-
ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣምራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
25. (ሀ) ዮሃንስ ካልእ ኣብ ዓለም እተራእየ ምሳልያዊ ኣራዊት ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይቲ ሓድሽ ኣራዊት ክልተ ቐርኒ እንታይ የመልክት: ካብ ምድሪ ምውጽኡኸ እንታይ የመልክት፧
25 እንተዀነ ግን: ሕጂ ኸኣ ካልእ ኣራዊት ኣብ ዓለም ይርአ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። አብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳመይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ: ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር።” (ራእይ 13:11-13) እዚ ኣራዊት እዚ ሕብረት ናይ ክልተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘመልክት ክልተ ቐርኒ ኣለዎ። ካብ ባሕሪ ዘይኰነስ ካብ ምድሪ ክወጽእ ከኣ ኢዩ እተራእየ። በዚ ኸምዚ: ካብቲ ድሮ ቘይሙ ዘሎ ምድራዊ ኣገባብ ሰይጣን ኢዩ ዝመጽእ። እዚ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ትርጕም ዘሎዎ ግደ ዝህልዎ: ድሮ ዝነበረ ሓይሊ ዓለም ክኸውን ኣለዎ።
-
-
ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣምራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
27. (ሀ) እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት: ሓዊ ካብ ሰማይ ምውራዱ እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ነዚ ዘመናዊ ብጻይ ናይቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ሰባት ብኸመይ ይርእይዎ፧
27 እዚ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት እዚ: ሓዊ ካብ ሰማይ ብምውራድ እውን ከይተረፈ: ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። (ምስ ማቴዎስ 7:21-23 ኣረኣእዮ።) እዚ ትእምርቲ እዚ: ንኤልያስ እቲ ምስ ነብያት በዓል እተኸራኸረ ናይ ጥንቲ ነብዪ ኣምላኽ የዘክረና። ብስም የሆዋ ሓዊ ካብ ሰማይ ክወርድ ምስ ተማህለለ: ብዘይጥርጥር ንሱ ናይ ሓቂ ነብዪ ከም ዝነበረ እቶም ነብያት በዓል ከኣ ሓሰውቲ ከም ዝነበሩ ኣረጋገጸ። (1 ነገስት 18:21-40) ከምቶም ነብያት በዓል እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት: ከም ነብዪ መጠን እኹል መረጋገጺ ዘሎዎ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። (ራእይ 13:14, 15፣ 19:20) ሓይልታት እከይ ኣብ ክልተ ውግኣት ዓለም ከም ዘጥፍአ: ሕጂ ኸኣ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ የብሉን ዝብሃል ኮሙኒዝም ከም እተዓወተ ይዛረብ! ብዙሓት ነዚ ዘመናዊ መመሳስልቲ ናይቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ከም ሓላዊ ሓርነትን ምንጪ ናይ ጽቡቕ ንዋታዊ ነገራትን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።
-