ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎኻ ዲኻ፧
“እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።”—ጸፎንያስ 1:14
1. ቅዱሳት ጽሑፋት ንመዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጻ፧
እታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ” የሆዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክትወርድ ኢያ። ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ የሆዋ ናይ ውግእ: ጸልማት: ቁጥዓ: ጭንቀት: ሓዘን: ስንባድ: ከምኡውን ናይ ምብዳም መዓልቲ ከም ዝዀነት ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ። እንተዀነ ግን: ደሓንቲ ክህልዉ ኢዮም: ከመይሲ “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” (ዮኤል 2:30-32፣ ኣሞጽ 5:18-20) እወ: ሽዑ ኣምላኽ ንጸላእቱ ከጥፍእ ንህዝቡ ድማ ከድሕን ኢዩ።
2. ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ክህልወና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ነብያት ኣምላኽ መዓልቲ የሆዋ ህጽጽቲ ከም ዝዀነት ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዋ። ንኣብነት: ጸፎንያስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።” (ጸፎንያስ 1:14) እቲ ዅነታት ሎሚ ኣዝዩ ህጹጽ ኢዩ ዘሎ: ምኽንያቱ እቲ ናይ ኣምላኽ ቀንዲ ፈጻም ፍርዲ ዝዀነ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ‘ሰይፉ ኣብ ሕቖኡ ክዓጥቕ: ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን [“ትሕትናን:” NW ] ጽድቅን ክወጽእ’ ተቐሪቡ ኢዩ ዘሎ። (መዝሙር 45:3, 4) ነታ መዓልቲ እቲኣ ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧
ብዙሕ ትጽቢታት ነይርዎም ኢዩ
3. ገለ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ትጽቢታት ኢዩ ዝነበሮም: በየናይ ክልተ ምኽንያታትከ ኢዮም ተጋግዮም ዝነበሩ፧
3 ብዙሓት ሰባት ንመዓልቲ የሆዋ ዝምልከት ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ነይርዎም ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክርስትያናት ‘መዓልቲ ጐይታ ቀሪባ’ ኢያ ኢሎም ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:2) ከም ዘይቀረበት ዘርኢ ግን ክልተ መሰረታዊ ምኽንያት ነይሩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ካብቲ ምኽንያታት ብምጥቃስ ከምዚ በለ:- “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: . . . ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም።” (1 ተሰሎንቄ 5:1-6) ንሕናውን ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ:” እዚ ቓላት እዚ ክፍጸም ንጽበ ኢና። (ዳንኤል 12:4) ሰብ ተሰሎንቄ መዓልቲ የሆዋ ከም ዘይቀረበት ዘረጋግጽ ካልእ ዘየስተብሃልሉ ምኽንያት እውን ነይሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ጳውሎስ “ቅድም ክሕደት ከይኰነ . . . ኣይትመጽእን እያ” ኢልዎም ነይሩ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3) ጳውሎስ ነተን ቃላት እቲአን ክጽሕፍ ከሎ (ዳርጋ ብ51 ከ.ኣ.ዘ.) እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ክርስትና እተፈጸመ “ክሕደት” ምሉእ ብምሉእ ኣይማዕበለን ነበረ። ሎሚ ግን: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ማዕቢሉ ንርእዮ ኣሎና። እቶም ክሳዕ ሞት ንኣምላኽ ብተኣማንነት ምግልጋል ዝቐጸሉ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት: ትጽቢታቶም እኳ እንተ ዘይተፈጸመ ኣብ መወዳእታ ሰማያዊ ዓስቢ ተቐቢሎም ኢዮም። (ራእይ 2:10) ንሕናውን ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና እሙናት ኴንና እንተ ጸኒሕና ዓስቢ ክንረክብ ኢና።
