መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ እንታይ ከተወግድ እያ፧
“ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃ. 2:17።
1, 2. (ሀ) እዚ ስርዓት እዚ ሞት ምስ እተፈርዶ ገበነኛ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እዚ እኩይ ስርዓት ምስ ጠፍአ፡ መስተውዓሊ ፍጡር ዘበለ እንታይ ኪስምዖ እዩ፧
ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ዕሉል ገበነኛ ኻብታ እተኣስረላ ኽፍሊ ወጺኡ ብኮሪደር ኪሓልፍ ከሎ፡ እቶም ሓለውቲ፡ “ምዉት ሰብ ይሓልፍ ኣሎ” በሉ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኢሎም፧ እቲ ገበነኛ ህያውን ጥዑይን እኳ እንተ ነበረ፡ ሞት ተፈሪድዎ ስለ ዝነበረ፡ ኪቕተል እዩ ዚውሰድ ነይሩ። ስለዚ፡ ዳርጋ ኸም ዝሞተ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ።a
2 እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እውን ከምቲ ሞት እተፈርዶ ገበነኛ እዩ። እዛ እክይቲ ዓለም ጥፍኣት ተፈሪድዋ ኣሎ፣ ጥፍኣታ ድማ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ” ይብለና። (1 ዮሃ. 2:17) እዚ ስርዓት እዚ ብርግጽ ኪጠፍእ እዩ። ኣብ መንጎ ጥፍኣት እዛ ዓለም እዚኣን ኣብ መንጎ እቲ ሞት እተፈርዶ ገበነኛን ግና ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት እቲ ገበነኛ እተዋህቦ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ብምግላጽ ይቃወሙ፡ ወይ ከኣ ምሕረት ኪግበረሉ ተስፋ ይገብሩ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ጥፍኣት እዛ ዓለም እዚኣ በቲ ፍጹም ዳኛ ዝዀነ ልዑላዊ ገዛኢ ሰማይን ምድርን እዩ ተበይኑ። (ዘዳ. 32:4) እቲ ፍርዲ ኺናዋሕ፡ ብዛዕባ ፍትሓውነት እቲ ፍርዲ ድማ ጥርጣረ ኺፍጠር ኣይክእልን እዩ። እቲ ፍርዲ ምስ ተፈጸመ፡ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዘሎ ዅሉ መስተውዓሊ ፍጡር ዘበለ ፍትሒ ኸም ዝወጸ ኺሰማማዕ እዩ። ኵሉ ድማ እፎይታ ኺስምዖ እዩ።
3. መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት ዚውገድ እንታይ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጸገማት ኢና ኽንመያየጥ፧
3 እዛ ‘እትሓልፍ ዘላ ዓለም’ ግና እንታይ ዘጠቓለለት እያ፧ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ከም ቀዋሚ ኽፋል ህይወት ገይሮም ዚሓስብዎ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ኪጠፍእ እዩ። እዚ ድማ ባህ ዜብል እዩ! ወረግ እዚ ብስራት እዝስ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ “ብስራት መንግስቲ” እዩ። (ማቴ. 24:14) መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት እንታይ ከም እተወግድ እምበኣር ንርአ። ነዚ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጸገማት ከፊልና ኽንርእዮ ኢና። እዚ ኸኣ፡ እኩያት ሰባት፡ ብልሹዋት ውድባት፡ ሕማቕ ንጥፈታት፡ ዜጨንቕ ኵነታት እዩ። ኵሉ እቲ ጸገማት (1) ብኸመይ ከም ዚጸልወና፡ (2) የሆዋ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ፡ (3) ብኸመይ ብጽቡቕ ነገር ከም ዚትክኦ ኽንርኢ ኢና።
እኩያት ሰባት
4. እኩያት ዚጸልዉና ብኸመይ እዮም፧
