ምዕራፍ 16
መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ትጅምር
1. (ሀ) እቶም ናይ እምነት ሰባት ካብ ነዊሕ ግዜ ኣማዕድዮም ዝጥምትዎ ዝነበሩ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ኸተማ ተባሂላ እትጽዋዕከ ስለምንታይ ኢያ፧
ኵሎም እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እምነት ዝነበሮም ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ግዝኣታ እትጅምረሉ ግዜ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ኢዮም። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም “ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ” ከም ዝነበረ ይዛረብ። (እብራውያን 11:10) እታ “ኸተማ” እቲኣ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ። ስለምንታይ ኢያኸ ኣብዚ “ኸተማ” ተባሂላ ዘላ፧ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ጥንቲ እንተደኣ ኣስተቢህልናስ ሓደ ንጉስ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኰይኑ ክገዝእ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ዝበዝሕ ግዜ ሰባት ንኸተማ ከም መንግስቲ ኢዮም ዝሓስብዋ ነይሮም።
2. (ሀ) ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ እታ መንግስቲ ናይ ሓቂ ከም ዝነበረት እንታይ የርኢ፧ (ለ) ብዛዕባኣኸ እንታይ ኢዮም ኽፈልጡ ዝደልዩ ዝነበሩ፧
2 ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኢያ ነይራ። እዚ ኸኣ በቲ ኣብ ግዝኣታ ዝነበሮም ናይ ሓቂ ተገዳስነት ክርአ ይከኣል ኢዩ። (ማቴዎስ 20:20–23) የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ግዝኣቶም ዝጅምሩሉ ግዜ መዓስ ኰን ይኸውን፧ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኦም ይመጾም ነበረ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ተገልጸሎም “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ንስኻኸ ከምቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝህንጠይዎ ዝነበሩ: ክርስቶስ ከም ንጉስ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ግዝኣቱ ዝጅምረሉ ግዜ ክትፈልጥ ትህንጠዶ ኢኻ፧
እታ ክርስትያናት ዝጽልዩላ መንግስቲ
3, 4. (ሀ) ኣምላኽ ወርትግ ንጉስ ኰይኑ ከም ዝገዝእ ብኸመይ ይፍለጥ፧ (ለ) ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ክርስቶስ ንሰዓብቱ መንግስቲ ኣምላኽ ትምጻእ ኢሎም ክጽልዩ ዝማሃሮም፧
3 ክርስቶስ ነቶም ሰዓብቱ ከምዚ ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ማሃሮም:- “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:9, 10) ገለ ሰባት ግን ‘የሆዋ ኵሉ ግዜዶ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣየሎን፧ ይገዝእ ካብ ሃለወኸ መንግስትኻ ትምጻእ ኢልካ ምጽላይ ደኣ ስለምንታይ ኣድለየ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ።
4 ርግጽ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢዩ ዝብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ከምኡውን “እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ: መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኣላ” ድማ ይብሎ ኢዩ። (መዝሙር 103:19) ስለዚ የሆዋ ኵሉ ግዜ ላዕላዋይ ገዛኢ ናይ ኵሉ ፍጥረታቱ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:10) የግዳ ኣብ ገነት ኤደን ኣብ ልዕሊ ግዝኣቱ ዕልወት ስለ እተፈጸመ ኣምላኽ ሓንቲ ፍልይቲ መንግስቲ ከቕውም መደበ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ድማ ኢዩ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ክጽልዩ ዝማሃሮም። ዕላማኣ ድማ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስን ካልኦትን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ብምዕላዎም ዘኸተልዎ ጸገማት ፈጺምካ ንምልጋስ ኢዩ።
5. እታ መንግስቲ ናይ ኣምላኽ ካብ ኰነት ስለምንታይ ኢያ ናይ ክርስቶስን ናይቶም 144, 000 እውን እትበሃል፧