4. (ሀ) ኣብ 2 ተሰሎንቄ 2:1, 2 መዓልቲ የሆዋ ምስ እንታይ ኢያ ተተሓሒዛ ዘላ፧ (ለ) እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጸሓፍቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት ንምምላስ ክርስቶስን ምስኡ እተተሓሓዘ ነገራትን ዝምልከት እንታይ ርእይቶታት ኢዩ ነይርዎም፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር’ ምስ ‘ምጽኣት [“ህላወ:” NW ] ጐይታና የሱስ ክርስቶስ’ ኢዩ ዘተሓሕዛ። (2 ተሰሎንቄ 2:1, 2) እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጸሓፍቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት: ብዛዕባ ናይ የሱስ ምምላስን ህላወን ከምኡውን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እተፈላላየ ሓሳባት ኢዩ ነይርዎም። (ራእይ 20:4) ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ፓፒያስ በዓል ሂራጶሊስ: ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ምድሪ ንእተፍርዮ ዘደንጹ ምህርቲ ዝምልከት ትጽቢት ነበሮ። ጀስቲን ማርቲር ብዛዕባ ህላወ የሱስ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ: እታ እተመልሰት የሩሳሌም ድማ መንበረ መንግስቲ የሱስ ክትከውን ተጸብዩ ኢዩ። ኢራንዩስ በዓል ልዮንስ ከኣ ግዝኣት ሮሜ ምስ ጠፍአ: የሱስ ብዓይኒ ክርአ: ንሰይጣን ክኣስሮ: ኣብታ ምድራዊት የሩሳሌም ድማ ክነግስ ኢዩ ብምባል መሃረ።
5. ገለ ምሁራት ብዛዕባ “ካልኣይ ምምጻእ” ክርስቶስን ሽሓዊ ንግስነቱን እንታይ በሉ፧
5 ጸሓፍ ታሪኽ ፊሊፕ ሻፍ: ቅድሚ እቲ ብ325 ከ.ኣ.ዘ. እተኻየደ ቤት ምኽሪ ኒቅያ ኣብ ዝነበረ እዋን “እቲ ኣዝዩ ጕሉሕ ነገር: ቅድሚ እቲ ጠቕላላዊ ትንሳኤን ፍርድን: ክርስቶስ ምስቶም ቅዱሳን ብምዃን ኣብ ምድሪ ንሽሕ ዓመት ብኽብሪ ነጊሱ ክርአ ኢዩ ዝብል እምነት” ከም ዝነበረ ገሊጹ ኢዩ። ብጀምስ ሃስቲን እተዳለወ ኤ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ከምዚ ይብል:- “ተርቱልያን: ኢራንዩስ: ከምኡውን ሂፖሊተስ ገና ነቲ ቐልጢፉ ዝኸውን ምምጻእ [የሱስ ክርስቶስ] ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም፣ በቶም ናይ ኣለክሳንድርያ ኣቦታት ግን ኣብ ሓድሽ ናይ ኣተሓሳስባ ዓውዲ ኣተና። . . . ናይ ኣጎስቲን ትምህርትታት ነቲ ሽሓዊ ዓመት ምስታ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ምስ ኣተሓሓዞ: እቲ ካልኣይ ምምጻእ ናብ ርሑቕ መጻኢ ግዜ ተናውሐ።”
መዓልቲ የሆዋን ህላወ የሱስን
6. መዓልቲ የሆዋ መሊሳ ርሒቓ ኢያ ኢልና ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ጌጋ ምርዳእ ናብ ተስፋ ምቝራጽ መሪሑ ኢዩ: መዓልቲ የሆዋ መሊሳ ርሒቓ ኢልና ግን ኣይንሕሰብ። እቲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ መዓልቲ የሆዋ ተተሓሒዙ ዘሎ ዘይርአ ህላወ የሱስ ድሮ ጀሚሩ ኢዩ። ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ምስኡ እተተሓሓዘ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት: ህላወ ክርስቶስ ብ1914 ከም ዝጀመረ ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝህብ።a ስለዚ እምበኣር: የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
7. (ሀ) ገለ ካብቲ መዳያት ናይ ትእምርቲ ህላወ የሱስን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብኸመይ ኢና ክንድሕን እንኽእል፧
7 ህላወ የሱስ ኣብቲ ቀቅድሚ ሙማቱ ዝነበረ እዋን መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ነበረ። ሃዋርያቱ ጴጥሮስ: ያእቆብ: ዮሃንስ: ከምኡውን እንድርያስ: ብዛዕባ ጥፍኣት ቤት መቕደስ የሩሳሌም ክዛረብ ምስ ሰምዕዎ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ] መወዳእታ ዓለምንከ [“መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝንከ:” NW ] እንታይ እዩ፧” ብምባል ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:1-3፣ ማርቆስ 13:3, 4) የሱስ ክምልሰሎም ከሎ: ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ካልኦት መዳያት ናይቲ “ትእምርቲ” ህላወኡን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ክህሉ ምዃኑ ተነበየ። “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:13) ክሳዕ መወዳእታ ህይወትና ወይ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ብተኣማንነት እንተድኣ ተጸሚምና ክንድሕን ኢና።
8. ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዝነበሮ: ሎሚኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፧