4 እኩያት ሰባት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እዚ ዘለናሉ መዋእል፡ “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዚኸውን ምስ ገለጸ፡ “እኩያትን ኣምሰሉታትን . . . ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” በለ። (2 ጢሞ. 3:1-5, 13) እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ኺፍጸም ከሎ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ መብዛሕትና ጨቈንትን ዓመጽትን ሰባት ኰኑ ሕሱማት ገበነኛታት ብእተፈላለየ መገዲ ኣጥቂዖምና እዮም። ገለ ኻብዞም እኩያት ሰባት እዚኦም ብግህዶ እዮም እከይ ዚገብሩ። ገሊኦም ግና ንሰብ ዚሕግዙ ጥዑያት ሰባት እናመሰሉ ብሕቡእ እከይ ይገብሩ እዮም። በዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ግዳይ ዓመጻ እንተ ዘይኰንና እውን፡ እኩያት ሰባት ይጸልዉና እዮም። እኩያት ዚገብርዎ ዜስካሕክሕ ተግባራት ክንሰምዕ ከለና፡ ልብና ይሓዝን እዩ። እኩያት ንሕጻናትን ንኣረገውትን ኣያ ንዘይብሎምን ዚሕዝሉ ዜስካሕክሕ መገዲ የሰምብደና እዩ። ተግባራቶም ከኣ ኣረሜናውን ኣጋንንታውን እዩ። (ያእ. 3:15) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ቃል የሆዋ ብስራት ሒዙ ኣሎ።
5. (ሀ) ንእኩያት እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧ (ለ) ኪልወጡ ዘይደልዩ እኩያት ሰባት መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧
5 የሆዋ እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፧ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ንእኩያት ሰባት፡ ኪንስሑ ኣጋጣሚ ይህቦም ኣሎ። (ኢሳ. 55:7) እዚ ስርዓት እዚ፡ ጥፍኣት ተፈሪድዎ እዩ። እኩያት ሰባት ግና ብደረጃ ውልቀ ሰብ፡ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ገና ኣይተዋህቦምን። እሞኸ እቶም ኪልወጡ ዘይደልዩን ክሳዕ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ እዋን ነዚ ስርዓት እዚ ዚድግፉን ሰባት እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ የሆዋ ንእኩያት ካብ ምድሪ ንሓዋሩ ኸም ዜጥፍኦም ኣተስፍዩ እዩ። (መዝሙር 37:10 ኣንብብ።) እኩያት ሰባት ካብ ጥፍኣት ከም ዚተርፉ ይሓስቡ ይዀኑ። ብዙሓት ሰባት ግብሮም ብኸመይ ከም ዚሓብኡ ተማሂሮም እዮም፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ተግባራቶም ኣይቅጽዑን እዮም። (እዮ. 21:7, 9) መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ኣዒንቲ ኣምላኽሲ ኣብ መገድታት ሰብ እየን፣ ኵለን ስጕምትታቶም ከኣ ይርእየን እዩ። ገበርቲ ኽፉእ ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይ ብርቱዕ ጽላሎት የልቦን” ኢሉ የዘኻኽረና። (እዮ. 34:21, 22) እወ፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ክንሕባእ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምሰሉታት ኬታልልዎ ኣይክእሉን እዮም። እኩያት ዚገብርዎ ዘበለ ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ኣርማጌዶን ድማ ንእኩያት ኣብቲ ዝነበሩሉ ቦታ ደሊኻ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ። ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—መዝ. 37:12-15።
6. እኩያት ምስ ጠፍኡ ብህይወት ዚነብሩ መን እዮም፧ እዚ ብስራት ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
6 እኩያት ምስ ጠፍኡ ብህይወት ዚነብር መን እዩ፧ የሆዋ፡ “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ልቢ ዚትንክፍ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 37:11, 29) እቶም “ዓቃላት”ን “ጻድቃን”ን ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ እቶም ዓቃላት ተባሂሎም ዘለዉ ንትምህርትታትን ንመምርሒታትን የሆዋ ብትሕትና ዚቕበሉ እዮም። እቶም ጻድቃን ተባሂሎም ዘለዉ ድማ፡ እቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ዚፈትዉ እዮም። ኣብዚ ግዜና፡ ጻድቃን ብእኩያት ሰባት ተዓብሊሎም እዮም ዘለዉ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ግና፡ ዓቃላትን ጻድቃንን ውሑዳን ወይ ብዙሓን ኣይኰኑን ዝዀኑ፣ የግዳስ፡ ብህይወት ዚነብሩ ሰባት ንሳቶም ጥራይ እዮም። ንምድሪ ኸኣ ገነት ኪገብርዋ እዮም።
