መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እቶም ሰማያዊ ስድራቤት ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዝረኣዮ ራእይ ኪገልጽ ከሎ: “ሽሕ ጊዜ ሽሕ [መላእኽቲ ንኣምላኽ] የገልግልዎ: እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ” በለ። (ዳንኤል 7:10) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ንመላእኽቲ ኼገልግልዎን ትእዛዛቱ ኺፍጽሙን ከም ዝፈጠሮም ትገልጸልና።
ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ እተተሓሓዘ እተፈላለየ ተግባራት ንምፍጻም ብመላእኽቲ ተጠቒሙ እዩ። ንህዝቡ ንምብርታዕን ንምዕቋብን: ንሰባት መልእኽቲ ንምብጻሕ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እኩያት ፍርዱ ንምፍጻም ብኸመይ መላእኽቲ ኸም እተጠቕመ እስከ ንመርምር።
መላእኽቲ የበራትዑን የዕቝቡን
መንፈሳውያን ፍጡራት ካብቲ ምድርን ናይ መጀመርታ ሰባትን ኪፍጠር ከሎ ዝረኣዩሉ እዋን ኣትሒዞም: ኣብ ደቅሰብ ሓያል ተገዳስነት ኣርእዮም እዮም። የሱስ ክርስቶስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብጥበብ ተመሲሉ ኺዛረብ ከሎ: “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” በለ። (ምሳሌ 8:31) መጽሓፍ ቅዱስ: መላእኽቲ ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ኣመልኪቱ ንነብያት ኣምላኽ እተገልጸ ሓቅታትን “ኪጥምቱ ይብህጉ እዮም” ይብለና።—1 ጴጥሮስ 1:11, 12
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ፈቃር ፈጣሪ ዘየምልኹ ምዃኖም መላእኽቲ ረኣዩ። እዝስ ነቶም እሙናት መላእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣሕዚንዎም ኰን ይኸውን! በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓደ ሓጢኣተኛ እውን እንተዀነ ናብ የሆዋ ኺምለስ ከሎ: “ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ።” (ሉቃስ 15:10) መላእኽቲ ንድሕንነት እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ኣጸቢቖም ዚግደሱ ስለ ዝዀኑ: የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ንምብርታዕን ንምዕቋብን ብተደጋጋሚ መላእኽቲ ተጠቒሙ እዩ። (እብራውያን 1:14) ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።
ክልተ መላእኽቲ ነቲ ጻድቕ ሎጥን ነዋልዱን ካብተን እኩያት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚወጹ ብምግባር ካብ ጥፍኣት ኣድሓንዎም።a (ዘፍጥረት 19:1, 15-26) ዘመናት ጸኒሑ ነብዪ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ እኳ እንተ ተደርበየ: ከይተጐድአ ወጸ። ስለምንታይ፧ “ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ: ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ” ብምባል ተዛረበ። (ዳንኤል 6:22) መላእኽቲ ንየሱስ ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቱ ደጊፎምዎ እዮም። (ማርቆስ 1:13) ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ሓደ “ዜበርትዖ” መልኣኽ ተራእዮ። (ሉቃስ 22:43) እዝስ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣበራቲዕዎ ዀን ኪኸውን ኣለዎ! ሓደ መልኣኽ ከኣ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11
ሎሚኸ መላእኽቲ የዕቍቡና ድዮም፧ ንየሆዋ ብመሰረት ቃሉ ጌርና እንተ ኣምሊኽናዮ: እዞም ሓያላት ብዓይኒ ሰብ ዘይረኣዩ መላእኽቲ የዕቍቡና እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ይብለና።—መዝሙር 34:7
