ብተስፋና ንተሓጐስ
“እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት።”—ቲቶ. 1:2።
ድግማ
ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ንጽህናኡ ምስ ዚሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዝኸውን ብኸመይ ንፈልጥ፧
ተስፋ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስ ተስፋ እቶም ቅቡኣት ብኸመይ ይተሓሓዝ፧
ንተስፋና ምእንቲ ኽንረኽቦ፡ “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ክንነብር ዘሎና ብኸመይ ኢና፧
1. እታ የሆዋ ዝሃበና ተስፋ ንኽንጸንዕ ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧
የሆዋ “ናይ ተስፋ ኣምላኽ” እዩ። እቲ ነዚ ሓሳባት እዚ እተዛረበ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሆዋ፡ ‘ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚና ብተስፋ ምእንቲ ኽንህብትም፡ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ኪመልኣና’ ኸም ዚኽእል ሓቢሩ ኣሎ። (ሮሜ 15:13) ብተስፋ እንተ ሃብቲምና፡ ልብና ብሓጐስን ሰላምን ስለ ዚምላእ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ዅነታት ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ልክዕ ከምቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት “ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን” ዝዀነትሎም፡ ነቶም ካልኦት ክርስትያናት እውን ከምኡ እያ እትዀነሎም። (እብ. 6:17-20) ኣብ ህይወትና ምስ ማዕበል ዚመሳሰል ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብጥርጣረ ወይ ብጕድለት እምነት ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ተስፋና ኸም መልህቅ ክትኰነልና ትኽእል እያ።—እብራውያን 2:1፣ 6:11 ኣንብብ።
2. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ክልተ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕከ’ ብተስፋ እቶም ቅቡኣት ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧
2 ገሊኦም ኣብዚ እዋን መወዳእታ እዚ ዚነብሩ ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ኺህልዎም ከሎ፡ ገሊኣቶም ከኣ ምድራዊ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ተረፍ እቶም “ሒደት መጓሰ” ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ ክርስቶስ ኣብ መንግስቱ ብምሕባር ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ረኺቦም ኪነብሩ ተስፋ ኣለዎም። (ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 5:9, 10) እቶም ብቝጽሪ ኣዝዮም ዚበዝሑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ድማ፡ ተገዛእቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ኣለዎም። (ራእ. 7:9, 10፣ ዮሃ. 10:16) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት “ኣሕዋት” ክርስቶስ ጽቡቕ ደገፍ ኪገብሩሎም ከም ዘለዎም ፈጺሞም ኪርስዑ የብሎምን። (ማቴ. 25:34-40) ተስፋ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ ልክዕ ከም ተስፋ እቶም ቅቡኣት ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። (እብራውያን 11:39, 40 ኣንብብ።) መጀመርታ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ንቕቡኣት ተነቢሩሎም ዘሎ ተስፋ ንመርምር።
ቅቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም “ህያው ተስፋ”
3, 4. ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ንህያው ተስፋ ብሓድሽ እተወልዱ’ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ተስፋ እዚኸ እንታይ እዩ፧
3 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነቶም “ሕሩያት” ኢሉ ዝጸወዖም ቅቡኣት ክርስትያናት ክልተ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥ. 1:1) ብዛዕባ እቲ ነቶም ሒደት መጓሰ እተዋህቦም ዜደንቕ ተስፋ ዝርዝር ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ፡ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም። . . . ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።”—1 ጴጥ. 1:3-6።
