የሱስ ኣብ ፖለቲካ ዘይኣተወ ስለምንታይ እዩ፧
ነዚ ዚስዕብ ብ32 ድ.ክ. ዘጋጠመ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰዓቱ ኣጋ ምሸት እዩ ነይሩ። እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ዝዀነ የሱስ፡ ኣቐዲሙ ንዝሓመሙ ስለ ዘሕወየ፡ ንዝሞቱ እውን ከይተረፈ ስለ ዘተንስአ፡ ድሮ ዓብዪ ተፈላጥነት ረኺቡ ነበረ። ኣብቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ እዋን ከኣ፡ ተኣምራት ብምግባርን ትምህርትታት ኣምላኽ ብምምሃርን፡ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ኣስደመሞም። ድሕሪኡ፡ ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ ህዝቢ፡ በብጕጅለ ኣቐመጦም። ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላዩ ድማ፡ ንዅሎም ብተኣምራዊ መገዲ መገቦም። ቀጺሉ፡ እቲ ዝተረፈ ምግቢ ምእንቲ ኸይባኽን ኣከቦ። እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧—ዮሃንስ 6:1-13።
እቶም ህዝቢ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ናይ ምምራሕ ክእለቱን ምስ ረኣዩ፡ ዜድልዮም ኬማልኣሎም ከም ዚኽእል ድማ ምስ ተዓዘቡ፡ ብሉጽ ንጉስ ከም ዚኸውን ደምደሙ። (ዮሃንስ 6:14) እዚ ኸኣ ዜገርም ኣይኰነን። ንፉዕ መራሒ ይደልዩ ነይሮም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ዓዶም ኣብ ትሕቲ እቲ ጭቈና ዝመልኦ መግዛእቲ ጓኖት እያ ነይራ። ስለዚ፡ ኣብ ፖለቲካ ምእንቲ ኺኣቱ፡ ንየሱስ ጸቕጢ ገበሩሉ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ የሱስ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበ እስከ ንርአ።
ዮሃንስ 6:15፡ “የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ” ትብል። የሱስ ዝነበሮ መርገጽ ከቶ ኣየማትእን እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዓዱ ኺኣቱ ኣይደለየን። ነዚ መትከሉ ፈጺሙ ኣይቀየሮን። ንሰዓብቱ ብዚምልከት ኪዛረብ ከሎ እውን፡ ምስቲ ናቱ ዚመሳሰል መርገጽ ኪህልዎም ከም ዚግባእ ገለጸ። (ዮሃንስ 17:16) ከምዚ ዝኣመሰለ መትከል ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ገለልተኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም ገለልተኛ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እተመስረተ እዩ ነይሩ። ክልተ ኣብነታት ጥራይ እስከ ርአ።
“ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ።” (መክብብ 8:9) መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ፡ በዚ ኸምዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጾ። የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ይገብር፡ መንፈስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 17:5) ስለዚ፡ የሱስ፡ ደቂ ሰብ ሽሕ ሳዕ ጽቡቕ ድራኸ ይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብግቡእ ናይ ምምሕዳር ክእለት ከም ዘይብሎም ይፈልጥ ነበረ፣ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ንሰብ ዝፈጠሮ ኸምኡ ኺገብር ኢሉ ኣይኰነን። (ኤርምያስ 10:23) ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ ጸገም ደቂ ሰብ ኪፍታሕ ዚኽእል፡ ብሰብኣውያን መንግስትታት ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
“ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5:19) ነዚ ሓሳብ እዚ ዜደንጹ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ብዛዕባ እቶም ነዛ ዓለም ዝሓሸትን ውሕስትን ኪገብርዋ ኢሎም ኣብ መንግስታዊ ጕዳያት ኢዶም ዜእትዉ ቕኑዓት ሰባት ይሓስቡ ይዀኑ። እቶም ኣዝዮም ቅኑዓት ዚበሃሉ ገዛእቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ካብ ጽልዋ እቲ የሱስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ዝጸውዖ ፍጡር ኬምልጡ ኣይክእሉን እዮም። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሓደ ፖለቲከኛ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዝበሎ። (ዮሃንስ 18:36) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ተሓርዩ ነይሩ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ኢዱ እንተ ዜእቱ ነይሩ፡ ነታ መንግስቲ ኣቦኡ እሙን ኣይምዀነን።
ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ሰዓብቱ ንምድራውያን መንግስትታት ብዚምልከት ዋላ ሓንቲ ግዴታ ኸም ዘይብሎም ድዩ ምሂሩ፧ ኣይፋሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ሓላፍነትን ንሰብኣውያን መንግስትታት ዘለዎም ግዴታን ሚዛኖም ኪሕልዉ እዩ ምሂርዎም።
