ንኽንድሕን እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ “ጐይታይ: ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስከ ብኸመይ መለሰሉ፧ ‘ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ገይርካ ጥራይ ተቐበለኒ እሞ ክትድሕን ኢኻ’ ኢልዎዶ ኢዩ፧ ኣይበሎን! የሱስ “ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም: እብለኩም አሎኹ እሞ: በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” በለ።—ሉቃስ 13:23, 24
የሱስ ናይቲ ሰብኣይ ሕቶ ካብ ምምላስ ሰኒፉ ድዩ፧ ኣይሰነፈን: እቲ ሰብኣይ ንኽትድሕን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ ኢሉ ኣይሓተተን፣ ቍጽሪ እቶም ዝድሕኑ ሒደት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኢዩ ሓቲቱ። ስለዚ የሱስ: ካብቲ ሓደ ሰብ ዝጽበዮ ንታሕቲ: ነቲ ኣደናቒ በረኸታት ንኽረኽቡ ዝጋደሉ ሰባት ሒደት ምዃኖም ጥራይ ኢዩ ኣመልኪቱ።
ገለ ኣንበብቲ ‘ኣነ ከምዚ ኣይኰንኩን ተማሂረ’ ኢሎም ይቃወሙ ይዀኑ። እዚኣቶም ነቲ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዘሎ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብል ይጠቕሱ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ከምዚ ኢልና ንምልስ:- ‘እሞ እንታይ ኢና ክንኣምን ዘሎና፧ የሱስ ብሓቂ ይነብር ከም ዝነበረ ድዩ፧ እወ: ልክዕ። ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ፧ ሚእቲ ካብ ሚእቲ! ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “መምህር”ን “ጐይታ”ን ኢሉ ስለ ዝጽውዖ: ነቲ ዝምህሮ ዝነበረ ክንኣምኖ: ንዕኡ ክንእዘዞ: ከምኡውን ክንስዕቦ ኣይግባኣናንዶ ኢዩ፧’—ዮሃንስ 13:13፣ ማቴዎስ 16:16
ንየሱስ ምስዓብ
ሕጂ ሽግር መጺኡ! ብዙሓት ከም “ዝደሓኑ” እተማህሩ ሰባት ንየሱስ ይስዕብዎ ወይ ይእዘዝዎ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ብዙሕ ኣቓልቦ ዝገበሩሉ ኣይመስሉን ኢዮም። አረ ሓደ ናይ ፕሮቴስታንት ቀሺስ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ:- “ልክዕ ኢዩ: እቲ ኣብ የሱስ ዘሎና እምነት ክቕጽል ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እቲ እምነትና ቀጻሊት ክትከውን ኣለዋ: ወይ ክትከውን የድልያ ዝብል ሓሳባት ብመጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ደገፍ የብሉን።”
ኣንጻር ናይዚ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ እቶም “ድሒንና” ዝብሉ ገለ ሰባት ልሙድ ዝዀነ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ይዝርዝር ኢዩ። ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ነገራት ምግባር ዝቕጽል ሰብ ንክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ መምርሒ ተዋህቦም:- “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።” ብርግጽ ኣምላኽ እኩያት ሰባት ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤኡ ክብክልዋ ኣይደልን ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 5:11-13
እሞ ንየሱስ ምስዓብ ድኣ እንታይ ማለት ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧ የሱስ እንታይ ኢዩ ገይሩ፧ ዘይስነ-ምግባራዊ ድዩ ነይሩ፧ ኣመንዝራ ድዩ ነይሩ፧ ሰኽራም ድዩ ነይሩ፧ ሓሳዊ ድዩ ነይሩ፧ ኣብ ንግዲኸ መጠፋፍኢ ድዩ ነይሩ፧ ብርግጽ ኣይነበረን! ‘እንተዀነ ግና: ኵሎም እዞም ነገራት እዚኣቶም ካባይ ከርሕቖም ኣሎኒ ማለት ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ናይዚ መልሲ ንምርካብ ኤፌሶን 4:17 ክሳዕ 5:5 ርአ። ተግባርና ብዘየገድስ ኣምላኽ ይቕበለና ኢዩ ኣይብልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ካብቶም “ብናይ ከንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ . . . ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሀርኩምዎን . . . ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ [ቀንጥጥዎ] . . . እቲ ዝሰረቐ . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ። . . . ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ድኣ እምበር . . . ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስሰዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። . . . ኣመንዝራ ዘበለ: ወይ ርኹስ: ወይ ስሱዕ: ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት: ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ከም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም” ኢሉ እተዛረበሎም ናይ ዓለም ኣህዛብ እተፈለና ክንከውን ኢዩ ዝነግረና።
እንተወሓደ ምስቲ ዝገደፎ ኣብነት ተሰማሚዕና ክንከይድ እውን ዘይንፍትን እንተድኣ ኴንና ንየሱስ ንስዕቦዶ ኣሎና ኢና፧ ንናብራና ዝያዳ ናይ ክርስቶስ ኣነባብራ ከም ዝመስል ንምግባር ክንዓዪ ኣይግብኣናን ድዩ፧ እዛ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ ሳሕቲ: እዚ ኸኣ እንተድኣ ገይሮምዎ: ጥራይ ኢያ በቶም ከምቲ ሓንቲ ናይ ሃይማኖት ትራትክት “ሕጂ—ከምዛ ኢልካያ ዘሎኻ—ናብ ክርስቶስ ንዓ” ዝበለቶ ዓይነት ዝብሉ ሰባት እትሕተት።
ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናይ ኣምላኽ ዘይኰኑ ሰባት “ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ: ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ይሁዳ 4) ከመይ ገይርና ኢና ንምሕረት ኣምላኽ ‘ናብ ርኽሰት እንልውጦ’፧ መስዋእቲ ክርስቶስ ነቲ ክንገድፎ እንፍትን ዘሎና ናይ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ሓጢኣት ዘይኰነስ ነቲ ኰነ ኢልና ብቐጻሊ እንገብሮ ሓጢኣት ኢዩ ዝሓድገልና ዝብል ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ኢና ክንገብሮ እንኽእል። ብርግጽ ምስቲ “ክትጸሪ: ተስፋ ክትቈርጽ: ወይ ክትምለስ” ኣየድልየካን ኢዩ ዝበለ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ናይ ኣመሪካ ሰበኽቲ ክንሰማማዕ ኣይንደልን ኢና።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:30፣ ሮሜ 3:25፣ ያእቆብ 5:19, 20 ኣነጻጽሮ።
ምእማን ናብ ተግባር ይመርሕ
ብዙሓት ሰባት “ብየሱስ ምእማን” እታ እተድሊ ሓንቲ ተግባር ኢያ ከምኡውን ናብ ምእዛዝ ምእንቲ ክትመርሓና እምነትና ኣዝያ ጽንዕቲ ክትከውን ኣይድልያን ኢዩ ዝብል ተነጊሮም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ምስዚ ኣይሰማማዕን ኢዩ። የሱስ እቶም ብክርስትያናዊ መገዲ ክኸዱ ዝጀመሩ ሰባት ድሑናት ኢዮም ኣይበለን። ኣብ ክንድኡስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 10:22) መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናዊ ጉዕዞና ምስ ሓደ ኣብ መወዳእታ ናይ ድሕነት ሽልማት ዝወሃቦ ቅድድም ኢዩ ዘመሳስሎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ይምሕጸን:- “ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ።”—1 ቈረንቶስ 9:24።
ስለዚ “ንክርስቶስ ምቕባል” ነቲ ብሉጽ ዝዀነ መስዋእቱ ዘምጽኦ በረኸታት ካብ ምቕባል ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ምእዛዝ ተደላዪ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እቲ ፍርዲ “ኣብ ቤት ኣምላኽ” ከም ዝጅምር ይዛረብ: ወሲኹ ድማ “ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ: እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧” ይብል። (1 ጴጥ ሮስ 4:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ ስቕ ኢልካ ካብ ምስማዕን ምእማንን ንላዕሊ ክንገብር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” ይብል።—ያእቆብ 1:22
ናይ የሱስ መልእኽትታት
እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ ብዮሃንስ ኣቢሉ ናብተን ቀዳሞት ሾውዓተ ማሕበራት እተመሓላለፈ ካብ የሱስ ዝመጸ መልእኽትታት ሒዛ ኣላ። (ራእይ 1:1, 4) የሱስ እቶም ኣብተን ማሕበራት ዝነበሩ ሰባት ድሮ “ተቐቢሎምዎ” ስለ ዝነበሩ: ኣኻሊ ኢዩ ኢሉዶ ኢዩ፧ ኣይበለን። ንተግባራቶምን ጻዕሮምን ትዕግስቶምን ኣመስጊንሉ: ከምኡውን ብዛዕባ ፍቕሮም: እምነቶም: ከምኡውን ኣገልግሎቶም ተዛሪቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ድያብሎስ ናብ ፈተና ከም ዘእትዎም: ‘ነፍሲ ወከፎም ድማ ከከም ግብሮም ክወሃቡ’ ምዃኖም ተዛረበ።—ራእይ 2:2, 10, 19, 23
ስለዚ የሱስ ካብቲ ሰባት ንዕኡ ምስ ተቐበልዎ ሽዑ ንሽዑ ድሕነቶም “እተረጋገጸ” ምዃኑ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ምስ ተማህሩ እተረድእዎ ኣዝዩ ዝለዓለ ተወፋይነት ዝሓትት ምዃኑ ገለጸ። የሱስ “ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ: ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ” በለ።—ማቴዎስ 16:24, 25
ህይወትና ክንቀብጽ፧ ንየሱስ ብቐጻሊ ክንስዕቦ፧ እዚ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ንኣነባብራና ዝልውጥ ኢዩ። እንተዀነ ግና: የሱስ ብሓቂ ገሌና ‘ህይወትና ከነጥፍእ’—ንዕኡ ክንብል ክንመውት—እውን ከም እንኽእል ድዩ እተዛረበ፧ እወ: እዛ ከምዚ ዝበለት እምነት ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ካብ እትረኽቦ ናይ ዓበይቲ ነገራት ፍልጠት ጥራይ ኢያ እትጥረ። እዚ ኸኣ ኣብቲ እስጢፋኖስ በቶም “ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን . . . ኪማጐትዎ [ዘይከኣሉ]” ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ብእምኒ እተቐጥቀጠሉ ግዜ ተረጋጊጹ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:8-12፣ 7:57-60) ኣብዚ ግዜና እውን ከምዚኣ ዝበለት እምነት በቶም ኣብ ክንዲ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኦም ዝስዕሩ: ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ዝሞቱ ኣማእታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራእያ ኢያ።a
ክርስትያናዊ ቅንኢ
ነቲ ክርስትያናዊ እምነት ኣደልዲልና ክንሕዞ ኣሎና: ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ገለ ቤተ-ክርስትያናት ወይ ኣብ ናይ ቴለቪዥን ሃይማኖታዊ ፕሮግራማት እትሰምዖ ዘይኰነስ መጽሓፍ ቅዱስ ክንወድቕ ከም እንኽእል ይነግር ኢዩ። ብዛዕባ እቶም “ነታ ቕንዕቲ መገዲ” ዝሓደጉ ክርስትያናት ይዛረብ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:1, 15) ስለዚ እምበኣር ‘ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓና ክንፍጽም’ ከድልየና ኢዩ።—ፊልጲ 2:12፣ 2 ጴጥሮስ 2:20
እቶም ንየሱስን ሃዋርያቱን ክምህሩ ከለዉ ዝሰምዕዎም ሰባት: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ነዚ ነገር እዚ ከምኡ ገይሮም ድዮም ተረዲኦምዎ፧ እወ። ሓደ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በለ።—ማቴዎስ 28:19, 20
የሱስ ከምዚ ምስ በለ ክልተ ኣዋርሕ ጸኒሑ: ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 3,000 ሰባት ተጠምቁ። ቍጽሪ እቶም ኣመንቲ ድማ ቀልጢፉ ናብ 5,000 ዓበየ። እቶም ዝኣመኑ ድማ ንኻልኦት ማሃሩ። መስጐጕቲ ፋሕ ምስ ኣበሎም ድማ ነቲ መልእኽቶም ንምዝርጋሕ ኢዩ ጠቒሙ። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ሒደት መራሕቲ ጥራይ ዘይኰነስ “እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ” ይብል። ገለ 30 ዓመታት ጸኒሑ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰብከ’ ክብል ክኢሉ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 4:4፣ 8:4፣ ቈሎሴ 1:23
ጳውሎስ ከምቲ ገሊኦም ናይ ቲቪ ወንጌላውያን ዝገብርዎ ‘ንየሱስ ሕጂ ሕጂ ተቐበልዎ እሞ: ንዘለኣለም ድማ ክትድሕኑ ኢኹም’ ብምባል ኣመንቲ ኣይገበረን። ወይ ድማ ከምቲ ናይቲ “ጌና ኮተቴ ከሎኹ . . . ድሒነ ኢየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ኣመሪካዊ ቀሺ: ዝኣመሰለ ተኣማንነት ኣይነበሮን። እዚ ጻዕረኛ ዝነበረ ሃዋርያ እዚ ነቲ ናይ ክርስትያን መልእኽቲ ናብ ኣህዛብ ንኸብጽሕ የሱስ ባዕሉ ምስ መረጾ: ልዕሊ 20 ዓመት ጸኒሑ “ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 9:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:5, 6, 15