8 መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ: ሓደ ብፍላይ ኣገዳሲ መዳይ ህላወ የሱስ ዝዀነ ነገር ክፍጸም ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ድማ የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሮማውያን ንየሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኦምን ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ድማ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምውድኡን: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር [ተሰብከ]” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:23) ይኹን እምበር: ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣብ ብዘላ ዓለም” ኣዝዩ ዝሰፍሐ ዕዮ ስብከት የካይዱ ኢዮም ዘለዉ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት: ኣምላኽ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዓቢ ምስክርነት ክወሃብ ኣፍ ደገ ከፊቱ ኢዩ። በተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ሓተምትን ካልእ መሳለጥያታትን: ማሕበር የሆዋ ኣብቲ “ዘይተበጽሐ ቦታታት” እውን ከይተረፈ ንተወሳኺ ዕዮ ድልውቲ ኢያ። (ሮሜ 15:22, 23 NW ) መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ዝከኣለካ ንኽትገብር ልብኻ የለዓዕለካዶ፧ ዘለዓዕለካ እንተድኣ ዀይኑ: ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ዕዮ ዓስቢ ዘለዎ ተኻፋልነት ንኽህልወካ ከሐይልካ ይኽእል ኢዩ።—ፊልጲ 4:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:17
9. ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:36 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ እንታይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ እተዛረበ፧
9 ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስትን ካልእ መዳያት ህላወ የሱስን ይፍጸም ኢዩ ዘሎ። ስለዚ: መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ቀሪቡ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: የሱስ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:4-14, 36) ናይ የሱስ ትንቢት ግን ‘ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን’ እተዳሎና ንኽንከውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
እተዳለዉ ኢዮም ነይሮም
10. ብመንፈስ ንቑሕ ኴንካ ክጽናሕ ከም ዝከኣል እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧
10 ካብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ምእንቲ ክንድሕን: ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕን ንሓቀኛ ኣምላኾ ድማ ጽኑዓት ክንከውንን ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 16:13) ከምዚ ዝበለ ምጽማም ይከኣል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና: ምኽንያቱ ሓንቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ስድራቤት ከምኡ ገይራ: ካብቲ ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ. ንእኩያት ሰባት ዘጥፍአ ምዕልቕላቕ ማይ ድማ ድሒና ኢያ። የሱስ ነቲ እዋን እቲ ምስ ህላወኡ ብምትሕሓዝ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን [“ኣየስተውዓሉን:” NW ]። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37-39
11. ኖህ ኣብ ግዜኡ ዓመጽ እኳ እንተ ነበረ: እንታይ መገዲ ኢዩ ዝሰዓበ፧
11 ኖህን ስድራቤቱን ልክዕ ከምዚ ንሕና ዘሎናዮ ኣብ ሓንቲ እክይቲ ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። “ደቂ [“እቲ ሓቀኛ:” NW ] ኣምላኽ” ዝዀኑ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ስጋ ለቢሶም ኣንስቲ ወሰዱ: ካብዚኣተን ድማ ውርደተኛታት ነፍሊም—ብዘይጥርጥር ነቲ ኵነታት ዝያዳ እኩይ ከም ዝኸውን ዝገብርዎ ግፍዐኛታት—ወለዱ። (ዘፍጥረት 6:1, 2, 4፣ 1 ጴጥሮስ 3:19, 20) ይኹን እምበር: “ኖህ ምስ ኣምላኽ” ብእምነት “ተማላለሰ።” “ኣብቶም ወለዶታቱ”—ኣብ ግዜኡ ዝነበረ እኩይ ወለዶ—“ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ።” (ዘፍጥረት 6:9-11) ኣብ ኣምላኽ ጸሎት እተሓወሶ ትውክልቲ ብምግባር: ኣብዛ ሕስምትን እክይትን ዓለም ንመዓልቲ የሆዋ ክንጽበያ ከሎና ልክዕ ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና።