ይኹን እምበር: መላእኽቲ ብቐዳምነት ንኣምላኽ እምበር ንሰባት ከም ዘየገልግሉ ኽንፈልጥ ኣሎና። (መዝሙር 103:20, 21) ንለመና ደቅሰብ ዘይኰነስ: ንመምርሒታት ኣምላኽ እዮም ዚሰምዑ። ስለዚ: ካብ መላእኽቲ ዘይኰነስ: ካብ የሆዋ ኣምላኽ ኢና ሓገዝ ኽንሓትት ዘሎና። (ማቴዎስ 26:53) ሓቂ እዩ ንመላእኽቲ ኽንርእዮም ስለ ዘይንኽእል: ኣምላኽ እተፈላለየ ጸገማት ንዘለዎም ህዝቡ ንምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ብመላእኽቲ ኸም ዚጥቀም ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: የሆዋ ‘ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ዜጽንዖም’ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (2 ዜና መዋእል 16:9፣ መዝሙር 91:11) ከምኡውን “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።—1 ዮሃንስ 5:14
ቅዱሳት ጽሑፋት ጸሎትናን ኣምልኾናን ናብ ኣምላኽ ጥራይ ከነቕርብ ከም ዘሎና ይገልጽ። (ዘጸኣት 20:3-5፣ መዝሙር 5:1, 2፣ ማቴዎስ 6:9) እሙናት መላእኽቲ ኸምዚ ኽንገብር እዮም ዜበራትዑና። ንኣብነት: ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓደ መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ ፈተነ: እቲ መንፈሳዊ ፍጡር “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። . . . ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ብምባል ገንሖ።—ራእይ 19:10
መላእኽቲ መልእኽቲ ኣምላኽ የብጽሑ
እታ “መልኣኽ” እትብል ቃል “ልኡኽ” ወይ “መልእኽተኛ” ዚብል ትርጕም ስለ ዘለዋ: መላእኽቲ ኻብ ኣምላኽ መልእኽቲ ንሰባት ብምብጻሕ ንኣምላኽ የገልግልዎ እዮም። ንኣብነት: “ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ . . . ካብ ኣምላኽ ተላእከ።” ንምንታይ፧ ንሓንቲ ማርያም እትበሃል መንእሰይ ዋላኳ ድንግል እንተ ዀነት ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ: የሱስ ኢላ ኸኣ ከም እትሰምዮ ንምንጋር እዩ ተላኢኹ። (ሉቃስ 1:26-31) ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ መሮር ንዝነበሩ ጓሶት “ክርስቶስ ጐይታ” ኸም እተወልደ ንምንጋር ተላእከ። (ሉቃስ 2:8-11) ብተመሳሳሊ እውን መላእኽቲ ናብ ኣብርሃም: ሙሴ: የሱስ: ከምኡውን ናብ ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጹ ሰባት ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣብጺሖም እዮም።—ዘፍጥረት 18:1-5, 10፣ ዘጸኣት 3:1, 2፣ ሉቃስ 22:39-43
ሎሚኸ መላእኽቲ መልእኽተኛታት ኣምላኽ ኰይኖም ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ የሱስ መወዳእታ እዚ ኣገባብ ቅድሚ ምምጻኡ ሰዓብቱ ብዛዕባ ዚዓይዎ ዕዮ ኣቐዲሙ እተዛረቦ እሞ ርአ። ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:3, 14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ እዮም። መላእኽቲ እውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ኸም ዚሳተፉ ትፈልጥዶ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ዝረኣዮ ራእይ ኪዛረብ ከሎ: “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ . . . ርኤኹ” በለ። (ራእይ 14:6, 7) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ መላእኽቲ ምእንቲ ንደቅሰብ ዚዓይዎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ተጕልሕ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ዕዮ ስብከት መሪሕነት መላእኽቲ ኸም ዘለዎ መረጋገጺ ይረኽቡ እዮም። ብዙሕ ግዜ ዕላማታት ኣምላኽ ንኺርድኦም ዚሕግዞም ሰብ ንኺረኽቡ ኻብ ዝጽልዩ ነዊሕ ዘይገበሩ ሰባት የጓንፍዎም እዮም። ሳላ ሓገዝ መላእኽትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ምንቅስቓስን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኽኢሎም እዮም። ንስኻውን ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዚግበር ህይወት ዜድሕን ዕዮ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
መላእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ ይፍጽሙ
