ማሕበር የሆዋ ንኣገልግሎትካ ትድግፎ ኢያ
“ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።”—ራእይ 14:6
1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ተፈቲኖም: ክዋጽእሉ ዝኸኣሉኸ ብምንታይ ኢዮም፧
እታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ነቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምድጋፍ ዘለዋ ግደ ምግንዛቡ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ደገፍ ናይቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት የሆዋ ነቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ሓንቲ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ክፍጽምዎ ምኸኣሉዶ፧ መሰኻኽር ነዚ ስብከት እዚ ሕሉፍ ሃገራውነት: ውልቀ-መላኺ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት: ናይ ዓለም ውግኣት: ከምኡውን እተፈላለየ መከራታት ኣብ ዘለዎ ክፍለ-ዘበን እናነበሩ ኢዮም ፈጺሞምዎ። እቶም መሰኻኽር ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ኣህጕራዊ ዝዀነ ኣቀዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ሓጹር: ኣድልዎ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሱም መሰጐጕቲ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ብኸመይ ክዋጽእሉ ምኸኣሉ፧— መዝሙር 34:7
ዓለምለኻዊ ምጽራር እናሃለወ ክነሱ ድሕነት ምርካብ
2. ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናትን እዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናትን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧
2 ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ጸላእቲ ንዕዮ የሆዋ ንምትዕንቓጽ ወይ ከኣ ንምዕጋት ኢሎም ብሕጋውን ብኻልእ መገድን ኵሉ ዝከኣል ዕንቅፋታት ኣላዒሎም ኢዮም። ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ተሰጒጐም: ዘይስሞም ተዋሂብዎም: ንዕኦም ዘቃልል ጽሑፍ ወጺኡ: ተኻፊኦም ኢዮም—አረ ብዙሓትውን ተቐቲሎም ኢዮም— እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብምልዕዓል ናይ ዓባይ ባቢሎን ኣቕሽሽቲ ኢዩ ተፈጺሙ። ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እተባህለሎም ሎሚውን “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ: ንፈልጥ ኢና” ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ብግዜ ክርስቶስ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ካህናት ኣገልግሎቱ ደው ንምባል ብብርቱዕ ሓይሊ እተቓለሱ: ኣቕሽሽትን ከሓድትን ምስቶም ፖለቲካውያን ውሽማታቶም ኰይኖም ነቲ ዓቢ ናይ ህዝቢ የሆዋ ትምህርታዊ ናይ ምስክርነት ዕዮ ክዓግትዎ ፈቲኖም ኢዮም።— ግብሪ ሃዋርያት 28:22፣ ማቴዎስ 26:59, 65-67
3. ካብቲ ሄንሪካ ዡር ንጽህናኣ ንምሕላው ዘሕለፈቶ ተመክሮ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
3 ንኣብነት 1 መጋቢት 1946 ኣብ ፖላንድ እንታይ ከም እተፈጸመ ርአ። ኣብ ጥቓ ከልም እተባህለ ዓዲ እትነብር ሄንሪካ ዡር እትበሃል ጓል 15 ዓመት ምስክር: ኣብ ጥቕኦም ኣብ ዝርከብ ዓዲ ንዘለዉ ተገደስቲ ሰባት ንምብጻሕ ምስ ሓደ ሓው ከደት። ብኣባላት ናርዶቬ ሺዊ ዝብሮይኔ (ሃገራዊ ሓይልታት ሰራዊት) እተባህለ ካቶሊካዊ ጭፍራ ወተሃደራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወስዱ። እቲ ሓው ብኸቢድ እኳ እንተ ተቐጥቀጠ ድሒኑ ኢዩ። ሄንሪካ ግን ኣይደሓነትን። ናይ ካቶሊክ ምልክት መስቀል ንኽትገብር ከገድድዋ ብምፍታን ንብዙሕ ሰዓታት መሪር ስቓይ ኣውረዱላ። ሓደ ካብቶም መሳቐይቲ “ብልብኺ ኣብ ድላይኪ ክትኣምኒ ትኽእሊ ኢኺ: ናይ ካቶሊክ ምልክት መስቀል ጥራይ ግበሪ: እንተዘይኰነ ጥይት ኢዩ ዝጽበየኪ!” በላ። ንጽህናኣ ኣበላሽያዶ፧ ኣይፋላን። እቶም ሃይማኖታውያን ጭፍራ ናብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረ ዱር ወሲዶም ረሸንዋ። ይኹን እምበር ተዓዊታ ኢያ! ንጽህንኣ ከበላሽውዎ ኣይከኣሉን።a—ሮሜ 8:35-39
4. ፓለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ባእታታት ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ክደቝስዎ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም፧
4 ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝኸውን ጭከና ክወርዶምን ብንዕቀት ክርኣዩን ጸኒሖም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፍሊ ናይተን ቀንዲ ሃይማኖታት ሰይጣን ስለ ዘይኰኑን ክዀኑ ድማ ስለ ዘይደልዩን: ኣደዳ ናይቶም ኣቐዲሞም ብሕማቕ ኣረኣእያ እተጸልዉ ነቐፍቲ ወይ ከኣ ደረቐኛታት ተጻረርቲ ኰይኖም ኢዮም። ብፖለቲካውያን ባእታታት ብጭከና ተጠቒዖም ኢዮም። ብዙሓት መሰኻኽር ንእምነቶም ክብሉ ብሰማእትነት ሓሊፎም ኢዮም። እቶም ደሞክራስያውያን ኢና ዝብሉ እውን ከይተረፉ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ክዓናቕፍዎ ፈቲኖም ኢዮም። ንድሕሪት ናብ 1917 ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ ኣብ ካናዳን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን: ካህናት ኣንጻር እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናዓብቲ ተባሂሎም ከም ዝኽሰሱ ገበሩ። ሓለፍቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሽሕ’ኳ ጸኒሖም ናጻ እንተወጹ ብዘይግቡእ ተኣሲሮም ኢዮም።—ራእይ 11:7-9፣ 12:17
5. ንኣገልገልቲ የሆዋ ንምትብባዕ ክዓያ ዝጸንሓ ቃላት ኣየኖት ኢየን፧
5 ሰይጣን ነቲ ኣሕዋት ክርስቶስን እቶም እሙናት ብጾቶምን ዝፍጽምዎ ናይ ምስክርነት ዕዮ ደው ንምባል ዝከኣሎ ዘበለ ኵሉ መገድታት ፈቲኑ ኢዩ። ይኹን እምበር ከምቲ ብዙሕ ተመክሮታት ዘርእዮ ምፍርራሕ: ምጕብዕባዕ: ኣካላዊ ማህሰይቲ: ማእሰርቲ: መዳጐኒ ደምበታት: ሞት እውን እንተዀነ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስቕ ከብሎም ኣይከኣለን። እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ታሪኽ እተራእየ ኢዩ። እተን “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” ዝብላ ቃላት ኤልሳእ ብተደጋጋሚ ከም መተባብዒ ኰይነን ክዓያ ጸኒሐን ኢየን። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ድማ እሙናት መላእኽቲ ንሰራዊት ድያብሎስ ብቝጽሪ ይዕብልልዎም ስለ ዝዀኑ ኢዩ!—2 ነገስት 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:27-32, 41, 42
የሆዋ ነቲ ብቕንኢ ዝግበር ስብከት ይባርኾ ኢዩ
6, 7. (ሀ) ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣብ መጀመርታ እንታይ ጻዕርታት ኢዩ ተገይሩ፧ (ለ) ካብ 1943 ጀሚሩ እንታይ ጠቓሚ ለውጢ ኢዩ ተገይሩ፧
6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ነቲ ዓቢ ዕዮ ምስክርነት መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ምእንቲ ከቃልሕዎን ከቀላጥፍዎን ብዙሕ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት ተጠቒሞም ኢዮም። ብ1914 ፓስተር ራስል እቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን: ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝዝወተር ዝነበረ ናይ ስላይድን ተንቀሳቓሲ ስእልታትን: ምስኡ ተወሃሂዱ ዝኸይድ ኣብ ፎኖግራፍ እተቐርጸ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ሓሳባት ዘለዎ: “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ” ዝበሃል ሸሞንተ ሰዓታት ዝወስድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርኢት ዘርጊሑ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንዝነብሩ ሰማዕቲ ኣገሪምዎም ኢዩ። ጸኒሑ ድማ ኣብ 1930ታትን 1940ታትን: መሰኻኽር ብጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ: ናይ ማሕበር ካልኣይ ፕረዚደንት: እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት እተቐርጾ ብኢድ ዝተሓዝ ፎኖግራፍ ተጠቒሞም ብዘካየድዎ ናይ ቤተ-ቤት ስብከቶም ፍሉጣት ኰኑ።
7 ብ1943 ብመሪሕነት ናታን ኤች. ኖር: ናይ ማሕበር ሳልሳይ ፕረዚደንት: ኣብ ኵለን ጉባኤታት ንዝርከቡ ኣገልገልቲ ዝኸውን ቤት ትምህርቲ ክቐውም ኣብ እተወሰነሉ ግዜ ተባዕ ስጕምቲ ተወስደ። እቶም መሰኻኽር ኣብ ፎኖግራፍ እተቐርጸ ድምጺ ከይተጠቕሙ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ክሰብኩን ክምህሩን ክለማመዱ ነበሮም። ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ንሚስዮናውያን: ንናይ ምሉእ ግዜ ፓይነር ኣገልገልቲ: ንሽማግለታት ጉባኤ: ከምኡውን ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨናፍር ክዓዩ ሓላፍነት ንዘለዎም ንምልምማድ ካልእ ኣብያተ-ትምህርትታት እውን ጀመረ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧
8. መሰኻኽር ብ1943 ዓባይ እምነት ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ብ1943 ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ኣብ 54 ሃገራት ንጡፋት ዝነበሩ 129,000 መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ማቴዎስ 24:14 መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ከም እትፍጸም እምነትን ቈራጽነትን ነበሮም። ነዚ ብልሽው ኣገባብ እዚ መወዳእታ ዝገብረሉ መስርዕ ፍጻመታት ቅድሚ ምምጽኡ: የሆዋ ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከም ዝእወጅ ክገብር ምዃኑ ኣሚኖም ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 16:16፣ 19:11-16, 19-21፣ 20:1-3) ጻዕርታቶምከ ዓስቢ ረኺቡዶ፧
9. እቲ ዕዮ ስብከት ከም ዝበልጸገ ዘርኢ ጭብጥታት እንታይ ኢዩ፧
9 ሎሚ ነፍሲ ወከፈን ካብ 100,000 ንላዕሊ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ዘለውወን ብውሕዱ 13 ሃገራት ኣለዋ። መብዛሕትአን እዘን ሃገራት እዚኣት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘስፋሕፋሓትለን ኢየን። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኵነታት እሞ ርአ። ብራዚል ልዕሊ 450,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ኣለዉዋ: ልዕሊ 1,200,000 ዝዀኑ ድማ ብ1997 ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣኪቦም ነይሮም። ሜክሲኮ ኸኣ ካልእ ኣብነት ኢያ: ዳርጋ 500,000 ዝዀኑ መሰኻኽርን ልዕሊ 1,600,000 ዝዀኑ ናይ ዝኽሪ በዓል ተኣከብትን ነይሮም። ካልኦት ናይ ካቶሊክ ሃገራት ከኣ ኢጣልያ (ገለ 225,000 መሰኻኽር): ፈረንሳ (125,000 ኣቢሎም): እስጳኛ (ልዕሊ 105,000): ከምኡውን ኣርጀንቲና (ልዕሊ 115,000) ኢየን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ኣብቲ ናይ ፕሮተስታንትን ካቶሊክን ኣይሁድን ሃይማኖታት ብቝጽሪ ዓብሊለናሉ ዝርከባ ሃገር: ገለ 975,000 ዝዀኑ መሰኻኸር ኣለዉ: ልዕሊ 2,000,000 ዝዀኑ ኸኣ ኣብ ዝኽሪ ተኣኪቦም ነበሩ። ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ምስ ኵሉ እቲ ምስጢራዊ ትምህርትታታ ገዲፎምዋ ብምውጻእ ነቲ ቀሊልን ርግጽን ዝዀነ ናይ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” መብጽዓታት ኣምላኽ ይቕበሉ ኣለዉ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 65:17፣ ራእይ 18:4, 5፣ 21:1-4
ምስ ኵነታት ናይቶም ሰባት ምስምማዕ
10. ኣብ ገለ ከባቢታት ኵነታት ተቐይሩ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
10 መብዛሕትኦም እቶም ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሎም ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጹ ሰባት ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ እተረኽቡ ኢዮም። (ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ይኹን እምበር ካልእ ኣገባባት እውን ተዘውቲሩ ኢዩ። ግዜ ተቐይሩ ኢዩ: ቍጠባዊ ኵነታት እውን ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣንስቲ ካብ ቤት ወጻኢ ከም ዝሰርሓ ገይርወን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ሰሙን ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ኣይርከቡን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ኵነታት ተሰማሚዖም ይኸዱ ኣለዉ። ልክዕ ከም የሱስን ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ቦታን ግዜን ኢዮም ዝኸዱ።—ማቴዎስ 5:1, 2፣ 9:35፣ ማርቆስ 6:34፣ 10:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:14፣ 17:16, 17
11. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ኢዮም ዝሰብኩ ዘለዉ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧
11 መሰኻኽር ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ዓበይቲ ናይ ማካይን ደው መበሊ: ኣብ ዓበይቲ ድኳናት: ፋብሪካታት: ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብያተ-ንግድን: ኣብያተ-ትምህርቲ: መደበራት ፖሊስ: መዐደል ነዳዲ: ሆቴላትን ኣብያተ- ብልዕን: ከምኡውን ኣብ ጐደናታት ንሰባት ብምስትውዓል ይሰብኩሎም ኣለዉ። ብሓቂ ክርአ ከሎ ኣብቲ ሰባት ዝርከቡሉ ቦታታት እናኸዱ ኢዮም ዝሰብኩ ዘለዉ። ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዝህልዉሉ ግዜ ኸኣ እቶም መሰኻኽር ብቐጻሊ እናኸዱ ይበጽሕዎም። እዚ ምስ ኵነታት ዝኸይድን ተግባራውን ኣቀራርባ እዚ ወሰኽ ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንኽዕደል ሓጊዙ ኢዩ። ኣባጊዕ መሰል ሰባት ይርከቡ ኣለዉ። ሓደስቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጅመር ኣሎ። እቲ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝዓበየ ትምህርታዊ ዕዮ ብልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ወለንተኛታት ኣገልገልቲ ብቕንኢ ይካየድ ኣሎ! ሓደ ካባታቶም ናይ ምዃን መሰል ረኺብካዶ ኣሎኻ፧—2 ቈረንቶስ 2:14 -17፣ 3:5, 6
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድርኾም እንታይ ኢዩ፧
12. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ፧ (ለ) እዚ ትምህርቲ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ፧