12. (ሀ) ኖህ ነታ መርከብ ኣብ ርእሲ ምህናጹ: እንታይ ዕዮ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ሰባት ነቲ ናይ ኖህ ስብከት ብኸመይ ኢዮም ዝመለስሉ: ኣብኣቶምከ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧
12 ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ህይወት ንምድሓን እትኸውን ሓንቲ መርከብ ዝሰርሐ ሰብ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። “ሰባኽ ጽድቂ” እውን ነይሩ ኢዩ: እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መልእኽቲ ‘ኣየስተውዓልሉን።’ ማይ ኣይሂ መጺኡ ክሳዕ ዘጥፍኦም ይበልዑን ይሰትዩን: ይምርዓዉ: ቈልዑ የዕብዩ: ከምኡውን ልሙድ ዋኒናት ናብርኦም የካይዱ ነበሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5፣ ዘፍጥረት 6:14) ልክዕ ከምዞም ሎሚ ዘለዉ እኩይ ወለዶ: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ‘ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ምምላስ:’ ኣብ ክርስቶስ እምነት ምርኣይ: ጽድቂ: ከምኡውን ብዛዕባ ‘ናይቲ ዝመጽእ ፍርዲ:’ ዝዛረብዎ ኣእዛኖም ዝዓጽውሉ ዘለዉ: ብዛዕባ እዱብ ኣዘራርባን ጠባይን ክሰምዑ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21፣ 24:24, 25) ኖህ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ክእውጅ ከሎ ኣብ ምድሪ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝነበሩ ዝሕብር: ክርከብ ዝኽእል ጸብጻብ የለን። ሓደ ነገር ግን ርግጽ ኢዩ: ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ. ቍጽሪ ተቐማጦ ምድሪ ብብዙሕ ጐዲሉ ኢዩ! ማይ ኣይሂ ነቶም ንተግባር ኣምላኽ እተዳለዉ ጥራይ—ኖህን ካብ ስድራቤቱ ካልኦት ሸውዓተን—ብምንሓፍ ነቶም እኩያት ጸራረጎም።—ዘፍጥረት 7:19-23፣ 1 ጴጥሮስ 3:5, 6
13. ኖህ ኣበየናይ ናይ ፍርዲ ውሳነ ኢዩ ምሉእ እምንቶ ዝገበረ: ምስዚ ብምስምማዕ ስጕምቲ ዝወሰደኸ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን ንኖህ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣየፍለጦን። ይኹን እምበር: ኖህ ወዲ 480 ዓመት ምስ ኰነ: የሆዋ “ንሱ ስጋ ድማ እዩ እሞ: መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን: ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” ብምባል ውሳነ ኣመሓላለፈ። (ዘፍጥረት 6:3) ኖህ ኣብዚ መለኮታዊ ናይ ፍርዲ ውሳነ እዚ ምሉእ እምንቶ ገበረ። ወዲ 500 ዓመት ምስ ኰነ: “ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ:” በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ልምዲ ድማ ደቁ ከይተመርዓዉ ካብ 50 ክሳዕ 60 ዓመታት ክገብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ንምድሓን እትኸውን መርከብ ክሰርሕ ምስ ተነግሮ: ደቁን ኣንስቲ ደቁን ኣብቲ ዕዮ እቲ ከም ዝሓገዝዎ ፍሉጥ ኢዩ። ምስራሕ ናይታ መርከብ ምስቲ ኖህ ከም “ሰባኽ ጽድቂ” መጠን ዝነበሮ ኣገልግሎት ተሓዊሱ: ኣብቲ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ካብ 40 ክሳዕ 50 ዓመታት ዝኸውን ግዜ ትሑዝ ከም ዝገብሮ ርዱእ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:32፣ 6:13-22) ኣብ ኵሉ እቲ ዓመታት እቲ ንሱን ስድራቤቱን ብእምነት ዓዮም ኢዮም። ንሕናውን ነቲ ብስራት ክንሰብኽን ንመዓልቲ የሆዋ ድማ ክንጽበን ከሎና እምነት ነርኢ።—እብራውያን 11:7
14. የሆዋ ኣብ መወዳእታ ንኖህ እንታይ ኢዩ ዝበሎ: ስለምንታይከ፧
