‘ምእንቲ እታ እምነት ተጋደሉ’!
‘በታ [“ምእንቲ እታ: ” NW ] ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ተጋደሉ።’—ይሁዳ 3
1. ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት በየናይ መገዲ ኢዮም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ፧
ኣብ ውግእ ዝርከቡ ወተሃደራት ኵሉ ግዜ ከቢድ ናብራ ኢዮም ዘሕልፉ። ምሉእ ናይ ውግእ ዕጥቂ ተሰኪምካ እተፈላለየ ኵነታት ኣየር እናተጻወርካ ማእለያ ዘይብሉ ኪሎ ሜተራት ትጓዓዝ: ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ኣድካሚ ምልምማድ ትገብር: ወይ ከኣ ገዛእ ርእስኻ ካብ ኵሉ እቲ ሞት ወይ ስንክልና ከምጽእ ዝኽእል ዘስግእ ኵነታት ትከላኸለላ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ይኹን እምበር: ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ናይ ሃገራት ውግእ ኣይካፈሉን ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዮሃንስ 17:14) ገና ግን: ብመንፈሳዊ መገዲ ኵላትና ኣብ ውግእ ከም ዘሎና ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። ሰይጣን ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣብቶም ምድራውያን ሰዓብቱን ብርቱዕ ጽልኢ ኢዩ ዘለዎ። (ራእይ 12:17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ከገልግሉ ዝውስኑ ሰባት: መንፈሳዊ ውግእ ንምውጋእ ወተሃደራት ክዀኑ ይኽተቡ ኣለዉ ማለት ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 10:4
2. ይሁዳ ንክርስትያናዊ ውግእ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ: መልእኽቱኸ ኣብቲ ውግእ ንኽንጽመም ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
2 እቲ ንየሱስ በዲኡ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳ ምስ እዚ ብዝሰማማዕ መገዲ ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ: በታ [“ምእንቲ እታ:” NW ] ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም: ናይ ግዲ ዀነኒ።” (ይሁዳ 3) ይሁዳ ንክርስትያናት ‘ክጋደሉ’ ክላበዎም ከሎ ምስታ “መሪር ስቓይ” እትብል መግለጺት እተተሓሓዘት ስያመ ኢዩ ተጠቒሙ። እወ: እዚ ቃልሲ እዚ ኣሸጋሪ: አረ ዘሳቒ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ! ሓድሓደ ግዜ ኣብዚ ውግእ እዚ ክትጽመም ኣጸጋሚ ኰይኑ ትረኽቦዶ፧ እታ ሓጻር ግናኸ ሓያል መልእኽቲ ይሁዳ ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። ንዘይስነ-ምግባራውነት ክንቃወሞ: ብመለኮታዊ መገዲ ንዝቘመ ስልጣን ከነኽብር: ንገዛእ ርእስና ድማ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ ይላበወና። ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እነውዕሎ ንርአ።
ንዘይስነ-ምግባራውነት ተቓወሞ
3. ኣብ ግዜ ይሁዳ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከመይ ዝበለ ዘይተሓስበ ኵነታት ኢዩ ኣጋጢምዋ ዝነበረ፧
3 ይሁዳ: ኣብቲ ኣንጻር ሰይጣን ዝግበር ውግእ ዝዕወቱ ዝነበሩ ኵሎም ክርስትያናት ብጾቱ ከም ዘይኰኑ ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ። ነቲ መጓሰ ዘይተሓስበ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነበረ። ይሁዳ: ብልሹዋት ሰባት “ስሉዅ ኢሎም” ኣትዮም ከም ዝነበሩ ይጽሕፍ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብጕርሒ ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዮም ዘተባብዑ ነይሮም። ‘ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ብምልዋጥ’ ንተግባራቶም ብኽእለት ምስምስ የቕርብሉ ነበሩ። (ይሁዳ 4) ምናልባት ከምቶም ገለ ናይ ጥንቲ ግኖስቲክ: ሓደ ሰብ ዝያዳ ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺሙ ብእኡ መጠን ዝያዳ ጸጋ ኣምላኽ ክቕበል ይኽእል—በዚ መሰረት እዚ እምበኣር ዝያዳ ሓጢኣት ምፍጻም ጠቓሚ ኢዩ!—ዝብል ምኽንያት የቕርቡ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ወይ ድማ ምናልባት: ሓደ ሕያዋይ ኣምላኽ ኣይቀጽዓናን ኢዩ ኢሎም ደምዲሞም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግን: ግጉያት ኢዮም ነይሮም።—1 ቈረንቶስ 3:19