5 እዛ ሓዳስ መንግስቲ እዚኣ ስልጣናን መሰል ግዝኣታን ካብቲ ዓቢ ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢያ እትቕበል። ናቱ መንግስቲ ኸኣ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ደጋጊሙ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኢዩ ዝብላ። (ሉቃስ 9:2, 11, 60, 62፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 15:50) ምስናይዚ ግን የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ቀንዲ ገዛኢ ናይዛ መንግስቲ እዚኣ ክኸውን ስለ ዝሸሞ ድማ መንግስቲ ክርስቶስ እውን ትበሃል ኢያ። (2 ጴጥሮስ 1:11) ኣብቲ ዝሓለፈ ምዕራፋት ከም እተማሃርናዮ እውን 144, 000 ካብ ደቅሰብ እተዓደጉ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ ክገዝኡ ኢዮም። (ራእይ 14:1–4፣ 20:6) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ መንግስቲ እዚኣ “መንግስቶም” ከም ዝዀነት እውን ይጠቕሳ።—ዳንኤል 7:27 ትሓዓ
6. ብኣተሓሳስባ ናይ ገሊኦም ሰባት: መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ኢያ ክትገዝእ ዝጀመረት፧
6 ገለ ሰባት እታ መንግስቲ ግዝኣታ ዝጀመረትሉ ግዜ ኣብቲ የሱስ ንሰማይ እተመልሰሉ ዓመት ኢዩ ይብሉ። ኣብቲ ኣይሁድ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ዘብዓልሉ ዕለት: ክርስቶስ ነቶም ሰዓብቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰሎም: ኢዩ ክገዝእ ዝጀመረ ይብሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1–4) እንተዀነ ግን እዛ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ሰይጣን ብዕልወቱ ዝፈጠሮ ጸገማት መወዳእታ ክትገብር ዝመደባ መንግስቲ ግዝኣታ ሽዑ ኣይጀመረትን። እቲ ነታ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ዘመልክት ‘ተባዕታይ ወዲ’ ሽዑ ተወሊዱ ግዝኣቱ ከም ዝጀመረ ዘረድእ ነገር የልቦን። (ራእይ 12:1–10) እሞኸ የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ብገለ መገዲ መንግስቲ ተቐቢሉ ድዩ፧
7. ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መን ኢዩ ዝገዝአ፧
7 እወ: ሽዑ የሱስ ኣብ ልዕሊ ማሕበሩ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም እዋኑ ምስ ኣኸለ ኣብ ሰማይ ምስኡ ክዀኑ ዘለዎም ሰዓብቱ ክገዝእ ከም ዝጀመረ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ’ኳ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉ “ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ [ናይ ኣምላኽ]” ከም እተወስዱ ይዛረብ። (ቈሎሴ 1:13) እንተዀነ ግዳ እዛ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ዘላ ግዝኣት ወይ “መንግስቲ”: እታ ክርስቶስ ነቶም ሰዓብቱ ክጽልዩላ ዝማሃሮም መንግስቲ ኣይኰነትን። ንሳ እታ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ መጋዝእቱ ክዀኑ ዘለዎም 144, 000 ሰባት ጥራይ እትገዝእ መንግስቲ ኢያ። ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዘበናት ድማ ንሶም በይኖም ጥራይ ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እውን እዚ ግዝኣት’ዚ ወይ ‘እዛ መንግስቲ ናይቲ ፍቁር ወዲ ኣምላኽ’ እዚኣ: እቲ ናይ መጨረሻ ካብቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ግዙኣት ሞይቱ ምስ ተንስአ እሞ ምስ ክርስቶስውን ኣብ ሰማይ ምስ ሓበረ ኢያ ግዝኣታ እተቋርጽ። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ድማ እቶም ቅቡኣት ተገዛእቲ ክርስቶስ ኣይክዀኑን ኢዮም: ኣብ ክንድኡ ግን ኣብታ ኣምላኽ ነዊሕ ግዜ ይገብር ተማባጺዑዋ ዝነበረ መንግስቲ: ምስ ክርስቶስ ነገስታት ኰይኖም ክገዝኡ ኢዮም።
ምጅማር ግዝኣት ኣብ ማእከል ጸላእቲ
8. (ሀ) ክርስቶስ ተንሲኡ ምስ ዓረገ: ንግስና ክሳዕ ዝወሃቦ ክጽበ ከም ዝነበሮ እንታይ መረድኢ ኣሎና፧ (ለ) ኣምላኽከ ንክርስቶስ ግዜ ግዝኣቱ ምስ ኣኸለ እንታይ ኢዩ ዝበሎ፧
8 ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ምስ ዓረገ: ብኡንብኡ ንጉስ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ክገዝእ ኣይጀመረን። ኣብ ክንድኡስ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ: ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ” እናበለ ዝገለጾ: ናይ ምጽባይ ግዜ ክህሉ ነበሮ። (እብራውያን 10:12,13 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ክርስቶስ ዝገዝኣሉ ግዜ ምስ በጽሐ ድማ የሆዋ “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ እናሰዓርካ ኪድ” በሎ።—መዝሙር 110:1, 2, 5, 6 ትሓዓ
9. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝደሊ ኵሉ ሰብ ዘይኰነ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ምስ ጀመረትከ ኣህዛብ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧
9 ነዛ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጸልኡ ኣለዉ ክበሃል ከሎስ ኣይገርምንዶ፧ እንተዀነ ግን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ንግዙኣታ ብቕንዕና ክመላለሱ እትደሊ መንግስቲ ክግዛእ ዝደልስ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋን ወዱን ከመይ ገይሮም ግዝኣት ዓለም ኣብ ትሕቲኦም ከም ዝመልሱዎ ምስ ገለጸ ቀጺሉውን “ኣህዛብ ተቘጢዖም” ይብል። (ራእይ 11:15, 17, 18) ሰይጣን ኣንጻራ ምእንቲ ክኸዱ ኢሉ ስለ ዘስሓቶም: ኣህዛብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይቅበልዋን ኢዮም።
10, 11. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ምስ ጀመረት ኣብ ሰማይ እንታይ ኰነ፧ (ለ) ኣብ ምድሪኸ እንታይ ኰነ፧ (ሐ) ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገርከ ኢና ክንዝክር ዝግብኣና፧
10 መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ክትጅምር ከላ ሰይጣንን መላእኽቱን ገና ኣብ ሰማይ ኢዮም ነይሮም። ነቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ስለ ዝቃወምዎ ድማ ብኡንብኡ ውግእ ኰነ። በዚ ኸኣ ሰይጣንን መላእኽቱን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተደርበዩ። ሽዑ ዓው ዝበለ ድምጺ “ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ” ክብል ከሎ ተሰምዐ። እወ: መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ጀሚራ ኢያ! ሰይጣንን መላእኽቱን ካብ ሰማይ ስለ ዘልገሱ ድማ ኣብ ሰማያት ሓጐስ ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ስለዚ ኣቱም ሰማያት ኣባታቶም እትነብሩውን ተሓጐሱ[!]” ኢዩ ዝብል።—ራእይ 12:7–12 ትሓዓ
11 እዝስ ንምድሪውን ሓጐስ ዘምጽኣላ ድዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ኣብ ክንድኡስ ንምድሪ ቅድሚ ሽዑ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዝበኣሰ መከራ ኢዩ ዝኸውን። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዑ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ኢዩ ዝብል። (ራእይ 12:12) ምጅማር ግዝኣት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ማለት ብኡንብኡ ኣብ ምድሪ ሰላምን ደሓንን የምጽእ ማለት ከም ዘይኰነ: ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ። ናይ ሓቂ ሰላም ዝመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምሉእ ምቍጽጻር ምስ ገበረት ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ “ቅሩብ ዘመን” ተባሂሉ ዘሎ ምስ ተወድአ እሞ ሰይጣንን መላእኽቱን እውን ንሰባት ምእንቲ ኸየሸግሩ ምስ ጠፍኡ ኢዩ ዝኸውን።
12. መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ መዓስ ከም እትጅምር መጽሓፍ ቅዱስ ክምልሰልና ትጽቢት እንገብረሉ ስለምንታይ ኢና፧
12 እሞ ሰይጣን ደኣኸ መዓስ ኢዩ ካብ ሰማይ ተደርብዩስ ኣብ ምድሪውን ‘ንቅሩብ ዘመን’ ጸገማት ከምጽእ ዝጀመረ፧ መንግስቲ ኣምላኽከ መዓስ ኢያ ግዝኣታ እትጅምር፧ ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይህብ ድዩ፧ መልሲ ይህብ ኢዩ ኢልና ኢና እንጽበ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ነዊሕ ዘበናት ኣቐዲሙ ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ከም መሲህ ከም ዝመጽእ ተዛሪቡሉ ነይሩ ኢዩ። አረ ፈልዩ እኳ ደኣ በየነይቲ ዓመት መሲህ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ ኢዩ። እሞ ብዛዕባ እቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዀይኑ ዘሎ እቲ መሲህ ወይ ክርስቶስ ንጉስ ኮይኑ ግዝኣቱ ዝጅምረሉ ግዜኸ እንታይ ይብል፧ ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ እዚውን መዓስ ከም ዝፍጸም ክነግረና ንጽበ ኢና!
13. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እቲ መሲህ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ዓመት ፈልዩ ዝነግር፧
13 ሓደ ሰብ ‘ኣየናይ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ እቲ መሲህ ኣብ ምድሪ ኣብ ኣየናይ ዓመት ከም ዝመጽእ ዝንበየሉ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነ ትንቢት ዳንኤል ከምዚ ይብል:- “እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ: መስፍን: ሾብዓተ ሰሙን እየን። . . . ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ” ወይ ብድምሩ 69 ሰሙን ኢየን። (ዳንኤል 9:25 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዘን 69 ሰሙናት እዚኤን ግን ቃል ብቓሉ ብ483 መዓልትታት ዝቘማ ወይ ድማ ካብ ሓደ ዓመት ቁሩብ ዝዛይዳ ኣይኰናን። የግዳ 69 ናይ ዓመታት ሰሙናት ወይ ከኣ 483 ዓመታት ኢየን። (ምስ ዘሁልቍ 14:34 ኣነጻጽሮ።) እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዝብል ትእዛዝ ድማ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝወጸ።a (ነህምያ 2:1–8) ስለዚ እዘን 69 ሰሙናት ናይ ዓመታት እምበኣር ድሕሪ 483 ዓመት ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኢየን እተወድኣ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድማ ኢዩ የሱስ ንኽጥመቕ ኢሉ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ዝመጸ! ሽዑ ኸኣ ኢዩ መሲህ ወይ ክርስቶስ ክኸውን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብአ።—ሉቃስ 3:1, 2, 21–23
መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ እትጅምረሉ
14. እታ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ ኣርባዕተ ተጠቒሳ ዘላ “ኦም” ንመን ኢያ እትምሰል፧
14 እሞኸ ክርስቶስ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ግዝኣቱ ዝጅምረላ ዓመት ዝነግር ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ኢዩ፧ እዚውን ኣብ ትንቢት ዳንኤል ኢና እንረኽቦ። (ዳንኤል 4:10–37) ኣብኡ ሓንቲ ቁመታ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን እተመልክት ኦም ተጠቒሳ ኣላ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሱ ዝለዓለ ሰብኣዊ ገዛኢ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና ንጉስ ነቡካድነጻር ብልዕሊኡ ካልእ ገዛኢ ከም ዘሎ ንኽፈልጥ ተገዲዱ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ “ኣዝዩ ልዑል” ወይ “ንጉስ ሰማይ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። (ዳንኤል 4:34, 37) ብዝበለጸ እምበኣር እዛ ክሳዕ ሰማይ ዝቑመታ ኦም እዚኣስ ነቲ ብፍላይ ምስ ምድርና እተትሓሓዘ ኣዝዩ ዝለዓለ ግዝኣት ኣምላኽ ኢያ እተመልክት። ግዝኣት የሆዋ ንገለ ግዜ በታ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዘቘማ መንግስቲ ይግለጽ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ ነገስታት ኰይኖም ንህዝቢ እስራኤል ዝገዝኡ ዝነበሩ እውን ‘ኣብ ዝፋን የሆዋ ተቐመጡ’ ይብሃለሎም ነበረ።—1 ዜና መዋእል 29:23
15. እታ “ኦም” ምስ ተቘርጸት ስለምንታይ ኢዩ ጕንዲ ሱራታ እተኣስረ፧
