-
ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017 | ግንቦት
-
-
እቶም ኣጋይሽ ከኣ ሚስዮናውያን፡ ልኡኻት ዮሃንስ፡ ወይ ገየሽቲ ሓለውቲ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም። ዮሃንስ ብዛዕባኦም፡ “ምእንቲ ስሙ እዮም ዝወጹ” ኢሉ እዩ። (3 ዮሃ. 7) ዮሃንስ ቀቅድሚኡ ንኣምላኽ ጠቒስዎ ስለ ዘሎ (ፍቕዲ 6 ርአ)፡ እተን “ምእንቲ ስሙ” ዚብላ ቓላት፡ ንስም የሆዋ ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምንባሮም፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ዚግብኦም እዮም ነይሮም። ስለዚ እዩ ዮሃንስ፡ “በታ ሓቂ መዓይይቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ግዴታ ኣሎና” ኢሉ ዝጸሓፈ።—3 ዮሃ. 8።
-
-
ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017 | ግንቦት
-
-
ቀዳማይ፡ መብዛሕትና ሓቂ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና፡ ብእተወሰነ ደረጃ ሳላ እቶም ሓቂ ኼፍልጡ ኢሎም ዚጕዓዙ እሙናት ክርስትያናት እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ዅሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይኰኑን ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ነዊሕ ርሕቀት ዚጕዓዙ። ይኹን እምበር፡ ንኸም ሓላዊ ወረዳን ሰበይቱን ዝኣመሰሉ ተጓዓዝቲ ኽንድግፎምን ከነተባብዖምን ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ዓዶም ወይ ናብ ወጻኢ ዓዲ ንዝገዓዙ ኣሕዋትን ኣሓትን ግብራዊ ደገፍ ክንህቦም ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ‘ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን።’—ሮሜ 12:13፣ 1 ጢሞ. 5:9, 10።
-