክልቲኣቶም ማለት ሰብኣይን ሰበይትን ‘ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ’ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዛ ዘለዎም ሓላፍነት ጥዑይ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክዕቅቡ ነበሮም። ሓደ ናይ ስድራቤት ርእሲ: ቤቱ ጋዕዝዩ ብምጽንሑ ነቲ ክበጽሖ ዝመጸ ሰብ ይቕሬታ ሓተቶ። “ፓይነር ኰይኑ የገልግል ብምንባሩ” እቲ ቤት ፋሕፋሕ ከም ዝበለ ገለጸሉ። ኣብ ክንዲ እታ መንግስቲ መስዋእትታት ክንገብር ከሎና ዝነኣድ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ናይ ስድራቤትና ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ከይነእቱ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ።
8. ርእስታት ስድራቤት ንድሌት ስድራቤቶም ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክሓልዩ ይኽእሉ፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንስድራቤቱ ዘይሓሊ “እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ብምባል ኣቦታት ንስድራቤቶም ዝምልከት ነገራት ቀዳምነት ክህቡ የተባብዕ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ናይ መነባብሮ ደረጃታት ኣብ መላእ ዓለም ይፋለለ ኢዩ: ስጋዊ ትጽቢታት ድማ ኣብ ግቡእ ቦትኡ ክትሕዞ ጽቡቕ ኢዩ። እቲ ናይ ምሳሌ 30:8 ጸሓፊ “ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ” ኢሉ ጸለየ። ይኹን እምበር: ወለዲ ነቲ ስጋዊ ድሌት ናይ ውሉዳቶም ሸለል ክብልዎ የብሎምን። ንኣብነት: ቲኦክራሲያዊ መሰላት ንምስዓብ ኰነ ኢልካ ንስድራቤትካ እቲ ቀንዲ ዘድልዮም ነገራት ዘይብሎም ከለዉ ክትርሕርሖም ጥበባዊዶ ምዀነ፧ እዚ ንውሉዳትካ ኣይመሕረቖምንዶ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ምሳሌ 24:27 “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ: ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ: ደሓር ቤትካ ስራሕ [“ህነጽ:” NW ]” ትብል። እወ: ስጋዊ ሓልዮት ምግባር ግቡእ ቦትኡ እኳ እንተለዎ: ‘ቤትካ ምህናጽ’—ብመንፈስን ብስምዒትን—ኣድላዪ ኢዩ።
9. ርእስታት ስድራቤት ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ሞት ወይ ድማ ሕማም ክሓስቡ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ምናልባት ሃንደበት እንተ ሞትካስ ንስድራቤትካ ዝኸውን ነገራት ኣዳሊኻዶ ኢኻ፧ ምሳሌ 13:22 “ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም” ትብል። ወለዲ ኣብ ርእሲ እቲ ዘውርስዎም ናይ የሆዋ ፍልጠትን ምስኡ ርክብ ምግባርን: ንደቆም ስጋዊ ነገራት ከዳልውሎም ክግደሱ ኣለዎም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓላፍነት ዝስምዖም ናይ ስድራቤት ርእሲ እተወሰነ ገንዘብ ኣብ ባንክ የቐምጥሎም: ሕጋዊ ኑዛዜ: ከምኡውን ናይ መድሕን ገንዘብ ይገብርሎም ኢዮም። ደሓር ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ “ጊዜን ኣጋጣምን” ከምጽኦ ዝኽእል ነገራት ናጻ ኣይኰኑን። (መክብብ 9:11) ገንዘብ “ጽላል” ኢዩ: ግቡእ ኣጠቓቕማ ምዝውታር ድማ መብዛሕትኡ እዋን ንሽግር ይልውጦ ኢዩ። (መክብብ 7:12) ኣብተን ናይ ሕክምና ወጻኢታት ብመንግስቲ ዘይክፈለለን ሃገራት: ገሊኣቶም ንጥዕና ዝምልከት ነገራት ዝኸውን ገንዘብ ይምድቡ: ወይ ድማ ገለ ዓይነት ናይ ጥዕና ወጻኢታት መሸፈኒ ገንዘብ ይፈልዩ ኢዮም።a
10. ክርስትያን ወለዲ ንስድራቤቶም “መዝገብ ኪዘግቡ” ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
