እቲ “ዓቢ ጸበባ” ቅድሚ ምምጽኡ ናብቲ ድሕነት ዝርከቦ ቦታ ምህዳም
“የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: . . . ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ”—ሉቃስ 21:20, 21
1. ነቶም ጌና ናይ ዓለም ክፍሊ ዝዀኑ ሰባት ምህዳም ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኵሎም እቶም ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ብህጹጽ ክሃድሙ ከድልዮም ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ካብ ምድሪ ክጽረግ ከሎ ክድሕኑ እንተድኣ ኰይኖም: መትከሎም ብጽኑዕ ብወገን የሆዋ ከም ዝገበሩ: ክፍሊ ናይታ ሰይጣን ዝመራሒኣ ዓለም ድማ ፈጺሞም ከም ዘይኰኑ: ዘእምን መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም።—ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 2:17
2, 3. ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 24:15-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ ብምትሕሓዝ: እንታይ ሕቶታት ኢና ቀጺልና እንመያየጠሎም፧
2 ኣብቲ የሱስ ንመደምደምታ እዚ ኣገባብ እዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዓቢ ትንቢት: ኣገዳስነት ናይዚ ምህዳም እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:4-14 ተመዝጊቡ ዘሎ ብተደጋጋሚ ተመያይጥናሉ ኢና፣ ጌና ግን እቲ ቀጺሉ ዘሎ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ነቲ ካብ ቍጽሪ 15 ክሳዕ 22 ዘሎ ቍጽርታት ከተንብቦ ነተባብዓካ።
3 እቲ ትንቢት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እቲ “ዘጥፍእ ፍንፉን ነገር” እተባህለ መን ኢዩ ነይሩ፧ ኣብ “ቅድስቲ ስፍራ” ምቕማጡ እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ምቕማጡ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
“እቲ ዜንብብ የስተውዕል”
4. (ሀ) ዳንኤል 9:27 ኣይሁድ ነቲ መሲህ ብምንጻጎም እንታይ ክስዕቦም ምዃኑ ኢያ እትነግር፧ (ለ) ነዚ ክጠቅስ ከሎ: የሱስ ብምርግጋጽ “እቲ ዜንብብ የስተውዕል” ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ኣብ ማቴዎስ 24:15 የሱስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እተጻሕፈ ከም ዝጠቐሰ ኣስተውዕል። ኣብ ምዕራፍ 9 ናይታ መጽሓፍ እቲኣ: ብዛዕባ ምምጻእ መሲህን ንየሆዋ ብምንጻጎም ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ክወርድ ዝነበሮ ፍርድን ኣቐዲሙ እተነግረ ትንቢት ንረክብ። እቲ ዳሕረዋይ ክፍሊ ናይ ቍጽሪ 27 ከምዚ ይብል:- “እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት [“ፍንፉን ነገር:” ትሓዓ ] ኪመጽእ እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ናይ ቅድም ናይ ኣይሁዳውያን ልምዲ ነዚ ክፍሊ ናይ ዳንኤል ትንቢት እዚ ነቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብኣንቲኮስ ራብዓይ እተገብረ ምርኻስ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ የሆዋ ከም ዝዀነ ይዛረበሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ “እቲ ዜንብብ የስተውዕል” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ሽሕ’ኳ እቲ ብኣንቲኮስ ራብዓይ እተገብረ ምርኻስ ቤተ መቕደስ ብርግጽ ፍንፉን እንተነበረ: የሩሳሌም: እቲ ቤተ መቕደስ: ወይ ኣይሁዳውያን ከም ዝባድሙ ግን ኣይገበረን። ስለዚ ድማ የሱስ ንሰማዕቱ ፍጻመ ናይዚ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተገብረ ዘይኰስ ጌና ኣብ መጻኢ ዝኸውን ምዃኑ ንኽርድኡ ኢዩ ዘጠንቀቖም።
