እታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ
ዓርቢ ኣጋ ምሸት 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። ገለ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓደ ዝፈትውዎ ዓርኮም ክቐብርዎ ኢዮም። ሓደ ኒቆዲሞስ እተባህለ ካብቶም ሰብኡት: ነቲ ሬሳ ንቐብሪ ምእንቲ ከዳልዎ ቀመማት ኣምጽአ። ዮሴፍ ዝበሃል ሰብኣይ ከኣ ነቲ ቈሲሉን ተቐጥቂጡን ዝነበረ ሬሳ መግነዚ ዝኸውን ጨርቂ ኣምጽአ።
እዞም ሰባት እንታዎት ኢዮም፧ ንመን ኢዮም ዝቐብሩ ዘለዉ፧ እዚ ዅሉ ንዓኻ ይትንክፈካዶ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ: እስከ ናብ መጀመርታ ናይታ ኣገዳሲት መዓልቲ ንመለስ።
ሓሙስ ምሸት 14 ኒሳን
ምልእትን ድምቕትን ወርሒ ቀስ እናበለት ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ወጸት። እታ ሰብ ብብዝሒ ላዕልን ታሕትን ክብለላ ዝወዓለ ከተማ ሕጂ ህድእ በለት። በዛ ምሸት እዚኣ እቲ ኣየር ብመኣዛ ናይ ዝጥበስ ገንሸል መልአ። እወ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ—ዓመታዊ በዓል ፋስጋ—ዝኸውን ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ።
የሱስ ምስ 12 ሃዋርያቱ ኣብ ሓደ ዓቢ መቐበል ኣጋይሽ ኣብ እተዳለወ መኣዲ ተቐሚጦም ኣለዉ። ጽን ኢልካ ስማዕ! የሱስ ይዛረብ ኣሎ። “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ: ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ” በሎም። (ሉቃስ 22:15) የሱስ እቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ክቐትልዎ ከም ዝመደቡ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግን: በዛ ምሸት እዚኣ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ክፍጸም ኢዩ።
ፋስጋ ምስ ኣብዓሉ የሱስ ‘ካባኻትኩም ሓደ ኸትሕዘኒ ኢዩ’ በሎም። (ማቴዎስ 26:21) እዚ ንሃዋርያቱ ኣጨነቖም። መን ኰን ይኸውን፧ ድሕሪ ገለ ምይይጥ የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ። (ዮሃንስ 13:27) ዋላ እኳ እቶም ካልኦት እንተ ዘየስተውዓሉሉ: ይሁዳ ከዳዕ ኢዩ። ነቲ ኣንጻር የሱስ ዝወጠኖ ዓመጽ ዝመልኦ ውዲት ክፍጽም ካባታቶም ወጸ።
ፍሉይ በዓል
ሕጂ የሱስ ንዝኽሪ ሞቱ ዝኸውን ሓድሽ በዓል ኣቘመ። እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቈረሰ። “ውሰዱ: ብልዑ” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ “እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ” በለ። ነፍሲ ወከፎም እንጌራ ምስ በልዐ ኸኣ ቀይሕ ወይኒ ዝሓዘ ጽዋእ ኣልዓሉ ኣመስገነ። “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” ኢሉ ብምግላጽ “ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” በሎም። ነቶም ዝተረፉ 11 እሙናት ሃዋርያት ከኣ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 26:26-28፣ ሉቃስ 22:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 11:24, 25
በታ ምሸት እቲኣ የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞም ዘለዎ ነገራት ኣዳለዎም: ኣዕሚቑ ከም ዘፍቅሮም ከኣ ኣረጋገጸሎም። ከምዚ ድማ በሎም:- “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም።” (ዮሃንስ 15:13-15) እወ: እቶም 11 ሃዋርያት ኣብ ግዜ ፈተንኡ ምስኡ ብምጥባቖም ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም።