መላእኽቲ ንሰባት ኪፈርዱ ስልጣን እንተ ዘይተዋህቦም እኳ: ተዓዘብቲ ጥራይ እውን ኣይኰኑን። (ዮሃንስ 5:22፣ እብራውያን 12:22, 23) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ንኣብነት: ኣምላኽ ነቶም ንእስራኤላውያን ባሮት ገይሮምዎም ዝነበሩ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ግብጻውያን ንምጥፋእ: ብመላእኽቲ እዩ ተጠቒሙ። (መዝሙር 78:49) ከምኡውን “መልኣኽ እግዚኣብሄር” ካብ ሰፈር ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ሓንቲ ለይቲ ቐተለ።—2 ነገስት 19:35
ኣብ መጻኢ እውን መላእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም። የሱስ “ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም” ኪመጽእ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:7, 8) እዚ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ብሓገዝ መላእኽቲ ዚስበኽ ዘሎ መልእኽቲ ዘይቅበሉ ሰባት ጥራይ እዩ ዚወርድ። እቶም ንኣምላኽ ዚደልዩን ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ዚሰማምዑን ግን ኣይኪጠፍኡን እዮም።—ጸፎንያስ 2:3
ነዞም ኵሉ ሳዕ ትእዛዛት ኣምላኽ ዚፍጽሙ እሙናት መላእኽቲ ኽንደይ ኰን ከነመስግኖም ይግባእ! የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ንምሕጋዝን ንምዕቋብን ብእኦም እዩ ዚጥቀም። እዚ ብዙሕ ኬጸናንዓና ኣለዎ: ምኽንያቱ ኼጥፍኡና ዚደልዩ ኣጋንንቲ ዚበሃሉ ሓደገኛታት እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት ኣለዉ።
ኣጋንንቲ መን እዮም፧
ሰይጣን ካብቲ ንሄዋን ኣብ ኤድን ዘስሓተላ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ 15 ዘመናት: ከም ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ ሒደት እሙናት ሰባት እንተ ዘይኰይኑ ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ክኢሉ ኸም ዝነበረ መላእኽቲ ተዓዚቦም እዮም። (ዘፍጥረት 3:1-7፣ እብራውያን 11:4, 5, 7) ገለ ኻብ መላእኽቲ እውን ንሰይጣን ሰዓቡ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም “ብመዓልትታት ኖህ” ዝነበሩ ዘይእዙዛት መናፍስቲ ኸም ዝዀኑ ይሕብር። (1 ጴጥሮስ 3:19, 20) ዘይእዙዛት ምዃኖም ብኸመይ ኣርኣዩ፧
ብግዜ ኖህ ቍጽሮም ዘይፍለጥ ዓለወኛታት መላእኽቲ: ኣብ ሰማያዊ ስድራቤት ኣምላኽ ዝነበሮም ቦታ ሓዲጎም: ናብ ምድሪ ብምምጻእ ስጋ ለበሱ። ስለምንታይ፧ ምስ ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ስለ ዝበሃጉ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ነፊሊም ዚበሃሉ ንጉዓት ሰባት ወለዱ። ብተወሳኺ ድማ ‘ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዝሔ ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ኰነ።’ የሆዋ ኣምላኽ ግን ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዝመጸ ብልሽውና ኪቕጽል ኣይፈቐደን። ስለዚ: ንዅሎም እኩያት ሰባት: ነቶም ነፊሊም እውን ሓዊሱ ዘጥፍአ ዓለምለኻዊ ምጥልቕላቕ ማይ ኣምጽአ። ካብዚ ድማ እሙናት ኣገልገልቱ ጥራይ ደሓኑ።—ዘፍጥረት 6:1-7, 17፣ 7:23
እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ኻብ ማይ ኣይሂ ኣምለጡ። ነቲ ስጋኦም ሓዲጎም መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ናብ ሰማይ ተመልሱ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ኣጋንንቲ ተባህሉ። ኣብ ጐድኒ እቲ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ዚበሃል ሰይጣን ድያብሎስ ድማ ቈሙ። (ማቴዎስ 12:24-27) ከም ሓለቓኦም ንሳቶም እውን ደቅሰብ ኬምልኽዎም ሃርር እዮም ዚብሉ።