15 ብመሰረት እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ ኣርባዕተ ዘሎ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቑመታ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሐ ኦም ተቘርጸት። ጕንዲ ሱራታ ግን ኣይተማሕወን: ኣብ ክንድኡስ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ደኣ ተኣስረ። እዚ ኸኣ እታ ጕንዲ ክሳዕ ኣምላኽ ባዕሉ ንሰንሰለታ ፈቲሑ እንደገና ክትበቁል ዘፍቅደላ ግዜ ዝኣክል: ጠጥዒ ንኸይጭብጭብ ይከላኸል። ግናኸ ግዝኣት ኣምላኽ ደኣ ብኸመይን መዓስን ኢዩ እተቘርጸ፧
16. (ሀ) ብኸመይን መዓስን ኢዩ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዘቋረጸ፧ (ለ) ነቲ ናይ መወዳእታ ኣብ “ዝፋን የሆዋ” እተቐመጠ ንጉስ ይሁዳኸ እንታይ ኢዩ እተባህለሉ፧
16 ድሕሪ ገለ ግዜ ግን እታ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ዘቘማ መንግስቲ ይሁዳ ኣዝያ ስለ እተበላሸወት ኣምላኽ ንጉስ ነቡካድነጻር ንኸጥፍኣ ወይ ክቘርጻ ኣፍቀደሉ። እዚ ድማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ተፈጸመ። በቲ ግዜ እቲ ነቲ ናይ መወዳእታ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ዝፋን የሆዋ ተቐሚጡ ዝነበረ ንጉስ ጼደቅያስ ከምዚ ዝብል ቃል መጾ:- “ኣኽሊል ኣውጽእ። . . . እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ: እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ።”—ህዝቅኤል 21:25–27
17. ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ከመይ ዝበለ እዋን ኢዩ ዝጀመረ፧
17 ስለዚ እታ በታ “ኦም” ተመሲላ ዝነበረት ግዝኣት ኣምላኽ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ተቘርጸት። ካብ ሽዑ ኣትሒዙውን ንግዝኣት ኣምላኽ እትውክል መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኣይነበረትን። ስለዚውን ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ መጺኡ ኸሎ “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” [ትሓዓ ] ወይ ከኣ “ዘመናት ኣህዛብ” ኢሉ ዝሰመዮ ግዜ ጀመረ። (ሉቃስ 21:24) ኣብዘን “ምዱባት ዘመናት” እዚኤን ድማ ኣምላኽ ንግዝኣቱ እትውክል መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኣይነበረቶን።
18. እተን “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” ምስ ተፈጸማ: እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝነበሮ፧
18 ኣብ መወዳእታ ናይዘን “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” እንታይ ኰን ክኸውን ነበሮ፧ የሆዋ ናይ ምግዛእ ስልጣን ነቲ “በዓል ፍርዲ” ክህቦ ነበሮ። ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” መዓስ ከም ዝውዳእ እንተደኣ ፈሊጥናስ ክርስቶስ ግዝኣቱ መዓስ ከም ዝጅምር እውን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።
19. ንኽንደይ “ግዜያት” ኢዩ ግዝኣት ኣምላኽ ካብ ምድሪ ከቋርጽ ዝነበሮ፧
19 እዘን “ምዱባት ዘመናት” ተባሂለን ዘለዋ ድማ ብመሰረት ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ ኣርባዕተ “ሾብዓተ ግዝያት” ኢየን። እታ በታ “ኦም” ተመሲላ ዘላ ግዝኣት ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምምሕዳራ እተቋርጸሉ ሾብዓተ ግዜያት ከም ዘሎ ዳንኤል ገሊጹ ኢዩ። (ዳንኤል 4:16, 23) እዘን “ሾብዓተ ግዜያት” ተባሂለን ዘለዋኸ ንውሓተን ክንደይ ኢዩ፧
20. (ሀ) ንውሓት ናይ ሓደ “ግዜ” ክንደይ ኢዩ፧ (ለ) ንውሓት ናይተን ‘ሾብዓተ ግዜያትከ’ ክንደይ ኢዩ፧ (ሐ) ስለምንታይ ኢና ንሓንቲ መዓልቲ ከም ሓንቲ ዓመት እንጽብጽባ፧
