ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 10-12
እቶም እተቐትሉ ‘ኽልተ መሰኻኽር’ ህያዋን ኰይኖም
‘ክልተ መሰኻኽር’፦ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ዝቘመትሉ እዋን መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት
ተቐቲሎም፦ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን “ማቕ ተኸዲኖም” ምስ ሰበኹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣብ ዘይክእሉሉ ዅነታት ስለ ዝነበሩ፡ ከም ‘እተቐትሉ’ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል
ህያዋን ኰይኖም፦ እተን ምሳልያዊ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ኣብቂዐን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑን ናብ መሪሕነት ዕዮ ስብከት ምስ ተመልሱን ህያዋን ኰይኖም