ገየሽቲ ተዓዘብቲ ውህበት ሰብኡት ኢዮም
“ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት [“ውህበት ሰብኡት: ” NW ] ሀበ። ”—ኤፌሶን 4:8
1. ብ1894 እንታይ ሓድሽ ዕዮ ከም እተጀመረ ኢዩ ኣብዚ መጽሔት እዚ እተኣወጀ፧
ልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ ይገብር: ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ሓድሽ ነገር ኣወጀ። “ካልእ ክፍሊ ናይቲ ዕዮ” ተባሂሉ ድማ ተገልጸ። እዚ ሓድሽ ዕዮ እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ፧ ምጅማር ናይቲ ዘመናዊ ዕዮ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኢዩ ነይሩ። እታ ናይ 1 መስከረም 1894 ሕታም ናይዚ መጽሔት እዚ: ካብ ሕጂ ንድሓር ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ‘ኣብ ሓቂ ንኽሃንጽዎም ብዝብል ዕላማ’ ንጕጅለታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክበጽሑ ምዃኖም ገለጸት።
2. ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ እንታይ ዕዮታት ኢዩ ዘለዎም፧
2 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ናይ ክርስትያን ጉባኤታት: ብኸም በዓል ጳውሎስን በርናባስን ዝኣመሰሉ ተዓዘብቲ ይብጽሓ ነይረን ኢየን። እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም: ዕላምኦም ነተን ጉባኤታት ‘ንምህናጽ’ ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 10:8) ሎሚ: ነዚ ዕዮ እዚ ብውሕሉል መገዲ ዝፍጽሙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡት ብምህላዎም ተባሪኽና ኢና። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማሓዳሪ ኣካል ከም ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ ገይሩ መዚዝዎም ኣሎ። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ነንሓደ ሰሙን ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ እናበጽሐ ዳርጋ ን20 ዝዀና ጉባኤታት የገልግል። ክበጽሐን ከሎ ናይ ጉባኤ መዛግብቲ ይምርምር: ዝርርብ ይህብ: ከምኡውን ምስቶም ናይታ ጉባኤ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ይዋፈር። ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ኣብቲ ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ኣቦ-መንበር ይኸውን: ምስተን ኣአንገድቲ ጉባኤታት ኣብ ኣገልግሎት ይዋፈር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዝርርባት ገይሩ ኸኣ መተባብዒ ይህብ።
ዘርእይዎ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ
3. ገየሽቲ ተዓዘብቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ክህልዎም ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ብቐጻሊ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ይንቀሳቐሱ ኢዮም። እዚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዝሓትት ኢዩ። ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብታ ካልእ ጉባኤ ምጓዓዝ መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዞም ሰብኡት እዚኣቶምን ኣንስቶምን ግን: ሕጕስ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ኢዮም ዝገብርዎ። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “በዓልቲ ቤተይ ኣዝያ ደጋፊትን ዘይተዕዘምዝምን ኢያ። . . . በቲ እተርእዮ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብዙሕ ክብሪ ክወሃባ ዝግባእ ኢዩ” በለ። ገለ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብታ ካልእ ጉባኤ ክኸዱ ልዕሊ 1,000 ኪሎ ሜተር ይጓዓዙ ኢዮም። ብዙሓት ናይ ብሕቶም ማካይን ገይሮም ይኸዱ: ካልኦት ግን ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ቦታ ብናይ ህዝቢ መጓዓዝያ: ብብሽግለታ: ኣብ ፈረስ ብምውጣሕ: ወይ ብእግሪ ኢዮም ዝኸዱ። ሓደ ኣፍሪቃዊ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንሓንቲ ጉባኤ ንኽበጽሕ: ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ መንኩቡ ጸይሩ ብማእከል ፈለግ እውን ከይተረፈ ክሳገር ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ: ነቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ዋዕን ቍርን: ጥሜትን ጽምእን: ሰለም ከይበልካ ምሕዳር: እተፈላለዩ ሓደጋታት: ከምኡውን ጭካነ ዘለዎ መስጐጕቲ ክዋጽኣሉ ነበሮ። ብዛዕባ “ዅላተን ጉባኤታት ዝጭነቖ” (NW) ነገርውን ነይርዎ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዘጋጥሞም ልሙድ ዝዀነ ተመክሮታት ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:23-29
