ትምህርቲ 45
ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧
የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:19) እዚ ድማ ገለልተኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም፡ ማለት ኣብቲ ናይዛ ዓለም ፖለቲካን ውግእን ወገን ኪሕዙ ኸም ዘይብሎም የመልክት። ከም ሓቂ፡ ገለልተኛ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ብሰንኪ እዚ ኣደዳ ላግጺ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ እሙናት ክንከውን እንኽእል፧
1. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስትታት ብኸመይ ይርእይዎም፧
ክርስትያናት ንመንግስቲ የኽብሩ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንገብር ኢና፣ ንሱ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር . . . ሃቡ” እዩ ኢሉና፣ እዚ ማለት ከኣ፡ ከም ምኽፋል ግብሪ ዝኣመሰለ ሕግታት እታ እንነብረላ ሃገር ነኽብር ኢና። (ማርቆስ 12:17) ሰብኣውያን መንግስትታት ብኣምላኽ ተፈቒዱሎም ከም ዚገዝኡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ሮሜ 13:1) ስለዚ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ዝነኣሰ ወይ ድሩት ስልጣን ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽናን ካብ ሰማያዊት መንግስቱን ጥራይ ኢና ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ እንጽበ።
2. ገለልተኛታት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣይንኣቱን ኢና። ሰባት ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምር ርእዮም ኣብ ምድሪ ኼንግስዎ ምስ ፈተኑ፡ ንሱ ፍቓደኛ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 6:15) ስለምንታይ፧ ጸኒሑ ባዕሉ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 18:36) ንሕና ድማ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ገለልትነትና ብእተፈላለየ መገዲ ነርኢ ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ውግእ ኣይንኸይድን ኢና። (ሚክያስ 4:3 ኣንብብ።) ንኸም ሰንደቕ ዕላማ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ኣርማታት ነኽብር እኳ እንተ ዀንና፡ ኣምልኾ ግና ኣይንህብን ኢና። (1 ዮሃንስ 5:21) ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ሕጹይ ከኣ ኣይንድግፍን ወይ ኣይንቃወምን ኢና። በዚ መገድታት እዝን ብኻልእን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ምዃንና ነርኢ ኢና።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ንገለልትነትካ ኺፍትን ዚኽእል ኵነታት መርምር፣ ከመይ ጌርካ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክትገብር ከም እትኽእል እውን ርአ።
3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት እዮም
የሱስን ሰዓብቱን ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። ሮሜ 13:1, 5-7ን 1 ጴጥሮስ 2:13, 14ን ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦
ስለምንታይ ኢና ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ከነኽብሮም ዘሎና፧
ከም እንግዝኦም ከነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
ብግዜ ውግእ፡ ገሊአን ሃገራት ገለልተኛታት ከም ዝዀና እኳ እንተ ተዛረባ፡ ንኽልቲኡ ወገን ግና ይድግፋ እየን። እሞ ደኣ ናይ ሓቂ ገለልትነት እንታይ እዩ፧ ዮሃንስ 17:16 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶ ኸኣ ተመያየጡ፦
ገለልትነት እንታይ ማለት እዩ፧
ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጋጮ ነገር ክንገብር እንተ ሓተቱናኸ፧ ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦
ኣብ መንጎ ሕጊ ሰብን ሕጊ ኣምላኽን ግጭት እንተ ተፈጢሩ፡ ናይ መን ሕጊ ኢና ኽንእዘዝ ዘሎና፧
ክርስትያናት ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ዘይእዘዙሉ ዅነታት ክትጠቅስዶ ምኸኣልካ፧
4. ብሓሳብን ብግብርን ገለልተኛ ኹን
ቀዳማይ ዮሃንስ 5:21 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት፡ በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ኣየንገ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ ኸይከውን ወይ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኸም ምሃብ ኣብ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ጽምብላት ከይሳተፍ ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧
ግቡእ ውሳነ ዝወሰነዶ ይመስለካ፧
ንገለልትነትና ኺፍትን ዚኽእል እንታይ ካልእ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣብ ዚግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ብኸመይ ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧
ፖለቲከኛታት ብዚገብርዎ ውሳነታት ብውልቂ ኣብ እንጽለወሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ኢና ገለልትነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧
መራኸቢ ብዙሓን ወይ መዋዕልትና ንገለልትነትና ኺጸልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ስለምንታይ ኢኻ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይትህብ ወይ ሃገራዊ መዝሙር ዘይትዝምር፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
ክርስትያናት ብሓሳባቶምን ብቓላቶምን ብተግባራቶምን ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ንምዃን ይጽዕሩ እዮም።
ክለሳ
ንሰብኣውያን መንግስትታት እንታይ ክንህቦም እዩ ዚግባእ፧
ካብ ፖለቲካ ገለልትነትና እንሕሉ ስለምንታይ ኢና፧
እንታይ ኵነታት እዩ ንገለልትነትና ኺፍትኖ ዚኽእል፧
ዳህስስ
ገለልተኛታት ንምዃን እንታይ መስዋእትታት ክንገብር የድልየና ይኸውን፧
ኣባላት ስድራ ቤት ንናይ ገለልትነት ፈተናታት ኣቐዲሞም ምእንቲ ኺዳለዉሉ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
ሓደ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ዝለዓለ ኽብሪ፡ ንሃገሩ ምክልኻል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
ብዛዕባ ስራሕካ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ካብ ዓለም ከይትኸውን ብኸመይ ከም እትጥንቀቕ ኣንብብ።