12 እታ ሰማያዊት ማሕበር ኣብ ኵሉ እዚ ዕዮታት እዚ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧ ኢሳይያስ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 54:13) የሆዋ ነዞም ሓድነት ዘለዎም ዓለምለኻውያን ኣሕዋት በታ ኣብ ምድሪ ዘላ እትርአ ማሕበር ገይሩ ኣብ ኣደራሻት መንግስትን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣብ ኣሰምብሊታትን ይምህሮም ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሓድነትን ሰላምን ይርከብ ኣሎ። ትምህርትታት የሆዋ ኣብዛ እተጐጃጀለትን እተኸፋፈለትን ዓለም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይሃልዉ ብዘየገድስ ኣብ ንሓድሕዶምን ንጐረባብቶምን ከም ነፍሶም ገይሮም ከፍቅሩን ንጐረባብቶም ከይጸልኡን እተማህሩ ፍሉያት ህዝቢ ኣፍርዩ ኣሎ።—ማቴዎስ 22:36-40
13. ኣብቲ ዕዮ ስብከት ናይ መላእኽቲ መሪሕነት ከም ዘሎ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧
13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይምግዳስን መስጐጕትን እናኣጋጠሞም ክነሱ ስብከቶም ንኽቕጽሉ እትድርኾም ፍቕሪ ኢያ። (1 ቈረንቶስ 13:1-8) ከምቲ ራእይ 14:6 እትገልጾ እቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮኦም ካብ ሰማይ ይምራሕ ከም ዘሎ ይፈልጡ ኢዮም። እቲ ብመሪሕነት መላእኽቲ ዝእወጅ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ።” እቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ንስም የሆዋ ክብ ዘብል ኢዩ። ሰባት: ንፍጥረታትን ነቲ ዕዉር ፍልቀትን ዘይኰነስ ነቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ ክብሪ ክህብዎ ይዕደሙ ኣለዉ። እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ እቲ ናይ ፍርዲ ሰዓት ማለት እቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎንን ኣብ ልዕሊ ኵሉ ካልእ መዳያት ናይቲ ዝርአ ኣገባብ ሰይጣንን ዝወርድ ፍርዲ በጺሑ ኢዩ።—ራእይ 14:7፣ 18:8-10
14. ኣብዚ ዓቢ ናይ ትምህርቲ ወፈራ ተጸሚዶም ዘለዉ መነ መን ኢዮም፧
14 ዝዀነ ይኹን ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ካብዚ ናይ ስብከት ዕዮ እዚ ናጻ ኣይኰነን። መንፈሳውያን ሽማግለታት ምስታ ጉባኤ ኰይኖም ብምስባኽ ኣርኣያ ይዀኑ ኢዮም። እተለማመዱ ፓይነራት ኣብቲ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ እተጸምዱ ኢዮም። እቶም ኣብ ወርሒ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ይኹን ዝያዳ ክሰብኩ ክእለት ዘለዎም: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምብጻሕ ቀናኣት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ: ነቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ምድሪ የብጽሕዎ ኣለዉ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ እብራውያን 13:7, 17
15. እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ስብከት ጽልዋ ከም ዘሕደረ ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
15 ኵሉ እዚ ጻዕሪ እዚ ኣብ ዓለም ጽልዋ ኣሕዲሩ ድዩ፧ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ዘርእየና ሓደ ቀሊል መረጋገጺ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ቲቪ ፕሮግራማትን ኣብ ናይ ዜና ዓምድታትን ብተደጋጋሚ ምቕራቦም ኢዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምብጻሕ እነርእዮ ዘይምሕላልን ቈራጽነትን ዘጕልሕ ኢዩ። እወ: መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ መልእኽትን ነቶም ልኡኻትን ዝነጽግዎም እኳ እንተዀኑ: ቅንእናን እቲ ቀጻሊ ህላወናን ዓሚቝ ጦብላሕታ ኢዩ ዘሕድር!