5. (ሀ) ነቲ ናይ ወንጌላት ጸብጻብ ምውድዳር: ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ “ፍንፉን ነገር” ንኸነለልዮ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰስቲዩስ ጋለስ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ሰራዊት ናብ የሩሳሌም ከም ዝዘምቱ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 እቲ ክጥንቀቕሉ ዝነበሮም “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት [“ፍንፉን ነገር:” ትሓዓ ] ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም” ምባሉ ግምት ዝወሃቦ ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሉቃስ 21:20 ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ከምዚ ይንበብ:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት: ነቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ክፍጸም ረኣዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን ሮማውያን ሰበ-ስልጣናትን ዝነበረ ተኸታታሊ ናይ ምግርጫው ፍጻመታት: ንየሩሳሌም ኣንጻር ሮሜ ከም እትዓሉ ገበራ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብ ምሉእ ይሁዳ: ሰማርያ: ገሊላ: ኣብተን ዓሰርተ ከተማታት: ከምኡውን ፍንቄ: ሰሜናዊ ሶርያ: ከምኡውን ደቡባዊ ግብጺ ዓመጽ ተለዓዓለ። ነቲ ኣብቲ ክፋል እቲ ዝነበረ ናይ ሮሜ ሃጸይ ግዝኣት ሰላም ንምምላስ ሰስቲዩስ ጋለስ ካብ ሶርያ ናብታ ኣይሁድ ከም “ቅድስቲ ከተማ” ገይሮም ዝዛረቡላ የሩሳሌም ወተሃደራዊ ሓይልታት ሰደደ።—ነህምያ 11:1፣ ኢሳይያስ 52:1
6. እቲ ዘጥፍእ “ፍንፉን ነገር” ኣብቲ ‘ቅዱስ ስፍራ’ ምቛሙ ሓቂ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ሮማውያን ቅዱስ ገይሮም ዝቘጽርዎ ንኣይሁዳውያን ግን ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስርዓታት: ወይ መትከል ከውጽኡ ንሮማውያን ሰራዊት ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ዘገርም ድማ እታ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል “ፍንፉን ነገር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ብመሰረቱ ንምስልታትን ጣኦትን እትውዕል ኢያ።a (ዘዳግም 29:17) ናይ ኣይሁድ ተቓውሞ እኳ እንተነበረ: ሮማውያን ነቲ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ምልክታቶም ሒዞም ኣብ ሕዳር 66 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ፈንጺጎም ኣተዉ: ብወገን ሰሜን ከኣ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ መናድቕ ከውድቕዎ ጀመሩ። እቲ ንየሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ ከባድም ዝኽእል “ፍንፉን ነገር” ኣብቲ ‘ቅዱስ ስፍራ ቈይሙ’ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ነገር ኣይነበረን! ግን ካብዚ ብኸመይ ኢዩ ክህደም ዝከኣል ነይሩ፧
ምህዳም ህጹጽ ኢዩ ነይሩ!
7. ናይ ሮሜ ሰራዊት እንታይ ትጽቢት ዘይተገብሮ ነገር ኢዮም ዝገበሩ፧
7 የሩሳሌም ብቐሊሉ ክትሰዓር አናኸኣለት ከላ: ብሃንደበትን ብዓይኒ ሰብ ክርአ ከሎ ኸኣ ብዘይ ርዱእ ምኽንያትን: ናይ ሮሜ ሰራዊት ንድሕሪት ተመልሱ። እቶም ተናዒቦም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ነቶም ንድሕሪት እተመልሱ ሮማውያን ወተሃደራት ክሳዕ እታ ካብ የሩሳሌም 50 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኣንቲጳጥሪስ ደድሕሪኦም ስዓብዎም። ደሓር ግን ተመልሱ። ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ተወሳኺ ናይ ውግእ ስትራተጂታት ንምውጻእ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ተኣከቡ። ነቲ ዕርድታት ንምድልዳልን ኣብ ውትህድርና ንምግልጋልን መንእሰያት ተኸትቡ። ክርስትያናትከ ኣብዚ ክሕወሱ ድዮም፧ ዋላውን ኣብዚ እንተ ዘይተሓወሱ: ሮማውያን ሰራዊት ክምለሱ ከለዉ ጌና ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ክጸንሑ ድዮም፧
8. ነቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ ቃላት ብምእዛዝ: ክርስትያናት እንታይ ህጹጽ ስጕምቲ ኢዮም ዝወሰዱ፧
8 ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተዋህበ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ብምቕላብ ቀልጢፎም ስጕምቲ ወሰዱ: ካብቲ ሓደገኛ ዞባ ድማ ሃደሙ። ምህዳም ህጹጽ ኢዩ ነይሩ! ምናልባት ገሊኣቶም ኣብ ኣውራጃ ፔሪ እትርከብ ፔላ ብምቕማጥ ብቕልጡፍ ናብቲ ኣኽራናት ገጾም ሃደሙ። እቶም ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዘቕለብሉ ብዕሽነት ተላዒሎም ስጋዊ ንብረቶም ንምድሓን ኢሎም ንድሕሪት ኣይተመልሱን። (ምስ ሉቃስ 14:33 ኣረኣእዮ።) ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንየሩሳሌም ገዲፍካ ምውጻእ: ጥኑሳት ኣንስትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ብእግሪ ክጓዓዛ ከቢድ ኰይኑ ከም ዝረኸብኦ ርግጽ ኢዩ። ምህዳሞም በቲ ናይ ሰንበት ቀይድታት ኣይተዓናቐጸን: ከምኡውን ክረምቲ ቀሪቡ እኳ እንተ ነበረ ጌና ግን ኣየርከቦምን። እቶም ነቲ የሱስ ቀልጢፎም ክወጹ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዘቕለብሉ ቀልጢፎም ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ብድሓን ወጺኦም ኢዮም። ህይወቶም ኣብዚ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።—ምስ ያእቆብ 3:17 ኣረኣእዮ።
9. ናይ ሮሜ ሓይልታት ክንደይ ጸኒሖም ኢዮም ተመሊሶም: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧
9 ኣብታ ደድሕሪኣ ዝነበረት ዓመት: ብ67 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ኣንጻር ኣይሁድ ናይ ውግእ ስርሒታቶም ኣሐደሱ። መጀመርያ ገሊላ ተታሕዘት። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ይሁዳ ዓነወት። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ሓይልታት ንየሩሳሌም ከበብዋ። (ሉቃስ 19:43) ጥሜት ኣዝዩ በርትዐ። እቶም ኣብታ ከተማ ከለዉ እተዓጸዉ ንሓድሕዶም ተባልዑ። ዝዀነ ይኹን ክሃድም ዝፈተነ ተሓርደ። እቲ እተመከርዎ ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ዓቢ ጸበባ” ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 24:21 ትሓዓ
10. ብምስትውዓል እንተድኣ ኣንቢብና: እንታይ ካልእ ነገር ኢና ከነስተብህል ዘሎና፧
10 ነቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ምሉእ ብምሉእ ዝፍጽም ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ዝያዳ ካልእ ክመጽእ ነበሮ። ከምቲ የሱስ ዝመዓደና ንቕዱሳት ጽሑፋት ብምስትውዓል እንተድኣ ኣንቢብናዮ: ነቲ ጌና ክመጽእ ዘለዎ ነገራት ካብ ምቕላብ ኣይክንሰንፍን ኢና። ኣብ ህይወትና ብኸመይ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣርዚንና ክንሓስበሉ ኢና።
ዘመናዊ “ፍንፉን ነገር”
11. ኣበየኖት ካልኦት ክልተ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዳንኤል ነቲ “ፍንፉን ነገር” ዝጠቕሶ: ኣየናይ ግዜኸ ኢዩ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ፧