ብልሹዋት ውድባት
7. ብልሹዋት ውድባት ብኸመይ እየን ዚጸልዋና፧
7 ብልሹዋት ውድባት ብኸመይ እየን ዚጸልዋና፧ ኣብ ዓለም ዚርአ መብዛሕትኡ እኩይ ተግባራት ብውልቀ ሰባት ዘይኰነስ፡ ብውድባት ዚፍጸም እዩ። ንኣብነት፡ ሃይማኖታውያን ውድባት ንሚልዮናት ሰባት ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ ከይርድኡ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይውከሉ፡ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ምድርን ደቂ ሰብን ካልእ ሓያሎ ነገራትን ከኣ ከይፈልጡ ኣታሊለናኦም እየን። መንግስትታት ድማ ውግእን ዓሌታዊ ግጭትን የለዓዕላ፡ ንድኻታትን ንረዳኢ ኣልቦን ይጭቁና፡ ብግቦን ብኣድልዎን ከኣ ሃብትን ስልጣንን ይድልባ እየን። ሚልዮናት ሰባት ብድኽነት እናነበሩ ኽነሶም ንዓደግቲ እናኣዐሸዉ ንሒደት ሰባት ዜሀብትሙ፡ ኣከባቢ ዚብክሉ፡ ባህርያዊ ጸጋታት ዚብዝብዙ ትካላት እውን ኣለዉ። ብልሹዋት ውድባት ነቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ መብዛሕትኡ መከራ ተሓተትቲ ምዃነን ዜጠራጥር ኣይኰነን።
8. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽኑዓት መሲለን ዚርኣያ ውድባት እንታይ ኪዀና እየን፧
8 የሆዋ እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፧ ፖለቲካዊ ባእታታት ኣብ ልዕሊ እተን በታ ዓባይ ባቢሎን እትብሃል ኣመንዝራ እተወከላ ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ስጕምቲ ምስ ወሰደ፡ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር እዩ። (ራእ. 17:1, 2, 16፣ 18:1-4) እተን ሃይማኖታውያን ውድባት ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኣ እየን። ካልኦት ብልሹዋት ውድባትከ እንታይ ኪዀና እየን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽኑዓት መሲለን ዚርኣያ ውድባትን ትካላትን ብኣኽራንን ደሴታትን እዩ ዚምስለን። (ራእይ 6:14 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ፡ መንግስትታትን ኣብአን ዚውከላ ውድባትን ካብ ሱረን ከም ዚምሓዋ ይገልጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ድማ፡ ኵለን መንግስትታት እዛ ኣረጊት ዓለምን ኵሎም እቶም ምስተን መንግስትታት ወጊኖም ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽ ዝቘሙን ኪጠፍኡ እዮም። (ኤር. 25:31-33) ድሕሪኡ፡ ብልሹዋት ውድባት ዚብሃላ ኣይኪህልዋን እየን!
9. እታ ሓዳስ ምድሪ ብዚግባእ እተወደበት ከም እትኸውን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
9 ብልሹዋት ውድባት ብምንታይ ኪትክኣ እየን፧ ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ ኣብ ምድሪ እትህሉ ውድብ ኣላዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና” ይብለና። (2 ጴጥ. 3:13) እዚ ኣረጊት ሰማያትን ምድርን፡ ማለት እዞም ብልሹዋት መንግስትታትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ዘሎ ምድራዊ ማሕበረሰብን ኪጠፍኡ እዮም። ብምንታይከ እዮም ኪትክኡ፧ እቲ “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ዚብል ቃላት፡ ሓዳስ መንግስትን እታ መንግስቲ እትገዝኦ ሓድሽ ምድራዊ ማሕበረሰብን ከም ዚህሉ ዜመልክት እዩ። እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ንመንነት እቲ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እተንጸባርቕ ክትከውን እያ። (1 ቈረ. 14:33) ስለዚ፡ እታ “ሓዳስ ምድሪ” ብዚግባእ እተወደበት ክትከውን እያ። ንእተፈላለየ ጕዳያት ዚኣልዩ ጥዑያት ሰባት ድማ ኪህልዉ እዮም። (መዝ. 45:16) ንሳቶም ከኣ ብክርስቶስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ኪምርሑ እዮም። እወ፡ ኵለን ብልሹዋት ውድባት፡ ሓድነት ብዘለዋ ሓንቲ ጥዕይቲ ውድብ ኪትክኣ እየን።
