-
ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ይዛረበንግምቢ ዘብዐኛ—2003 | 15 ግንቦት
-
-
7, 8. ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን እንታይ ከቢድ ጕድለታት እዩ ነይሩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንፈትሖ ንኽእል፧
7 ይኹን እምበር: ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከቢድ ጕድለት ነይርዎም። የሱስ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” በለ። ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ቀዳመይቲ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ከብልዋ የድልዮም ነበረ። (ማርቆስ 12:28-30፣ ኤፌሶን 2:4፣ 5:1, 2) ንሕናውን ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና ኸይንሓድጋ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (3 ዮሃንስ 3) ሃብቲ ወይ ተድላ ምድላይ ኣብ ህይወትና ዓብላሊ ምስ ዝኸውንከ፧ (1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:9, 10) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና: እዚ ዝንባለና እዚ ብሓያል ፍቕሪ የሆዋ ከምኡውን በቲ ንሱን ወዱን ንዝገበሩልና ነገር ዘሎና ሞሳ ምእንቲ ኽትካእ: ኣምላኽ ንኽሕግዘና ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 4:10, 16
-
-
ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ይዛረበንግምቢ ዘብዐኛ—2003 | 15 ግንቦት
-
-
11. ንሕና ዀንና ኻልኦት እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኽትዓቢ ብውልቅና ብኸመይ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል፧
11 ሰብ ኤፌሶን እታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም ሓዲጎም እዮም። ኣብዚ ግዜና ኣብ ጉባኤታት ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዘጋጥም እንታይ ምገበርና፧ ብዛዕባቲ ፍቕራዊ መገድታት የሆዋ ብምዝራብ ንሕና ዀንና ኻልኦት ንዕኡ ፍቕሪ ንኸነማዕብል በብውልቅና ንጽዓር። ነታ ኣምላኽ ፍቑር ወዱ በጃ ክኸውን ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8) ምስቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ክንህብ ከለናን ክፍሊ ኸነቕርብ ከለናን ፍቕሪ ኣምላኽ ክንገልጻ ንኽእል ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ስሙ ብምውዳስ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል። (መዝሙር 145:10-13) እወ: ዘረባናን ተግባራትናን ነታ ናይ ጉባኤና ቐዳመይቲ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ከም እትብል ንምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል።
-