-
ንስም የሱስ ኣጽኒዕካ ምሓዝራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
14. (ሀ) ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እታ ክርስቲያናዊት ጉባኤ ምስ መን ኢያ ክትቃለስ ዝነበራ: ሃዋርያ ጳውሎስከ ከመይ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎም ዘሎ፧ (ለ) ሓደ ናብቶም እተፈልዩ ጕጅለ ኣቢሉ ክጽጋዕ ዝዘዙ ሰብ እንታይ ናይ የሱስ ቃላት ኢዩ ከስተብህል ዝግብኦ፧
14 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ምስቶም ብለመጭን መታለልን ዘረባ ገይሮም ኣብቲ ብናይ የሆዋ መትረብ ገይሩ እተዋህበ “ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ” ዕቡያት ከሓድቲ ክትቃለስ ነበራ። (ሮሜ 16:17, 18) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ዳርጋ ኣብ ኵለን መልእኽቱ ኣጠንቂቑ ኢዩ።a የሱስ ነታ ሓቀኛ ማሕበር ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጽህንኣን ሕብረታን ኣብ ዝመለሳ ዘመናዊ እዋንውን ከይተረፈ: ሓደጋ ኣንቆራነት ኣሎ። ስለዚ ነቲ እተፈልየ ጉጅለ ክስዕብ ዝዘዙ: እሞ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣንቆራ ዝፈጥር ዝዀነ ሰብ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ከስተብህለሉ ይግብኦ:- “ስለዚ ተነሳሕ: እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ: ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ።”—ራእይ 2:16
-
-
ንስም የሱስ ኣጽኒዕካ ምሓዝራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
16. (ሀ) ብሰንኪ ጽልዋ ናይ ክሕደት ሰንከልከል ዝበሉ ሰባት ንኽናስሑ ቅልጡፋት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቶም ምንሳሕ ዝኣብዩኸ እንታይ ክወርዶም ኢዩ፧
16 ብሰንኪ ጽልዋ ናይ ክሕደት ሰንከልከል ዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ናይ ነስሓ ዕድመ ቀልጢፉ ከቕልበሉ ይግባእ! ናይ ከሓድቲ ፕሮፓጋንዳ መርዛም ስለ ዝዀነ ክንጸግ ኣለዎ! ምስቲ የሱስ ንጉባኤኡ ብጻድቕን ንጹህን ተፈታዊ ሓቅታትን ገይሩ ዝምግባ ኣወዳዲርካ እዚ መሰረቱ መንቀኝነትን ጽልእን ኢዩ። (ሉቃስ 12:42፣ ፊልጲ 1:15, 16፣ 4:8, 9) ነቶም ምንሳሕ ዝኣብዩ ግን ጐይታ የሱስ ‘ብሰይፊ ኣፉ ክዋግኦም’ ኢዩ። ነቲ በታ መወዳእታ ምሸት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለየሉ ሕብረት ምእንቲ ክዕቅብ ከኣ ንህዝቡ ይመምዮም ኣሎ። (ዮሃንስ 17:20-23, 26) እቶም ከሓድቲ ዝዀኑ ነቲ በቶም ኣብ የማነይቲ ኢዱ ዘለዉ ከዋኽብቲ ዝዋሃብ ፍቕራዊ ምኽርን ሓገዝን ስለ ዝነጽግዎ: የሱስ ኣብ ‘ወጻኢ ጸልማት ደርብዩ’ ‘ኣብ ክልተ ብምጭንዳሕ’ ክፈርዶምን ክቐጽዖምን ኢዩ። ይውገዱ እሞ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ማይ ብሑቕ ኣይኰኑዎምን።—ማቴዎስ 24:48-51፣ 25:30፣ 1 ቈረንቶስ 5:6, 9, 13፣ ራእይ 1:16
-