ሕማቕ ንጥፈታት
10. ኣብ ከባቢኻ እተለምደ ሕማቕ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧ ንዓኻን ንስድራ ቤትካንከ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩልኩም፧
10 ሕማቕ ንጥፈታት ብኸመይ እዩ ዚጸልወና፧ ዓለም ብሕማቕ ተግባራት ተመሊኣ እያ ዘላ። ርኽሰትን ምትላልን ጭከና ዚመልኦ ዓመጻን ድማ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ወለዲ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ንጥፈታት ንደቆም ኪኽውልዎም ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ኢንዱስትሪ ምዝንጋዕ ድማ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘውጽኦ ስርዓታት ዕሽሽ እናበሉ፡ ንዅሉ ሕማቕ ንጥፈታት ሰሓቢ ገይሮም ኣብ ምቕራብ ክኢላታት ኰይኖም ኣለዉ። (ኢሳ. 5:20) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይጻረርዎ እዮም። ኣብዛ ንስርዓታት የሆዋ ዘይተኽብር ዓለም፡ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ይጽዕሩ እዮም።
11. ካብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ዝፈጸሞ ፍርዲ እንታይ ንምሃር፧
11 የሆዋ ንሕማቕ ንጥፈታት እንታይ ስጕምቲ ኺወስደሉ እዩ፧ ነቲ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ሕማቕ ንጥፈታት እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደሉ ዘክር። (2 ጴጥሮስ 2:6-8 ኣንብብ።) እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ በቲ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ስድራ ቤቱን ዚርአ ዝነበረ ሕማቕ ንጥፈታት ይሳቐ ነበረ። የሆዋ ነተን ከተማታት ብምጥፋእ፡ ንዅሉ እቲ ሕማቕ ተግባራት ኣወጊድዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም ነገር . . . መሰክሒ ዀይነን” እየን። ከምቲ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ርዅስ ንጥፈታት ዘጥፍኦ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት እዚ ፍርዱ ብምፍጻም እውን ነዚ ሎሚ ዘሎ ሕማቕ ተግባራት ኬጥፍኦ እዩ።
12. ገለ ኻብቲ እዚ ኣረጊት ስርዓት ምስ ጠፍአ ኽትገብሮ እትደሊ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧
12 ሕማቕ ንጥፈታት ብምንታይ ኪትካእ እዩ፧ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብዜሐጕስ ንጥፈታት ክትምላእ እያ። ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ናብ ገነት ክንልውጣ ዚውሃበና ባህ ዜብል ዕዮ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንርእስናን ንፈተውትናን እንሃንጾ ኣባይቲ እሞ ሕሰብ። ሚልዮናት ሰባት ካብ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። ንሕና ኸኣ ንዓታቶም ብዛዕባ መገድታት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንደቂ ሰብ ዝሓዘሉ መገድን ክንምህሮም ኢና። (ኢሳ. 65:21, 22፣ ግብ. 24:15) ህይወትና፡ ንዓና ሓጐስ ንየሆዋ ድማ ውዳሰ ብዜምጽእ ነገራት ኪምላእ እዩ።
ዜጨንቕ ኵነታት
13. ዕልወት ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ግዜና እንታይ ዜጨንቕ ኵነታት እዩ ፈጢሩ፧
13 ዜጨንቕ ኵነታት ብኸመይ እዩ ዚጸልወና፧ ብሰንኪ እኩያት ሰባትን ብልሹዋት ውድባትን ሕማቕ ንጥፈታትን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸርፋሕ ናብራ ኢና እንነብር። ብውግእን ድኽነትን ዓሌታዊ ጽልእን ዘይተተንከፈ ሰብ እሞ መን ኣሎ፧ ኵላትና ድማ ንሓምምን ንመውትን ኢና። እዚ ዅሉ፡ ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ብምዕላዎም ዝመጸ እዩ። ኵላትና ኸኣ ካብ ሳዕቤን እዚ ዕልወት እዚ ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና።