ለይቲ ምስ ኰነ—ምናልባት ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ ኢዩ ዝኸውን—የሱስ ሓደ ዘይርሳዕ ጸሎት ጸለየ: ድሕርዚ ኸኣ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ። ብድሕሪኡ እታ ምልእቲ ወርሒ እናኣብርሀትሎም በቲ ስንጭሮ ቄድሮን ኣቢሎም ናብ ወጻኢ እታ ከተማ ከዱ።—ዮሃንስ 17:1–18:1
ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ
ቁሩብ ጸኒሖም: የሱስን ሃዋርያቱን ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ በጽሑ። የሱስ ነቶም ሸሞንተ ሃዋርያት ኣብ መእተዊ ናይቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ሓዲጉ: ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ሒዙ ብመንጎ እቲ ኣእዋም ኣውሊዕ ናብ ውሽጢ ኣተወ። ነቶም ሰለስተ ኸኣ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ አላ: ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን” በሎም።—ማርቆስ 14:33, 34
የሱስ ክጽሊ ናብ ማእከል እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ገጹ ክኸይድ ከሎ እቶም ሰለስተ ሃዋርያት ይጽበይዎ ነበሩ። ብብዙሕ ኣውያትን ንብዓትን ከኣ “ኣቦይ: ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ” ኢሉ ለመነ። የሱስ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሙ ነበረ። እቲ ሓደ ወዱ ንየሆዋ ከም ዓመጸኛ ኰይኑ ክስቀል ከሎ እቶም ጸላእቲ የሆዋ እንታይ ከም ዝብሉ ምሕሳብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘጨነቖ! ኣብዚ ዘሰቅቕ ፈተና እንተ ወዲቑ ነቲ ዝፈትዎ ሰማያዊ ኣቡኡ ከምጽኣሉ ዝኽእል ጸርፊ ምሕሳብ እውን ዝያዳ ስቓይ ዝውስኽ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ካብ ልቢ ይጽሊ ነበረ: ረሃጹ ናብ ምድሪ ከም ደም ክሳዕ ጥብ ጥብ ዝብል ከኣ ተሳቐየ።—ሉቃስ 22:42, 44
የሱስ ንሳልሳይ ግዜ ዝገበሮ ጸሎቱ ውድእ ምስ ኣበለ: ፋናታትን መብራህትታትን ዝሓዙ ሰብኡት ኣብቲ ቦታ በጽሑ። እቲ መሪሕዎም ትኽ ኢሉ ናብ የሱስ ዝመጽእ ዘሎ ካብ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ናብ የሱስ ቀሪቡ “ከመይ ኣምሴኻ: መምህር፧” ኢሉ ኣጸቢቑ ሰዓሞ። የሱስ ከኣ “ይሁዳ: ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ አሎኻ፧” በሎ።—ማቴዎስ 26:49፣ ሉቃስ 22:47, 48፣ ዮሃንስ 18:3
እቶም ሃዋርያት ብሃንደበት እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ተረድኡ። ጐይትኦምን ዝፈትውዎ ዓርኮምን ክእሰር ኢዩ! ስለዚ ጴጥሮስ ሰይፊ መሊሑ ንባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ቈረጾ። የሱስ ቀልጢፉ “ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም” በለ። ንቕድሚት ብምኻድ ነቲ ባርያ ኣሕወዮ እሞ ንጴጥሮስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ኢሉ ኣዘዞ። (ሉቃስ 22:50, 51፣ ማቴዎስ 26:52) እቶም ሓላቑን ወተሃደራትን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። ካብ ፍርህን ምድንጋርን እተላዕለ እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ጠንጢኖምዎ ናብቲ ጸልማት ገጾም ሃደሙ።—ማቴዎስ 26:56፣ ዮሃንስ 18:12
ዓርቢ ንግሆ 14 ኒሳን
ሕጂ ፍርቂ ለይቲ ኣጸቢቑ ሓሊፉ: መጀመርታ ሰዓታት ናይ ዓርቢ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። የሱስ መጀመርታ ናብ ቤት እቲ ገና ዓቢ ጽልዋን ስልጣንን ዘለዎ ሃና ዝበሃል ናይ ቅድም ሊቀ ኻህናት ተወስደ። ሃና ንየሱስ ሕቶታት ሓተቶ: ብድሕሪኡ ናብቲ ሳንሄድሪን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ቤት እቲ ሊቀ ኻህናት ቀያፋ ከም ዝወስድዎ ገበረ።