የሱስ ንሰበ-ስልጣን ኣኽበሮም
የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገሊኦም ተጻረርቱ፡ ሰባት ግብሪ ኪኸፍሉ ግቡእ እንተ ዀይኑ ብምሕታት፡ ኣብ መዋጥር ኬእትውዎ ፈተኑ። የሱስ ‘ኣይፋል’ ኢሉ እንተ መሊሱ፡ ከም መናዓብን ነቶም ካብ መግዛእቲ ሮሜ ናጻ ኪዀኑ ዚደልዩ ዝነበሩ ህዝቢ ንዕልዋ ኸም ዜለዓዕልን ጌርካ ኺርአ ይኽእል ነይሩ እዩ። ‘እወ’ ኢሉ እንተ መሊሱ ድማ፡ ነቲ እቶም ህዝቢ ዚወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ኸም ዝደገፎ ጌርካ ኺርአ ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሚዛኑ ዝሓለወ መልሲ ሃቦም። “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ” በሎም። (ሉቃስ 20:21-25) እምበኣር፡ ሰዓብቲ የሱስ ንኣምላኽ ኰነ ንቄሳር ግዴታታት ኣለዎም።
መንግስትታት ብእተወሰነ ደረጃ ስርዓት ከም ዚሰፍን ይገብራ እየን። ተገዛእተን ቅኑዓት ኪዀኑን ግብሪ ኪኸፍሉን ሕጊ ኬኽብሩን እውን ይሓትታ እየን። የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ብምሃብ ዝመጸ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧ ወለዱ፡ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ እዋን እውን ከይተረፈ ሕጊ የኽብሩ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ዮሴፍን እታ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት ማርያም ሰበይቱን፡ ብመንግስቲ ሮሜ ንቘጸራ ህዝቢ ዚምልከት ኣዋጅ ምስ ወጸ፡ ኣስታት 150 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብ ቤት-ልሄም ከዱ። (ሉቃስ 2:1-5) የሱስ እውን ከም ወለዱ፡ ሕጊ የኽብር፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ግብሪ ኪኸፍል ዘይግብኦ ኽነሱ፡ ይኸፍል ነበረ። (ማቴዎስ 17:24-27) ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት፡ ኣብ ዘይምልከቶ ኸይኣቱ ተጠንቂቑ እዩ። (ሉቃስ 12:13, 14) ስለዚ፡ ንመንግስቲ የኽብር እኳ እንተ ነበረ፡ ኢዱ ኼእቱ ግን ኣይደለየን። “ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ” ኺብል ከሎ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
የሱስ ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ’ ዝሃበሉ መገዲ
ሓደ እዋን፡ የሱስ፡ ካብ ሕግታት ኣምላኽ እታ ዝዓበየት ኣየነይቲ ምዃና ተሓቲቱ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።” (ማቴዎስ 22:37-39) ሓደ ኻብቲ “ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ” እንህበሉ ናይ መጀመርታ መገዲ፡ ንዕኡ ምፍቃር ምዃኑ የሱስ መሃረ፣ እዚ ኸኣ ብምሉእ ልብኻ ጐደሎ ዘይብሉ ተኣማንነት ምሃብ የጠቓልል።
እዚ ፍቕሪ እዚ ኺምቀል ይኽእል ድዩ፧ ተኣማንነትና ገሊኡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንሰማያዊት መንግስቱን፡ ገሊኡ ኸኣ ንምድራውያን መንግስትታት ኪወሃብ ይኽእል ድዩ፧ የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 6:24) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ተኣማንነትካ ንኣምላኽን ንሃብትን ብዛዕባ ምምቃል ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ንፖለቲካ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ኪውዕል ከም ዚኽእል እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱ እውን እንተ ዀኑ፡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም።
ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ከም ዘየእተዉ ዚሕብር ጥንታዊ ጽሑፋት ኣሎ። ነቲ ክርስቶስ ዜምልኾ ዝነበረ ኣምላኽ የምልኹ ስለ ዝነበሩ፡ ንሮሜን ንሃጸያን እሙናት ከም ዚዀኑ ኺምሕሉን ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉን መንግስታዊ ስልጣን ኪቕበሉን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እተፈላለየ ዓይነት ምጽራር ኣጋጠሞም። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸላእቶም፡ ንደቂ ሰብ ጽልኢ ኸም ዘለዎም ይኸስዎም ነበሩ። እሞኸ እዚ ኽሲ እዚ ሓቅነት ነይርዎ ድዩ፧
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰባት ይሓልዩሎም
እታ የሱስ ዝጠቐሳ ኻልአይቲ ትእዛዝ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኸም እትብል ትዝክር ትኸውን። እምበኣር፡ ሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ኪጸልእ ኣይግብኦን እዩ። የሱስ ንሰባት የፍቅሮም፡ ምእንታኦም ኢሉ ኣበርቲዑ ይዓዪ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ጸገማቶም ንምፍታሕ ግብራዊ ሓገዝ ይህቦም ነበረ።—ማርቆስ 5:25-34፣ ዮሃንስ 2:1-10።