ኣጋንንቲ ሓደገኛታት እኳ እንተዀኑ: ክንፈርሆም ግን የብልናን። ከመይሲ ሓይሎም ድሩት እዩ። እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሱ: ናብታ ብእሙናት መላእኽቲ ዝቘመት ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ስድራቤት ኪምለሱ ኣይተፈቕደሎምን። ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ምስትውዓል ከም ዘይረኽቡ ተገብሩ: ንመጻኢ እውን ዋላ ሓንቲ ተስፋ የብሎምን። ጦርጦስ ኣብ ዚበሃል መንፈሳዊ ጸልማት ድማ ተኣስሩ። (2 ጴጥሮስ 2:4 NW) የሆዋ “ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ” ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኣሲርዎም ኣሎ። ብተወሳኺ ኸኣ ስጋ ሰብ ኪለብሱ ኣይክእሉን እዮም።—ይሁዳ 6
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ኣጋንንቲ ሎሚውን ኣብ ደቅሰብ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ: ከም መራሒኦም ሰይጣን ዲያብሎስ ንሳቶምውን “ፍሕሶ” ወይ ውዲት ብምጥቃም ጽልዋ የሕድሩ እዮም። (ኤፌሶን 6:11, 12) ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነጋንንቲ ኽንቃወሞም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚውን: እቶም ንኣምላኽ ዚፈትዉ: ዕቝባ እቶም ሓያላት መላእኽቲ ይረኽቡ እዮም።
ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብቕዓታት ኣምላኽ ምፍላጥካን ነቲ እተመሃርካዮ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓልካንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣድላዪ እዩ! ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምርኻብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ብምጽሓፍ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ገለ ኽፍሊትን ንዓኻ ኣብ ዚምሽኣካ ግዜን ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ሕጕሳት እዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መላእኽቲ ኸም ሰብኡት እዮም ተገሊጾም ዘለዉ። ኣብ ኵሉ እቲ ንደቅሰብ እተራእዩሉ እዋናት ከም ሰብኡት እዮም ተራእዮም።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
መላእኽቲ ብኸመይ እዮም ተወዲቦም፧
የሆዋ ነቶም ሰማያዊ ስድራቤቱ ዝዀኑ መላእኽቲ በዚ ዚስዕብ መገዲ እዩ ወዲብዎም:-
ካብ ኵሎም ንላዕሊ ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ መልኣኽ: ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ወይ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:16፣ ይሁዳ 9) ሱራፌልን ኪሩቤልን ካልኦት መላእኽትን ኣብ ትሕቲኡ እዮም።
ሱራፌል ኣብ ምምሕዳር ኣምላኽ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም እዮም። ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ከም ኣአንገድቲ ዀይኖም የገልግሉ። ዕዮኦም ኣምላኽ ቅዱስ ምዃኑ ምእዋጅን ህዝቡ ብመንፈሳዊ ንጹሃት ኪዀኑ ምሕላውን የጠቓልል።—ኢሳይያስ 6:1-3, 6, 7
ኪሩቤል ምስ ዙፋን ኣምላኽ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም: ንግርማ የሆዋ ድማ ክብ የብሉ።—መዝሙር 80:1፣ 99:1፣ ህዝቅኤል 10:1, 2
ካልኦት መላእኽቲ ተወከልቲ የሆዋ እዮም: ፍቓዱ ድማ ይፍጽሙ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
መላእኽቲ ንሎጥን ነዋልዱን ዕቝባ ናብ ዚረኽቡሉ ቦታ ወሰድዎም
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓደ መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ ፈተነ: “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ” በሎ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
መላእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ ይፍጽሙ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዚግበር ህይወት ዜድሕን ዕዮ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