4. ይሁዳ ካብቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝፈጸሞ ፍርድታት ከመይ ዝበሉ ሰለስተ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ ዝጠቅስ፧
4 ይሁዳ: ካብቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝፈጸሞ ፍርድታት ሰለስተ ኣብነታት ብምጥቃስ እቲ እኩይ ምኽንያታቶም ግጉይ ምዃኑ መረጋገጺታት የቕርብ። እዚ ድማ: ኣንጻር እቶም “ዘይአምኑ” ዝነበሩ እስራኤላውያን፣ ኣንጻር እቶም ምስ ኣንስቲ ሓጢኣት ክፍጽሙ “ሰፈሮም ዝሐደጉ . . . መላእኽቲ”፣ ከምኡውን ኣንጻር እቶም ‘ዝመንዘሩ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዓቡ’ ተቐማጦ ሶዶምን ጐመራን ኢዩ። (ይሁዳ 5-7፣ ዘፍጥረት 6:2-4፣ 19:4-25፣ ዘሁልቍ 14:35) የሆዋ ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት ነቶም ሓጢኣተኛታት ዘየዳግም ፍርዲ ኣውሪዶምሎም ኢዮም።
5. ይሁዳ ካበየናይ ጥንታዊ ነብዪ ኢዩ ዝጠቅስ: እቲ ትንቢት እቲኸ ብኸመይ ኢዩ ነቲ ምሉእ ርግጽነት ናይ ፍጻሜኡ ዝገልጽ፧
5 ጸኒሑ: ይሁዳ ብዛዕባ ሓደ ሰፊሕ ሳዕቤን ዝነበሮ ፍርዲውን ይጠቅስ። ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ካልእ ቦታ ዘይርከብ ናይ ሄኖክ ትንቢት ይጠቅስ።a (ይሁዳ 14, 15) ሄኖክ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ተግባራቶምን ዝፈርደሉ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነበረ። እቲ ዘገርም ድማ ፍርድታት ኣምላኽ ልክዕ ድሮ ከም እተፈጸመ ርግጽ ብምንባሩ: ሄኖክ ከም ሕሉፍ ገይሩ ኢዩ ተዛሪቡሉ። ሰባት ንሄኖክ ጸኒሖም ከኣ ንኖህ የላግጹሎም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ይኹን እምበር ኵሎም እዞም መላገጽቲ እዚኣቶም ብማይ ኣይሂ ጠፊኦም ኢዮም።
6. (ሀ) እቶም ኣብ ግዜ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ክዘኻኸሩ ዝነበሮም፧ (ለ) ነቲ ናይ ይሁዳ መዘኻኸሪታት ከነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
6 ይሁዳ ብዛዕባ እዚ መለኮታዊ ፍርድታት እዚ እተዛረበ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ገለ ካብቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓበሩ: ልክዕ ከምቶም ነቲ ዝሓለፈ ፍርድታት ዘለዓዓሉ ሰባት ዝፈጸምዎ ጽዩፍን መቕጻዕቲ ዝግብኦ ሓጢኣትን ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ ይሁዳ እተን ጉባኤታት ብዛዕባ ገለ መሰረታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቅታት ክዘኻኸራ ከም ዘድልየን ዝጸሓፈ። (ይሁዳ 5) የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ይርእዮ ምንባሩ ከም ዝረስዕዎ ግሁድ ኢዩ። እወ: ኣገልገልቱ ደይ መደይ ኢሎም ሕጉ ብምጥሓስ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ከርክሱ ኸለዉ ይርእዮ ኢዩ። (ምሳሌ 15:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣጸቢቑ ኢዩ ዘጕህዮ። (ዘፍጥረት 6:6፣ መዝሙር 78:40) ንሕና ዘይንጠቅም ሰባት ንስምዒታት እቲ ልዑል ጐይታ ኣድማስ ክንትንክፎ ምኽኣልና ክትሓስቦ ዘፍርሕ ኢዩ። መዓልቲ-መዓልቲ ኢዩ ዝቋመተና: ኣስኣሰር ወዱ የሱስ ክርስቶስ ንምስዓብ ዝከኣለና ክንገብር ከሎና ምምልላስና ንልቡ የሐጕሶ። ስለዚ እምበኣር: ይሁዳ ከምኡ ዝኣመሰለ ምዝኽኻር ክህበና ከሎ ከነቕልበሉ ድኣ እምበር ቅር ክብለና ኣይግብኦን ኢዩ።—ምሳሌ 27:11፣ 1 ጴጥሮስ 2:21