ይኹን እምበር፡ የሱስ ብቐዳምነት ብምንታይ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ፧ ንብዙሓት እኳ እንተ ፈወሰ፡ ንኣሽሓት እኳ እንተ መገበ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምዉታት እኳ እንተ ኣተንስአ፡ በዚ ተግባራቱ ኣይተጸውዐን። የግዳስ፡ መምህር ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ፣ ሰባት ከምኡ ኢሎም ብምጽውዖም ከኣ ኣይተጋገዩን። (ዮሃንስ 1:38፣ 13:13) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺምህሮም ምዃኑ ባዕሉ ገሊጹ እዩ።—ሉቃስ 4:43።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ ጐይታኦም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝዓየዮ ዕዮ፡ ማለት ነቲ ንሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንጋር ዕዮ ብተወፋይነት ዚዓዩ። የሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኺምህርዎም ኣዚዙ እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እታ ዘይትሓልፍ ሰማያዊት መንግስቲ፡ ብመሰረት ሕጊ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ኣምላኽ ክትገዝእ እያ። ፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽም፡ ንመከራን ሞትን ከኣ ከተወግድ እያ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:3, 4) መጽሓፍ ቅዱስ ንመልእኽቲ ክርስቶስ “ብስራት” ኢሉ ምጽዋዑ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ሉቃስ 4:43።
ሎሚ ንናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ከተለልዮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም ድዮም ዚኣትዉ፡ ወይስ ቀንዲ ተልእኾኦም፡ ልክዕ ከም የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን እዩ፧
ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብዚ እዋን እዚ ንህይወትካ ብኸመይ ክትጸልዎ ኸም እትኽእልን ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ፡ ወይ ከኣ ኣብ www.watchtower.org ዚብል ወግዓዊ ወብ ሳይት ክትውከስ ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንማሕበረሰብ ይሕግዙ ድዮም፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ማሕበረሰቦም ንዘለዉ ኻብ ኵሉ ዓሌትን መበቈልን ንዝመጹ ሰባት ይሕግዝዎም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦
◼ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር፡ ኣብ ዓመት ብድምር ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ሰዓት የሕልፉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕማቕ ወልፍታትን ልማዳትን ንኸተሰንፍን ሕጉስ ስድራ ቤት ንኺህልወካን ህይወትካ ንኸተመሓይሽን ብኸመይ ከም ዚሕግዝ እውን ይምህሩ።
◼ ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ጽሑፋት ሓቲሞም ብዘይ ክፍሊት ይዝርግሑ፣ ገለ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ፡ ካልእ ጽሑፋት የብሉን።
◼ ንሚልዮናት ሰባት ሓሳቦም ብንጹርን ብሜላን ኪገልጹ ዘኽኣሎም ኣብ ቅድሚ ሰባት ናይ ምዝራብ ክእለት ዜማዕብል ስልጠና ይህቡ።
◼ መደባት ምጥፋእ መሃይምነት ብምድላው፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ምሂሮም እዮም።
◼ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ማእከላት ንዚሃንጹ ወለንተኛታት ንምስልጣን፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 400 ኮሚተታት ከባብያዊ ህንጸት ወዲቦም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ልዕሊ 20,000 ኣባይቲ ኣምልኾ ወይ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጾም እዮም።
◼ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚግበር ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ እዮም፣ ካብዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑን ዘይኰኑን ሰባት ይጥቀሙ እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ህቦብላ ዕንወት ምስ ኣስዓበ፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ልዕሊ 90 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን 5,500 ኣባይትን ሃኒጾም እዮም።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብ ፖለቲካ ንኺኣቱ ጸቕጢ ምስ ተገብረሉ፡ “በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ”