የሆዋ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ይገልጽ
“እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ።”—ራእ. 1:1።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ኣየናይ ክፍሊ እቲ ዓብዪ ምስሊ እዩ ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ዜመልክት፧
ዮሃንስ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ርክብ ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧
ዳንኤልን ዮሃንስን ንጥፍኣት ግዝኣት ደቅሰብ ብኸመይ ገሊጾምዎ ኣለዉ፧
1, 2. (ሀ) ትንቢታት ዳንኤልን ዮሃንስን እንታይ ክንገብር እዩ ዚሕግዘና፧ (ለ) እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንመን እየን ዜመልክታ፧
እቲ ትንቢታት ዳንኤልን ዮሃንስን እተመሳሰለሉ መገዲ፡ ነቲ ሕጂ ዚርአ ዘሎን ኣብ ዚመጽእ ዚርአን ፍጻመታት ዓለም ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ካብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣራዊት፡ ካብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ዓሰርተ ዘቕርንቱ ዜፍርህ ኣራዊት፡ ከምኡውን ካብቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምስሊ ዝሃቦ ትርጕም እንታይ ኢና እንመሃር፧ ነዚ ትንቢታት እዚ ብንጹር ምርዳእናኸ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኺድርኸና ዚግባእ፧
2 ነቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣራዊት እስከ ንመርምሮ። (ራእ. ምዕ. 13) ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ርእሲ እቲ ኣራዊት፡ ንግብጺ፡ ንኣሶር፡ ንባቢሎን፡ ንሜዶንን ፋርስን፡ ንግሪኽ፡ ከምኡውን ንሮሜ እየን ዜመልክታ። ኵለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ዘለወን ጽልኢ ኣርእየን እየን። (ዘፍ. 3:15) ዮሃንስ ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እታ ነቲ ሻድሻይ ርእሲ እተመልክት ሮሜ፡ ንዘመናት ዚኣክል ፖለቲካዊት ሓይሊ ዓለም ኰይና ቐጺላ እያ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ንሮሜ ተኪኡ ስልጣን ሓዘ። እታ ነዚ ቦታ እዚ ዝሓዘት ፖሊቲካዊት ሓይሊ ዓለም መን እያ፧ ንዘርኢ እታ ሰበይቲኸ ብኸመይ እያ እትሕዞ፧
ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ስልጣን ሓዛ
3. እቲ ዓሰርተ ዝቐርኑ ዜፍርህ ኣራዊት ንመን የመልክት፧ እቲ ዓሰርተ ቐርኒኸ ንመን የመልክት፧
3 ነቲ ዮሃንስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ዝርኣዮ ኣራዊት ምስቲ ዳንኤል ዝርኣዮ ዓሰርተ ቐርኒ ዘለዎ ዜፍርህ ኣራዊት ምስ እነነጻጽሮ፡ ነታ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ክንፈልጣ ንኽእል ኢና።a (ዳንኤል 7:7, 8, 23, 24 ኣንብብ።) እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ኣራዊት ነታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሮሜ የመልክት። (ኣብ ገጽ 12-13 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።) ኣብ መበል ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኺጐጃጀል ጀመረ። እቲ ኣብቲ ዜፍርህ ኣራዊት ዝበቘለ ዓሰርተ ቐርኒ፡ ነተን ካብታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሮሜ ዝወጻ መንግስትታት የመልክት።
4, 5. (ሀ) እቲ ንእሽቶ ቐርኒ እንታይ ገበረ፧ (ለ) እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንመን እዩ ዜመልክት፧
4 እቶም ኣብ ርእሲ እቲ ዜፍርህ ኣራዊት ዝበቘሉ ንኣርባዕተ መንግስትታት ዜመልክቱ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፡ ብፍሉይ መገዲ ተጠቒሶም ኣለዉ። ካልእ “ንእሽቶ” ቐርኒ ወጺኡ ኸኣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ንሰለሰተ መንቈሰ። እዚ ድማ፡ እታ ንእሽቶ ኽፋል ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ብሪጣንያ፡ ዓብያ ምርእይቲ ኽትከውን ምስ ጀመረት እዩ ተፈጺሙ። ብሪጣንያ ኽሳዕ መበል 17 ዘመን ብዙሕ ሓይሊ ኣይነበራን። እተን ክፍሊ እታ ጥንታዊት ግዝኣት ሮሜ ዝነበራ ኻልኦት ሰለስተ መንግስትታት፡ ማለት ስጳኛን ኔዘርንላንድስን ፈረንሳን ካብ ብሪጣንያ ንላዕሊ ሓይሊ ነበረን። ብሪጣንያ ነዘን ሓይልታት እዚኣተን በብሓደ ምስ መንቈሰተን ዝያዳ ሓይሊ ረኸበት። ኣብ መፋርቕ መበል 18 ዘመን ድማ ኣብ ዓለም እታ ዝሓየለት መንግስቲ ንኽትከውን ትግስግስ ነበረት። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ኣይትውክልን እያ ነይራ።
5 ብሪጣንያ ብሓይላ ጸብለል እኳ እንተ በለት፡ እተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ኻብኣ ዓልየን፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀና። ብሪጣንያ ንሓይሊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ክንዲ እትዓግቶ፡ ብሓይሊ ባሕራ ገይራ ኣዕቘበቶ። ኣብቲ ብ1914 ዝጀመረ መዓልቲ ጐይታ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሃጸያዊ ግዝኣት መስረተት፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ድማ ኣብ ዓለም እታ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለት ሃገር ኰነት።b ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ብሪጣንያ ፍሉይ ሽርክነት መስረተት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ዀይኑ ተቐልቀለ። እዚ ርእሲ እዚ፡ ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ብኸመይ ሓዞ፧
6. እቲ ሻውዓይ ርእሲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ሓዞም፧
6 መዓልቲ ጐይታ ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ መጥቃዕቲ ፈነወ። (ማቴ. 25:40) የሱስ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ግዜ ህላወኡ ኽፍሊ እቲ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ብንጥፈት ከም ዚዓዪ ገሊጹ ነበረ። (ማቴ. 24:45-47፣ ገላ. 3:26-29) ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ምስቶም ቅዱሳት ተዋግአት። (ራእ. 13:3, 7) እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንህዝቢ ኣምላኽ ጨቈነቶም፡ ንገለ ኻብ ጽሑፋቶም ኣገደት፡ ንተወከልቲ እቲ እሙን ጕጅለ ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐነቶም። እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንዕዮ እቲ ስብከት ንእተወሰነ ግዜ ኣደስኪልዎ ነበረ። የሆዋ ነዚ ፍጻመ እዚ ኣቐዲሙ ስለ ዝርኣዮ ንዮሃንስ ገለጸሉ፣ ካልኣይ ክፍሊ እቲ ዘርኢ እንደገና ተንሲኡ መንፈሳዊ ንጥፈታቱ ኸም ዚቕጽል እውን ነገሮ። (ራእ. 11:3, 7-11) እዚ ነገራት እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተፈጺሙ እዩ።
ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካን እቲ ብሓጺንን መሬትን ዝቘመ ኣእጋርን
7. ኣብ መንጎ እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊትን ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ምስልን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧
7 ኣብ መንጎ እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊትን ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ምስልን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧ ብሪጣንያ ብቐጥታ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸኣ ብተዘዋዋሪ፡ ካብ ግዝኣት ሮሜ እየን ወጺአን። ብዛዕባ እግሪ እቲ ኣራዊትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ እግሪ እቲ ኣራዊት፡ ሕውስዋስ ሓጺንን መሬትን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 2:41-43 ኣንብብ።) እታ ነቲ ሻውዓይ ርእሲ እተመልክት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ኣብ ህላወ ዝመጸትሉ ግዜ፡ ምስዚ መግለጺ እዚ ዚሰማማዕ እዩ። ምስ መሬት እተሓዋወሰ ሓጺን ካብ ጽሩይ ሓጺን ዝደኸመ እዩ፣ ብተመሳሳሊ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ እውን ካብቲ ዝወጸትሉ ሓይሊ ዝደኸመት እያ። ብኸመይ፧