4 እቶም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኪሓብሩ ብየሆዋ እተሓረዩ ቝጽሮም ውሱን ዝዀነ ክርስትያናት፡ ‘ከም ብሓድሽ ተወሊዶም’ መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም። ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ነገስታትን ካህናትን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም እዮም። (ራእ. 20:6) ጴጥሮስ፡ እቶም ቅቡኣት በዚ ‘ሓድሽ ውልድነት’ እዚ ኣቢሎም፡ ነቲ “ዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን” ኢሉ ዝጠቐሶ “ኣብ ሰማያት” እተኣርነበሎም “ህያው ተስፋ” ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ገለጸ። ንሳቶም በቲ ህያው ተስፋኦም እንተ ተሓጐሱ እምበኣር፡ ዜገርም ኣይኰነን። ነዚ ተስፋ እዚ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ግና፡ እሙናት እንተ ዀይኖም ጥራይ እዩ።
5, 6. ቅቡኣት ክርስትያናት ንሰማያዊ ጽውዓኦም ኬጽንዕዎ ኣዝዮም ኪጋደሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
5 ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ” ብምባል ተማሕጸኖም። (2 ጴጥ. 1:10) እቶም ቅቡኣት ከም እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ኬማዕብሉ ይግባእ። ጴጥሮስ፡ “እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ . . . ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” በሎም።—2 ጴጥሮስ 1:5-8 ኣንብብ።
6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንሰአ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ብመንፈስ እተወልዱ ሽማግለታት ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ኸምዚ በለ፦ “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።” (ራእ. 3:10, 11) ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ዘይእሙን እንተ ዀይኑ፡ ነቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ኪዀኑ መብጽዓ እተኣተወሎም ሕሩያት ዚወሃብ “ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ” ኣይቅበልን እዩ።—1 ጴጥ. 5:4፣ ራእ. 2:10።
ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው
7. ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዝጠቐሰ፧
7 ብ65 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳ፡ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ጽዉዓት” ኢሉ ብምስማይ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ይሁ. 1፣ ምስ እብራውያን 3:1 ኣረኣኢ።) መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ኽቡር ተስፋ ድሕነት እቶም ናብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተጸውዑ ክርስትያናት እዩ ኺጽሕፈሎም ሓሲቡ ነይሩ። (ይሁ. 3) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኻልእ ህጹጽ ጕዳይ ኪጽሕፈሎም እኳ እንተ ተገደደ፡ ኣብ መደምደምታ እታ ሓጻር መልእኽቱ ግና፡ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ዜደንቕ ተስፋ ኸምዚ ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ፦ “ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ።”—ይሁ. 24, 25።
8. ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ንጽህናኡ እንተ ደኣ ሓልዩ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዚኸውን ብኸመይ ንፈልጥ፧
8 እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ወዲቖም ምእንቲ ኸይጠፍኡ ኺሕለዉ ኸም ዚደልዩ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ተስፋኦም፡ እሙናት እንተ ደኣ ዀይኖም፡ የሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሓጐስ ናብ መንፈሳዊ ፍጽምና ኼብጽሖም እዩ። ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ክሳዕ ሞት እሙን እንተ ደኣ ዀይኑ፡ “መንፈሳዊ ሰብነት” ሒዙ “ብዘይብስብስ . . . ብኽብሪ” ኸም ዚትንስእ እተረጋገጸ እዩ። (1 ቈረ. 15:42-44፡ ትርጕም 1990) ብምኽንያት “ሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ” ዚህሉ ኻብ ኰነ፡ ሓደ ኻብቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ኣሕዋት ክርስቶስ ንጽህናኡ ብምሕላው ጕያኡ ኺውድእ ከሎ፡ ኣብ ሰማይ እንታይ ዓይነት ሓጐስ ከም ዚህሉ እሞ ሕሰብ። (ሉቃ. 15:7) የሆዋን እቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራትን፡ ምስቲ “ብሓጐስ” ዓስቡ ዝረኸበ ቕቡእ ኪሕጐሱ እዮም።—1 ዮሃንስ 3:2 ኣንብብ።
