ካብ መምህራን ሓሶት ተጠንቀቑ!
“ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም።”—2 ጴጥሮስ 2:1
1. ይሁዳ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ክጽሕፍ ደልዩ ዝነበረ: ስለምንታይከ ኢዩ ነቲ ክዛረበሉ ዝደለየ ኣርእስቲ ዝቐየሮ፧
ከመይ ዝበለ ዘሰንብድ ነገር ኰን ኢዩ! ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ መምህራን ሓሶት ተንሲኦም ነበሩ! (ማቴዎስ 7:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝነበረ ይሁዳ ብዛዕባ እዚ ተርእዮ እዚ ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና” ክጽሕፈሎም ደልዩ ከም ዝነበረ ተዛረበ: ግናኸ “በታ . . . እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም: ናይ ግዲ ዀነኒ” ብምባል ይገልጽ። ይሁዳ ነቲ ክዛረበሉ ዝደለየ ኣርእስቲ ዝቐየረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ “ገለ ሰባት . . . ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ: . . . ስሉዅ ኢሎም [ናብተን ጉባኤታት] አትዮምኹም አለዉ” በለ።—ይሁዳ 3, 4
2. ካልኣይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2 ከምኡውን መልእኽቲ ይሁዳ ኣዝየን ተመሳሰልቲ ዝዀና ስለምንታይ ኢየን፧
2 ይሁዳ: ጴጥሮስ ነታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ምስ ጸሓፋ ቁሩብ ጸኒሑ ከም ዝጸሓፈ ፍሉጥ ኢዩ። ይሁዳ ምስዛ መልእኽቲ እዚኣ ሌላ ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብርግጽ: ኣብታ ሓያል ናይ ምዕዶ መልእኽቱ ብዙሕ ተመሳሳሊ ሓሳባት ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ን2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 2 ክንምርምራ ከሎና: ምስ መልእኽቲ ይሁዳ ክሳዕ ክንደይ ከም እትመሳሰል ከነስተብህል ኢና።
ሳዕቤናት ትምህርቲ ሓሶት
3. ጴጥሮስ እንታይ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝዀነ ነገር ኢዩ እንደገና ክፍጸም ምዃኑ እተዛረበ፧
3 ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ ነቲ ትንቢት ከስተብህልሉ ምሕጽንታ ድሕሪ ምቕራቡ: ከምዚ ይብል:- “ግናኸ: ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል [ናይ ጥንቲ እስራኤል] ተንሲኦም ነበሩ: ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም።” (2 ጴጥሮስ 1:14–2:1) ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ትንቢት ተቐቢሎም ኢዮም: እንተዀነ ግን ምስቲ ብልሹው ትምህርትታት ነብያት ሓሶት ድማ ክቃለሱ ነበሮም። (ኤርምያስ 6:13, 14፣ 28:1-3, 15) ኤርምያስ “ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኹ፤ የመንዝሩ: ብሓሶት ይመላለሱ” ብምባል ጸሓፈ።—ኤርምያስ 23:14
4. መምህራን ሓሶት ጥፍኣት ዝግብኦም ስለምንታይ ኢዩ፧
4 መምህራን ሓሶት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ከም ዝገብሩ ክገልጽ ከሎ: ጴጥሮስ ከምዚ ይብል:- “ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ: ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ [የሱስ ክርስቶስ] እኳ ኪኽሕድዎ እዮም: ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።” (2 ጴጥሮስ 2:1፣ ይሁዳ 4) መወዳእታ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ምጕጅጃል እዛ ሎሚ እንፈልጣ ህዝበ-ክርስትያን ኢያ። ጴጥሮስ መምህራን ሓሶት ብሓቂ ጥፍኣት ዝግብኦም ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ:- “ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም [“ኣብቲ ቀይዲ በተኽ ጠባዮም:” NW ] ኪስዕብዎም እዮም: ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።”—2 ጴጥሮስ 2:2
5. መምህራን ሓሶት ነየናይ ነገር ኢዮም ብሓላፍነት ዝሕተትሉ ዝነበሩ፧
5 ብምኽንያት ጽልዋ መምህራን ሓሶት: ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ በተኽ ናብራ ክጽመዱሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ! እታ ኣብዚ “ቀይዲ በተኽ ጠባይ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ብዕሉግ: ዝሩግ: ዘይእሩም: ነውራም: ሕንኪ ዘይብሉ ጠባይ ኢያ እተመልክት። ጴጥሮስ ኣቐድም ኣቢሉ ክርስትያናት ‘ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ካብ ዘሎ ጥፍኣት [“ብልሽውና:” NW ] ምውጽኦም’ ተዛሪቡ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 1:4) ገሊኣቶም ግን ናብቲ ብልሽውና እቲ ይምለሱ ነበሩ: ነዚ ብሓላፍነት ዝሕተትሉ ድማ እቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ መምህራን ሓሶት ኢዮም! በዚ ኸኣ እታ መገዲ ሓቂ ተጸርፈት። ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ብርግጽ: እዚ ጕዳይ እዚ ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቖም ከስተብህልሉ ዘለዎም ኢዩ። ብጠባይና ንየሆዋ ኣምላኽን ህዝቡን ናእዳ ወይ ጸርፊ ከነምጽእ ከም እንኽእል ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን።—ምሳሌ 27:11፣ ሮሜ 2:24
ምትእትታው ትምህርትታት ሓሶት
6. ንመምህራን ሓሶት ዘለዓዕሎም ነገር እንታይ ኢዩ: ነቲ ዝደልይዎ ንምርካብከ እንታይ ኣገባብ ኢዮም ዝጥቀሙ፧
6 መምህራን ሓሶት ነቲ ብልሹው ኣተሓሳስባኦም ብኸመይ ከም ዘተኣታትውዎ ከነስተብህል ጥበባዊ ኢዩ። ጴጥሮስ መጀመርታ ቀስ ወይ ድማ ሰላሕ ኢሎም: ጕርሒ ብዘለዎ መገዲ ከም ዝገብርዎ ኢዩ ተዛሪቡ። ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል:- “ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም: መናገዲ ኺገብርኹም እዮም።” ከምቲ ኣብ ናይ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) ትርጕም ጐሊሑ ዘሎ: ንመምህራን ሓሶት ዘለዓዕሎም ስሱዕ ባህግታት ኢዩ:- “ሰላሕ ጕልድም ብዝዀነ ዘረባታት ገይሮም ክዕድግኹም ኢዮም ዝህንጠዩ።” ብተመሳሳሊ: ናይ ጀምስ ሞፋት ትርጕም ከምዚ ይብል:- “ካብቲ ዘለዎም ህርፋን እተላዕለ ብናይ ጕርሒ ዘረባታት ገይሮም ክምዝምዝኹም ኢዮም።” (2 ጴጥሮስ 2:1, 3) መምህራን ሓሶት ዝጥቀምሉ ኣዘራርባ ንሓደ ብመንፈስ ንቑሕ ዘይኰነ ሰብ ዘእምን መሲሉ ይርኣዮ ይኸውን: ቃላቶም ግን ነቲ ስሱዕ ዕላማታት ናይቶም መስሓትቲ ዘገልግሉ ንኽዀኑ ብምስዳዕ: ሰባት ‘ንምዕዳግ’ ብጥንቃቐ እተማህዘ ኢዩ።
7. ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እንታይ ዓይነት ፍልስፍና ገኒኑ ነበረ፧
7 እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን መምህራን ሓሶት በቲ ሽዑ ልሙድ ዝነበረ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተጸልዮም ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዳርጋ ኣብቲ ጴጥሮስ ዝጸሓፈሉ ግዜ ኣቢሉ ይኸውን: ግኖስቲዝም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍልስፍና ገኒኑ ነበረ። ሰዓብቲ እዚ ፍልስፍና እዚ ዝዀኑ ሰባት ኵሉ ነገር ክፉእ ኢዩ: እቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ መንፈስ ጥራይ ኢዩ ጽቡቕ ኢሎም ይኣምኑ። በዚ ኸኣ: ገለ ካብኣቶም ሰብ ብስጋዊ ኣካሉ ዝገብሮ ነገር ኣየገድስን ኢዩ በሉ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ሰብ እዚ ኣካል እዚ ከም ዘይህልዎ ድማ ተኸራኸሩ። ስለዚ: ኣካላዊ ሓጢኣት—ጾታዊ ርክብ እውን ሓዊስካ—ኣገዳሲ ኣይኰነን ኢሎም ደምደሙ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታት ንገለ ካብቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ክጸልዎም ጀሚሩ ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ።