20 ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምዕራፍ 12 ቍጽሪ 6 ከምኡውን ኣብ ቍጽሪ 14 ተገሊጹ ከም ዘሎ 1, 260 መዓልትስ “ግዜን [ማለት ሓደ ግዜ] ግዜያትን [ማለት ክልተ ግዜ] ፈረቓ ግዜን” [ትሓዓ ] ከም ዝዀነ የረድኣና። እዚ ድማ ብጠቕላልኡ 3 ግዝያትን 1/2 ኢዩ። ስለዚ ሓደ “ግዜ” 360 መዓልትታት ምዃኑ ኢዩ። “ሾብዓተ ግዜያት” እምበኣር 7 ግዜ 360 ወይ ከኣ 2, 520 መዓልትታት ይኸውን። ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ንሓንቲ መዓልቲ ከም ሓንቲ ዓመት እንተደኣ ጸብጺብናያስ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” 2, 520 ዓመታት ይዀና ኣለዋ።—ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6
21. (ሀ) እተን “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” መዓስ ጀሚረን መዓስ ይውድኣ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽከ መዓስ ኢያ ግዝኣታ እትጅምር፧ (ሐ) ሕጂውን እንተዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ምጽላይና ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
21 እተን “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝጀመራ ድሮ ተማሂርናዮ ኣሎና። ስለዚ ካብዚ ዕለት እዚ ተበጊስና 2, 520 ዓመታት ምስ እንጽብጽብ ናብ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ንበጽሕ። እዚ እተን “ምዱባት ዘመናት ኣህዛብ” እተወድኣሉ ዓመት ኢዩ። ገና ብህይወቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ ብ1914 ዝዀነ ነገራት ይዝክርዎ ኢዮም። በታ ዓመት እቲኣ እቲ ነቲ ክሳዕ እዚ ግዜና ዝቕጽል ዘሎ ብርቱዕ መከራ ዘለዓዓለ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀመረ። እዚ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ነጊሱ ግዝኣቱ ከም ዝጀመረ ዘመልከት ኢዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ግዝኣታ ድሮ ስለ ዝጀመረት እምበኣር: ሕጂ ነዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ካብ ምድሪ ጸራሪጋ ንኸተጥፍኦ ‘ክትመጽእ’ ክንጽልስ ብሓቂ ግዜኡ ኢዩ!—ማቴዎስ 6:10፣ ዳንኤል 2:44
22. ገለ ሰባት ከመይ ዝበለ ሕቶ ኢዮም ክሓቱ ዝኽእሉ፧
22 ሓደ ሰብ ግን ‘ክርስቶስ ተመሊሱስ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ዀይኑ ይገዝእ ካብ ዝህሉ ደኣ ስለምንታይ ኢና ዘይንርእዮ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ትእዛዝ እዚ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝወጸ ታሪኻዊ ሓቅነቱ ንምርኣይ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጥራዝ 2 ንኡስ ኣርእስቲ “ዘሬንስ ኦፍ ክሴርስስ ኤንድ ኣርታክሴርስስ” ገጽ 613–16 ተመልከት።
[ኣብ ገጽ 140, 141 ዘሎ ሰሌዳ]
ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እታ ናይ ይሁዳ መንግስቲ ኣምላኽ ወደቐት።
ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ክገዝእ ጀመረ
607 ቅ.ኣ.ዘ.--1914 ከ.ኣ.ዘ.
ጥቅምቲ 607 ቅ.ኣ.ዘ. — 1 ጥቅምቲ ቅ.ኣ.ዘ.= 6 0 6 ዓ መ ታ ት
1 ጥቅምቲ ቅ.ኣ.ዘ. — ጥቅምቲ 1914 ከ.ኣ.ዘ.=1 , 9 1 4 ዓ መ ታ ት
ሾብዓተ ዘበናት ኣህዛብ=2, 520 ዓመታት
[ኣብ ገጽ 134 ዘሎ ስእሊ]
“በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧”
[ኣብ ገጽ 139 ዘሎ ስእሊ]
እታ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ተጠቒሳ ዘላ ነዋሕ ኦም ንመለኮታዊ ግዝኣት ተመልክት። መንግስቲ ይሁዳ ንእተወሰነ ግዜ ናታ መግለጺት ኰይና ዓይያ ኢያ
[ኣብ ገጽ 140, 141 ዘሎ ስእሊ]
መንግስቲ ይሁዳ ምስ ጠፍአት እታ ኦም ተቖሪጻ ወደቐት