ምድሓን ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ናጻ ህያብ ኢዩ። ዝዕደግ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብወገንና እውን ምጽዓር ከድሊ ኢዩ። ሓደ ሰብ ክቡር ህያብ ምስ ዝህበካ እሞ: ኣልዒልካ ንምውሳዱ ድማ እቲ ዝድለ ሞሳ ምስ ዘይተርኢ: ሞሳ ዘይተርኢ ምዃንካ ጥራይ ነቲ ወሃቢ ንኻልእ ክህቦ የለዓዕሎ ይኸውን። እሞ: እቲ ደም ናይ የሱስ ክርስቶስከ ደኣ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኢዩ፧ ናጻ ህያብ ኢዩ: እንተዀነ ግን ዓሚቝ ሞሳ ከነርኢ ኣሎና።
ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ኣብ ዘለዎ ቦታ ብምህላዎም: ኣብ ናይ ድሕነት ቦታ ኢዮም ዘለዉ። ከም ጕጅለ መጠን ድሕነቶም ርግጽ ኢዩ። ብውልቀሰብ ደረጃ ግን ስርዓታት ኣምላኽ ከማልኡ ኣለዎም። ይኹን እምበር: የሱስ “ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ” ስለ ዝበለ ክንወድቕ እውን ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 15:6
‘ቃል ኣምላኽ ህያው ኢዩ’
እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ኣብ መጀመርያ ተጠቒሱ ዝነበረ ዝርርብ: ዳርጋ ቅድሚ 60 ዓመታት እተፈጸመ ኢዩ። ጆኒ ድሕነት ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኣቢሉ ከም ዝመጽእ ጌና ይኣምን ኢዩ: እንተዀነ ግን: ክንረኽቦ ክንመጣጠር ከም ዘሎና ኣስተውዒሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ በይኑ ሓቀኛ ምንጪ ተስፋ ደቅሰብ ከም ዝሕብረና: ስለዚ ድማ ነዚ ኣደናቒ መጽሓፍ እዚ ከነንብቦ ከም ዘሎና: ብእኡ ክንለዓዓል: ናይ ፍቕርን እምነትን ሕያውነትን ምእዛዝን ትዕግስትን ተግባራት ክንገብር ከለዓዕለና ከነፍቅደሉ ከም ዘሎናን ኣሚኑ ኢዩ። ንደቁ ነዚ ከም ዝኣምኑ ገይሩ ኣዕብይዎም ኢዩ: ንሳቶም እውን ብግዴኦም ንደቆም ከምኡ ገይሮም ከዕብዩ ክርእዮም ከሎ ተሓጒሱ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዚኣ ዝበለት እምነት ክትህልዎ ትምኒቱ ኢዩ: ኣብ ኣልባብን ሓሳብን ካልኦት ምእንቲ ክሰዅዓ ድማ ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ኢዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። (እብራውያን 4:12) ኣነባብራ ክቕይር ዝኽእል ኢዩ። ካብ ልቢ ዝመነጨ ተግባራት ናይ ፍቕሪ: እምነት: ከምኡውን ምእዛዝ ክትገብር ከለዓዕለካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ብሓሳብካ ካብ “ምቕባል” ንላዕሊ ክትገብር ኣሎካ። ኣጽናዓዮ: ልብኻ ድማ ብእኡ ክለዓዓል ሕደጎ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ክመርሓካ ኣፍቅደሉ። ገለ 5,000,000 ዝዀኑ ፍቓደኛታት መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኰይኖም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። ካብ ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ እንታይ ክትማሃር ከም እትኽእል ንኽትርኢ ናብ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ጸሓፍ። እቲ እትረኽቦ እምነትን መንፈሳዊ ብርታዐን ከሐጕሰካ ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዶክተር ክሪስቲን ኢ. ኪንግ ኣብታ ዘ ናዚ ስተይት ኤንድ ዘ ኒው ረሊጅንስ፦ ፋይፍ ከይዝ ስታዲስ ኢን ናን-ኮንፎርሚቲ እትበሃል መጽሓፋ ከምዚ ኢላ ጸብጻብ ትህብ፦ “ካብ ክልተ ነፍሲ ወከፍ ጀርመናውያን [ናይ የሆዋ] መሰኻኽር ሓደ ተኣሲሩ ኢዩ፡ ካብ ኣርባዕተ ድማ ሓደ ተቐቲሉ ኢዩ።”
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