8, 9. (ሀ) ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ጠዋይ ኣተሓሳስባ ኢዩ ተንኪፍዎም ዝነበረ፧ (ለ) ከምቲ ይሁዳ ዝበሎ: ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ገለ ሰባት እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም፧
8 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ ጸጋ” ወይ ናይ “ዘይንበቕዖ ሕያውነት” “ሰረተ-እምነት ዝጠውይዎ ሰባት ነበሩ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:5-7 NW ) ብመሰረት እቲ ዝበሎ: ገሊኦም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይከራኸሩ ነበሩ:- “[ዘይንበቕዖ ሕያውነት] ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ንምሽፋን ኣኺሉ ዝተርፍ ኢዩ ዲኻ ትብል፧ . . . እምበኣር ሓጢኣት ምግባር ንቐጽል: ከመይሲ [ዘይንበቕዖ ሕያውነት] ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ክድምስስ ይኽእል ኢዩ። እኳ ድኣስ ዝያዳ ሓጢኣት ምስ እንገብር [ዘይንበቕዖ ሕያውነት] ኣምላኽ ዝያዳ ንኽዓዪ ኣጋጣሚ ይረክብ።” ካብዚ ዝገድድ ጠዋይ ዝዀነ ሓሳብስ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧
9 ሃዋርያ ጳውሎስ “ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW ] ምእንቲ ኺዐዝዝሲ: ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧” ኢሉ ክሓትት ከሎ: ነቲ ንምሕረት ኣምላኽ ዝምልከት ጌጋ ኣተሓሳስባ ተቓዊምዎ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ እውን ሓቲቱ ኢዩ:- “ትሕቲ ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW ] እምበር: ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ: ሓጢኣትዶ ንግበር፧” ጳውሎስ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ “ኣይፋልናን” ብምባል ኣትርር ኣቢሉ ኢዩ መሊስዋ። (ሮሜ 6:1, 2, 15) ብርግጽ: ከምቲ ይሁዳ ዝበሎ: ገለ ሰባት ‘ነቲ ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW ] ኣምላኽና ናብ ርኽሰት [“ቀይዲ በተኽ ጠባይ:” NW ] ይልውጥዎ’ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ጴጥሮስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ‘ጥፍኣቶም ዘይድቅስ’ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ።—ይሁዳ 4፣ 2 ጴጥሮስ 2:3
ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት
10, 11. ጴጥሮስ እንታይ ሰለስተ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ኢዩ ዘቕረበ፧
10 ኣምላኽ ኣንጻር እቶም ኰነ ኢሎም ዝብድሉ ሰባት ስጕምቲ ከም ዝወስድ ንምጕላሕ: ጴጥሮስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰለስተ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት የቕርብ። ቀዳማይ: ‘ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ኣይነሓፎምን’ ብምባል ይጽሕፍ። ይሁዳ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ ድማ: ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ “ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር መዓርጎም ዘይሐለዉ” ይብል። ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ምድሪ መጹ: ምስ ኣዋልድ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ክፍጽሙ ድማ ስጋዊ ኣካል ለበሱ። ከም መቕጻዕቲ ናይቲ ዘይግቡእ: ዘይባህርያዊ ኣነባብራኦም ኸኣ ናብ “ጠርጦስ” (NW ) ተደርበዩ: ወይ ከምቲ ናይ ይሁዳ ጸብጻብ ዝገልጾ: ‘ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ተዓቚሮም ኣለዉ።’—2 ጴጥሮስ 2:4፣ ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:1-3
