-
ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
ምዕራፍ 20
ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ
1. ዮሃንስ ምሕታም ናይቶም 144,000 ምስ ገለጸ ዝረኣዮም ካልኦት ጕጅለ እንታይ ኢዮም፧
ዮሃንስ ብዛዕባ ምሕታም ናይቶም 144,000 ምስ ገለጸ: ጸብጻብ ናይ ሓደ ኣዝዩ ዘለዓዕል ራእይታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ይነግር። ነቲ ዝረኣዮ ከዘንቱ ከሎ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሉ ክኸውን ኣለዎ: ከምዚ በለ:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW]: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ።” (ራእይ 7:9) እወ: ምዕጋት ናይቶም ኣርባዕተ ንፋሳት: ብዘይካ ምድሓን ናይቶም 144,000 ኣባላት ናይ መንፈሳዊት እስራኤል: ምድሓን ናይቶም ካብ ብዙሕ ቋንቋታት: ካብ ብዘላ ዓለም እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ካልኦት ጕጅለውን የምጽእ ኢዩ።a—ራእይ 7:1
2. ዓለማውያን ወሃብቲ ርእይቶ ነቶም ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ይገልጽዎም: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም፧
2 ዓለማውያን ወሃብቲ ርእይቶ ብዛዕባ እዞም ዓቢ ጭፍራ ትርጕም ክህቡ ኸለዉ: እቶም ብስጋ ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትና እተቐበሉ ወይ እቶም ንሰማይ ዝኸዱ ክርስትያን ሰማእታት ኢዮም ይብልዎም። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስውን ከይተረፈ ኣብቲ ዝሓለፈ ግዜያት: ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰማያዊ ክፍሊ ከም ዝዀኑ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ: እዚ ኸኣ ብ1886 ኣብቲ ጥራዝ 1 ናይ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዀነ መዋእላት መለኮታዊ ውጥን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ሓሳባት ተገሊጹ ኣሎ:- “ንሳቶም ነቲ ዓስቢ ዝፋንን መለኮታዊ ፍጥረት ናይ ምዃንን መሰል ዘጥፍኡ: ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ መለኮታዊ ፍጥረት ትሕት ዝበለ ቦታ ዘለዎ መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኽቡ ኢዮም። ንሳቶም ብሓቂ ህይወቶም ዝወፈዩ እኳ እንተዀኑ: መንፈስ ዓለም ስለ ዝዓብለሎም ህይወቶም ንመስዋእቲ ንምሃብ ዝሰነፉ ኢዮም።” ጸኒሑውን ብ1930 እቲ ሓሳብ ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብርሃን (እንግሊዝኛ) ብኸምዚ ተገልጸ:- “እዞም ነዚ ዓቢ ጭፍራ እዚ ዘቘሙ ሰባት ናይ ጐይታ ቀናኣት መሰኻኽር ክዀኑ ተዓዲሞም ዝኣበዩ ኢዮም።” ንሳቶም ርእሶም ዘጽድቑ: ፍልጠት ሓቂ ኸኣ ዘለዎም: እንተዀነ ግን ብዙሕ ዘይሰብኩ ጕጅለ ተባሂሎም ተገሊጾም ነበሩ። ከም ካልኣይ ደረጃ ኰይኖም ንሰማይ ዝኸዱ: ምስ ክርስቶስ ንምግዛእ ግን ግደ ዘይነበሮም ኢዮም።
3. (ሀ) ጸኒሖም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ቀንኣት ዝዀኑ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ገለ ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ እተነብረሎም፧ (ለ) ግምቢ ዘብዐኛ ብ1923 ነቲ ምስላ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ከመይ ገይሩ ገለጾ፧
3 እንተዀነ ግን: ጸኒሖም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዮም ቀናኣት ዝዀኑ ካልኦት ብጾት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነበሩ። እዚኣቶም ንሰማይ ናይ ምኻድ ባህጊ ኣይነበሮምን። ተስፍኦም ምስቲ ህዝቢ የሆዋ ካብ 1918-1922 ዘቕረብዎ ኣርእስቲ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ እዚ “ዓለም ኣብ መወዳእታኣ በጺሓ—ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ኢዩ ነይሩ።b ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ እታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1923 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ኣጣልን ኣባጊዕን ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ (ማቴዎስ 25:31-46) ከምዚ ኢላ ገለጸት:- “እተን ኣባጊዕ ነቶም ብመንፈስ ዘይተወልዱ ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም: ብኣተሓሳስብኦም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታ ኣፍልጦ ዝህቡ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝሓሸ ግዜ ክረኽቡ ኣማዕድዮም ዝጥምቱን ተስፋ ዝገብሩን ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝዀኑ ሰባት ኢየን ዘመልክታ።”