7. (ሀ) ሎሚ እቶም ኣብ ከቢድ ኣበሳ ተጸሚዶም ዘለዉ ሰባት ቅልጡፍ ሓገዝ ክደልዩ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኵልና ብኸመይ ኢና ዘይስነ-ምግባራውነት ከነወግድ እንኽእል፧
7 የሆዋ ይርኢ ጥራይ ዘይኰነስ ስጕምቲ እውን ይወስድ ኢዩ። ኣምላኽ ፍትሒ ስለ ዝዀነ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኣብ ልዕሊ ገበርቲ እከይ መቕጻዕቲ የውርድ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:24) እቶም ንፍርድታት ኣምላኽ ሕሉፍ ታሪኽ ጥራይ ገይሮም ዝርእይዎ እሞ በቲ ዝገብርዎ እከይ ምንም ዘይግደስ ከም ዝዀነ ዝሓስቡ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኢዮም ዘታልሉ ዘለዉ። ሎሚ ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ተጸሚዶም ዘለዉ ሰባት ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ቅልጡፍ ሓገዝ ክደልዩ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ኰን ኢዩ! (ያእቆብ 5:14, 15) ኵልና ዘይስነ-ምግባራውነት ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ቃልሲ ዘሕድሮ ስግኣት ከየተሓሳሰበና ኣይተርፍን ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ግዳያት ናይቲ ውግእ ዝዀኑ ሰባት ኣለዉ: እዚኣቶም ከኣ መብዛሕትኦም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ብምፍጻሞም ስለ ዘይተናስሑ ካብ መንጎና ዝውገዱ ውልቀ-ሰባት ኢዮም። ንዝዀነ ይኹን ፈተና: ነቲ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ክመርሓና ዝጅምር ዘሎ እውን ከይተረፈ: ንኽንቃወሞ ጽኑዕ ውሳነ ክንገብር ኣሎና።—ምስ ማቴዎስ 26:41 ኣረኣእዮ።
ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን ኣኽብሮ
8. እቶም ኣብ ይሁዳ 8 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘መዓርጋት ክብሪ’ መን ኢዮም፧
8 ካልእ ይሁዳ እተዛረበሉ ሽግር ከኣ ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን ክብሪ ዘይምርኣይ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ቍጽሪ 8 ነቶም እኩያት ሰባት እቲኣቶም “ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ አለዉ” ብምባል ይወቕሶም። እዞም ‘መዓርጋት ክብሪ’ እዚኣቶም መን ኢዮም ነይሮም፧ ዘይፍጹማት ግናኸ ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት ኢዮም ነይሮም። ንኣብነት: እተን ጉባኤታት ንመጓሰ ኣምላኽ ክጓስዩ እተመዘዙ ሽማግለታት ነይሮምወን ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2) ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ድማ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣካል ሽማግለታት እውን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓፈሻ ዝትንክፍ ውሳነታት ብምግባር ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ሰሪሑ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6) ይሁዳ ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገለ ሰባት ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ይጸርፉ ወይ ብንዕቀት ይዛረቡ ምንባሮም ኣጸቢቑ ኢዩ ኣተሓሳሲብዎ።
9. ይሁዳ ብዛዕባ ንስልጣን ዘይምኽባር እንታይ ኣብነታት ኢዩ ዝጠቅስ፧