9. ንእሙናት ቅቡኣት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ‘ብምልኣት ዚወሃቦም’ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ተስፋ እዚ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ዚጸልዎምከ ብኸመይ እዩ፧
9 ጴጥሮስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት እሙናት ብምዃን ንጽውዓኦም እንተ ደኣ ኣጽኒዖምዎ፡ “ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት” ኪወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥ. 1:10, 11) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ እቶም ቅቡኣት ናብ ሰማይ ብዝለዓለ ኽብሪ ኺኣትዉ ምዃኖም ይሕብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚረኽብዎ ሓያሎ በረኸታት ይሕብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ቅቡኣት ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ኪሓስቡ ኸለዉ ብሓጐስ ይፍንጭሑ እዮም። እዚ ተስፋ እዚ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ‘ሓቛቝ ልቦም ተዓጢቖም’ ንኺዓዩ ሓይሊ ኸም ዚህቦም ፍሉጥ እዩ።—1 ጴጥ. 1:13።
ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እተዋህቦም ‘ተስፋ’
10, 11. (ሀ) ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ተስፋ እዩ ተነቢሩሎም ዘሎ፧ (ለ) እቲ ምድራዊ ተስፋ፡ ምስ ክርስቶስን ‘ምስ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽን’ እተተሓሓዘ ብኸመይ እዩ፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቶም ብመንፈስ እተወልዱ “ውሉድ ኣምላኽ፡” ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ኪዀኑ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ክቡር ተስፋ ጸሓፈ። ቀጺሉ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ቍጽሮም ዘይተወሰነ ኻልኦት ኣባጊዕ ዘንበረሎም ዜደንቕ ተስፋ ኸምዚ ብምባል ጠቐሰ፦ “ሃረርታ ፍጥረት [ደቂ ሰብ] ነቲ ምግላጽ [ቅቡኣት] ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እአምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”—ሮሜ 8:14-21።
11 የሆዋ ንደቂ ሰብ “ተስፋ” ዝሃቦም፡ በቲ “ዘርኢ” ኣቢሉ ኻብቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኬድሕኖም ምዃኑ መብጽዓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እዩ። (ራእ. 12:9፣ ዘፍ. 3:15) ቀንዲ ኽፍሊ እቲ “ዘርኢ፡” የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ገላ. 3:16) የሱስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣቢሉ፡ ደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺወጹ ምዃኖም ተስፋ ኣንቢሩ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ምስ “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” ተተሓሒዙ ኣሎ። እቶም ክብሪ ዝለበሱ ቕቡኣት፡ ካልኣይ ክፍሊ እቲ “ዘርኢ” እዮም። ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ነዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኬጥፍእዎ ኸለዉ ድማ፡ ‘ኪግለጹ’ እዮም። (ራእ. 2:26, 27) እዚ ኸኣ፡ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚወጹ ኻልኦት ኣባጊዕ ድሕነት ኬምጽኣሎም እዩ።—ራእ. 7:9, 10, 14።
12. ምግላጽ እቶም ቅቡኣት ንደቂ ሰብ እንታይ ክቡር ረብሓታት እዩ ዜምጽኣሎም፧
12 “ፍጥረት” ደቂ ሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣየ ኸመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዮም ኪረኽቡ! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ክብሪ ዝለበሱ “ደቂ ኣምላኽ” ምስ ክርስቶስ ከም ካህናት ኰይኖም ብምዕያይ ንረብሓታት መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣብ ደቂ ሰብ ኬውዕልዎ ኸለዉ፡ ብተወሳኺ ‘ኺግለጹ’ እዮም። ሽዑ እቶም እዙዛት “ፍጥረት” ደቂ ሰብ፡ ከም ተገዛእቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ በብቝሩብ “ካብ ባርነት ጥፍኣት፡” ማለት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺወጹ እዮም። ኣብተን ሽሕ ዓመትን ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ኣብ ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተናን ንየሆዋ እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ስሞም ንሓዋሩ “ኣብ መጽሓፍ ህይወት” ኪጸሓፍ እዩ። “ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ድማ ኪኣትዉ እዮም። (ራእ. 20:7, 8, 11, 12) እዚ ብሓቂ ኽቡር ተስፋ እዩ።