4. ብርሃን ብዛዕባ እቶም ምድራዊ ክፍሊ ብ1931: ብ1932: ብ1934 ዝያዳ ዝደመቐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
4 ድሕሪ ገለ ዓመታት ብ1931 እታ ቐዳመይቲ መጽሓፍ ናይ ምርግጋጽ (እንግሊዝኛ) ንትንቢት ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 ብምምይያጥ እቶም ኣብ መወዳእታ ዓለም ንምድሓን ኣብ ግምባሮም ማሕተም ዝግበረሎም: እተን ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣባጊዕ ምዃኖም ኣላለየት። እታ ብ1932 ዝወጸት ሳልሰይቲ መጽሓፍ ናይ ምርግጋጽ ብዛዕባ ቅንዕና ልቢ ናይቲ እስራኤላዊ ዘይነበረ: ነቲ የሁ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሓሶት ሃይማኖት ፍርዲ ንምውራድ ዝነበሮ ቅንኢ ክርኢ ኢሉ ኸኣ ምስቲ ቅቡእ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰረገላ ዝደየበ ዮናዳብ ገለጸት። (2 ነገስት 10:15-17) እታ መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ትህብ:- “ዮናዳብ ምልክት ወይ ጽላሎት ናይቶም ሎሚ ኣብዚ ዕዮ የሁ [ፍርዲ የሆዋ ናይ ምእዋጅ ዕዮ] ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ኣብ ምድሪ ዘለዉ: ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም: ምስ ማሕበር ሰይጣን ዘይሓብሩ: ኣቕዋሞም ኣብ ወገን ጽድቂ ዝገብሩ: ከምኡውን እቶም ጐይታ ኣብ እዋን ኣርማጌዶን በቲ ጸበባ ኣሕሊፉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ዝህቦም ሰባት ኢዩ። እዚኣቶም ክፍሊ እተን ‘ኣባጊዕ’ ዘቝሙ ኢዮም።” ኣብ 1934 ድማ ግምቢ ዘብዐኛ እዞም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እዚኣቶም ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ክጥመቑ ከም ዝግብኦም ገለጸት። እቲ ብዛዕባ እዞም ምድራዊ ክፍሊ እተረኽበ ብርሃን መመሊሱ እናደመቐ ኣንጸባረቐ።—ምሳሌ 4:18
5. (ሀ) ብ1935 ብዛዕባ እቲ ዓቢ ጭፍራ እንታይ ኢዩ እተጋህደ፧ (ለ) ብ1935 ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ነቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ንምንባር ተስፋ ዘለዎም ተኣከብቲ ሓፍ ክብሉ ምስ ሓተቶም እንታይ ኰነ፧
5 ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ምርዳእ ናይ ራእይ 7:9-17 ዘንጸባርቕ ብርሃን ኣብ ምርካቡ ኢዩ ነይሩ! (መዝሙር 97:11) እቲ ካብ 30 ግንቦት ክሳዕ 3 ሰነ 1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ሕ.መ.ኣ. ክካየድ እተመደበ ዓቢ ኣኼባ ነቶም ብዮናዳብ እተመሰሉ “ናይ ሓቂ ምጽንናዕን ረብሓን” ክኸውን ከም ዝዀነ ግምቢ ዘብዐኛ ደጋጊሙ ተስፋ ሃበ። ከምኡ ድማ ዀነ! እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ: 20, 000 ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ ኣኼባ “ብዙሓት ሰባት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃቦ ዘነቓቕሕ ዝርርብ: እቶም ዘመናውያን ካልኦት ኣባጊዕ ምስቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ሓደ ከም ዝዀኑ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ኣቕረበ። ኣብ ምዝዛም ናይ ዝርርቡ እቲ ተዛራባይ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ኵሉዅም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብሩ ተስፋ ዘሎኩም በጃኹም ደውዶ ምበልኩም፧” ሓያለይ ካብቶም ተኣከብቲ ደው ምስ በሉ ድማ: እቲ ተዛራባይ “እንሆ: እቶም ብዙሓት ሰባት!” በለ። እቲ ዝነበረ ጸጥታ ብነጐዳ ዝጥዕም ወኻዕታ ተተክአ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ—ከምኡውን እቲ ጕጅለ ዮናዳብ—ባህ ዝበሎ! ንጽብሒቱ ድማ 840 ሓደስቲ መሰኻኽር: ዝበዝሑ ካብኣቶም ዓቢ ጭፍራ ኢና ዝብሉ ተጠምቁ።
መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ምርግጋጽ
6. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ዘመናዊ ጕጅለ ናይቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ውፉያት ክርትስትያናት ኢዮም ኢልና ብግልጺ ክንርዳእ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ጻዕዳ ክዳውንቲ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ የመልክት፧
6 እቶም ዓቢ ጭፍራስ እቶም ንዘለኣለም ኣብ ናይ ኣምላኽ ምድሪ ክነብሩ ተስፋ ዝገብሩ ዘመናዊ ጕጅለ ናይቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ: ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣቐድም ኣቢሉ ዮሃንስ ትርኢት ናይቶም ‘ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ እተዓደጉ’ ሰማያዊ ጕጅለ ርእዩ ኢዩ። (ራእይ 5:9, 10) እቶም ዓቢ ጭፍራውን ተመሳሳሊ መበቈል ኣለዎም: ብጽሒቶም ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ቍጽሮም ከምቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቐዲሙ ውሱን ኣይኰነን። ክንደይ ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ክነግር ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎም እምነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ኣቃውማ ከም ዘለዎም ንምምልካት: ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ ኢዮም። (ራእይ 7:14) ነቲ መሲሕ ከም ንጉሶም ንምውዳስ ጨናፍር ስየ ሒዞም ኣለዉ።
7, 8. (ሀ) እቲ ጨናፍር ስየ ምሓዞም ንዮሃንስ ብዘይጥርጥር እንታይ ፍጻመታት ኣዘኻኺርዎ ይኸውን፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ጨናፍር ስየ ምሓዞም እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
7 ዮሃንስ ነዚ ትርኢት እዚ ክርኢ ከሎ: ሓሳቡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ንድሕሪት: ናብቲ መጨረሽታ ሰሙን ናይቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ: መሊስዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ 9 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ህዝቢ: የሱስ ንየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ “ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፤ ሆሳእና: ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ: በሉ።” (ዮሃንስ 12:12, 13) ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ጨናፍር ስየ ምሓዞምን ዓው ኢሎም ምጭዳሮምንሲ: ንየሱስ ከም ብየሆዋ እተመዘዘ ንጉስ ንምቕባል ዘለዎም ደረት ዘይብሉ ሓጐስ የመልክት።
8 እቲ ጨናፍር ስየን እቲ ናይ ሓጐስ ወኻዕታን ንዮሃንስ በዓል ዳስ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ከም ዘዘኻኸሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ የሆዋ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም: ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን: ዕቦል ርባ ኸኣ ውሰዱ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሐጐሱ” ብምባል ኣዚዙ ነበረ። ጨናፍር ስየ ንምልክት ሓጐስ ኢዩ ዝዝውተር ዝነበረ። እቲ ግዜያዊ ዳሳት: የሆዋ ንህዝቡ ኣብ በረኻ ኣብ ድንኳናት ንኽነብሩ: ካብ ግብጺ ከም ዘድሓኖም ዘዘኻኽር ኢዩ። “ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን” ድማ ኣብቲ በዓል ይካፈሉ ነበሩ። ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ‘ምሉእ ሓጐስ ይሕጐሱ ነበሩ።’—ዘሌዋውያን 23:40፣ ዘዳግም 16:13-15
9. ኣብ እንታይ ናይ ሓጐስ ጭድርታ ኢዮም እቶም ዓቢ ጭፍራ ዝሓብሩ፧
9 እቶም ዓቢ ጭፍራ ክፍሊ ናይ መንፈሳዊ እስራኤል እኳ እንተዘይኰኑ: እቲ ዓወትን ድሕነትን ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን ብሓጐስ ከምኡውን ብሞሳ ስለ ዝህቡ ጨናፍር ስየ ክሕዙ ግቡእ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ ዮሃንስ እተዓዘቦ ኢዩ:- “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።” (ራእይ 7:10) ካብ ኵሎም ዓሌታት እተኣከቡ እኳ እንተዀኑስ: ብሓንሳብ “ዓው ኢሎም ጨደሩ።” ካብ እተፈላለየ ሃገራትን ቛንቋታትን ዝመጹ ክነሶምሲ ብኸመይ ኢዮም ነዚ ክገብርዎ ዝኽእሉ፧
10. ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ቋንቋታትን እኳ እንተዀኑ እቶም ዓቢ ጭፍራ ብሓደ ሓቢሮም ‘ዓው ኢሎም ዝጭድሩ’ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧
10 እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ክፍሊ ናይታ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘላ: ብሓቂ ብዙሕ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ዝሓብሩላ ሓንቲ ማሕበር ኢዮም። ንእተፈላለያ ሃገራት እተፈላለየ ስርዓታት የብሎምን: የግዳስ ነቲ ቅኑዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ሓደ ኰይኖም ይትግብርዎ። ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ምንቅስቓሳት ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ብሓቂ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ለዊጦምዎ’ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:4) ከምተን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ዝገብርኦ: እተደናገረን ንሓድሕዱ ዝጋጮን መልእኽትታት ንምጭዳር ኣብ ኣንቈራታት ወይ ጨናፍር ኣይከፋፈሉን ኢዮም፣ ወይውን እቲ ንሳቶም ክገብርዎ ዝግብኦም ውዳሴ ጕጅለ ኣቕሽሽቲ ክገብሩሎም ኣይገድፉሎምን ኢዮም። ድሕነቶም ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ኢሎም ኣይጭድሩን ኢዮም: ከመይሲ ኣምለኽቲ ናይ ሓደ ስላሴ ዝዀነ ኣምላኽ ኣይኰኑን። ኣብ ልዕሊ 232 ኣቢለን ዝዀና ቦታታት ናይ ምድሪ: ነታ ሓንቲ ጽርይቲ ቋንቋ ናይ ሓቂ ክዛረቡ ኸለዉ ስም የሆዋ ንምጽዋዕ ሕቡራት ኢዮም። (ጸፎንያስ 3:9) ድሕነቶም ከኣ በቲ ቀንዲ ናይ ድሕነት ልኡኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ: ካብ የሆዋ እቲ ኣምላኽ ድሕነት ከም ዝመጾም ብግልጺ ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም።—መዝሙር 3:8፣ እብራውያን 2:10
11. ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ድምጺ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ዝያዳ ዓው ክብል ዝሓገዘ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧
11 ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ነቲ ዓው ዝበለ ድምጺ ናይቶም ሕቡራት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ዝያዳ ዓው ክብል ሓጊዝዎ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ካልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽንዒ ሓገዛት ብልዕሊ 400 ቋንቋታት ክሓትም ዘድልዮ የለን: ምኽንያቱ ንዅሎም ህዝብታት ናይ ምድሪ ብሓደ ሕብረት ዘለዎ መልእኽቲ ክበጽሖም ዝደሊ ማንም ካልእ ጕጅለ የለን። ነዚ ዝያዳ ንኽሕግዝ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምዕዛብ ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ማልቲላንጐጅ ኤሌክትሮኒክ ፎቶታይፕሰቲንግ ሲስተም (መፕስ) እትባህለ መሳርሒ ተማህዘ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ክትሕተም ከላ ኣብ ልዕሊ 125 ዚርከብ ቦታታት ብእተፈላለየ ዓይነት መፕስ ተዓዩሉ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ዝወጽእ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደ ግዜ ብ130 ቋንቋታት ክሕተም ኣኽኢሉ ኢዩ። ብተወሳኺውን ህዝቢ የሆዋ ከምዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝበሉ መጻሕፍቲውን ብሓደ ግዜን ብእተፋላለየ ቋንቋታትን ይሓትሙ ኢዮም። በዚ ኸምዚ እቶም መብዛሕትኦም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዅሉ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ቋንቋታት በብዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ጽሑፋት ክዕድሉ ክኢሎም ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን ዓሌታትን ዝዀኑ ተወሳኺ ጭፍራ ቃል ኣምላኽ ከጽንዑን ድምጾም ምስ ድምጺ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ክሕውሱን ኣኽኢሉዎም ኢዩ።—ኢሳይያስ 42:10, 12
ኣብ ሰማይዶ ወይስ ኣብ ምድሪ፧
12, 13. እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ደው ዝብሉ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