10 ቅዱሳት ጽሑፋት “ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር: ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን” እውን ይብል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:14) ኣብ ዓለም ወለዲ ውሉዳቶም ጽቡቕ ኣጀማምራ ናብራ ምእንቲ ክህልዎም ኢሎም ንመጻኢ መምሃሪኦምን መመርዓዊኦምን ዝኸውን ገንዘብ ይእክቡሎም ኢዮም። ንውሉድካ ንመጻኢ ዝኸውን መንፈሳዊ መሰረት ከተንብረሉ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ንኣብነት: ሓደ በጽሒ ውሉድካ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሎ ንበል። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክወሃቦም ክሓቱ ወይ ድማ ክጽበዩ እኳ እንተዘይብሎም: ፈቃራት ስድራቤት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክቕጽል ምእንቲ ክሕግዝዎ ‘ብዘድልዮ ከማቕልዎ’ ይመርጹ ይዀኑ ኢዮም።—ሮሜ 12:13፣ 1 ሳሙኤል 2:18, 19፣ ፊልጲ 4:14-18
11. ኣብ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው እምነት ከም ዘይብልካ ዘርኢ ድዩ፧ ግለጾ።
11 ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው እዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ክውዳእ ከም ዝቐረበ እምነት ዘይብልካ ምዃንካ ዘርኢ ኣይኰነን። እዚ “ተግባራዊ ጥበብ” ከምኡውን ጥዑይ ውሳነ ምግባር ኢዩ። (ምሳሌ 2:7 NW ፣ 3:21 NW ) የሱስ ሓደ ግዜ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘቦም “ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ . . . ይባላሐቱ እዮም” በለ። (ሉቃስ 16:8) ስለዚ እምበኣር ገሊኣቶም ንስድራቤቶም ዘድሊ ነገራት ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ክሓልዩ ኣብ ኣጠቓቕማ ጥሪቶም ምትዕርራይ ክገብሩ እንተ ኣድለዮም ዘገርም ኣይኰነን።
ኣብ ትምህርቲ ዘሎና ኣረኣእያ “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃን
12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓድሽ ኵነታት ክለማመዱ ዝማሃሮም ብኸመይ ኢዩ፧
12 “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ [“ተለዋዋጢ:” NW ] እዩ” ከምኡውን ዓቢ ናይ ቁጠባ ለውጥታትን ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታትን ቀልጢፉ ኢዩ ዝቀያየር ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ይኹን እምበር: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንዅሉ ክለምዱ ኢዩ ምሂርዎም። ናብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ስብከት ዕዮኦም ክልእኮም ከሎ: ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ወርቂ ዀነ: ብሩር ኰነ: ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ: ስንቂ ንመገዲ: ወይስ ክልተ ኽዳን: ወይ ኣሳእን: ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።” (ማቴዎስ 10:9, 10) ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ የሱስ “ማሕፉዳ ዘለዎ ይማላእ: ከምኡውን ስንቂ” በለ። (ሉቃስ 22:36) እንታይ ለውጢ መጸ፧ እቲ ኵነታት ኢዩ ተለዊጡ። እቲ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ዝያዳ ጽንኩር ኰነ: ስለዚ ድማ ሕጂ ንገዛእ ርእሶም ዘድልዮም ነገራት ባዕላቶም ከማልኡ ነበሮም።
13. ናይ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማ እንታይ ኢዩ: በዚ መዳይ እዚኸ ወለዲ ንውሉዳቶም ዝድግፉ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ወለዲ ነቲ ህሉው ኵነታት ቁጠባ ኣብ ግምት ከእትውዎ የድልዮም ይኸውን። ንኣብነት: ደቅኻ እኹል ትምህርቲ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ተረጋግጽዶ ኣሎኻ፧ እቲ ናይ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማ ንሓደ መንእሰይ ኣስላጢ ኣገልጋሊ የሆዋ ንክኸውን ዘዕጥቖ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ካብ ኵሉ ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ድማ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:13) ወለዲ ደቆም ብገንዘብ ዝመጸ ገዛእ ርእሶም ዝኽእሉ ክዀኑ እውን የገድሶም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንውሉዳትካ መምርሒ ሃቦም: ዝሰማማዕ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ክመርጹ ሓግዞም: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ተወሳኺ ትምህርቲ ዘድሊ እንተዀይኑን እንተዘይኰይኑን ምስኣቶም ተመያየጠሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ኢዩ: ነቲ እተወስደ ስጕምቲ ድማ ካልኦት ክነቕፍዎ የብሎምን። (ምሳሌ 22:6) ብዛዕባ እቶም ንደቆም ኣብ ገዛ ክምህርዎም ዝመረጹኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧b ዋላ እኳ ብዙሓት ዝንኣድ ዕዮ እንተ ገበሩ: ገሊኣቶም ግን ነቲ ስራሕ ካብቲ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ዝያዳ ከቢድ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም: ደቆም ድማ ኣብ ሽግር ወዲቖም ኢዮም። ስለዚ: ብዛዕባ ኣብ ገዛ ዝዋሃብ ትምህርቲ ትሓስብ እንተድኣ ኣሊኻ: ንኽትምህር ብቕዓት ዘሎካ እንተዀይኑን ክሳዕ መወዳእታ ክትገብሮ ትኽእል እንተ ኰይንካን ብምምርማር ነቲ ዝሓተካ ወጻኢታት ኣብ ግምት ከም ዘእተኻ ኣረጋግጽ።—ሉቃስ 14:28
‘ዓበይቲ ነገራት ኣይትድለዩ’
14, 15. (ሀ) ባሩኽ መንፈሳዊ ሚዛኑ ዘጥፍአ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ዓበይቲ ነገራት ምድላዩ’ ዕሽነት ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ገና ስለ ዘይመጸ: ገሊኣቶም ነቲ ካብ ዓለም ዝርከብ ነገራት—ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ናብራ: ብዙሕ መኽሰብ ዘለዎ ስራሕ: ከምኡውን ሃብቲ—ናብ ምድላይ ይዘዝዉ ይዀኑ። ነቲ ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ ርአ። ከምዚ ኢሉ ሓዘኑ ገለጸ:- “እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ: ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ: ዕረፍቲውን ሰአንኩ።” (ኤርምያስ 45:3) ባሩኽ ደኺሙ ነበረ። ከም ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ኴንካ ምግልጋል ከቢድ: ጭንቀት ዘለዎ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 36:14-26) እቲ ጭንቀት ድማ መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ። እዚ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኣ 18 ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ።
15 የሆዋ ንባሩኽ ከምዚ በሎ:- “እንሆ: ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ: ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቍሶ አሎኹ: እዚውን ኣብ ኵላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ። ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ።” ባሩኽ ሚዛኑ ኣጥፊኡ ነበረ። ንገዛእ ርእሱ ‘ዓበይቲ ነገራት’ ምናልባት ሃብቲ: ተፈላጥነት: ወይ ስጋዊ ዕቑባ ‘ክደሊ’ ጀሚሩ ነይሩ ይኸውን። የሆዋ ‘ይምንቍስ: እዚ ኸኣ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ይገብሮ ስለዝነበረ’ ከምዚ ዝበለ ነገራት ምድላይሲ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ ስለዚ ድማ የሆዋ ንባሩኽ እዚ ዘተሓሳስብ መጠንቀቕታ ሃቦ:- “እንሆ: መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ።” ስጋዊ ጥሪት ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት ክድሕን ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ! የሆዋ ‘ነፍሱ ጥራይ ንዘመተ ክትከውን’ ኢዩ ውሕስነት ዝሃቦ።—ኤርምያስ 45:4, 5