11 ቀጺሉ: ጴጥሮስ ነቶም ኣብ መዓልትታት ኖህ ዝነበሩ ሰባት ይጠቅስ። (ዘፍጥረት 7:17-24) ኣምላኽ ኣብ ግዜ ኖህ ‘ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ከውርድ ከሎ: ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ኣይነሓፋን’ ብምባል ይዛረብ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጴጥሮስ: ኣምላኽ ‘ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ብምግባር’ ‘ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ከም ዝገበረን’ ይጽሕፍ። ይሁዳ ኸኣ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ከም ‘ዝመንዘሩን ደድሕሪ ስጋ ጓና [“ዘይባህርያዊ ስጋዊ ርክብ:” NW ] ከም ዝሰዓቡን’ ተወሳኺ ሓበሬታ ይህብ። (2 ጴጥሮስ 2:5, 6፣ ይሁዳ 7) ሰብኡት ምስ ኣንስቲ ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነይሮም ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ካልኦት ሰብኡት: ምናልባት እውን ምስ እንስሳታት: ስጋዊ ርክብ ንምፍጻም ህርፋን ነበሮም።—ዘፍጥረት 19:4, 5፣ ዘሌዋውያን 18:22-25
12. ብመሰረት ጴጥሮስ ዝበሎ: ጽድቃዊ ጠባይ ዓስቢ ዘምጽእ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ምስናይዚ ግን: ጴጥሮስ የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዘገልግልዎ ሰባት ዓስቢ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ። ንኣብነት: ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ከምጽእ ከሎ “ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ” ብኸመይ ከም ‘ዝሓለዎ’ የዘንቱ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ሶዶም ንዝነበረ “ሎጥ ጻድቕ” ዝገበረሉ ምድሓን እውን ይነግር ኢዩ: ከምዚ ብምባል ከኣ ይድምድም:- “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።”—2 ጴጥሮስ 2:5, 7-9
መቕጻዕቲ ዝግብኦ ተግባራት
13. ብፍላይ ንፍርዲ ተዓቚሮም ዘለዉ እንታዎት ኢዮም: ኣብ እንታይ ዓይነት ሕልምታትከ ኢዮም ብግሁድ ጥሒሎም ዘለዉ፧
13 ጴጥሮስ ብፍላይ ነቶም ንፍርዲ ኣምላኽ እተዓቝሩ ሰባት በብሓደ ፈልዩ ይዛረበሎም: እዚኣቶም ድማ እቶም ‘ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ: ንጕይትነት ዝንዕቁ’ ኢዮም። ጴጥሮስ “ደፋራት: ፈተውቲ ርእሶም: ንኽብርታት [“ንኽቡራት ሰባት:” NW ] ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ: እቲ እተሰምዖ ምረት ዳርጋ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ይሁዳ ድማ “እዚኣቶም . . . ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ: . . . ንመዓርጋት ክብሪውን [“ንኽቡራት ሰባት:” NW ] ይጸርፉ አለዉ” ብምባል ይጽሕፍ። (2 ጴጥሮስ 2:10፣ ይሁዳ 8) ሕልሞም ደድሕሪ ናይ ርኹስ ጾታዊ ርክብ ርውየት ንኽስዕቡ ዘተባብዕ ናይ ዘይጽፉፍ ጾታዊ ርክብ ሕልምታት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: በየናይ መገዲ ኢዮም ‘ንጕይትነት ዝንዕቁ’ ከምኡውን ‘ንኽቡራት ሰባት ዝጸርፉ’፧
14. መምህራን ሓሶት በየናይ መገዲ ኢዮም ‘ንጕይትነት ዝንዕቁ’ ከምኡውን ‘ንኽቡራት ሰባት ዝጸርፉ’፧
14 ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን ብምንዓቕ ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ። ክርስትያን ሽማግለታት ነቶም ክቡራት ዝዀኑ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኢዮም ዝውክሉ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እተወሰነ ክብሪ ተዋሂብዎም ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ከምቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ጌጋታት ይፍጽሙ ኢዮም: ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ኣባላት ጉባኤ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ክቡራት ሰባት ክግዝእዎም ኢዩ ዝምሕጸን። (እብራውያን 13:17) ዝፍጽምዎ ጕድለታት ንኽጽረፉ ምኽንያት ክኸውን ኣይግባእን ኢዩ። ጴጥሮስ ኣዝዩ ዝግብኦም ክነሱ እኳ: መላእኽቲ “ንኣታቶም [ንመምህራን ሓሶት] ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም” ይብል። ጴጥሮስ ቀጺሉ “እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም: ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ . . . ኪጠፍኡ እዮም” ይብል።—2 ጴጥሮስ 2:10-13