11 ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዳንኤል 9:27 ዝረኣናዮ ኣብ ዳንኤል 11:31 ከምኡውን 12:11 እውን “ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር” ተጠቒሱ ምህላዉ ኣስተውዕል። ኣብዘን ዳሕሮት ኣጋጣሚታት ኣብ ክልቲኣተን ብዛዕባ ምዕናው የሩሳሌም ኣይተጠቕሰን። አረ እቲ ኣብ ዳንኤል 12:11 ተባሂሉ ዘሎስ ብዛዕባ “ዘመን መወዳእታ” ምስ ተዛረበ ድሕሪ ክልተ ቍጽሪ ኢዩ ተዛሪቡሉ ዘሎ። (ዳንኤል 12:9) ካብ 1914 ጀሚርና ኣብ ዘመን መወዳእታ ኢና እንነብር ዘሎና።ግልጺ ንኽትከውን ኢለ ኢየ የእትየያ ዘሎኹ ስለዚ እዚ ዘመናዊ “ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር” ተባሂሉ ዘሎ መን ምዃኑ ንምልላይን ካብቲ ሓደገኛ ዞቦ ምውጻእና ርግጸኛታት ንምዃንን ንቑሓት ክንከውን ኣሎና።
12, 13. እተኣሳሰራ መንግስታት ከም ዘመናዊ “ፍንፉን ነገር” ክትጥቀስ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
12 እዚ ዘመናዊ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ፧ እቲ መርትዖታት ናብቲ ዓለም ኣብ ግዜ መወዳእታ ምስ ኣተወት ቅሩብ ጸኒሑ ብ1920 ስርሓ ዝጀመረት እተኣሳሰራ መንግስታት ኢዩ ዘመልክት። እንተዀነ ግን: ብኸመይ ኢዩ “ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር” ክኸውን ዝኽእል፧
13 እታ “ፍንፉን ነገር” እተስምዕ ናይ እብራይስጢ ቃል: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐንዱ ንምስልታትን ኣምልኾ ጣኦትን ንምምልካት ከም እትውዕል ዘክር። እተኣሳሰራ መንግስታት ምስሊ ድያ ነይራ፧ ብርግጽ ምስሊ ኢያ ነይራ! ኣቕሽሽቲ ኣብቲ “ቅዱስ ስፍራ” ኣቐሚጦምዋ: ስዓብቶም ድማ ስምዒታዊ ወፈያኦም ንኽህቡ ስዒቦምዎም ኢዮም። እቲ ናይተን ኣብ ኣመሪካ ዘለዋ ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስትያናት ፌደራላዊ ቤት ምኽሪ ንእተኣሳሰራ መንግስታት “ፖለቲካዊ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ” ኢያ ብምባል ኣወጀ። እቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ላዕለዋይ ባይቶ ድማ: ነቲ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ቃል ኪዳን ክፈራረምሉ ዘተባብዕ ብዙሕ ደብዳበታት ካብ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ተቐበለ። እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዘሎ ናይ ባብቲስትስ: ኮንግሪገሽናሊስትስ: ከምኡውን ናይ ፕረስቢተርያንስ ጠቕላሊ ኣካል “[ኣብ ምድሪ ሰላም] ንምምጻእ ዘላ እንኮ መሳርሒ” ብምባል ልዕል ኣበልዋ።—ራእይ 13:14, 15 ርአ።
14, 15. ቅድም እተኣሳሰራ መንግስታት ድሓር ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ‘ቅዱስ ስፍራ’ እተቐመጣ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢየን፧
14 እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ቈይማ ኢያ: ሃገራት ግን ንናይ ገዛእ ርእሰን ሉዓላውነት ክብላ ምቅላስ ቀጸላ። (መዝሙር 2:1-6) እተኣሳሰራ መንግስታት ክትቀውም ሓሳባት ክቐርብ ከሎ: እተን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት: ከምኡውን እቶም ንወተሃደራተን ዝባርኹ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ድሮ ንሕጊ ኣምላኽ ሸለል ከም ዝበልዎ ኣርእዮም ነይሮም ኢዮም። ንክርስቶስ ከም ንጉስ መጠን ኣይተጸበይዎን። ስለዚ ድማ እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ግደ ብሰብ ንዝቘመት ማሕበር ሃባኦ፣ ንእተኣሳሰራ መንግስታት ድማ ኣብቲ ዘይግባኣ ቦታ: ‘ቅዱስ ስፍራ’ ኣቐመጥኣ።
15 ከም መተካእታ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ኰይና ሕቡራት ሃገራት ብ24 ጥቅምቲ 1945 ኣብ ህላወ መጸት። ድሕርዚ ናይ ሮማ ጳጳሳት ንሕቡራት ሃገራት “ንስምረትን ሰላምን እትኸውን ዝለዓለት ተስፋ” ከምኡውን “እታ ዝለዓለት መጋብኣያ ናይ ሰላምን ፍትሕን” ኢሎም ብምጽዋዕ ወደስዋ። እወ: እተኣሳሰራ መንግስታትን እታ ዝተክኣታ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ህዝቡን ብሓቂ ምስሊ: “ፍንፉን ነገር” ኰይነን ኢየን።