4. ናይ ጥዕና ግድላት ኣብ ህይወት ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
4 ልክዕ ከምቲ መተዓይይቲ ጳውሎስ ዝነበረ ጢሞቴዎስ: ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ሓድሓደ ግዜ ናይ ጥዕና ግድላት የጋጥሞም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) እዚ ድማ ተወሳኺ ወጥሪ ዝፈጥረሎም ኢዩ። በዓልቲ ቤቱ ንሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ቀጨውጨው ክብለኒ ከሎ: ኵሉ ግዜ ምስቶም ኣሕዋት ምዃን ጭንቀት ዝፈጥር ኢዩ። ኣብ ምጅማር ናይ ብትከተ ጽግያት: ብፍላይ ከቢድ ኰይኑ ረኺበዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዘሎና ኵሉ ክንጥርንፍ: ድሓር ከኣ ናብ ካልእ ቦታ ክንከይድ ብሓቂ ብድሆ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ንኽቕጽል ሓይሊ ክህበኒ ናብ የሆዋ ክጽሊ ኣሎኒ።”
5. እተፈላለየ ፈተናታት እኳ እንተለዎም: ብገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን እንታይ መንፈስ ኢዩ እተራእየ፧
5 ናይ ጥዕና ግድላትን ካልእ ፈተናታትን እኳ እንተለዎም: ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ኣብቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ሓጐስ ይረኽቡ: ከምኡውን ርእስኻ ምስዋእ ዘለዋ ፍቕሪ የርእዩ ኢዮም። ገሊኣቶም ኣብ እዋን መስጐጕቲ ወይ ውግእ: መንፈሳዊ ሓገዝ ክህቡ ክብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም ኢዮም። ንጉባኤታት ክበጽሑ ከለዉ ምስቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ዝመሳሰል መንፈስ የንጸባርቑ ኢዮም። ንሰብ ተሰሎንቄ ከምዚ በሎም:- “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ: ኣዚኹም ፍቑራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።”—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8
6, 7. ጻዕረኛታት ገየሽቲ ተዓዘብቲ: እንታይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኢዩ ክህልዎም ዝኽእል፧
6 ልክዕ ከምቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ሽማግለታት: ገየሽቲ ተዓዘብቲ “ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ” ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኵላቶም ሽማግለታት “ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:17) ‘መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትና ኣስኣሰር እምነቶም ምስ እንስዕብ [“ንእምነቶም ምስ እንቐድሕ:” NW ]’ ዘርእይዎ ኣብነት ጠቓሚ ምዃኑ ክረጋገጽ ኢዩ።—እብራውያን 13:7
7 ገለ ገየሽቲ ሽማግለታት ኣብ ካልኦት ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎም፧ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓው ፒ ኣብ ህይወተይ ከመይ ዝበለ ዘገርም ጽልዋ ኰን ኢዩ ዝገበረ! ካብ 1960 ኣትሒዙ ኣብ ሜክሲኮ ገያሺ ተዓዛቢ ኢዩ ነይሩ። ከም ቈልዓ መጠን: ንሱ ዝመጸሉ ግዜ ብምህንጣይን ብሓጐስን እጽበ ነይረ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎኹ: ‘ንስኻ እውን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክትከውን ኢኻ’ በለኒ። ኵሉ ግዜ ጥበብ ዝህብ ቃላት ይነግረኒ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ጽንኩር እዋን ናይ ዕድመ ኰተቴ ብተደጋጋሚ እደልዮ ነበርኩ። ቀንዲ ሓልዮቱ ነተን መጓሰ ምጕሳይ ኢዩ ነይሩ! ሕጂ: ኣነ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኢየ: ኵሉ ግዜ ድማ ምስ መንእሰያት ግዜ ከሕልፍ: ከምኡውን ከምቲ ንሱ ንዓይ ዝገበረለይ: ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ክገብሩ ከተባብዖም ኢየ ዝፍትን። ሓው ፒ ናይ ልቢ ድኻም እኳ እንተነበሮ: ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ እውን ከይተረፈ: ኵሉ ግዜ ሓንቲ እተተባብዕ ቃል ክህብ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ቅድሚ ሙማቱ ሓንቲ መዓልቲ: ለካቲት 1995: ናብቲ ፍሉይ መዓልቲ ኣሰምብሊ ኣሰነየኒ: ንሓደ ናይ ህንጻታት ንድፊ ዘዳሉ ሓው ድማ ሰናይ ዝዀነ ሸቶታት ክገብር ሓገዞ። እቲ ሓው ብኡንብኡ ኣብ ቤትኤል ከገልግል ኣመልከተ።”