8, 9. (ሀ) እታ ሻውዐይቲ ሓይሊ ዓለም ከም ሓጺን ዝበለ ብርታዐ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ (ለ) እቲ ኣብ እግሪ እቲ ምስሊ ዘሎ መሬት እንታይ የመልክት፧
8 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ምስ ሓጺን ዚመሳሰል ተሪር ባህርያት ኬርኢ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብምዕዋቱ፡ ሓያል ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን እቲ ምስ ሓጺን ዚመሳሰል ሓይሊ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ተራእዩ እዩ።c ድሕቲ እቲ ውግእ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ሓድሓደ ግዜ ምስ ሓጺን ዚመሳሰል ተሪር ባህርያት ኣርእዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓጺን፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ፡ ምስ መሬት ተሓዋዊሱ እዩ።
9 ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንምሳልያዊ ትርጕም እግሪ እቲ ኣራዊት ንኺርድእዎ ኻብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ኪጽዕሩ ጸኒሖም እዮም። ዳንኤል 2:41 ነቲ ብመሬትን ሓጺንን እተሓዋወሰ እግሪ፡ ከም ሓደ “መንግስቲ” ደኣ እምበር ከም ሓያሎ መንግስትታት ገይራ ኣይጠቐሰቶን። ስለዚ፡ እቲ መሬት ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ዘሎ ባእታታት የመልክት፣ እቲ ባእታታት እቲ ኸኣ ነታ ሓይሊ ዓለም ካብቲ ጽሩይ ሓጺን ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝደኸመት ይገብራ። እቲ መሬት፡ “ዘርኢ ሰብ፡” ወይ ተራ ህዝቢ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። (ዳን. 2:43) ኣብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ፡ ሰባት ብወፈራታት ሲቪላዊ መሰላትን ብማሕበራት ሸቃሎን ብምንቅስቓሳት ናጽነትን መሰሎም ንኺሕለወሎም ኪትንስኡ ጸኒሖም እዮም። እቶም ተራ ህዝቢ ነታ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ኣንግሎ ኣመሪካ ኸም ሓጺን ዝበለ ብርታዐ ንኸይተርኢ ዕንቅፋት ኰይኖምዋ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሰባት እተፈላለየ ፖለቲካዊ ሓሳባት ስለ ዘለዎም፡ ሓደ መራሒ ኣብ ምርጫ ብሒደት ድምጺ ምስ ዚስዕር፡ ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓታት ንኺፍጽም ዜኽእሎ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ። ዳንኤል፡ “እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ” ብምባል ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ዳን. 2:42፣ 2 ጢሞ. 3:1-3።
10, 11. (ሀ) እቲ “ኣእጋር” መወዳእታኡ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣጻብዕ ኣእጋር እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧
10 ኣብዚ መበል 21 ዘመን እውን፡ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ጕዳያት ዓለም ሓቢረን ብምዕያይ ነቲ ፍሉይ ሽርክነተን ቀጺለናኦ እየን። እቲ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምስልን እቲ ኣራዊትን ዚገልጽ ትንቢታት፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ብኻልእ ሓይሊ ዓለም ከም እትትካእ ኣይሕብርን እዩ። እዛ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም እዚኣ፡ ካብታ ብመሓውር ሓጺን ዝቘመት ሓይሊ ዓለም ዝደኸመት እኳ እንተ ዀነት፡ ባዕላ ኣይትፈርስን እያ።