ሕጂ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ ክኸስዎ መሰኻኽር ክረኽቡ ጸዓሩ። ይኹን እምበር: እቶም ናይ ሓሶት መሰኻኽር እውን ኣብቲ ዘቕረብዎ ምስክርነት ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ የሱስ ስቕ ኢሉ ነበረ። ቀያፋ ሜልኡ ብምቕያር “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና: በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ” በሎ። እዚ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ: ስለዚ የሱስ ብትብዓት “ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።—ማቴዎስ 26:63፣ ማርቆስ 14:60-62
ቀያፋ “ተጻረፈ: . . . ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧” ኢሉ ጨደረ። ገሊኦም ጸፍዕዎ: ጡፍ ከኣ በልሉ። ኻልኦት ከኣ ብጕስጢ ሃረምዎን ኣጋፍዕዎን። (ማቴዎስ 26:65-68፣ ማርቆስ 14:63-65) ዓርቢ ምስ ወግሐ እቲ ሳንሄድሪን እንደገና ተኣከበ። እዚ ኸኣ ምናልባት ነቲ ብለይቲ ዝገበርዎ ዘይሕጋዊ መጋባእያ ሕጋውነት ንምልባስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ እንደገና ብትብዓት ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ነገሮም።—ሉቃስ 22:66-71
ድሕርዚ እቲ ሊቀ ኻህናትን ዓበይትን ንፍርዲ ምእንቲ ኽቐርብ ኢሎም ንየሱስ ናብቲ ገዛኢ ይሁዳ ዝነበረ ሮማዊ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃብዎ። ንህዝቢ ከስሕቶም: ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ክኽልክሎም: ከምኡውን ‘ንርእሱ ክርስቶስ ንጉስ ኢየ: ኢሉ ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ’ ኢሎም ከሰስዎ። (ሉቃስ 23:2፣ ምስ ማርቆስ 12:17 ኣረኣእዮ።) ጲላጦስ ንየሱስ ምስ መርመሮ “ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም። (ሉቃስ 23:4) ጲላጦስ የሱስ ወዲ ገሊላ ምዃኑ ምስ ሰምዐ: ፋስጋ ኸብዕል ኢሉ ኣብ የሩሳሌም ናብ ዝነበረ ናይ ገሊላ ገዛኢ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ሰደዶ። ሄሮድስ ፍትሒ ከውጽእ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡስ የሱስ ተኣምራት ክገብር ከሎ ክርኢ ጥራይ ኢዩ ተሃንጥዩ ነይሩ። የሱስ ስቕ ብምባሉ ነቲ ሄሮድስ ዝነበሮ ህንጥዮት ኣየዕገቦን: ንሕቶኡ ኸኣ ኣይመለሰሉን። ስለዚ ኸኣ ሄሮዶስን ወተሃደራቱን ኣላገጹሉ: ናብ ጲላጦስ ድማ መለስዎ።
ጲላጦስ ከም ብሓድሽ “እንታይ ክፉእከ ገበረ፧” ኢሉ ሓተተ። ወሲኹ ድማ “ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ” በሎም። (ሉቃስ 23:22) ስለዚ ኣብ ጫፉ ጨናፍር ብዘለዎ ጩግራፍ ከም ዝግረፍ ገበረ: እዚ ኸኣ ንሕቝኡ ብዘሰቅቕ መገዲ ጨንድሖ። እቶም ወተሃደራት ከኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ገበሩሉ። ኣላገጹሉ: ነቲ ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ኣጸቢቑ ንኽኣቱ ኸኣ ብተሪር ዘንጊ ገይሮም ወቕዕዎ። እዚ ዅሉ ክትገልጾ ዘጸግም ስቓይን ግፍዕን እኳ እንተ ወረዶ: ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ክብረቱ ሓልዩን ጽንዓት ኣርእዩን ኢዩ።
ጲላጦስ—ምናልባት የሱስ ተቐጥቂጡ ስለ ዝነበረ ገለ ይድንግጹሉ ይዀኑ ብዝብል ተስፋ ኢዩ ዝኸውን—እንደገና ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ደው ኣበሎ። “እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ: እንሆ: ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ” ከኣ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግን “ስቐሎ: ስቐሎ” ኢሎም ጫውጫው በሉ። (ዮሃንስ 19:4-6) እቶም ህዝቢ እናረሰኑ ምስ ከዱ ግን ጲላጦስ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን: ንየሱስ ክሰቕልዎ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ስቓይ ዝመልኦ ኣማውታ