14. የሆዋ ንዜጨንቕ ኵነታት እንታይ ስጕምቲ ኺወስደሉ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።
14 የሆዋ ንዜጨንቕ ኵነታት እንታይ ስጕምቲ ኺወስደሉ እዩ፧ ብዛዕባ ውግእ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንሓዋሩ ኸም ዜወግዶ ኣተስፍዩና እዩ። (መዝሙር 46:8, 9 ኣንብብ።) ሕማምከ፧ ሕማም እውን ኪውገድ እዩ። (ኢሳ. 33:24) የሆዋ ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ። (ኢሳ. 25:8) ድኽነት ኬጥፍእ እዩ። (መዝ. 72:12-16) ንዅሉ እቲ ኸርፋሕ ናብራ ኽንነብር ዚገብረና ዘሎ ዜጨንቕ ኵነታት እውን ኬጥፍኦ እዩ። እቲ ሕማቕ መንፈስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ ዚጠፍእ ከኣ፡ “ኣየር” እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኺውገድ እዩ።—ኤፌ. 2:2።
15. ገለ ኻብቲ ድሕሪ ኣርማጌዶን ንዘለኣለም ዚጠፍእ ነገራት እንታይ እዩ፧
15 ውግእን ሕማምን ሞትን ዘይብላ ዓለም እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ። ውግእን ኣጽዋር ውግእን ኣይኪህሉን እዩ። ሆስፒታላት፡ ሓካይም፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ መድሕን ጥዕና፡ መካነ ሬሳ፡ እንዳ ሓዘን፡ ገነዝቲ ሬሳ፡ ወይ መካነ መቓብር ኣይኪህሉን እዩ። ገበን ስለ ዘይህሉ፡ ትካል ድሕንነት፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል፡ ሓይሊ ፖሊስ፡ መሸጐሪ፡ ወይ መፍትሕ ኣይኬድልን እዩ። ኵሉ እቲ ንኣእምሮናን ንልብናን ዜሻቕል ጭንቀታት ኪውገድ እዩ።
16, 17. (ሀ) እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ እንታይ ቅሳነት እዮም ኪረኽቡ፧ ብምሳሌ ኣብርህ። (ለ) እዛ ኣረጊት ዓለም ምስ ጠፍአት ምእንቲ ኽንነብር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
16 ዜጨንቕ ኵነታት ምስ ተወገደ እንታይ ዓይነት ህይወት ኪህሉ እዩ፧ ነዚ ብቐሊሉ ኽንግምቶ ኣይንኽእል ኢና። ኣብዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ብዙሕ ሕማቕ ኵነታት እናኣሕለፍና ንነዊሕ እዋን ስለ ዝነበርና፡ እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ጭንቀት ከም ዚፈጥረልና እውን ኣይነስተብህለሉን ንኸውን። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣብ ጥቓ መደበር ባቡር ዚነብሩ ሰባት፡ ድምጺ ባቡር ኣይርብሾምን ይኸውን። ኣብ ጥቓ እንዳ ጐሓፍ ዚነብሩ ሰባት ከኣ ነቲ ኻብቲ ጐሓፍ ዚወጽእ ሕማቕ ጨና ኣየስተብህሉሉን ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዅሉ ሕማቕ ኵነታት ምስ ኣወገዶ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክንቀስን ኢና!
17 እቲ ሕጂ ዜጨንቐና ነገራት ብምንታይ ኪትካእ እዩ፧ መዝሙር 37:11፡ “ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ” ትብለና። እዚ ቓላት እዝስ ልብኻ ዚትንክፍዶ ኸይኰነ! የሆዋ እዚ ኽትረክብ እዩ ዚደልየካ። እምበኣር፡ ኣብዚ ዜጨንቕ ዳሕሮት መዓልትታት ምስ የሆዋ ኣምላኽን ምስ ውድቡን ጠቢቕካ ኽትመላለስ ዚከኣለካ ዅሉ ግበር! ነታ ኣምላኽ ዝሃበካ ተስፋ ኣጽኒዕካ ሓዛ፡ ብዛዕባኣ ሕሰብ፡ ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ልብኻን ስኣላ፡ ንኻልኦት ከኣ ኣካፍላ! (1 ጢሞ. 4:15, 16፣ 1 ጴጥ. 3:15) ከምኡ ምስ እትገብር፡ ምስዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ኣይክትጠፍእን ኢኻ። የግዳስ፡ ብታሕጓስ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ!
a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ገሊኡ ኽፋል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝውቱር ዝነበረ ልማድ እያ እትገልጽ።