9 ይሁዳ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ንዕቀት ዘረባ ንምዅናን ኣብ ቍጽሪ 11 ከም መዘኻኸሪ ሰለስተ ኣብነታት ይጠቅስ: ንሳቶም ከኣ ቃየል: በላዓምን ቆራሕን ኢዮም። ቃየል ነቲ ፍቕራዊ ምኽሪ የሆዋ ነጺጉ ብድልየቱ ናብ ቅትለት ዝመርሕ ጽልኢ ዝሓዘ መገዲ ገዛእ ርእሱ ሰዓበ። (ዘፍጥረት 4:4-8) በላዓም: ብዘይጥርጥር ካብ ልዕለ-ባህርያዊ ምንጪ ዝመጸ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታት ተቐቢሉ ኢዩ: ኣድጉ እውን ከይተረፈት ተዛሪባቶ ኢያ! ይኹን እምበር በላዓም ብስስዐ ተላዓዒሉ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ውዲት ኣለመ። (ዘሁልቍ 22:28, 32-34፣ ዘዳግም 23:5) ቆራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ሓላፍነት ነይርዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን ብእኡ ኣይዓገበን። ኣንጻር እቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ሰባት ዓቃል ዝነበረ ሙሴ ዕልወት ከም ዝለዓዓል ገበረ።—ዘሁልቍ 12:3፣ 16:1-3, 32
10. ሎሚ ገለ ሰባት ‘ንመዓርጋት ክብሪ’ ኣብ ናይ ‘ምጽራፍ’ መፈንጠራ ክወድቁ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም: ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ክውገድ ዘለዎኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 እዚ ኣብነታት እዝስ ምኽሪ ክንሰምዕን ነቶም የሆዋ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝጥቀመሎም ሰባት ከኣ ከነኽብሮምን ክሳዕ ክንደይ ኣነጺሩ ዝምህረና ኰን ኢዩ! (እብራውያን 13:17) እተሸሙ ሽማግለታት ከምቲ ኵልና ዘይፍጹማት ዝዀንና ንሳቶም እውን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ ብቐሊሉ ጕድለታት ክንረኽበሎም ንኽእል ኢና። ግናኸ ኣብቲ ጕድለታት እቲ ጥራይ ብምትኳር ክብሪ ነጕድለሎም እንተድኣ ኴንና ‘ንመዓርጋት ክብሪ ንጸርፍ’ ደዀን ንህሉ፧ ይሁዳ ኣብ ቍጽሪ 10 ነቶም ‘ንዘይፈልጥዎ ዝጸርፍዎ’ ሰባት ይጠቕሶም። ሓድሓደ ግዜ ገለ ሰባት ብኣካል ሽማግለታት ወይ ከኣ ብናይ ፍርዲ ኮሚተ ንእተገብረ ውሳነ ይነቕፉ ኢዮም። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም ንዅሉ እቲ እቶም ሽማግለታት ኣብ ውሳነ ንኽበጽሑ ክምርምርዎ ዝነበሮም ዝርዝራት ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ስለምንታይ ድኣ እዮም እሞ ብዛዕባ ኣረጋጊጾም ዘይፈልጥዎ ነገራት ዝጻረፉ፧ (ምሳሌ 18:13) እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ዘረባ ዝጸንዑ ሰባት ኣብታ ጉባኤ ምፍልላይ ክፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም: ኣብ ኣኼባታት ናይ ኣመንቲ ብጾት ከኣ ምናልባት ምስ ሓደገኛ ዝዀነ “ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብአ ኣኻውሕ” (NW ) ከይተረፈ እውን ክመሳሰሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ይሁዳ 12, 16, 19) ንኻልኦት ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ከነውድቖም ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡ: ነፍሲ ወከፍና ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት በቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ኢሎም ዝገብርዎ ብርቱዕ ጻዕርን ተወፋይነትን ንኸነማስዎም ቆራጽነት ንግበር።—1 ጢሞቴዎስ 5:17
11. ሚካኤል ንሰይጣን ፍርዲ ጸርፊ ካብ ምዝራብ እተቘጠበ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ይሁዳ: ብግቡእ መገዲ ንዝቘመ ስልጣን ብዛዕባ ዘኽበረ ሓደ ኣብነት ይጠቅስ። ከምዚ ብምባል ከኣ ጸሓፈ:- “ሚካኤል: እቲ ሊቀ መላእኽቲ: ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ ምስ ተማጐተ፤ እግዚኣብሄር ይግናሕካ: ደኣ በሎ እምበር: ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን።” (ይሁዳ 9) እዚ ብይሁዳ ጥራይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዘገርም ጸብጻብ: ክልተ ፍሉይ ትምህርትታት ኢዩ ዝምህረና። ብሓደ ሸነኽ ፍርዲ ናብ የሆዋ ክንገድፎ ይምህረና። ሰይጣን ንኣካል ናይቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ሙሴ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ኢሉ ብዘይግቡእ ክጥቀመሉ ከም ዝደለየ ርዱእ ኢዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ረሲእነት ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር: እቲ ስልጣን እቲ ዝነበሮ የሆዋ ጥራይ ስለ ዝዀነ ሚካኤል ብትሕትና ፍርዲ ካብ ምሃብ ተቘጠበ። ነቶም ንየሆዋ ከገልግልዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ እሙናት ሰባት ካብ ምፍራድ ግዳ ክንደይ ዝያዳ ክንቍጠብ ዘይግብኣና።
12. እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ዝርከቡ ኣሕዋት ካብቲ ናይ ሚካኤል ኣብነት እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧
12 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቶም ኣብታ ጉባኤ እተወሰነ ቦታ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ካብ ሚካኤል ዝማሃርዎ ትምህርቲ ኣለዎም። ሚካኤል “ሊቀ መላእኽቲ” ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ እኳ እንተነበረ: ዝፈታትኖ ኵነታት እናሃለወ እውን ከይተረፈ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ኣይተጠቐመሉን። እሙናት ሽማግለታት እውን ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ምጥቃም ነቲ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ምንዓቕ ማለት ከም ዝዀነ ስለ ዝግንዘቡ: ነቲ ኣብነት እቲ ኣጸቢቖም ኢዮም ዝስዕብዎ። መልእኽቲ ይሁዳ ብዛዕባ እቶም ኣብተን ጉባኤታት ቦታ ሓላፍነት ዝነበሮም ግናኸ ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ክጥቀምሉ ዝጀመሩ ሰባት ብዙሕ እትብሎ ነይርዋ ኢዩ። ንኣብነት ይሁዳ ካብ ቍጽሪ 12 ክሳዕ 14 ብዛዕባ እቶም “ብዘይ ፍርሃት . . . ንርእሶም ዚጓስዩ” ሰባት ሓያል ኵነኔ ጽሒፉ ኣሎ። (ምስ ህዝቅኤል 34:7-10 ኣረኣእዮ።) ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ ብቐዳምነት ዘገድሶም ዝነበረ ነገር መጓሰ የሆዋ ዘይኰነስ ጥቕሚ ርእሶም ኢዩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ካብዚ ኣሉታዊ ኣብነታት እዚ ብዙሕ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ብሓቂ እምበኣር: ናይ ይሁዳ ቃላት ብዛዕባ እቲ ክንኰኖ ዘይንደልዮ ነገር ኣነጺሩ ኢዩ ዝነግረና። ኣብ ስስዐ እንተድኣ ወዲቕና ናይ ክርስቶስ ወተሃደራት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብ ብሕታዊ ረብሓታትና ኣዚና ኢና እንውሓጥ። ኣብ ክንድኡ ግን: ኵልና በተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብላ ቃላት የሱስ ንንበር።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ”
13. ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንሕ ኵልና ልባዊ ባህጊ ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
13 ይሁዳ መልእኽቱ ክድምድም ከሎ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” ዝብል ልቢ ዝትንክፍ ምኽሪ ይህብ። (ይሁዳ 21) ክርስትያናዊ ውግእ ንምክያድ ክሕግዘና ዝኽእል ካብ ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ንላዕሊ ካልእ የለን። ደሓር ድማ: ፍቕሪ ናይ የሆዋ ዓብላሊት ባህሪ ኢያ። (1 ዮሃንስ 4:8) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ” ብምባል ጸሓፈሎም። (ሮሜ 8:38, 39) ይኹን እምበር: ኣብታ ፍቕሪ እቲኣ እንጸንሕ ብኸመይ ኢና፧ ብመሰረት ይሁዳ ካብቲ ክንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት ሰለስተ ንርአ።
