-
ዮሃንስ ነቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ይርእዮራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
12. እቲ “ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ” ንምንታይ ዘመልክት ኢዩ፧
12 “ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ አለውዎ: ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ: ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ: ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።” (ራእይ 1:16, 17ሀ) የሱስ ቍሩብ ጸኒሑ ባዕሉ ትርጕም ናይቶም ሾብዓተ ከዋኽብቲ እንታይ ከም ዝዀነ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: ካብ ኣፉ እንታይ ከም ዝወጽእ ኣስተብህል:- “ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ።” የሱስ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ናይ መወዳእታ ፍርድታቱ ከውርድ ኢሉ ዝሾሞ ብምዃኑ እዚ ኣገላልጻ እዝስ ኣየ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ናይ ውሳነ ቃላት ምጥፋእ ናይ ኵላቶም እኩያት ሰባት ከስዕብ ኢዩ።—ራእይ 19:13, 15
13. (ሀ) እቲ ናይ የሱስ ብሩህ ዘንጸባርቕ መልክዕ እንታይ የዘዘኻኽረና፧ (ለ) ካብቲ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ዝሃቦ መግለጺ እንታይ ሓፈሻዊ ምርዳእ ኢና እንረክብ፧
13 እቲ ናይ የሱስ ብሩህ: ዘንጸባርቕ መልክዕ: ነቲ የሆዋ ምስኡ ኣብ ደብረ ሲና ምስ ተዛረበ ገጹ ዘንጸባረቐ ሙሴ የዘኻኽረና። (ዘጸኣት 34:29, 30) ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር: የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሃዋርያቱ ትርኢቱ ምስ ተለወጠ እውን ‘ገጹ ከም ጸሓይ ከም ዘብርሀ: ክዳኑውን ከም ብርሃን ከም ዝጻዕደወ’ ዘክር። (ማቴዎስ 17:2) ሕጂ ድማ: በቲ የሱስ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ብራእይ ዝቐረበሉ ግዜ ገጹ ብተመሳሳሊ ከም ሓደ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቐረበ ዀይኑ ብርሃን የንጸባርቕ። (2 ቈረንቶስ 3:18) እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ብሓፈሽኡ ናይ ክብሪ ምንጽብራቕ ኢዩ ዘረድእ። ካብቲ ከም ኣስሓይታ ዝምጽዕዳው ጸጕሪ: ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስል ዓይኒ: ከምኡውን ብሩህ ገጽ ክሳዕ እቲ ዘንጸባርቕ ኣእጋር ዘሎ: ብሉጽ ትርኢት ናይቲ ሕጂ “ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን” ዝነብር ዘሎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:16) ሓቅነት ናይዚ ኵነታት እዚ ኣዝዩ ንጹር ኢዩ! እቲ ብፍርሂ እተዓብለለ ዮሃንስ ብኸመይ መለሰ፧ እቲ ሃዋርያ “ምስ ርኤኽዎ ድማ: ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ” ኢሉ ይነግረና።—ራእይ 1:17
-
-
ሓደ ቅዱስ ምስጢር ምግላጽራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
2. (ሀ) የሱስ እንታይ መዓርግ ሒዙ ኢዩ ዝቐረበ፧ (ለ) የሆዋ: “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ (ሐ) “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝብል ናይ የሱስ መዓርግ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
2 እንተዀነ ግን: ፍርሃትና ጠንቂ ናይ ዘይጥዑይ ፍርሂ ክኸውን የብሉን። ከምቲ እቲ ሃዋርያ ቀጺሉ ገሊጽዎ ዘሎ: የሱስ ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ኣጸናንዖ:- “ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ: ከምዚ እናበለ፤ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ: ኣይትፍራህ።” (ራእይ 1:17ለ, 18ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 44:6 የሆዋ “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ: ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን”a ብምባል ንሱ በይኑን ኵሉ ዝኽእልን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምጥቃስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ። የሱስ ከኣ “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝብል መዓርግ ሒዙ ምቕራቡ ምስ የሆዋ: እቲ ዓቢ ፈጣሪ: ማዕርነት ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዘርኢ ዘሎ። ንሱ ነቲ ብዝግባእ ብኣምላኽ እተዋህቦ መዓርግ ኢዩ ዘዘውትር ዘሎ። ኣብ ኢሳይያስ: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ከም ሓቀኛ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ቦታ ኢዩ ዘገለጸ። ንሱ ኣምላኽ ዘለኣለም ኢዩ: ብርግጽ ድማ ብዘይካኡ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ኣብ መጽሓፍ ራእይ: የሱስ ናብቲ ፍሉይ ዝዀነ ትንሳኤኡ ኣቓልቦ ብምግባር ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ መዓርግ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ።
3. (ሀ) የሱስ “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ “መርሖ ሞትን ሲኦልን” ኣለዎ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 ብርግጽ ከኣ: የሱስ ካብ ምዉታት ናብ ዘይሓልፍ መንፈሳዊ ህይወት ዝተንስአ ‘እቲ ቐዳማይ’ ሰብ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:18) ብተወሳኺ ድማ: የሆዋ ባዕሉ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ‘እቲ ዳሕራይ’ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ “ህያውን . . . ንዘለኣለመ ኣለም ህያው” ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ናይ ዘይሙማት ባህሪ የስተማቕር ኣሎ። በዚ ኸኣ: ልክዕ ከምቲ “ህያው ኣምላኽ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይመውት ኣቦኡ ኢዩ። (ራእይ 7:2፣ መዝሙር 42:2) የሱስ ባዕሉ ኸኣ ንዅሎም ካልኦት ሰባት “ትንሳኤን ህይወትን” ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25) ምስ እዚ ብምስምማዕ ንዮሃንስ ከምዚ ይብሎ:- “ሞይተውን ነበርኩ: እንሆ ኸአ: ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ: መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።” (ራእይ 1:18ለ) የሆዋ ምዉታት ንኸተንስእ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። ስለዚ እውን ኢዩ የሱስ ነቶም ብሞት እተኣስሩ ክፈትሓሉ ዝኽእል መርሖ ሞትን ሲኦልን (መቓብር) ኣሎኒ: ክብል ዝኽእል።—ምስ ማቴዎስ 16:18 ኣረኣእዮ።
-