16. ህዝቢ የሆዋ ሎሚ ካብቲ ናይ ባሩኽ ተመክሮ እንታይ ትምህርቲ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧
16 ባሩኽ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መኣረምታ ኣቕሊብሉ ኢዩ: ከምቲ የሆዋ እተመባጽዓሉ ድማ ባሩኽ ህይወቱ ደሓነት። (ኤርምያስ 43:6, 7) ከመይ ዝበለ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ዝኸውን ሓያል ትምህርቲ ኰን ኢዩ! እዚ ግዜ እዚ ‘ንገዛእ ርእስና ዓበይቲ ነገራት እንደልየሉ’ ግዜ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ።”—1 ዮሃንስ 2:17
ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብዝበለጸ ንጠቐመሉ
17, 18. (ሀ) ሰብ ነነዌ ምስ ተናስሑ ዮናስ ብኸመይ መለሰ፧ (ለ) የሆዋ ንዮናስ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝማሃሮ፧
17 ስለዚ እምበኣር: ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብዝበለጸ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ካብቲ ናይ ነብዪ ዮናስ ተመክሮ ተማሃር። ንሱ ‘ናብ ነነዌ ከደ። ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ: ኢሉ ኣወጀ።’ ሰብ ነነዌ ነቲ መልእኽቱ ሰሚዖም መለስሉ: ተነስሑ ድማ: እዚ ኸኣ ንዮናስ ኣገረሞ! የሆዋ ድማ ነታ ከተማ ነሓፋ። ዮናስ ብኸመይ መለሰ፧ “ዎ እግዚኣብሄር: እምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ: እልምነካ አሎኹ: ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።”—ዮናስ 3:3, 4፣ 4:3
18 ድሕርዚ የሆዋ ንዮናስ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃሮ። “ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ: ጕልዒ አዳለወ: . . . ዮናስውን በታ ጕልዒ ኣዝዩ ተሐጐሰ።” ናይ ዮናስ ሓጐስ ግን ሓጺር ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ እታ ጕልዒ ቀልጢፋ ሓሪራ ኢያ። ዮናስ ድማ በቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ‘ተቘጥዐ።’ የሆዋ ኸኣ “ንስኻ በታ . . . ጕልዒ ጕሂኻ። ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ: የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ: ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፧” ብምባል ነቲ ክብሎ ዝደለየ ነጥቢ ኣጕልሐ።—ዮናስ 4:6, 7, 9-11
19. ከመይ ዝበለ ናይ ርእሰይ ይጥዓመኒ ኣተሓሳስባ ኢና ከነውግድ እንደሊ፧
19 እቲ ዮናስ ዝሃቦ ምኽንያት ክሳዕ ክንደይ ናይ ርእሰይ ይጥዓመኒ መንፈስ ዘንጸባርቕ ኰን ኢዩ! በታ ተኽሊ ጕህዪ: በቶም ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ሰብ ነነዌ ግን ንእሽቶ ድንጋጽ እኳ ኣይተሰምዖን። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ጥፍኣት ናይዛ እክይቲ ዓለም ክንርኢ ሃንቀው ንብል ንኸውን: እዚ ድማ ልክዕ ኢዩ! (2 ተሰሎንቄ 1:8) ይኹን እምበር: እናተጸበና ከሎና ነቶም ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ‘የማኖም ካብ ጸጋሞም ምፍላይ ዘይክእሉ’ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ክንሕግዝ ሓላፍነት ኣሎና። (ማቴዎስ 9:36፣ ሮሜ 10:13-15) ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ነቲ ክቡር ፍልጠት የሆዋ ንኽረኽቡ ክትሕግዞም ክትጥቀመሉ ዲኻ፧ ነቲ ካልእ ሰብ ህይወት ንኽረክብ ናይ ምሕጋዝ ዕዮ ክወዳደሮ ዝኽእል ካልእ እንታይ ኢዩ፧