ካብ እንታይ ኢዩ ዝህደም፧
16. ሎሚ ኣፍቀርቲ ጽድቂ ካብ እንታይ ኢዮም ክሃድሙ ዘድልዮም፧
16 ነዚ ‘ብምርኣይ:’ እዛ ኣህጉራዊት ማሕበር እዚኣ እንታይ ምዃና ከምኡውን ብኸመይ ምስሊ ከም ዝዀነት ብምፍላጥ እቶም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ናብቲ ድሕነት ዝርከቦ ቦታ ክሃድሙ ከድልዮም ኢዩ። ካብ እንታይ ኢዮም ክሃድሙ፧ ካብ ማእከል እዛ ዘመናዊት ምሳልያዊት ዘይእምንቲ የሩሳሌም: ቃል ብቓሉ ህዝበ-ክርስትያን ከምኡውን ካብ ማእከል ኵሉ እቲ ዓለምለኻዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣገባብ: ዓባይ ባቢሎን: ምህዳም የድሊ።—ራእይ 18:4
17, 18. እቲ ዘመናዊ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ጥፍኣት ኢዩ ዘስዕብ፧
17 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሮማውያን ሰራዊት ምስቲ ኵሉ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ስርዓታቶም ናብታ ናይ ኣይሁዳውያን ቅድስቲ ከተማ ገጾም ክኸዱ ኸለዉ: ንየሩሳሌምን ነቲ ናይ ኣምልኾ ኣገባባን ንኸባድሙ ኢዮም ዝኸዱ ነይሮም። ኣብዚ ግዜና: እቲ ምብዳም ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ከተማ ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ብምሉኡ ዓለምለኻዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣገባብ ኢዩ ዝወርድ።—ራእይ 18:5-8
18 እቲ ሕቡራት መንግስታት ምዃኑ እተረጋገጸ ምሳልያዊ ቀይሕ ኣራዊት: ነታ ኣመንዝራ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ከም ዝግልበጣን: ብጭከና ድማ ከም ዘጥፍኣን ኣብ ራእይ 17:16 ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኣሎ። ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብምጥቃም ከምዚ ትብል:- “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።” እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ከተስተንትነሉ ዘርዕድ ኢዩ። ኣብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጥፍኣት ከስዕብ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ዓቢ ጸበባ ከም ዝጀመረ ብርግጽ ከርኢ ኢዩ።
19. ካብ እትቐውም ኣትሒዞም እንታይ ዓይነት ባእታታት ኢዮም ክፍሊ ሕቡራት ሃገራት ዝዀኑ: እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ሕቡራት ሃገራት ብ1945 ስርሓ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኣባላታ ኢዘሀራውያን: ኣንጻር ሃይማኖት ዝዀኑ ባእታታት ጽልዋ ዘለዎም እናዀኑ ምኻዶም ግምት ክወሃቦ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ግዜ ኣብ ኵላ ዓለም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቅጽበታዊ ለውጢ ዝገብሩ ባእታታት ንሃይማኖታዊ ተግባራት ቀይዲ ንምግባር ወይ ምሉእ ብምሉእ ንምእጋድ መሳርሒ ኰይኖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዝሓለፈ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዝነበረ ምምሕዳራዊ ጸቕጥታት ክመሓየሽ ተራእዩ ኢዩ። ንገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ እተወገደ ኰይኑ ይረኣዮም ይኸውን።
20. ናይ ዓለም ሃይማኖታት እንታይ ስም ኢየን ኣጥርየን ዘለዋ፧