ሕጂ ኣጸቢቑ ረፊዱ: ምናልባት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ምቕራቡ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ናብቲ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ዝርከብ ጐልጎታ ዝበሃል ቦታ ተወስደ። ዓበይቲ መሳምር ገይሮም ንኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሸንከርዎ። ነቲ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ካብ ምድሪ ኣልዒሎም ትኽ ከብልዎ ከለዉ እቲ መስማር ኣትይዎ ዝነበረ ቍስሊ ብኽብደት ኣካሉ ንታሕቲ ክሰሓብ ከሎ ዝነበሮ ስቓይ ብቓላት ዝግለጽ ኣይኰነን። እቲ ህዝቢ የሱስን ክልተ ዓመጸኛታትን ክስቀሉ ከለዉ ክርኢ ተኣከበ። ብዙሓት ብዛዕባ የሱስ ሕማቕ ይዛረቡ ነበሩ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ካልኦት ሰባትን “ንኻልኦት ኣድሐኖም: ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከአለን” ኢሎም ኣላገጹሉ። እቶም ወተሃደራትን እቶም ተሰቒሎም ዝነበሩ ክልተ ዓመጽትን እውን ከይተረፉ ኣባጨውሉ።—ማቴዎስ 27:41-44
የሱስ ተሰቒሉ ንቑሩብ ግዜ ምስ ጸንሐ: ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ብሃንደበት ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ ዘፍርህ ጸልማት ኰነ።a ምናልባት እዚ ፍጻመ እዚ ምስ ረኣየ ኢዩ ዝኸውን እቲ ሓደ ገባር ክፉእ ነቲ ሓደ ዝገንሖ። ካብኡ ናብ የሱስ ቍሊሕ ኢሉ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። ኣብ ኣፍ ሞት ክነሱ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም እምነት ኰን ኢዩ ዘርኣየ! የሱስ ድማ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ሎሚ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ።—ሉቃስ 23:39-43 NW
ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ የሱስ ሞቱ ዝቐረበ ኰይኑ ተሰምዖ: “ጸማእኩ” ኸኣ በለ። ካብኡ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ስለምንታይ ሐደግካኒ፧” በለ። ተኣማንነቱ ክሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ክፍተን ኢሉ ኣቡኡ ዕቝብኡ ከም ዘልገሰ ተረድአ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃላት ዳዊት ከኣ ጠቐሰ። ሓደ ሰብ መጺጽ ወይኒ ብሰፍነግ ጠሚዑ ናብ ኣፉ ኣቕረበሉ። የሱስ ከኣ ነቲ ወይኒ ምስ ጠዓመ ብጻዕሪ “ተፈጸመ” በለ። ድሕርዚ “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ኢሉ ጨደረ: ካብኡ ቍልዕጽ በለ እሞ ሞተ።—ዮሃንስ 19:28-30፣ ማቴዎስ 27:46፣ ሉቃስ 23:46፣ መዝሙር 22:1
ናይ ምሸት ስለ ዝነበረ ጸሓይ ዓሪባ ሰንበት (15 ኒሳን) ቅድሚ ምጅማራ የሱስ ምእንቲ ክቕበር ብሃወኽ ምድላዋት ተገብረ። እቲ ሕቡእ ወደ መዝሙርን ፍሉጥ አባል ሳንሄድሪን ዝነበረ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ: ክቐብሮ ፍቓድ ረኸበ። እቲ ኒቆዲሞስ እተባህለ ኣባል ሳንሄድሪንን ብየሱስ ከም ዝኣመነ ብግልጺ ዘየርኣየን እውን 33 ኪሎ ግራም ዝኸውን ከርበን ዓልወን ብምምጻእ ሓገዘ። ነቲ ናይ የሱስ ሬሳ ብጥንቃቐ ኣብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ሓድሽ መቓብር ኣንበርዎ።
እንደገና ህያው ኰነ!