“ብኣእምሮ ጥቁዋት” ኴንኩም ምንባር ቀጽሉ
20, 21. (ሀ) ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ እዋናት “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃንና እነርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ኴንካ ብምንባር እንታይ በረኸታት ክርከቦ ይከኣል፧
20 እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ናብ ጥፍኣት ገጹ ምጥሓል ክቕጽል ከሎ: ሓደስቲ ብድሆታት ከም ዘጋጥሙና ርግጽ ኢዩ። ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:13 “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና . . . ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢላ ትንበ። እንተዀነ ግን: ‘ኣይትድከም: ነፍስኻውን ኣይተሓለል።’ (እብራውያን 12:3) ብርታዐ ክትረክብ ኢልካ ኣብ የሆዋ ተጸጋዕ። (ፊልጲ 4:13) ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝሓለፈ ነገራት እተተኵር ተዓጻጻፊ ምዃን: ምስቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ምልምማድ ተማሃር። (መክብብ 7:10) ምስቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝህቦ መምርሒታት እናተሰማማዕካ ብምኻድ: ተግባራዊ ጥበብ ተጠቐም።—ማቴዎስ 24:45-47 NW
21 ክንደይ ዝኸውን ግዜ ተሪፉ ምህላዉ ኣይንፈልጥን ኢና። ገና ግን ብምትእምማን “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ መወዳእታ እዚ ክሳዕ ዝመጽእ ግን ንሓድሕድና ኣብ እንገብሮ ርክብ: ንስድራቤትና ኣብ እነርእዮ ሓልዮት: ከምኡውን ኣብ ስጋዊ ሓላፍነታትና “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ንኹን። ከምዚ ብምግባር: ኣብ መወዳእታ ኵላትና “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም” ከም እንርከብ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ!—2 ጴጥሮስ 3:14
[እግረ-ጽሑፋት]
a ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋላ እኳ ክቡር እንተዀነ ብዙሓት ሰባት ናይ ጥዕና መድሕን ይኣትዉ ኢዮም። ገለ ናይ መሰኻኽር ስድራቤታት ሓድሓደ ሓካይም እታ ስድራቤት ናይ ሕክምና ወጻኢታት መሸፈኒ ገንዘብ ከም ዘለዋ እንተድኣ ፈሊጦም ብዘይ ደም ንዝግበር ናይ ሕክምና ኣመራጺታት ክገብሩሎም ፍቓደኛታት ኰይኖም ረኺቦምዎም ኢዮም። ብዙሓት ሓካይም መድሕን ዝኸፍሎ እተወሰነ ገንዘብ? ወይ ድማ መንግስቲ ዝሽፍኖ ናይ ጥዕና ወጻኢታት ክቕበሉ ፍቓደኛታት ኢዮም።
b ሓደ ሰብ ኣብ ገዛ ዝዋሃብ ትምህርቲ ይከታተል ኣይከታተል ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። ነታ “ኣብ ገዛ ዝወሃብ ትምህርቲ—ንዓኻ ዝሰማማዕ ድዩ፧” እትብል ኣብ ናይ 8 ሚያዝያ 1993 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ ኣብ ብሕታዊ ርክባትና “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
◻ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታትና ክንፍጽም ከሎና ሚዛንና ክንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ወለዲ ብዛዕባ ናይ ደቆም ዓለማዊ ትምህርቲ ክግደሱ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ ባሩኽን ዮናስን እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ምስ ዘይከባበሩ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ የበላሽውዎ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ወለዲ ብዛዕባ ናይ ውሉዳቶም ትምህርቲ ክግደሱ ኣለዎም