-
የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
1. ዮሃንስ ሕጂ ንመን ኢዩ ዝጽሕፈሉ: ሎሚኸ መልእኽቱ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኰይኑ ክረኽብዎ ዘለዎም መን ኢዮም፧
እቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገራት: ምስተን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ንዝሓብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣቓልቦ ዝስሕብ ክኸውን ኣለዎ። ቀጺሉ ተኸታታሊ መልእኽትታት ኣሎ። “እቲ ምዱብ ግዜ” እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ድማ ፍሉይ ኣወዓዕላ ኣለዎም። (ራእይ 1:3 NW) ነዞም ኣዋጃት እዚኣቶም ምቕላብ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ዘምጽኣልና ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይንበብ:- “ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት: [“ጉባኤታት:” NW] ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን: ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ . . . የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን [“ዘይንበቕዖ ሕያውነትን:” NW] ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።”—ራእይ 1:4, 5ሀ
-
-
የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
3. (ሀ) ኣብቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ሰላምታ: “ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ሰላምን” ካብ መን ኢዩ ዝመጽእ፧ (ለ) ኣየናይ መግለጺ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ምስቲ ናይ ዮሃንስ ሰላምታ ዝመሳሰል፧
3 “ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ሰላምን”—ብፍላይ ምንጨን ምስ እነማስወሉ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተደለይቲ ኰን ኢየን! እዚኣተን ካብቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ:” “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዝነብር ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ዝውሕዛ ኢየን። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ መዝሙር 90:2) ኣብዚ: እቲ ንምልኣት ተግባራት ሓይሊ ኣምላኽ ወይ መንፈስ ቅዱስ ዘመልክት: ነቶም ነቲ ትንቢት ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ዅሎም ምርዳእን በረኸትን ዘምጽእ: “ሾብዓተ መናፍስቲ” ዝብል ስያመ እውን ተጠቓሊሉ ኣሎ። እቲ ዮሃንስ ድሕር ኢሉ “ጸጋን [“ዘይንበቕዖ ሕያውነትን:” NW] ሓቅን መሊእዎ” ብምባል ብዛዕብኡ ጽሒፉ ዘሎ “የሱስ ክርስቶስ” እውን ወሳኒ ግደ ኣለዎ። (ዮሃንስ 1:14) ስለዚ: እቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ሰላምታ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ ናይታ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ካልኣይቲ መልእኽቱ ሒዛቶ ዘላ ዝመሳሰል ነገራት ዝሓዘ ኢዩ:- “ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW] ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን።” (2 ቈረንቶስ 13:13) ሎሚ እውን እዘን ቃላት እዚኤን ነቶም ሓቂ እነፍቅር ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝውዕላ ይግበረን!—መዝሙር 119:97
እቲ ‘እሙን ምስክር’
4. ዮሃንስ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ብኸመይ ኢዩ: እዞም ገለጽቲ ስያመታት እዚኣቶም ኣዝዮም ልክዕ ዝዀኑኸ ስለምንታይ ኢዮም፧
4 ከምቲ ዮሃንስ “እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን” ኢሉ ብምግላጽ ኣፍልጦ ሂቡሉ ዘሎ: የሱስ ደድሕሪ የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ኣዝዩ ክቡር ኣካል ኢዩ። (ራእይ 1:5ለ) ከምቲ ወርሒ ኣብ ሰማያት: ንሱ ኸኣ ንኣምላኽነት የሆዋ እቲ ዝዓበየ ምስክር ኰይኑ ጸኒዑ ቈይሙ ኢዩ። (መዝሙር 89:37) ንጽህንኡ መስዋእታዊ ሞት ክሳዕ ምኽፋል ድሕሪ ምሕላዉ: ካብቶም ናብ ዘይሓልፍ መንፈሳዊ ህይወት ዝተንስኡ ደቅሰብ ናይ መጀመርታ ኰነ። (ቈሎሴ 1:18) ሕጂ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኰይኑ: ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ልዕል ኢሉ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ተቐቢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18፣ መዝሙር 89:27፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:15) ብ1914 ድማ ኣብ መንጎ እቶም ምድራውያን ህዝብታት ንኽገዝእ ከም ንጉስ ኰይኑ ተቐመጠ።—መዝሙር 2:6-9
5. (ሀ) ዮሃንስ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምውዳስ ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ህያብ ብምሃቡ መን ኢዩ ዝጥቀም: ቅቡኣት ክርስትያናትከ ኣብ ፍሉይ በረኸት እተኻፈሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧
5 ዮሃንስ በዘን ዝስዕባ ምዉቓት ቃላት ገይሩ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምውዳስ ይቕጽል :- “ንእኡ: ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ: ካብ ሓጢያትናውን ብደሙ ዝሐጸበና: ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና: ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።” (ራእይ 1:5ሐ, 6) የሱስ: ኵሎም እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ናይ ደቅሰብ ዓለም ናብ ፍጹም ዝዀነ ህይወት ምእንቲ ክምለሱ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ሃበ። ፍቑር ኣንባቢ: ንስኻውን ኣብዚ እቱው ክትከውን ትኽእል ኢኻ! (ዮሃንስ 3:16) እንተዀነ ግን: እቲ ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ነቶም ከም ዮሃንስ ዝኣመሰሉ ቅቡኣት ክርስትያናት: ፍሉይ በረኸት ክረኽቡ መገዲ ከፈተሎም። እዚኣቶም ብመሰረት ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ጻድቃን ምዃኖም ተመስኪሩሎም ኢዩ። እዞም ክፍሊ ናይቲ ሒደት መጓሰ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ንዅሉ እቲ ናይ ምድራዊ ህይወት ተስፋታት ጠንጢኖም: ካብ ምዉታት ተንሲኦም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብታ መንግስቱ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኸገልግሉ ትጽቢት ብምግባር ብመንፈስ ኣምላኽ ተወሊዶም ኢዮም። (ሉቃስ 12:32፣ ሮሜ 8:18፣ 1 ጴጥሮስ 2:5፣ ራእይ 20:6) ኣየ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! ዮሃንስ ኣዝዩ ርግጸኛ ብምዃን ክብርን ዕብየትን ንየሱስ ይኹን ኢሉ ምግላጹ ዘገርም ኣይኰነን!
-