ማርያም መግደላዊትን ካልኦት ኣንስትን ኣብ ጥቓ መቓብር የሱስ ክበጽሓ ከለዋ ገና ሰንበት ወጋሕታ ኣይኰነን ነይሩ። ሕጂ ግን ተመልከት! እቲ ኣብ ኣፍ መቓብር ዝነበረ እምኒ ተገልቢጡ ነበረ። ወይ ተኣምር: እቲ መቓብር ጥራዩ ነበረ! ማርያም መግደላዊት ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ክትነግሮም ጐየየት። (ዮሃንስ 20:1, 2) ንሳ ምስ ከደት ብዙሕ ከይጸንሐ ነተን ካልኦት ኣንስቲ መልኣኽ ተራእየን። ‘ኣይትፍርሃ’ ኸኣ በለን። ቀጺሉ ድማ “ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ: ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ: ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም” ኢሉ ኣዘዘን።—ማቴዎስ 28:2-7
ክጐያ ከለዋ ንየሱስ ባዕሉ ረኸባኦ! ንሱ ኸኣ “ኪዳ እሞ ነሕዋተይ . . . ንገራኦም” በለን። (ማቴዎስ 28:8-10) ደሓር ማርያም መግደላዊት ኣብ መቓብር እናበኸየት ከላ የሱስ ተራእያ። ሓጐሳ ምቍጽጻር ሰኣነት እሞ ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቱ ክትነግር ጐየየት። (ዮሃንስ 20:11-18) እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ኣብታ ዘይትርሳዕ ሰንበት እቲኣ ሓሙሽተ ግዜ ንእተፈላለዩ ደቀ መዛሙርቱ ስለ እተራእየ: ብርግጽ እንደገና ህያው ከም ዝዀነ ዘጠራጥር ነገር ፈጺሙ ኣይነበረን!
ብኸመይ ከም እትትንከፍ
ቅድሚ 1,966 ዓመታት ዝዀነ ፍጻመ ኣብ ድርኵዂት ናይ መበል 21 ክፍለ-ዘበን እትነብር ንዘሎኻ ሰብ ብኸመይ ይትንክፈካ፧ ሓደ ናይቲ ፍጻመ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።”—1 ዮሃንስ 4:9, 10
ሞት የሱስ ብኸመይ ኢዩ “መተዓረቒ” ዝዀነ፧ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ዝምድና ክንገብር ዘኽእል ስለ ዝዀነ “መተዓረቒ” ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም: ኣንጻር ኣምላኽ ዓለወ: ስለዚ ኸኣ ንዘርኡ ሓጢኣትን ሞትን ኣውረሶም። በቲ ኻልእ ወገን ድማ: የሱስ ናይ ደቅሰብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ክኸፍል ንህይወቱ በጃ ኽትከውን ሃበ: እዚ ኸኣ ኣምላኽ ምሕረቱን ስምረቱን ንኽህበና መሰረት ይዀኖ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6) ኣብቲ ሓጢኣት ዘተዓርቕ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምግባር ካብቲ ሓጥእ ኣዳም ካብ ዝወረስካዮ ኵነኔ ሓራ ትኸውን። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) እዚ ኸኣ ብግዲኡ ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ የሆዋ ኣምላኽ: ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ክህልወካ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ። ብሓጺሩ እቲ ናይ የሱስ ብሉጽ መስዋእቲ: ዘየቋርጽ ህይወት ክትረክብ ዘኽእል ማለት ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ 17:3
እዝን ካልእ ምስኡ እተተሓሓዘ ነገራትን ሓሙስ ምሸት 1 ሚያዝያ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ዝቝጸር ቦታታት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ የሱስ ዝኽሪ ሞት ንኸብዕሉ ኣብ ዝርከቡሉ ግዜ ክዝረበሉ ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኽትርከብ ተዓዲምካ ኣሎኻ። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይን መዓስን ክትእከብ ከም እትኽእል ክነግሩኻ ሕጉሳት ኢዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ምክፋልካ: ኣብታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ ነቲ ፈቃር ኣምላኽናን ፍቑር ወዱን ዝገበርዎ ነገር ኣዕሚቝካ ንኸተማሱ ከም ዝሕግዘካ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሱስ ዝሞተሉ ግዜ ምልእቲ ወርሒ ዝነበረትሉ ቅነ ስለ ዝነበረ: እቲ ጸልማት ብሰንኪ ናይ ጸሓይ ምግራድ ዝመጸ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ጸሓይ ምግራድ ምልእቲ ወርሒ ኣብ እትወጽኣሉ እዋን ዘጋጥም ኰይኑ ወርሒ ኣብ መንጎ ምድርን ጸሓይን ብምእታዋ ንሒደት ደቓይቕ ዝጸንሕ ጸልማት ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