ሞሳ ረኺቦም ኢዮም
8. ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 4 ተገሊጾም ዘለዉ “ውህበት ሰብኡት” መን ኢዮም: ነታ ጉባኤ ዝጠቕምዋኸ ብኸመይ ኢዮም፧
8 በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ናይ ኣገልግሎት መሰል እተዋህቡ ገየሽቲ ተዓዘብትን ካልኦት ሽማግለታትን “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ተባሂሎም ይጽውዑ። የሱስ ከም ወኪል የሆዋን ርእሲ ናይታ ጉባኤን መጠን: ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ክንህነጽን ናብ ብስለት ክንበጽሕን ኢሉ ነዞም መንፈሳውያን ሰብኡት እዚኣቶም ኣዳለወ። (ኤፌሶን 4:8-15) ዝዀነ ይኹን ውህበት ሞሳ ክወሃቦ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ንየሆዋ ምግልጋል ምእንቲ ክንቅጽል ዘጽንዓና ውህበት ዝውዕል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዮ ዘሎና ሞሳ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ [ሰብኡት] ከም እነኽብሮም’ ከነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧—ፊልጲ 2:29
9. ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ሞሳ ከነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧
9 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ከም ዘሎ ምልክታ ምስ ተነግረ: ኣብቲ ሰሙን እቲ እታ ጉባኤ ኣብ እትገብሮ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንካፈል መደባት ምግባር ክንጅምር ንኽእል ኢና። ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ንዝህሉ ናይ ኣገልግሎት መደባት ንምድጋፍ: ተወሳኺ ግዜ ክንምድብ ንኽእል ንኸውን። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ንኽእል ንኸውን። ኣገልግሎትና ምእንቲ ከነመሓይሽ: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝሃቦ ርእይቶታት ብርግጽ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ክንደሊ ኢና። እዚ ከምዚ ዝበለ ተቐባሊ ናይ ምዃን መንፈስ ክጠቕመና ኢዩ: ንዕኡ ድማ እቲ ዝገብሮ ምብጻሕ ጠቓሚ ምዃኑ ከረጋግጸሉ ኢዩ። እወ: ገየሽቲ ተዓዛብቲ ንጉባኤ ዝበጽሑ ምእንቲ ክሃንጹና ኢሎም ኢዮም: እንተዀነ ግን ንሳቶም እውን ብመንፈስ ክህነጹ የድልዮም ኢዩ። ጳውሎስ ምትብባዕ ዝደልየሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ንብጾቱ ክርስትያናት ምእንትኡ ክጽልዩ ይሓቶም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:15፣ ሮሜ 15:30-32፣ 2 ቈረንቶስ 1:11፣ ቈሎሴ 4:2, 3፣ 1 ተሰሎንቄ 5:25) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ካባና ጸሎትን ምትብባዕን ይደልዩ ኢዮም።
10. ናይ ገያሺ ተዓዛቢ ዕዮ ዘሐጕስ ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር ክንሕግዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ነቲ ገያሺ ተዓዛብን ሰበይቱን: ዝገበርዎ ምብጻሕ ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ነጊርናዮምዶ ንፈልጥ ኢና፧ በቲ ዝሃበና ሓጋዚ ዝዀነ ምኽሪ ነመስግኖዶ ኢና፧ እቲ ብዛዕባ ግራት ኣገልግሎት ዝሃቦ ርእይቶታት ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሓጐስ ከም ዝወሰኸሉ ንነግሮዶ ኢና፧ ከምኡ እንተድኣ ገይርና: ንዕዮኡ ኽሕጐሰሉ ክሕግዞ ኢዩ። (እብራውያን 13:17) ሓደ ኣብ ስጳኛ ዘሎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: እቲ ንጉባኤታት ድሕሪ ምብጻሖም ዝቕበልዎ ናይ ምስጋና ካርድታት: ንሱን በዓልቲ ቤቱን ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ከም ዝርእይዎ ብፍላይ ሓሳባት ሃበ። ንሱ ከምዚ ይብል:- “ነዚ ካርድታት እዚ ነቐምጦ ኢና: ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ከጋጥመና ከሎ ድማ ነንብቦ። ምንጪ ናይ ሓቂ ምትብባዕ ኢዩ።”
