-
ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017 | ግንቦት
-
-
ጋይዮስ ሓላው ጉባኤ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እታ ደብዳበ ግና ከምኡ ኣይትብልን እያ። ዮሃንስ ንጋይዮስ፡ ንዘይፈልጦም ኣሕዋት ብምእንጋዱ ነኣዶ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ቀደሞም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ስለ ዝዀኑ፡ ዮሃንስ ነቲ ጋይዮስ ዝገበሮ ነገር ከም መርኣያ ተኣማንነት ገይሩ እዩ ቘጺርዎ።—ዘፍ. 18:1-8፣ 1 ጢሞ. 3:2፣ 3 ዮሃ. 5።
ዮሃንስ ንጋይዮስ ስለቲ ንኣሕዋት ብምቕባል ዝገበሮ ተግባር ምስጋናኡ ምግላጹ፡ ክርስትያናት ካብቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ቦታ ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት ይጐዓዙ ምንባሮም፡ እዞም ገየሽቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ንዮሃንስ ከም ዝነገርዎ ዚእምት እዩ። ዮሃንስ ብዛዕባ እተን ጉባኤታት እቲአን ወረ ዝበጽሖ እውን፡ በዚ መገዲ እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ገየሽቲ ክርስትያናት ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ኬዓርፉ ይደልዩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ሽዑ ዝነበረ መዕረፍ ኣጋይሽ ጽቡቕ ኣገልግሎት ዘይርከቦ፡ ምንዝርና ዘስፋሕፍሓሉ ሕማቕ ቦታ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ለባማት ገየሽቲ እንተ ኽኢሎም ምስ ፈተውቶም እዮም ዜዕርፉ ነይሮም፣ ክርስትያናት ገይሽቲ ድማ ምስ ክርስትያናት ብጾቶም እዮም ዜዕርፉ ነይሮም።
-
-
ጋይዮስ ንኣሕዋቱ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017 | ግንቦት
-
-
ሳልሳይ፡ እቶም ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ክርስትያናት፡ ስለቲ ተኣማንነቶም ኪምስገኑን ኪንኣዱን ይግባእ። ሃዋርያ ዮሃንስ ንጋይዮስ ኣተባቢዕዎን ቅኑዕ ይገብር ምህላዉ ኣረጋጊጹሉን እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ‘ከይሕለሉ’ ብምትብባዕ፡ ኣብነት ዮሃንስ ኪስዕቡ ኣለዎም።—ኢሳ. 40:31፣ 1 ተሰ. 5:11።
-