14 እታ መርከብ ክትውዳእ ምስ ቀረበት: ኖህ ልክዕ መዓስ ከም ዝፍጸም እኳ እንተ ዘይፈለጠ: ማይ ኣይሂ ቀሪቡ ኢዩ ብምባል ሓሲቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ኣብ መወዳእታ ከምዚ በሎ:- “ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ።” (ዘፍጥረት 7:4) እዚ ንኖህን ስድራቤቱን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ምጅማሩ ካብ ኵሎም ዓይነት እንስሳታትን ገዛእ ርእሶምን ናብታ መርከብ ንምእታው እኹል ግዜ ሂብዎም ኢዩ። ናይዚ ኣገባብ እዚ ጥፍኣት ዝጅመረሉ መዓልትን ሰዓትን ክንፈልጦ ኣየድልየናን ኢዩ፣ እንስሳታት ከነድሕን ሓላፍነት ኣይተዋህበናን: እቶም ክድሕኑ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ድማ ድሮ ናብታ ምሳልያዊት መርከብ: ናይ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊት ገነት ይኣትዉ ኢዮም ዘለዉ።
“ንቕሑ”
15. (ሀ) ብናትካ ቓላት ገይርካ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:40-44 እተዛረቦ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ነታ የሱስ ሕነ ኣምላኽ ከውርድ ኢሉ ዝመጸላ ልክዕ ግዜ ዘይምፍላጥና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
15 የሱስ ንህላወኡ ዝምልከት ከምዚ በለ:- “ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ [ክዓዩ] እዮም: እቲ ሓደ ኺውሰድ: እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን: ሓንቲ ኽትውሰድ: ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ: ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ: ምነቕሔ: ቤቱ ክትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።” (ማቴዎስ 24:40-44፣ ሉቃስ 17:34, 35) እታ የሱስ ሕነ ኣምላኽ ከውርድ ኢሉ ዝመጸላ ልክዕ ግዜ ዘይምፍላጥና ህርኩታት ኴንና ከም እንጸንሕ ይገብረና: ንየሆዋ ካብ ስሱዕ ድራኸታት ተበጊስና ከም ዘይነምልኾ ንምርግጋጽ ድማ ኣጋጣሚ ይህበና።
16. ነቶም ‘ዝሕደጉ’ ከምኡውን ነቶም ‘ዝውሰዱ’ ውልቀ-ሰባት እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧
16 እቶም ምስ እኩያት ንጥፍኣት ‘ዝሕደጉ’ ውልቀ-ሰባት: ነቶም ሓደ እዋን ብርሃን ዝረኸቡ ግናኸ ኣብቲ ስሱዕ ናብራ ህይወት ዝጠሓሉ ዘጠቓልሉ ክዀኑ ኢዮም። ምስቶም ‘ዝውሰዱ:’ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ እተወፈዩ: በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ንዝቕርቦ መንፈሳዊ ምድላዋት ድማ ብሓቂ ዘማስውሉ ሰባት: እንኸውን ይግበረና። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) ንኣምላኽ በታ ‘ኻብ ንጹህ ልቢ: ካብ ሰናይ ሕልና: ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት [እትመጽእ] ፍቕሪ’ ገይርና ክሳዕ መወዳእታ ነገልግሎ።—1 ጢሞቴዎስ 1:5
ቅዱስ ተግባራት ኣድላዪ ኢዩ
17. (ሀ) ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:10 ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ካብቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:11 ምትብባዕ ተዋሂብሉ ዘሎ ንጥፈታትን ተግባራትን እንታይ ኢዩ፧
17 ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ: ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ: ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:10) እቲ ምሳልያዊ ሰማያትን ምድርን ካብ ረስኒ ናይቲ ዝነድድ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይከምልጥን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ጴጥሮስ “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: . . . ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ብምባል ወሲኹ ተዛረበ። (2 ጴጥሮስ 3:11) ገለ ካብቲ ንጥፈታትን ተግባራትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል: ንኻልኦት ሰናይ ምግባር: ከምኡውን ኣብ ስብከት ናይቲ ብስራት ትርጕም ዘለዎ ተሳታፍነት ምህላው ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25፣ 13:16
18. ምስ ዓለም ዝምድና ነዕቢ እንተድኣ ኣሊና: እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