11. ንኣንስቲ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ: ከም ዝፍቀራን ሞሳ ዝወሃበንን ምዃነን ከም ዝፈልጣ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 በዓልቲ ቤት ገያሺ ተዓዛቢ: ካብቲ ናይ ንእዶ ቃላት ብሓቂ ረብሓ ትረክብ ኢያ። ኣብዚ ናይ ኣገልግሎት መዳይ እዚ ንበዓል ቤታ ንኽትድግፎ ዓበይቲ መስዋእትታት ኢያ ገይራ። እዘን እሙናት ኣሓት እዚኣተን: መብዛሕትአን ነቲ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣባይቲ ክህልወን: ከምኡውን ውሉዳት ክወልዳ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ዝዀነ ድልየት ገዲፈን ኢየን። ጓል ይፍታሕ ምእንቲ ናይ ኣቦኣ መብጽዓ ክትብል ነቲ ሰብኣይን ስድራቤትን ንኽህልዋ ዝነበራ ኣጋጣሚ ዝገደፈት ሓንቲ ካብተን ናይ የሆዋ ኣገልገልቲ ኢያ። (መሳፍንቲ 11:30-39) ዝገበረቶ መስዋእቲ ብኸመይ ተራእየ፧ መሳፍንቲ 11:40 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።” ንኣንስቲ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ: ከም ዝፍቀራን ሞሳ ከም ዝዋሃበንን ንምግላጽ ጻዕሪ ክንገብርሲ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!
“ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ”
12, 13. (ሀ) ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክንከውን ከም ዘሎና ዘርኢ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣሎ፧ (ለ) ከምዚ ዝበለ ምቕባል ኣጋይሽ ከመይ ገይሩ ሓባራዊ ረብሓ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብመበርሂ ገይርካ ግለጽ።
12 ነቶም ኣብቲ ክርስትያናዊ ናይ ምጋሽ ዕዮ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ፍቕርን ሞሳን እነረእየሉ ካልእ መገዲ ምቕባል ኣጋይሽ ኢዩ። (እብራውያን 13:2) ጋይዮስ ነቶም ከም ተጓዓዝቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም ነታ ጉባኤ ዝበጽሕዋ ዝነበሩ ሰባት ከም ኣጋይሽ ብምቕባሉ ሃዋርያ ዮሃንስ ንኢድዎ ኢዩ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣታ ፍቁረይ: እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይ[ሽ]ን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተአሚንካ ትገብሮ አሎኻ። እዚኣቶም ብናይ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW ] መስኪሮም አለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ: ሰናይ ትገብር አሎኻ። ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። እምበኣርስኸ: ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን: ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።” (3 ዮሃንስ 5-8) ሎሚ እውን: ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ተመሳሳሊ ምቕባል ኣጋይሽ ብምግባር ንሰብከት እታ መንግስቲ ከነስፋሕፍሕ ንኽእል ኢና። ልክዕ ኢዩ: ናይታ ጉባኤ ሽማግለታት እኹል ዝዀነ መዕረፍን መግብን ከም ዝረኽቡ ከረጋግጹ ይግብኦም ኢዩ: እንተዀነ ግን ሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ከምዚ በለ:- “እቲ ምስቶም ኣሕዋት ዘሎና ርክብ ኣብቲ ንዓና ክገብሩልና ዝኽእሉ ነገራት እተመርኰሰ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ከም ዝሓድሮም ክንገብር እውን ኣይንደልን ኢና። ካብ ኣሕዋትና ዝዀነ ይኹን: ሃብታም ይኹን ድኻ ዝገብረልና ምቕባል ኣጋይሽ ክንረክብ ፍቓደኛታት ክንከውን ይግብኣና።”