‘ኣብ መኣዲ ምሳኻትኩም እናበልዑ’
15. መምህራን ሓሶት ዝጥቀምሉ ሜላታት እንታይ ኢዩ: ነቲ መስድዒታቶምከ ናበይ ገጾም ኢዮም ዘቃንዕዎ፧
15 እዞም ብልሹዋት ሰባት እዚኣቶም ‘ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ዝርእይዎ’ ከምኡውን “ርኹሳትን ነውራማትን” ኣብ ርእሲ ምዃኖም: ቄናናት እውን ኢዮም። ከምቲ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ዝገለጾ: “ብዘረባ ጥበራ” ገይሮም ‘ስልዅ’ ኢሎም ኢዮም ስርሖም ዝሰርሑ። (2 ጴጥሮስ 2:1, 3, 13) ስለዚ ነቲ ሽማግለታት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኣጽኒዖም ንምሓዝ ዝገብርዎ ጻዕርታት ብግልጺ ኣይቃወምዎን ወይ ድማ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ርውየት ጾታዊ ርክብ ብጋህዲ ኣይፍጽምዎን ይዀኑ። ኣብ ክንድኡ ግን: ‘ብምጥባሮም እናተቐለቡ [“በቲ ጠባሪ ትምህርትታቶም ፍኑው ባህታ ብምርካብ:” NW ] ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ እናበልዑ’ ከም ዝረውዩ ኢዩ ጴጥሮስ ዝዛረብ። ይሁዳ ድማ “እዚኣቶም . . . ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ [“ኣብ ማይ እተሓብአ ኣኻውሕ:” NW ] እዮም” ብምባል ይጽሕፍ። (ይሁዳ 12) እወ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝጸንሕ በላሕቲ ኣኻውሕ ንታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ሓንቲ ጃልባ ብምስባር: ነቶም ዘይተጠንቀቑ ባሕረኛታት ከም ዝጥሕሉ ክገብሮም ዝኽእል: መምህራን ሓሶት ድማ ነቶም ኣብ እዋን ‘ናይ ፍቕሪ መኣዲ’ ዝረኽብዎም ዘይጥንቁቓት ሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ የበላሽዉዎም ነበሩ።
16. (ሀ)‘ናይ ፍቕሪ መኣድታት’ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ሎሚኸ ርኹሳት ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ኢዮም ስርሖም ክሰርሑ ዝኽእሉ፧ (ለ) መምህራን ሓሶት ኣብ መን ኢዮም ቈላሕታ ዝገብሩ: ስለዚ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እንታይ ክገብሩ ኣለዎም፧
16 እዚ ‘ናይ ፍቕሪ መኣዲ’ እዚ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት መግብን ሕብረትን ዘስተማቕርሉ ማሕበራዊ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝገብርሉ እዋናት ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ምናልባት ኣብ ናይ መርዓ ድግሳት: ኣብቲ ካብ ከተማ ወጻኢ ዝግበር ዙረት: ወይ ምሸት ኣብ ዝግበር ናይ ምሕዝነት ርክባት: ሓድሓደ ግዜ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይገብሩ ኢዮም። ብልሹዋት ውልቀ-ሰባት ንኸምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ካልኦት ሰባት ንምስዳዕ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ጴጥሮስ “ዝሙት ዝመልኣ . . . ኣዒንቲ አለዋኦም: ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወን” ብምባል ይጽሕፍ። ነቲ ‘ስስዐ ዝለመደ ልቦም’ ኣብቶም ንሓቂ መሊኦም ናቶም ካብ ምግባር ዝሰነፉ ብመንፈስ ዘይጽኑዓት ሰባት ከም ዘተኵር ኢዮም ዝገብርዎ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ግዜ ጴጥሮስ እተፈጸመ ነገራት መለበሚ ብምርካብ: ሓለዋኻ ኣጽንዕ! ንዝዀነ ይኹን ዘይንጹህ ስጕምታት ተቓወሞ: ብጽባቐን ኣካላዊ ማራኽነትን ናይ ሓደ ዘይስነ-ምግባራዊ ስጕምታት ዝወስድ ሰብ ድማ ኣይትተዓሾ!—2 ጴጥሮስ 2:14
‘መገዲ በልዓም’