11 ቍጽሪ ኣጻብዕ ኣእጋር እቲ ምስሊ ፍሉይ ትርጕም ኣለዎዶ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ዳንኤል ኣብ ካልእ ራእያት ፍሉይ ቍጽሪ ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ እቲ ኣብ ኣራእስ እተፈለለዩ ኣራዊት ዚወጽእ ኣቕርንቲ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ቝጽርታት እዚ፡ ትርጕም ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ምስሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቍጽሪ ኣጻብዕ ኣእጋር ኣይጠቐሰን። ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ቝጽሪ ቀላጽም፡ ቍጽሪ ኣእዳው፡ ቍጽሪ ኣጻብዕ፡ ቍጽሪ መሓውር፡ ኰነ ቝጽሪ ኣእጋር እቲ ኣራዊት ትርጕም ዘይብሉ፡ ቍጽሪ ኣጻብዕ ኣእጋሩ እውን ትርጕም የብሉን። ዳንኤል፡ እቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ብሓጺንን መሬትን ከም ዚቐውም ኣነጺሩ ጠቒሱ ኣሎ። ካብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ንመንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት “እምኒ” ንእግሪ እቲ ምስሊ ኽትወቕዖ ኸላ ኣብ ስልጣን እትጸንሕ ሓይሊ ዓለም፡ ኣንግሎ ኣመሪካ ከም ዝዀነት ክንድምድም ንኽእል ኢና።—ዳን. 2:45።
ኣንግሎ ኣመሪካን እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊትን
12, 13. እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ንመን እዩ ዜመልክት፧ እንታይከ እዩ ዚገብር፧
12 ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ ሕውስዋስ መሬትን ሓጺንን እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ የሱስ ንዮሃንስ ዘርኣዮ ራእያት ከም ዚሕብሮ፡ እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ ኣብ ዳሕሮት መዓልታት ኣገዳሲ ተራ ትጻወት እያ። ብኸመይ፧ ዮሃንስ ከም ገበል ዚዛረብ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ረኣየ። እዚ ዜፍርህ ኣራዊት እዚ ንመን እዩ ዜመልክት፧ ክልተ ዝቐርኑ ብምዃኑ ድርብ ሓይሊ እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ እቲ ኣራዊት ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ራእይ እዚ፡ እታ ሓይሊ ዓለም እቲኣ ፍሉይ ነገር ከም እትገብር ተሓቢሩ ኣሎ።—ራእይ 13:11-15 ኣንብብ።
13 እዚ ኣራዊት እዚ፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት ከም ዚቐውም ይገብር። ዮሃንስ፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት ከም ዚርአ፡ ከም ዚስወር፡ እንደገና ኸኣ ከም ዚትንስእ ገሊጹ ኣሎ። ነቲ ንመንግስትታት ዓለም ኣብ ሓደ ኼሕብርን ኪውክልን ተባሂሉ ብብሪጣንያን ብሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝቘመ ውድብ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ።d እዚ ውድብ እዚ፡ ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ተራእየ፣ እተኣሳሰራ መንግስታት ተባሂሉ ኸኣ ይፍለጥ ነበረ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተጀመረ ኸኣ ተሰወረ። ኣብ እዋን እቲ ውግእ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብመሰረት ትንቢት ራእይ ዮሃንስ፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት እንደገና ኸም ዚትንስእ ኣዊጆም እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዚብል ስም ከኣ ተንሲኡ እዩ።—ራእ. 17:8።
14. ምስሊ እቲ ኣራዊት ‘ሻምናይ ንጉስ’ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧
14 ዮሃንስ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ከም ‘ሻምናይ ንጉስ’ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ቐንዲ ኣራዊት ከም ሻምናይ ርእሲ ዀይኑ ኸም ዝወጸ ኣይተገልጸን። ንሱ፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት ጥራይ እዩ ነይሩ። ኵሉ ሓይሉ፡ ካብ ኣባላቱ፡ ብፍላይ ከኣ ካብታ ቐንዲ ደጋፊቱ ዝዀነት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ ኣመሪካ እዩ ረኺብዎ። (ራእ. 17:10, 11) ኰይኑ ግና፡ በቲ እተቐበሎ ስልጣን ኣብ ምሉእ ዓለም ጽልዋ ኺገብር ስለ ዚኽእል፡ ‘ንጉስ’ ተባሂሉ ኣሎ።