13 ምቕባል ኣጋይሽ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቅድም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ቤትኤል ዘገልግል ዘሎ ዦርዥ ከምዚ ኢሉ ይዝክር:- “ኣብ ስድራቤትና: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ምስና ክቕንዩ ናይ ምዕዳም ልምዲ ነበረና። እዚ ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ ካብቲ ሽዑ ዘስተውዕሎ ዝነበርኩ ንላዕሊ ዝሓገዘኒ ኰይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ግዜ ጉብዝናይ መንፈሳዊ ግድላት ነበረኒ። ኣደይ በዚ ተሸገረት: እንተዀነ ግን ብኸመይ ከም እትሕግዘኒ ክትፈልጥ ስለ ዘይከኣለት ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምሳይ ንኽዛረብ ሓተተቶ። ኣብ መጀመርታ ከይውቀስ ስለ ዝፈራህኩ: ካባይ ከርሕቖ ፈተንኩ። እቲ ምቕሉል ኣቀራርብኡ ግን ልበይ ከም ዝኸፍተሉ ገበረኒ። ሓደ መዓልቲ ሰኑይ: ምስኡ ክምሳሕ ዓደመኒ: ሽግረይ ከም እተረድኣለይ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ ድማ ልበይ ከፈትኩሉ። ጽን ኢሉ ሰምዓኒ። እቲ ዝሃበኒ ተግባራዊ ርእይቶታት ጠቓሚ ኰነ: ብመንፈስ ድማ ክዓቢ ጀመርኩ።”
14. ብዛዕባ ገየሽቲ ሽማግለታት: ኣብ ክንዲ ነቐፍቲ ሞሳ እንህብ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
14 ገያሺ ተዓዛቢ ንዓበይትን ንኣሽቱን ብመንፈስ ሓጋዚ ክኸውን ኢዩ ዝፍትን። ብርግጽ እምበኣር: ነቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ሞሳና ክንገልጸሉ ኣሎና። እንተዀነ ግን: ብድኽመታቱ ምስ እንነቕፎ ወይ ምስቶም ነታ ጉባኤ ዝበጽሕዋ ካልኦት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ባህ ብዘየብል መገዲ ምስ እነወዳድሮኸ እንታይ ይብሃል፧ እዚ ኣዝዩ ዘጕሂ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ ዕዮኡ ነቔፌታ ክሰምዕ ኣየተባብዖን ኢዩ ነይሩ። ገለ ሰብ ቈረንቶስ ክርስትያናት ብዛዕባ ትርኢቱን ክእለት ዘረብኡን ናይ ምቁንጻብ ርእይቶታት ይህቡ ነይሮም ኢዮም። ባዕሉ እውን ንኸምዚ ዝበለ ነቐፌታታት ጠቒስዎ ኣሎ:- “እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን: ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ: ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ።” (2 ቈረንቶስ 10:10) እቲ ዘሐጕስ ግን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ፍቕራዊ ሞሳ ዝገልጽ ቃላት ኢዮም ዝሰምዑ።
15, 16. ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን በቲ ብጾቶም ኣመንቲ ዘርእይዎ ፍቕርን ቅንእን ዝትንከፉ ብኸመይ ኢዮም፧
15 ሓደ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ነቶም ኣብቲ ደባይ ተዋጋእቲ ዝቈጻጸርዎ ዞባ ዝነብሩ መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምብጻሕ ጭቃ ብዘለዎ መገዲ ኣጋር: ምሉእ መዓልቲ ይጓዓዝ። ከምዚ ኢሉ ድማ ይጽሕፍ:- “እቶም ኣሕዋት ነቲ ምብጻሕ ዘለዎም ሞሳ ዝገልጽሉ መገዲ ብሓቂ ዝትንክፍ ኢዩ። ብዙሕ ሓደጋታትን መከራን ብምግጣም ኣብኡ ንምብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪ ክገብር እኳ እንተ ኣሎኒ: እዚ ዅሉ ግን በቲ እቶም ኣሕዋት ዘርእይዎ ፍቕርን ቅንእን ዝካሓስ ኢዩ።”
16 ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብምኽንያት እቶም ኣሕዋት ዘርእዩና ፍቕሪ: ነቲ ናይ ታንዛንያ ዞባ ኣዚና ፈተናዮ! እቶም ኣሕዋት ካባና ክማሃሩ ቅሩባት ነበሩ: ኣብ ኣባይቶም ክቕበሉና ድማ ሕጕሳት ነበሩ።” ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ኣኪላስን ጵርስኪላን: ፍቕራውን ሕጕስን ርክብ ነበረ። አረ: ጳውሎስ ብዛዕብኦም ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ: ጵርስኪላን ኣኪላስን: ሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ: ብዘለዋ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW ] ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር: ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ።” (ሮሜ 16:3, 4) ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ምቕባል ኣጋይሽ ክገብሩሎምን ብጻይነት ከርእይዎምን ፍሉይ ጻዕሪ ዝገብሩ ዘመናውያን ኣኪላስን ጵርስኪላን ዝዀኑ ብጾት ስለ ዘለውዎም ኣመስገንቲ ኢዮም።
ነተን ጉባኤታት ምብርታዕ
17. ክንዮ እቲ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ምድላው ጥበብ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ: መምርሒኸ ካበይ ኢዮም ዝረኽቡ፧