18 ‘ቅዱስ ንብረትን ፍርሃት እግዚኣብሄርን’ ንኽህልወና ‘ርእስና ኻብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው’ ዝሓትት ኢዩ። (ያእቆብ 1:27) ምስዛ ዓለም እዚኣ ዝምድና ነዕቢ እንተድኣ ኣሎናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ምናልባት ደድሕሪ ዘይጽፉፍ መዘናግዒ ብምስዓብ ወይ ርኹስ መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘንጸባርቕ ሙዚቃን ደርፍታትን ብምስማዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደገኛ ኣቃውማ ከም ዝህልወና ናብ ዝገብር መፈንጠራ ንኣቱ ንህሉ ንኸውን። (2 ቈረንቶስ 6:14-18) እቲ ዅነታት ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ: ምስዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እንሓልፍ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ስምረት ዘለዎ ኣቃውማ ምእንቲ ክንረክብ ብጸሎት ገይርና ሓገዝ ኣምላኽ ንድለ። (ሉቃስ 21:34-36፤ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ህይወትና ንኣምላኽ እንተድኣ ወፊና: ምስኡ ምዉቕ ርክብ ክንሃንጽን ክንዕቅቦን ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ነታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ምእንቲ ክንከውን ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ።
19. ብዙሓት ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ካብቲ መደምደምታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንምድሓን ክጽበዩ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
19 እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኖህን ስድራቤቱን ካብቲ ነታ ጥንታዊት ዓለም ዘጥፍኣ ማይ ኣይሂ ድሒኖም ኢዮም። ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት ካብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ናይ መወዳእታ ኣገባብ ድሒኖም ኢዮም። ንኣብነት: ሃዋርያ ዮሃንስ ብ96-98 ከ.ኣ.ዘ. ንመጽሓፍ ራእይ: ነቲ ናይ ወንጌል ጸብጻቡ: ከምኡውን ነተን መንፈስ ዝነፈሰን ሰለስተ መልእኽትታት ክጽሕፍ ከሎ: ገና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንጡፍ ኢዩ ነይሩ። ካብቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ሓቀኛ እምነት እተቐበሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት: መብዛሕትኦም ካብቲ ናይ ኣይሁድ ናይ መወዳእታ ኣገባብ ድሒኖም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:41, 47፣ 4:4) ሎሚ ብዙሓት ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ካብቲ መደምደምታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንምድሓን ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።
20. ቀናኣት ‘ሰበኽቲ ጽድቂ’ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ነቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ናብታ ሓዳስ ዓለም ናይ ምድሓን ተስፋ መሰረት ብምግባር: ቀናኣት ‘ሰበኽቲ ጽድቂ’ ንኹን። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣምላኽ ምግልጋልሲ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ንሰባት ናብታ ዘመናዊት “መርከብ:” ህዝቢ ኣምላኽ ዝሕጐሱላ ዘለዉ መንፈሳዊት ገነት: ምምራሕሲ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! እቶም ኣብኣ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እሙናት: ብመንፈስ ንቑሓት: ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እተዳለዉ ኰይኖም ዝቕጽሉ ይግበሮም። ኵላትና ንቑሓት ኴንና ንኽንጸንሕ ዝሕግዘና ግን እንታይ ኢዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 10 ከምኡውን 11 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ገለ ሰባት ንመዓልቲ የሆዋን ህላወ ክርስቶስን ዝምልከት እንታይ ትጽቢታት ኢዮም ዝገበሩ፧
◻ ኖህን ስድራቤቱን ንማይ ኣይሂ እተዳለዉ ኢዮም ነይሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
◻ ነቶም ‘ንቑሓት’ ኰይኖም ዝጸንሑን ንቑሓት ኰይኖም ዘይጸንሑን እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧
◻ ብፍላይ ናብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናቐረብና ክንከይድ ከሎና ቅዱስ ተግባራት ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