17. ‘መገዲ በልኣም’ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ን24,000 እስራኤላውያንከ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽኣሎም፧
17 እዞም “ደቂ መርገም” ዝዀኑ ሰባት ነታ ሓቂ ንገለ ግዜ ይፈልጥዋ ነይሮም ኢዮም። ምናልባት ኣብታ ጉባኤ ገና ንጡፋት መሲሎም ይርኣዩ ይዀኑ። ጴጥሮስ ግን ከምዚ ይብል:- “ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ: መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ።” (2 ጴጥሮስ 2:14, 15) መገዲ ነብዪ በላዓም ምእንቲ ብሕታዊ ረብሓ ኢልካ መገዲ ርኹስ ዓስቢ ስሕተት ንኽሰዓብ ምምካር ኢዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ምንዝር ንኽፍጽም ከም ዝስሕት ክግበር እንተድኣ ተኻኢሉ: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ክረግሞም ምዃኑ ነቲ ሞኣባዊ ንጉስ ባላቕ ነገሮ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ በተን ሞኣባውያን ኣንስቲ ሰድዑ: 24,000 ሰባት ድማ በቲ ርኹስ ተግባራቶም ተቐትሉ።—ዘሁልቍ 25:1-9፣ 31:15, 16፣ ራእይ 2:14
18. በላዓም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተሪር ነይሩ: እቲ ዘጋጠሞ ውጽኢትከ ንመምህራን ሓሶት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህቦም፧
18 ጴጥሮስ እታ ኣድጉ ክትዛረቦ ኸላ በላዓም ንኸይቅጽል ተዓጊቱ ምንባሩ ይገልጽ: በላዓም ግን “ዓስቢ ዓመጻ” ንምርካብ ኣዝዩ ስለ “ዝፈተወ:” እዚ ነገር እዚ ምስ ኣጋጠሞ እውን ከይተረፈ ካብ ‘ጽላለኡ’ ኣይተመልሰን። (2 ጴጥሮስ 2:15, 16) ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እኩይ ዝነበረ! ልክዕ ከም በላዓም ርኽሰት ንኽፍጽሙ ብምስሓት ንህዝቢ ኣምላኽ ከበላሹ ዝፍትን ዝዀነ ይኹን ሰብ: ወይለኡ! በላዓም በቲ ሕማቕ ግብሩ ተቐቲሉ ኢዩ: እዚ ድማ ንዅሎም እቶም መገዱ ዝስዕቡ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጥሞም ዝሕብር ፍጻመ ኢዩ።—ዘሁልቍ 31:8
እቲ ዝጥቀምሉ ሰይጣናዊ መስድዒታት
19, 20. (ሀ) እቶም ግብሪ በላዓም ዝገብሩ ሰባት ብምንታይ ኢዮም ተመሲሎም ዘለዉ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ንመን ኢዮም ዘስድዑ: ብኸመይከ፧ (ሐ) እቲ ዝጥቀምሉ መስድዒታት ሰይጣናዊ ኢዩ ክንብሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና: ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ካብኣቶም ከነዕቍብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
19 ጴጥሮስ ነቶም ከም በላዓም ዝኣመሰሉ ሰባት ክገልጾም ከሎ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ንሳቶም ማይ ዜብሉ ዔላታትን ህቦብላ ዚኽብክቦ ግመን [ወይ ደበና] እዮም።” ንሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝጓዓዝ እሞ ማይ ድማ ዝጸምአ ሰብ: ዝነቐጸ ዔላ ማለት ሞት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም በዚ ነገራት እዚ ተመሲሎም ዘለዉ ሰባት ‘ግብ ዝበለ ጸልማት [እንተ] ተኣከበሎም’ ዘገርም ኣይኰነን! ምኽንያቱ “ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ” ምዃኖም ጴጥሮስ ቀጺሉ ይዛረብ ኢዩ። ጴጥሮስ “ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም” ነቶም ተመክሮ ዘይብሎም ሰባት ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ ብምትስፋው’ የታልልዎም ይብል።—2 ጴጥሮስ 2:17-19፣ ገላትያ 5:13