‘በታ እምነት ኣበርቲዕካ ምግዳል’ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ይሁዳ “ናብቶም ጽዉዓት . . . ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን” ኢያ ተጻሒፋ። ‘ንየሱስ ስለ እተቐበልዎ’ ድሕነቶም ርግጽ ኢዩ ትብል ድያ፧ ኣይኰነን: ይሁዳ ነቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ክርስትያናት ‘በታ እምነት [ኣበርቲዕኩም ትሓዓ ] ተጋደሉ’ ኢሉ ኢዩ ነጊርዎም። ከምኡ ክገብርሉ ዘለዎም ሰለስተ ምኽንያታት ድማ ሃቦም። ቀዳማይ: ኣምላኽ “ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ:” ድሓር ግን ብዙሓት ካብኣቶም ወደቑ። ካልኣይ: መላእኽቲ እውን ከይተረፉ ዓልዮም ከምኡውን ኣጋንንቲ ኰይኖም ኢዮም። ሳልሳይ: ኣምላኽ ንሶዶምን ጎሞራን ብምኽንያት እቲ ኣብተን ከተማታት እቲኣተን ዝግበር ዝነበረ ከቢድ ናይ ጾታ ዘይስነ-ምግባራውነት ኣጥፊእወን ኢዩ። ይሁዳ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከም ናይ ‘መሰክሒ’ ኣብነት ገይሩ ኢዩ ኣቕሪብዎ ዘሎ። እወ: እቶም “ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉ” ኣመንቲ እውን ከይተረፈ ካብታ ሓቀኛ እምነት ምእንቲ ከይወድቁ ክጥንቀቑ ኣለዎም።—ይሁዳ 1-7
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዚጸድቕ” ይብል ኢዩ። ከምኡውን “ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ: ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ” ይብል ኢዩ። ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ፧ ጻድቕ ተባሂልና እንጽዋዕ ብእምነት ድዩ ወይስ ብግብሪ፧—ሮሜ 3:28፣ ያእቆብ 2:24
እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ እተወሃሃደ መልሲ: ክልቲኡ ቅኑዕ ኢዩ ዝብል ኢዩ።
ንዘበናት ዝኣክል እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦ ሕጊ ነቶም ኣይሁዳውያን ኣምለኽቲ ፍሉይ ዝዀነ መስዋእትታት ክስውኡ ከምኡውን ህያባት ክህቡ: በዓላት ክሕልዉ: ከምኡውን ኣብ ኣመጋግባን ካልእ ብቕዓታትን ክጥንቀቑ ኣዚዙ ኢዩ። የሱስ እቲ ፍጹም መስዋእቲ ምስ ከፈለ ግን: ከምዚኣቶም ዝበሉ ‘ግብርታት ሕጊ’ ወይ ‘ግብርታት’ ኣድለይቲ ኣይኰኑን።—ሮሜ 10:4
እንተዀነ ግን: እዞም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝዕየዩ ዝነበሩ ግብርታት በቲ ዝበለጸ መስዋእቲ የሱስ ተተኪኦም ማለት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ይብል:- “ደም ክርስቶስ . . . ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ [“ቅዱስ ኣገልግሎት ከተቕርቡ:” ትሓዓ ] ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧”—እብራውያን 9:14
‘ንህያው ኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት እነቕርበሉ’ ብኸመይ ኢዩ፧ ካብ መንጎ እቶም ካልኦት ነገራት: መጽሓፍ ቅዱስ ንግብሪ ስጋ ክንቃለሶ: ንናይ ዓለም ዘይስነ-ምግባራውነት ክንቃውሞ: ከምኡውን ንመፈንጠራታቱ ከነርሕቖ ይነግረና። ከምዚ ይብል:- “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ‘ነቲ ዝጠብቀና ሓጢኣት’ ነርሕቕ: ከምኡውን “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ‘ከይንደክምን: ነፍሳትና ከይሕለላን’ ይምሕጸነና ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:12፣ እብራውያን 12:1-3፣ ገላትያ 5:19-21
ዋላ ሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ኣደናቒ በረኸት ክረክብ እኹል ዝዀነ ተግባር ክገብር ስለ ዘይክእል: ነዞም ነገራት እዚኣቶም ብምግባርና ድሕነት ኣይንረክብን ኢና። ይኹን እምበር: ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ክንገብሮ ዝደልዩና መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ነገራት ብምግባር ፍቅርናን ምእዛዝናን ካብ ምርኣይ እንተድኣ ሰኒፍና ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ህያብ ክንረኽቦ ብቑዓት ኣይኰናን። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ” ስለ ዝብል: ብዘይ ግብሪ እምነትና ከነርኢ ምስ እንደሊ ንየሱስ ንስዕብ ኢና ምባልና ከንቱ ክኸውን ኢዩ።—ያእቆብ 2:17
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽናዓዮ፡ ብእኡ ድማ ተለዓዓል