ነቲ ምስክርነት ንምፍጻም ዘሎና ቅንኢ
16. ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ውሱን ግዜ ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ኢዩ ክንጸባረቕ ዘለዎ፧
16 እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ድራኸ ጽሩይ እንተድኣ ኰይኑ ነዚ ኣገባብ እዚ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ተሪፍዎ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና: ክንፈልጥ እውን ኣየድልየናን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:36፣ 1 ቈረንቶስ 13:1-3) ይኹን እምበር እቲ ናይ የሆዋ ፍቕርን ሓይልን ፍትሕን ምእንቲ ክግለጽ እቲ ብስራት “ቅድም” ክስበኽ ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። (ማርቆስ 13:10) ስለዚ እምበኣር: መወዳእታ ናይዛ እክይትን ዘይፍትሓዊትን ዓመጸኛን ዓለም ንምርኣይ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ብሃንቀውታ ከም እተጸበና ብዘየገድስ ምስ ኵነታትና ተሰማሚዕና ብቕንኢ ተላዒልና ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ክንነብር ኣሎና። ብዕድመ ዝደፋእና ወይ ከኣ ጥዕና ዘይብልና ክንከውን ንኽእል ኢና: ይኹን እምበር ሕጂውን እንተዀነ ንየሆዋ መንእሰያት ከሎና ወይ ምስ ጥዕናና ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ብእነርእዮ ዝነበርና ቅንኢ ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። ምናልባት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እንገብሮ ዝነበርና ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ ከነሕልፍ ኣይንኽእልን ንኸውን: እንተዀነ ግን ንየሆዋ ብሉጽ መስዋእቲ ምስጋና ብርግጽ ከነቕርበሉ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 13:15
17. ንዅልና ክሕግዝ ዝኽእል ዘተባብዕ ተመክሮ ግለጽ።
17 ስለዚ እምበኣር ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ቅንኢ ነርኢ: ነቲ ናይ ሓዳስ ዓለም ኣወንታዊ መልእኽትና ኸኣ ንዅሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ነካፍሎም። ነታ ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ኣዲኣ ናብቲ ዓቢ ድኳን ዝኸደት ጓል ሸውዓተ ዓመት ሓፋር ቈልዓ ንምሰላ። ኵሎም ክሰብኩ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ሰምዐት: ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሮሹራት ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወት። ኣዲኣ ኣብቲ ባንኮ ክትዓዳድግ ከላ: እታ ንእሽቶ ጓል ተሰወረት። እታ ኣደ ክትደልያ ከላ: ኣብኡ ንሓንቲ ሰበይቲ ብሮሹር ትዕድል ነበረት! እታ ኣደ: ጓላ ነታ ሰበይቲ ገለ ረቢሻታ እንተዀይና ይቕረታ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ግን ነታ ብሮሹር ብሓጐስ ተቐበለታ። እታ ኣደን ጓላን በይነን ምስ ኰና: ንዘይትፈልጣ ሰብ ንምዝራብ ብኸመይ ትብዓት ከም ዝረኸበት ሓተተታ። እታ ጓላ “ሓደ: ክልተ: ሰለስተ! ምስ በልኩ ከይደ!” ኢላ መለሰት።
18. ዝነኣድ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 ኵላትና: ብፍላይ ንዘይንፈልጦም ሰባት ወይ ንሰበ-ስልጣን እውን ከይተረፈ ብስራት ሒዝና ምእንቲ ክንቀርቦም: ከምቲ ናይታ ኣውስትራልያዊት ጓል መንፈስ ክህልወና የድሊ። ከይነጽጉና ዝብል ፍርሂ ይህልወና ይኸውን። ነቲ የሱስ ዝበሎ ግን ኣይንረስዓዮ:- “በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ: መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ: ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ።”—ሉቃስ 12:11, 12
19. ንኣገልግሎትካ ብኸመይ ኢኻ እትምልከቶ፧
19 ስለዚ ንሰባት ብሕያውነታዊ መገዲ ብስራት ሒዝካ ክትቀርቦም ከሎኻ ኣብ ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል። ሚልዮናት ሰባት ትውክልቶም ኣብቶም ሎሚ ተራእዮም ጽባሕ ዝጠፍኡ ዘይጠቕሙ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም ዘንብሩ። ንሕና ግን ኣብቶም ህልውንኦም ዘለኣለማዊ ዝዀነ የሆዋን እታ ብክርስቶስ የሱስን ቅዱሳት መላእኽትን በቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናትን ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበሩን ኢና እንውከል! ስለዚ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ” ምዃኖም ዘክር!—2 ነገስት 6:16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተወሳኺ ኣብነታት ንምርካብ ኣብታ ናይ 1994 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 217-20 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ኣብ ድሕነት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧
◻ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ከመይ ዝበሉ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ባእታታት ኢዮም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጥቅዕዎም፧
◻ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ንኣገልግሎቶም ምስ ኵነታት ናይቲ ግዜ ዘሰማምዕዎ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ንኽትሰብኽ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሄንሪካ ዡር
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
ጃፓን
ማርተኒክ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ኬንያ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ቦታን ግዜን እናኸዱ ይሰብኩ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስፍሕፋሕ “ፎኖግራፍ ” ይዝውተር ነበረ፧