20 ናይ ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ጨካን ሃዋኺ ሓይሊ ምዃን ቀጺለን ኢየን። ናይ ዜና ኣርእስትታት: ነታ ተዋጋእቲ ሓይልታት ከምኡውን ፈጠርቲ ራዕዲ ጕጅለታት ዝድግፍዋ ሃይማኖት ብምጥቃስ: ብተደጋጋሚ ኣጋሊጾምወን ኢዮም። ናዕቢ ዘህድኡ ፖሊስን ወተሃደራትን ነቲ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዘሎ ዓመጽ ደው ንምባል ኣብ ኣብያተ መቓድስ ፈንጺጎም ክኣትዉ ተገዲዶም ኢዮም። ሃይማኖታውያን ኣካላት: ፖለቲካዊ ለውጥታት ንኽግበር ናይ ገንዘብ ደገፍ ገይረን ኢየን። እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ጽልኢ: ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ቀቢላውያን ጕጅለታት ርጉእ ርክብ ንኽህሉ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ተስፋ ከም እትቘርጽ ገይርዋ ኢዩ። ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራት ዘለዉ ባእታታት ነቲ ሰላምን ድሕንነትን ንምምጻእ ዝብል ሸቶ ተግባራዊ ንምግባር: ኣብ መገዶም ንዝጸንሕ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጽልዋታት ለጊሱ ክርእዩ ኢዮም ዝደልዩ።
21. (ሀ) ዓባይ ባቢሎን መዓስ ክትጠፍእ ከም ዘለዋ መን ኢዩ ዝውስን፧ (ለ) ቅድሚኡኸ እንታይ ምግባር ኢዩ ህጹጽ ዝኸውን፧
21 ክንሓስበሉ ዘሎና ካልእ ኣድላዪ ረቛሒ እውን ኣሎ። ሽሕ’ኳ እቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ወተሃደራዊ ተምሳል ዘለዎ ኣቕርንቲ ንዓባይ ባቢሎን ንምጥፋእ ከገልግል እንተዀነ: እቲ ጥፍኣት እቲ ግን ብሓቂ ናይ መለኮታዊ ፍርዲ መግለጺ ኢዩ። እቲ ናይ ፍርዲ ምፍጻም ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ኢዩ ዝመጽእ። (ራእይ 17:17) ክሳዕ ሽዑ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብኣ ውጹ”—ካብ ዓባይ ባቢሎን ውጹ—ብምባል ይምልስ።—ራእይ 18:4
22, 23. እዚ ኸምዚ ዝበለ ምህዳም እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
22 እዚ ናብ ናይ ድሕነት ቦታ ምህዳም እዚ: ከምቲ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ንየሩሳሌም ሓዲጎም ክወጹ ከለዉ ዝገበርዎ ቦታ ምቕያር ኣይኰነን። ካብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት: እወ: ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ዓባይ ባቢሎን ክፍሊ ምህዳም ማለት ኢዩ። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ገዛእ ርእስኻ ፍላይ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ዝዀነ ይኹን ልምድታተንን ሒዘንኦ ዘለዋ ኣረኣእያታትን ምሉእ ብምሉእ ክንፍለ ማለት ኢዩ። እዚ ናብታ ናይ ድሕነት ቦታ ዝዀነት ቲኦክራሲያዊት ማሕበር የሆዋ ዝግበር ምህዳም ማለት ኢዩ።—ኤፌሶን 5:7-11
23 ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ዘመናዊ ፍንፉን ነገር: እተኣሳሰራ መንግስታት: ምስ ኣለለይዎ እቶም መሰኻኽር ብኸመይ መለስሉ፧ እቲ ምስ ናይ ህዝበ-ክርስትና ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሮም ኣባልነት ድሮ ኣቋሪጾምዎ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ቀስ ኢሎም ጌና ከም መስቀል ምጥቃም: ምብዓል ልደት: ከምኡውን ካልእ ኣረማውያን በዓላት ምብዓል ዝኣመሰለ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ልምድታትን ተግባራትን ሒዞም ከም ዘለዉ ተገንዘቡ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዘሎ ሓቂ ምስ ተማህሩ: ቀልጢፎም ስጕምቲ ወሰዱ። ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:11 ዘሎ ምኽሪ ኣቕለብሉ:- “ርሐቑ: ርሐቑ: ካብዚ ውጹ: ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ: ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ: ካብ ማእከል ውጹ: ንጽሁ።”
24. ብፍላይ ካብ 1935 ኣብቲ ምህዳም ዝሓበሩ መን ኢዮም፧