ንተስፋና ህያው ንግበሮ
13. ተስፋና ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧ ክርስቶስ ዚገሃድከ መዓስ እዩ፧
13 እተን ጴጥሮስ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት፡ ነቶም ቅቡኣትን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕን ንተስፋኦም ህያው ንኺገብርዎ ዚሕግዝ ሓያሎ ሓሳባት ሒዘን ኣለዋ። ጴጥሮስ እቲ ዚረኽብዎ ተስፋ ኣብ ዕዮኦም ዘይኰነስ፡ ኣብ ጸጋ የሆዋ እተመርኰሰ ምዃኑ ገለጸ። “ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 1:13) ክርስቶስ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ዓስቦም ኪህቦም፡ ነቶም እኩያት ድማ ኬጥፍኦም ኪመጽእ ከሎ እዩ ዚገሃድ።—2 ተሰሎንቄ 1:6-10 ኣንብብ።
14, 15. (ሀ) ንተስፋና ህያው ምእንቲ ኽንገብሮ፡ ኣብ ምንታይ ከነተኵር ኣሎና፧ (ለ) ጴጥሮስ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧
14 ንተስፋና ህያው ምእንቲ ኽንገብሮ፡ “መዓልቲ የሆዋ” ኸም ዝቐረበት ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። መዓልቲ የሆዋ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ “ሰማያት፡” ማለት ንኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ከምኡውን፡ ን“ምድሪ፡” ማለት ንእኩይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ነቲ “ፍጥረት ሰማይ” ተባሂሉ ዘሎ ባእታታቱን ከተጥፍኦ እያ። ጴጥሮስ፡ “እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን . . . ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጴጥ. 3:10-12።
15 እዚ ሕጂ ዘሎ “ሰማያትን” “ምድርን” በቲ “ሓድሽ ሰማያትን [ብክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ] ሓድሽ ምድርን [ሓድሽ ምድራዊ ማሕበረሰብ]” ኪትካእ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ጴጥሮስ ቀጺሉ፡ “ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ” ብምባል፡ ነቲ ብተስፋ እተዋህበና ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ‘እናተጸቤና’ ንኽንጸንሕ፡ ወይ ንተስፋና ህያው ንኽንገብሮ ዚሕግዘና ቐጥታዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:14።
ምስ ተስፋና ተሰማሚዕና ንመላለስ
16, 17. (ሀ) “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ምንባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ተስፋና ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧
16 ንተስፋና ህያው ክንገብሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ተስፋና ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እውን ኣሎና። መንፈሳውያን ሰባት ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና። “ብቕዱስ ንብረት” ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ ብስነ ምግባራዊ ንጽህና ‘ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳና ኸነጸብቕ’ እውን ዚሓትት እዩ። (2 ጴጥ. 3:11፣ 1 ጴጥ. 2:12) ኣብ ‘ንሓድሕድና’ ፍቕሪ ኽትህልወና ይግባእ። እዚ ኸኣ፡ ንጉባኤና ሓዊስካ ብደረጃ ዓለምለኸ ሕውነትና ኽንዕቅብ ክንጽዕር ይግባእ ማለት እዩ። (ዮሃ. 13:35) “ብፍርሃት እግዚኣብሄር” ምንባር ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንምድልዳል ኢልና እንገብሮ ተግባራት የመልክት። እዚ ኸኣ፡ ንጸሎትና፡ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ንዕምቈት ብሕታዊ መጽናዕትና፡ ንኣምልኾ ስድራቤትና፡ ከምኡውን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እንገብሮ ንጡፍ ተሳትፎ የጠቓልል።—ማቴ. 24:14።
17 ነፍሲ ወከፍና ስምረት የሆዋ ኽንረክብ፡ እዚ እኩይ ስርዓት ‘ኪመክኽ’ ከሎ ድማ ክንድሕን ንደሊ ኢና። ሽዑ፡ ነታ “እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክንረኽባ ኢና።—ቲቶ. 1:2።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ተወልዱ’
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ንተስፋኹም ኣብ ስድራ ቤትኩም ህያው ግበርዎ