14, 15. (ሀ) ንርእስና ኣብታ ‘ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነት’ ምህናጽ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ንዅነታት መንፈሳዊ ዕጥቅና ብኸመይ ክንምርምሮ ምኸኣልና፧
14 ቀዳማይ: ይሁዳ ንገዛእ ርእስና ብቐጻሊ ኣብታ ካብ ‘ካብ ኵሉ እተቐደሰት’ እምነት ክንሃንጻ ይነግረና። (ይሁዳ 20) ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ከም ዝረአናዮ: እዚ ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንሓደገኛ ኵነታት ኣየር ምቅዋም ምእንቲ ክኽእል ኣዝዩ ጽኑዕ ክኸውን ዘድልዮ ህንጻታት ኢና። (ምስ ማቴዎስ 7:24, 25 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእስና ምትእምማን ኣይነሕድር። ኣብ ክንድኡ: ጽኑዓትን ኣዚና እሙናትን ወተሃደራት ክርስቶስ ብምዃን ኣብቲ መሰረት ናይ እምነትና ኣበየናይ ወገን ክንሃንጽ ከም ዘሎና ነስተብህል። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኤፌሶን 6:11-18 ተገሊጹ ዘሎ መንፈሳዊ ዕጥቂ ዘቝሙ ክፍልታት ክንምርምሮም ንኽእል።
15 ኵነታት መንፈሳዊ ኣጽዋርና ከመይ ኢዩ፧ እቲ ‘ዋልታ እምነትና’ ከምቲ ክዀኖ ዘለዎ ጽኑዕ ድዩ፧ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተድኣ ጠሚትና: ከም ኣብ ኣኼባታት እንእከበሉ ግዜያት እናጐደለ ምኻድ: ንኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ምንካይ: ወይ ከኣ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዘሎና ውዕዉዕ መንፈስ ምቕሃም ዝኣመሰለ ገለ ናይ ስንፍና ምልክታት ንርኢ ዲና፧ እዚ ምልክታት እዚ ሓደገኛ ኢዩ! ንገዛእ ርእስና ኣብ ሓቂ ክንሃንጻን ከነጽንዓን ሕጂ ስጕምቲ ክንወስድ ከድልየና ኢዩ!—1 ጢሞቴዎስ 4:15፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ እብራውያን 10:24, 25
16. ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ንየሆዋ ስርዓታውያን ኴንና ክንልምኖ ዘሎና ሓደ ነገርከ እንታይ ኢዩ፧
16 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናሕ ዝሕግዝ ካልኣይ መገዲ ኸኣ ብቐጻሊ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ’ ኢዩ። (ይሁዳ 20) እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ የሆዋ ብምዃንን ምስቲ ብመንፈስ እተመርሐ ቃሉ ብምስምማዕን ምጽላይ ማለት ኢዩ። ጸሎት ብብሕቲ ናብ የሆዋ እንቐርበሉን ንዕኡ ዘሎና ተወፋይነት እንገልጸሉን ኣገዳሲ መገዲ ኢዩ። ነዚ ዘደንቕ መሰል እዚ ሸለል ክንብሎ የብልናን! ክንጽሊ ከሎና ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ክንልምን—አረ ብቐጻሊ እኳ ድኣ ክንልምን—ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 11:13) ተዳልዩልና ዘሎ ኣዝዩ ዝጸንዐ ሓይሊ ኢዩ። በዚ ሓገዝ እዚ ኵሉ ግዜ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንሕ ከም ወተሃደራት ክርስቶስ ኴንና ድማ ክንጽመም ንኽእል ኢና።
17. (ሀ) ኣብ ናይ ምሕረት ጕዳይ ዝመጸ እቲ ናይ ይሁዳ ኣብነት ብሉጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍና ምሕረት ምርኣይ ክንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
17 ሳልሳይ: ይሁዳ ብቐጻሊ ምሕረት ከነርኢ ይላበወና። (ይሁዳ 22) በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ እቲ ናይ ርእሱ ኣብነት ብሉጽ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ በቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኹ ኣትዩ ዝነበረ ብልሽውናን ዘይስነ-ምግባራውነትን ክሕደትን ቅሳነት ስኢኑ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ እዋን እቲ ከም ምሕረት ዝኣመሰለ “ልኡም” ባህሪ ከተርኢ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምምጻእ ኣብ ፍርሒ ኣይወደቐን። ኣብ ክንድኡ: ንኣሕዋቱ ኣብቲ ዝከኣለሉ እዋን ነቶም ዝጠራጠሩ ብሕያውነት እናኣረድኡ አረ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ገጾም ዝገማገሙ ‘ካብ ሓዊ ብምምንጣል’ እውን ከይተረፈ ብቐጻሊ ምሕረት ከርእዩ ተላበዎም። (ይሁዳ 23፣ ገላትያ 6:1) እዝስ ነዞም ኣብዚ ሕማቕ እዋናት ዘለዉ ሽማግለታት ከመይ ዝበለ ሰናይ ምዕዶ ኰን ኢዩ! ንሳቶም እውን ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ጽኑዓት ብምዃን: መሰረት ክረኽቡ ከለዉ ምሕረት ከርእዩ ይጽዕሩ ኢዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ ኵልና ኣብ ንሓድሕድና ምሕረት ከነርኢ ንደሊ ኢና። ንኣብነት: ብንኣሽቱ ነገራት ቂም ኣብ ክንዲ እንሕዝ ይቕረ ብምባል ለጋሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:13
18. ኣብቲ መንፈሳዊ ውግእና ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 እቲ እነካይዶ ዘሎና ውግእ ቀሊል ኣይኰነን። ከምቲ ይሁዳ ዝበሎ ‘ገድሊ’ ኢዩ። (ይሁዳ 3) ጸላእትና ሓያላት ኢዮም። ሰይጣን ጥራይ ዘይኰነስ እታ እክይቲ ዓለምን ዘይፍጽምናናን እውን ኣንጻርና ተሰሊፎም ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር ከም እንዕወት ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ወገን የሆዋ ኢና ዘሎና። ይሁዳ መልእኽቱ ክዓጹ ኸሎ የሆዋ “ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን ክብሪ: ግርማ: ሓይሊ: ስልጣን” ክዋሃቦ ዝግባእ ምዃኑ የዘኻኽር። (ይሁዳ 25) እዝስ ኣኽብሮታዊ ፍርሒ ዘሕድረልካ ሓሳብዶ ኣይኰነን፧ እዚ ኣምላኽ እዚ ‘ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወካ ዝከኣሎ’ ምዃኑ እምበኣር ዘተሓታትት ድዩ፧ (ይሁዳ 24) ፈጺሙ ዘተሓታትት ኣይኰነን! ሃየ እምበኣር ኵልና ንዘይስነ-ምግባራውነት እናተቓወምና: ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን እናኽበርና: ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ እናሓለና ንምቕጻል ቈራጽነት ንግበር። በዚ መገዲ እዚ ሓቢርና ግርማዊ ዓወት ከነስተማቕር ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገለ ተመራመርቲ ይሁዳ ካብተን ግሉላት መጻሕፍቲ ማለት ካብ መጽሓፍ ሄኖክ ከም ዝጠቐሶ ሓሳብ ይህቡ። ይኹን እምበር: ኣር. ሲ. ኤች. ሌንሰኪ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ ‘እዚ ልቕብቃብ ጽሑፍ እዚ ማለት መጽሓፍ ሄኖክ ምንጩ ካበይ ኢዩ፧’ ኢልና ንሕተት። እዚ መጽሓፍ እዚ ወሰኽ ኢዩ: ብዛዕባ ዕለት ናይቲ እተፈላለየ ክፍልታቱ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ከኣ የለን . . .፣ ገለ ካብቲ መግለጺታቱ ምናልባት ካብ ይሁዳ ከም ዘይተወስደ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ሰብ እውን የለን።”
ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት
◻ መልእኽቲ ይሁዳ ንዘይስነ-ምግባራውነት ክንቃወሞ እትምህረና ብኸመይ ኢያ፧
◻ ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን ምኽባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ናይ ጉባኤ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ዝመጸ ኣዝዩ ከቢድ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናሕ ብኸመይ ክንዓዪ ምኸኣልና፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ከም ወተሃደራት ሮሜ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ውግእ ኢዮም ዘካይዱ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያን ጓሶት ካብ ስስዐ ተላዒሎም ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ኢዮም ዘገልግሉ