17 የሱስ “ጥበብ ብደቃ [“ብግብራ:” NW ] ጸደቐት” በለ። (ማቴዎስ 11:19) ክንዮ እቲ ናይ ገያሺ ተዓዛቢ ምድላው ጥበብ ከም ዘሎ ርግጽ ኢዩ: እዚ ድማ ነተን ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ጉባኤታት ንምብርታዕ ዝሕግዝ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ጳውሎስ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ: ንሱን ሲላስን ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ‘ነተን ማሕበር [“ጉባኤታት:” NW ] እናጽንዕወን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞሩ።’ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከምዚ ኢላ ትነግረና:- “ኣብ ዘዝአተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ አዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበር [“ጉባኤታት:” NW ] በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:40, 41፣ 16:4, 5) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ልክዕ ከም ካልኦት ክርስትያናት: ብቅዱሳት ጽሑፋትን በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን” ባርያ ዘውጽኦ ጽሑፋትን ኣቢሎም ኢዮም መንፈሳዊ መምርሒ ዝቕበሉ።—ማቴዎስ 24:45 NW
18. ገየሽቲ ተዓዘብቲ ነተን ጉባኤታት ዘበርትዕወን ብኸመይ ኢዮም፧
18 እወ: ገየሽቲ ሽማግለታት ካብቲ ናይ የሆዋ መንፈሳዊ መኣዲ ንገዛእ ርእሶም ምምጋብ ክቕጽሉ ይግብኦም። ምስቲ ማሕበር ኣምላኽ እትጥቀመሉ ኣገባባትን መምርሒታትን ኣጸቢቖም ክፋለጡ ይግባእ። ድሕርዚ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንኻልኦት ናይ ሓቂ በረኸት ክዀኑ ይኽእሉ። በቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘርእይዎ ሰናይ ዝዀነ ናይ ቅንኢ ኣብነት: ነቶም ኣመንቲ ብጾት ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክመሓየሹ ክሕግዝዎም ይኽእሉ። እቲ በዞም በጻሕቲ ሽማግለታት ዝዋሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርብ ንሰማዕቲ ብመንፈስ ይሃንጾም። ገየሽቲ ተዓዘብቲ ካልኦት ንምኽሪ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ብምሕጋዝ: ምስቶም ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ተሰማሚዖም የገልግሉ: ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ኣቢሉ ዝህቦ መንፈሳዊ ምድላው ብምጥቃም: ነተን ክበጽሕወን መሰል እተዋህቦም ጉባኤታት የበርትዕወን።
19. እንታይ ክንርእዮ ዘሎና ሕቶታት ኢዩ ተሪፉ ዘሎ፧
19 ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ማሕበር የሆዋ ኣብ መንጎ እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዮ ክትጅምሮ ከላ: እዚ መጽሔት እዚ “ነቲ ውጽኢትን ካብ ጐይታ ዝመጽእ ተወሳኺ መምርሕን ክንጽበ ኢና” ብምባል ገሊጹ ነበረ። መሪሒነት የሆዋ ከም ዘለዎ ድማ ብንጹር ተራእየ። ብምኽንያት በረኸት የሆዋን ኣላይነት ኣማሓዳሪ ኣካልን: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: እዚ ዕዮ እዚ ሰፊሑን ተመሓይሹን ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ኣብ እምነት ጸኒዔን ኢየን: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ኣለዋ። ብርግጽ: የሆዋ ነቲ እዞም ውህበት ሰብኡት ዘርእይዎ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ይባርኾ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንዕዮኦም ብዓወት ክፍጽሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ዕላማታቶምከ እንታይ ኢዩ፧ ነተን ጉባኤታት ኣዝዮም ክጠቕምወን ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ገለ ዕዮታት ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ እንታይ ኢዩ፧
◻ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ክህልዎም ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንዕዮ ገየሽቲ ሽማግለታትን ኣንስቶምን ሞሳ ምርኣይ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ንጉባኤታት ኣብ እምነት ንኸጽንዕወን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ቦታ ኵሉ ግዜ ክትንቀሳቐስ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ይሓትት
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ምቕባል ኣጋይሽ ትገብርዶ ኢኻ፧