20 እቲ ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ መምህራን ሓሶት መስድዒታት ሰይጣናዊ ኢዩ። ንኣብነት: ‘ኣምላኽ ድኹማትን ንናይ ፍትወት ስምዒት ተገዛእትን ምዃንና ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ናይ ገዛእ ርእስና ድሌት እንተድኣ ፈጺምናን ንጾታዊ ባህግታትና ድማ ኣዕጊብናን: ኣምላኽ ክምሕረና ኢዩ። ሓጢኣትና እንተድኣ ተናሲሕና: ከምቲ መጀመርታ ናብ ሓቂ ክንመጽእ ከሎና ዝገበሮ: ይቕረ ክብለልና ኢዩ’ ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ድያብሎስ ኣብቲ ምስ ሄዋን ዝገበሮ ዝርርብ ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ኰይና ሓጢኣት ክትፍጽም ከም እትኽእል ብምትስፋው ዳርጋ ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ከም እተጠቕመ ዘክር። ኣብ ናይ ሄዋን ኵነታት: ኣንጻር ኣምላኽ ሓጢኣት ምፍጻም ብርሃንን ናጽነትን ከም ዘውህብ ኢዩ ተዛሪቡ። (ዘፍጥረት 3:4, 5) ምስታ ጉባኤ ሓቢሩ ዘሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሹው ሰብ እንተድኣ ኣጋጢሙና: ብዛዕባ እቲ ውልቀ-ሰብ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብምንጋር: ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ክንከላኸል ግዴታ ኣሎና።—ዘሌዋውያን 5:1
ርጡብ ፍልጠት ዘዕቈቦም
21-23. (ሀ) ርጡብ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ምስናፍ: እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንርእዮ እንታይ ተወሳኺ ግድል ኢዩ ጴጥሮስ እተዛረበሉ፧
21 ጴጥሮስ ነዛ ናይ መልእኽቱ ክፍሊ: ነቲ ኣቕድም ኣቢሉ “ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን” ጠቓሚ ምዃኑ እተዛረበሉ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ምስናፍ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ብምግላጽ ኢዩ ደምዲምዋ። (2 ጴጥሮስ 1:2, 3, 8) ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ብፍልጠት [“ብርጡብ ፍልጠት:” NW ] ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም: ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ: ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።” (2 ጴጥሮስ 2:20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! እቶም ኣብ ግዜ ጴጥሮስ ዝነበሩ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ሽዓ ዝሓልፍ ናይ ጾታዊ ርክብ ርውየት ክብሉ ናይ ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ክቡር ተስፋ ኢዮም ደርብዮም።
22 ስለዚ ኸኣ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል:- “እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ: ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፤ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ: ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት: ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።”—2 ጴጥሮስ 2:21, 22፣ ምሳሌ 26:11
23 ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ክትንክፎም ጀሚሩ ዝነበረ ካልእ ግድል ድማ: ምስዚ ሎሚ ንገሊኦም ዝትንክፎም ዘሎ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ገሊኦም እቲ ተስፋ እተገብረሉ ህላወ ክርስቶስ ዘይመጽእ መሲሉ ስለ እተራእዮም የጕረምርሙ ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ። ጴጥሮስ ነዚ ነገር እዚ ብኸመይ ከም እተዛረበሉ ንመርምር።
ትዝክሮዶ፧
◻ ጴጥሮስ እንታይ ሰለስተ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ኢዩ ዝጠቐሰ፧
◻ መምህራን ሓሶት ብኸመይ ኢዮም ‘ንጕይትነት ዝንዕቁ’፧
◻ መገዲ በላዓም እንታይ ኢዩ: እቶም ነዚ መገዲ እዚ ዝስዕቡኸ ንኻልኦት ከስድዑ ዝፍትኑ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ርጡብ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ምስናፍ እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ዘለዎ፧
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
በላዓም መለበሚ ኢዩ