12 ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው’ ምባል እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ሰማይ ኣለዉ ማለት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ብዙሕ ግሉጽ ዝዀነ መርትዖታት ኣሎ። ንኣብነት እታ ኣብዚ “ኣብ ቅድሚ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ኤ·ኖ΄ፒ-ዮን) ቃል ብቓሉ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ” ማለት ኢያ: ብዙሕ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ “ኣብ ቅድሚ” የሆዋ: ወይ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ” የሆዋ ዝነብሩ ደቅሰብ ንምምልካት ተዘውቲራ ኣላ። (1 ጢሞቴዎስ 5:21፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:14፣ ሮሜ 14:22፣ ገላትያ 1:20) ሓደ ግዜ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ ሙሴ ንኣሮን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከምዚ በሎ:- “ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፤ ምጕርምራምኩም ሰሚዑ ኢዩ እሞ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም።” (ዘጸኣት 16:9) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ክቐርቡ ንሰማይ ክኸዱ ኣየድለዮምን። (ምስ ዘሌዋውያን 24:8 ኣረኣእዮ።) የግዳስ ኣብኡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በሉ: ንሱ ኸኣ ኣቓልብኡ ኣብኦም ገበረ።
13 ብተወሳኺ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: . . . ኵሎም ኣህዛብ . . . ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ።”c እዚ ትንቢት እዚ ክፍጸም ከሎ ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ሰማይ ኣይኰኑን ዝህልዉ። እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ዝኸዱ ኣብ ሰማይ ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:31-33, 41, 46) ኣብ ክንድኡ ደቅሰብ ኣብ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሱስ ይዀኑ: ንሱውን ንኽፈርዶም ኣቓልብኡ ናብኣቶም ይገብር። ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ኢዮም ዘለዉ: እዚ ማለት ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሆዋን እቲ ንጉሱ ክርስቶስ የሱስን ጽቡቕ ፍርዲ ንኽቕበሉ ደው ይብሉ ማለት ኢዩ።
14. (ሀ) “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን” ከምኡውን ‘ኣብ [ሰማያዊ] ደብረ ጽዮን’ ከም ዘለዉ እተገልጹ መን ኢዮም፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ዘገልግልዎ እኳ እንተዀኑ: እዚ ክፍሊ ክህነት ዘይገብሮም ስለምንታይ ኢዩ፧
14 እቶም 24 ሽማግለታትን እቶም ናይ 144,000 ቅቡኣት ጕጅለን “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን” የሆዋ ከምኡውን “ኣብ [ሰማያዊ] ደብረ ጽዮን” ከም ዘለዉ ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእይ 4:4፣ 14:1) እቶም ዓቢ ጭፍራ ክፍሊ ክህነት ኣይኰኑን: ነቲ ክብ ዝበለ መዓርግ እቲ ኸኣ ኣይረኽብዎን ኢዮም። ሓቂ ኢዩ ጽንሕ ኢሉ ኣብ ራእይ 7:15 ‘ኣብታ መቕደሱ’ ንኣምላኽ ከም ዘገልግሉ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ግን ነቲ ውሽጣዊ ክፍሊ: ንቕድስተ ቕዱሳን ተመልክት ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት። እታ ኣብዚ ቤት ‘መቕደስ’ ተተርጒማ ዘላ ና·ኦስ΄ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ንብምሉኡ እቲ ንኣምልኾ የሆዋ እተሰርሐ ህንጻ ዘመልክት ሰፊሕ ሓሳባት ኢዩ ዘለዋ። ሎሚ እዚ ንሰማይን ንምድርን ዝሓቁፍ መንፈሳዊ ህንጻ ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 26:61፣ 27:5, 39, 40፣ ማርቆስ 15:29, 30፣ ዮሃንስ 2:19-21 እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ።
-
-
ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
[ኣብ ገጽ 121፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
-