ሞትን ትንሳኤን የሱስ
ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ፍጻመታት ዝዓበየ ሰብኣይb
ሓሙስ በዓል ፋስጋ፣ 113 (2)
ምሸት ዕለት 14 የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ ይሓጽብ፣ 117 (1)
ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ክህቦ ይወጽእ፣
ክርስቶስ ዝኽሪ ሞቱ ይሰርዕ
(ኣብዚ ዓመት እዚ ሓሙስ 1 ሚያዝያ
ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክበዓል ኢዩ)፣
ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ
ንኸዳልዎም ይምዕዶም ክሳዕ
ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳዕ የሱስን ሃዋርያትን ምስ ጸለዩን መዝሙር 117 ክሳዕ 120
ደርሆ ኖቆ ዘሎ ግዜ ምስጋና ምስ ዘመሩን: ናብ ስፍራ
ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ ይኸዱ፣
የሱስ ብመሪር ኣውያትን ንብዓትን ይጽሊ፣
ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ ብዙሓት ሰባት ይመጽእ:
ንየሱስ ከኣ ኣሕሊፉ የውህቦ፣ የሱስ ክእሰርን
ናብ ሃና ክውሰድን ከሎ ሃዋርያት ይሃድሙ፣
የሱስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ምእንቲ ክቐርብ
ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ይውሰድ፣
ንሞት ይፍረድ፣ ጸርፍን መውቃዕትን ይበጽሖ፣
ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ግዜ ይኽሕዶ
ዓርቢ ምድሪ ምስ ወግሐ የሱስ እንደገና ኣብ ቅድሚ 121 ክሳዕ 124
ንግሆ ሳንሄድሪን ይቐርብ፣ ንግሆ ናብ ጲላጦስ ይውሰድ፣
ናብ ሄሮድስ ይስደድ፣ ናብ ጲላጦስ ይምለስ፣
የሱስ ተቐጥቀጠ: ተጸርፈ: መጥቃዕቲ ኸኣ ወረዶ፣
ንጲላጦስ ጸቕጢ ምስ ገበሩሉ ንኽስቀል ኣሕሊፉ
ይህቦም፣ ኣጸቢቑ ምስ ረፈደ ምእንቲ ክቐትልዎ
ናብ ጐልጎታ ይውሰድ
ካብ ፍርቂ መዓልቲ ይስቀል፣ የሱስ ክመውት ከሎ: 125, 126
ክሳዕ ፈረቓ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ
ፍርቂ መዓልቲ ክኸውን ኣቢሉ ምድሪ ይጽልምት፣
ቁሩብ ምስ ተረፎ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይኸውን፣
መጋረጃ ቤተ መቕደስ ኣብ ክልተ ይትርተር
ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ 127 (1-7)
ኣብ ምውዳኡ ዝነበረ መቓብር የንብርዎ
ሰንበት ቅድሚ ምዃኑ
ዓርቢ ምሸት ዕለት 15 ሰንበት ትጅምር
ቀዳም ጲላጦስ ናይ የሱስ መቓብር ሓለውቲ ክግበረሉ ይፈቅድ 127 (8-9)
ሰንበት ዕለት 16 ብንግሁኡ ናይ የሱስ መቓብር ጥርሑ ይጸንሕ፣
እቲ ዝተንስአ የሱስ ነዞም ኣብዚ ዝስዕብ ተጠቒሶም
ዘለዉ ሰባት ይረኣዮም:- (1) ንሰሎሜ: ዮሃና:
ከምኡውን ማርያም ኣደ ያእቆብ ሓዊስካ ነተን ብሓንሳብ
ዝነበራ ደቀ መዛሙርቲ ይረኣየን፣ (2) ንማርያም መግደላዊት፣
(3) ንቀለዮጳን ንብጾቱን፣ (4) ንስምኦን ጴጥሮስ፣
(5) ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሃዋርያትን ካልኦት
ደቀ መዛሙርትን 127 (10) ክሳዕ 129 (10)
[እግረ-ጽሑፍ]
b እቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ቍጽርታት ነቲ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ዝርከብ ምዕራፋት ዝሕብር ክኸውን ከሎ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎ ድማ ሕጡብ ጽሑፍ ኢዩ ዘመልክት። ነቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ዝገበሮ ኣገልግሎት ዝምልከት ዝርዝር ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕስታት ዝሓዘ ሰሌዳ ንምርካብ: እታ ‘ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 290 ርአ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።