ምስሊ እቲ ኣራዊት ነታ ኣመንዝራ ይውሕጣ
15, 16. እታ ኣመንዝራ ንመን እያ እተመልክት፧ እንታይከ የጋጥማ ኣሎ፧
15 ዮሃንስ፡ ሓንቲ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ኣብ ቀይሕ ኣራዊት ከም እተወጥሐት እሞ ነቲ ኣራዊት ከም እትቈጻጸሮ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት እቲ፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት እዩ። እታ ኣመንዝራ፡ “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ ኣላ። (ራእ. 17:1-6) እዛ ኣመንዝራ እዚኣ፡ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብቐዳምነት ከኣ ንኣባላት ህዝበ ክርስትያን እያ እተመልክት። ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምስሊ እቲ ኣራዊት ይባርኻኦ እየን፣ ጽልዋ ንኺገብራሉ ድማ ይጽዕራ እየን።
16 ይኹን እምበር፡ ብመዓልቲ ጐይታ ዓባይ ባቢሎን ማያታ ሃንደበት ኪነጽፍ ከሎ፡ ማለት እቶም ዚድግፍዋ ህዝቢ ኺሓድግዋ ኸለዉ ርእያ እያ። (ራእ. 16:12፣ 17:15) ንኣብነት፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት ፈለማ ኣብ እተራእየሉ እዋን፡ እተን ቀንዲ ጽልዋ ዘለወን ክፍሊ ዓባይ ባቢሎን ዝዀና ኣባላት ህዝበ ክርስትያን፡ ንሃገራት ምዕራብ፡ ማለት ንገሊኡ ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዓብሊለናኦ ነይረን እየን። ሎሚ ግና ሓያሎ ሰባት ንኣብያተ ክርስትያናትን ንኣቕሽሽተንን ኣኽብሮት ኰነ ደገፍ ኣይህቡን እዮም ዘለዉ። አረ፡ መብዛሕትኦምሲ፡ እዚ ዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ብሰንኪ ሃይማኖት ከም ዝመጸ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከቡ ሓያሎ ጕጅለታት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዚግበር ሃይማኖታዊ ጽልዋ ኼቋርጽ ይምሕጸኑ እዮም።
17. ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እዩ ኬጋጥማ፧ ስለምንታይከ፧
17 ይኹን እምበር፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት በብቝሩብ ኣይኰነትን እትጠፍእ። ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ሓሳቡ ኽሳዕ ዜእቱ፡ እታ ኣመንዝራ ነቶም ነገስታት ከም ድላያ ገይራ ንኽትጠዋውዮም ብምፍታን ኣብ ልዕሊኦም ጽልዋ ምግባራ ኽትቅጽል እያ። (ራእይ 17:16, 17 ኣንብብ።) ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ የሆዋ ነቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እተወከሉ ፖለቲካዊ ባእታታት እዚ ስርዓት ሰይጣን እዚ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዜጥቅዕዋ ኺገብሮም እዩ። ሽዑ፡ ጽልዋ እታ ኣመንዝራ ኺጠፍእ፡ ኵሉ ሃብታ እውን ኪበርስ እዩ። ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኪፍጸም ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሎሚ እታ ኣመንዝራ ኣብ ሕቖ እቲ ቐይሕ ኣራዊት ትንውነው እያ ዘላ። ይኹን እምበር፡ ሸተት እናበለት ዘይኰነትስ ብሃንደበት ሮማዕ ኢላ እያ እትወድቕ።—ራእ. 18:7, 8, 15-19።
እቶም ኣራዊት ይጠፍኡ
18. (ሀ) እቲ ኣራዊት እንታይ እዩ ኺገብር፧ ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ዳንኤል 2:44 መንግስቲ ኣምላኽ ነየኖት መንግስትታት ከም እተጥፍአን እያ እትገልጽ፧ (ኣብ ገጽ 17 ዘላ ሳጹን ርአ።)
18 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአት፡ እቲ ኣራዊት፡ ማለት እቲ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ፖለቲካዊ መዋቕር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ንኼጥቅዖም ኪለዓዓል እዩ። ነገስታት ምድሪ ነታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ ኬጥቅዕዋ ስለ ዘይክእሉ፡ ቍጥዓኦም ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደገፍታ ኼፍስሱ እዮም። ሽዑ፡ ኣምላኽ ኪዋግኦም እዩ። (ራእ. 16:13-16፣ 17:12-14) ዳንኤል ሓደ መዳይ እቲ ናይ መወዳእታ ውግእ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።) ሽዑ፡ እቲ ኣብ ራእይ 13:1 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት፡ እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት፡ ኰታስ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም።
19. እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧ ሕጂኸ እንታይ እንገብረሉ ግዜ እዩ፧
19 ኣብቲ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ዚነብረሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። እዚ ርእሲ እዚ ቕድሚ ምጥፋኡ፡ ዚርአ ኻልእ ርእሲ የለን። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጠፍእ ከላ ኣብ ስልጣን እትጸንሕ ሓይሊ ዓለም፡ ኣንግሎ ኣመሪካ እያ። ትንቢታት ዳንኤልን ዮሃንስን ብዝርዝር ኪፍጸም ጸኒሑ እዩ። ስለዚ፡ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ውግእ ኣርማጌዶንን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸም ዚፍጸም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ነዚ ዝርዝር ንጥብታት እዚ ኣቐዲሙ ገሊጹልና እዩ። እሞኸ፡ ነዚ ትንቢታዊ መጠንቀቕታታት እዚ ነቕልበሉዶ ኣሎና፧ (2 ጴጥ. 1:19) ኣብ ጐድኒ የሆዋ እንዀነሉን ንመንግስቱ እንድግፈሉን ግዜ ሕጂ እዩ።—ራእ. 14:6, 7።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጽሪ ዓሰርተ መብዛሕትኡ ግዜ ንምሉእ ነገር የመልክት። ኣብዚ ምሳሌ እዚ ኸኣ፡ ንዅለን እተን ካብ ግዝኣት ሮሜ ዝወጻ መንግስትታት የመልክት።
b እተን ነዛ ድርብ ሓይሊ ዓለም ዘቘማ ኽልተ ሃገራት ካብ መበል 18 ዘመን ኣትሒዘን እኳ እንተ ነበራ፡ ዮሃንስ ነታ ሓይሊ ዓለም እቲኣ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ ኸም እትርአ እዩ ገሊጹ። አረ፡ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ዘሎ ራእያትሲ ኣብ መዓልቲ ጐይታ እዩ ዚፍጸም። (ራእ. 1:10) እቲ ሻውዓይ ርእሲ ቕድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ከም ጥሙር ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ኺዓዪ ኣይጀመረን ነይሩ።
c ዳንኤል፡ እቲ ንጉስ እቲ፡ ኣብቲ ውግእ ዜስካሕክሕ ዕንወት ከም ዜውርድ ገሊጹ ኣሎ። (ዳን. 8:24) ንኣብነት፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እታ ድርብ ሓይሊ ዓለም፡ ክልተ ኣቶማዊ ቦምብ ምስ ደርበየት እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣውሪዳ እያ።
d ኣብታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 240, 241, 253 ርአ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]
“ኵለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን” ኣየኖት እየን፧
መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን” ምዃና፡ ኣብ ትንቢት ዳንኤል 2:44 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ትንቢት እቲ፡ ነተን ብእተፈላለየ ኽፋላት እቲ ምስሊ እተመሰላ መንግስትታት ጥራይ እዩ ዜመልክት።
እተን ኣብዚ ዘይተጠቕሳ መንግስትታት ደቂ ሰብከ እንታይ እየን ኪዀና፧ እቲ ምስ ትንቢት ዳንኤል ዚመሳሰል ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ትንቢት፡ ዝያዳ መብርሂ ይህበና እዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ምስ የሆዋ ንኺዋግኡ ኢሎም ከም ዚእከቡ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 16:14፣ 19:19-21) ስለዚ፡ እቶም ኣብቲ ምስሊ ተጠቒሶም ዘለዉ መንግስታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵለን ካልኦት መንግስትታት ደቂሰብ እውን ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍኣ እየን።