24 ብፍላይ ካብ 1935 እናወሰኹ ዝኸዱ ዓቢ ጭፍራ: ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሰባት: ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዱ ጀመሩ። ንሳቶም እውን ‘እቲ ርኹስ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ቈይሙ ርእዮም:’ እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ተገንዚቦም ኢዮም። ንኽሃድሙ ምስ ወሰኑ: ኣስማቶም ካብተን ናይ ዓባይ ባቢሎን ክፍሊ ዝዀና ማሕበራት ከም ዝሕከኽ ገይሮም ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 6:14-17
25. ሓደ ሰብ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ርክብ ኣብ ርእሲ ምቍራጹ ብተወሳኺ ዘድሊ እንታይ ኢዩ፧
25 ይኹን እምበር: ካብ ዓባይ ባቢሎን ምህዳም ንሓሶት ሃይማኖት ካብ ምግዳፍ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ብውሕዱ ካብ ምክፋል ወይ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ንላዕሊ ዝግበር ነገር ኣሎ። ሓደ ሰብ ብኣካል ካብ ዓባይ ባቢሎን ይወጽእ ይኸውን: እንተዀነ ግን ብሓቂ ንድሕሪት ገዲፍዋ ድዩ፧ ካብታ ዓባይ ባቢሎን ኣውራ ክፍላ ዝዀነት ዓለም ገዛእ ርእሱ ፈልዩ ድዩ፧ ናብቲ መንፈሳ—ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘስተናዕቕ መንፈስ—ዘንጸባርቕ ነገር ጌና ጠቢቑዶ ኣሎ፧ ንጾታዊ ስነ-ምግባርን ናይ መርዓ ተኣማንነትን ኣፍኲሱ ድዩ ዝርእዮ፧ ውልቃውን ስጋውን ድሌታት ካብቲ መንፈሳዊ ድሌት ንላዕሊ የጕልሖ ድዩ፧ ንገዛእ ርእሱ በዚ ኣገባብ እዚ ክቕረጽ ከፍቅድ ኣይግብኦን ኢዩ።—ማቴዎስ 6:24፣ 1 ጴጥሮስ 4:3, 4
ንምህዳምካ ምንም ነገር ኣይዓናቕጾ!
26. ነቲ ምህዳም ክንጅምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ብዓወት ንኽንዛዝሞ እንታይ ኢዩ ዝሕግዘና፧
26 ናብቲ ናይ ድሕነት ቦታ ገጽና ኣብ እንገብሮ ምህዳም: ነቲ ንድሕሪት ዝገደፍናዮ ነገራት ብናፍቖት ኣይንጥምትን ኢና። (ሉቃስ 9:62) ኣእምሮናን ኣልባብናን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኣጸቢቑ ከም ዝጸንዕ ገይርና ክንሕዞ ኣሎና። የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ እሙን ጕዕዞ ከም ዝባርኾ ብምትእምማን መንግስቱን ጽድቁን እናቐደምና እምነትና ከነንጸባርቕ ቈሪጽናዶ ኣሎና፧ (ማቴዎስ 6:31-33) ነቲ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ክግለጽ ዘለዎ ምዕባለታት ብምህንጣይ እናተጸበና: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እምነትና ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ከለዓዕለና ኣለዎ።
27. ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ተሓቲቶም ዘለዉ ሕቶታት ኣርዚንና ክንሓስብ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
27 እቲ ምፍጻም መለኮታዊ ፍርዲ ምስ ምዕናው ዓባይ ባቢሎን ክጅምር ኢዩ። እታ ኣመንዝራ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ ንዘለኣለም ካብ ህላወ ክትምንቈስ ኢያ። እቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ኢዩ ዘሎ! እቲ ኣገዳሲ ግዜ እቲ ምስ በጽሐ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቃውማና ከመይ ክኸውን ኢዩ፧ እቲ ዓቢ ጸበባ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ዝተረፈ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ክጠፍእ ከሎ: ኣበየናይ ወገን ኢና ክንጸንሕ፧ ሕጂ እቲ ዘድሊ ስጕምቲ እንተድኣ ወሲድና: ድሕነትና ርግጽ ክኸውን ኢዩ። የሆዋ “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር . . . እዩ” ብምባል ይነግረና። (ምሳሌ 1:33) ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንየሆዋ ብተኣማንነትን ብሓጐስን ምግልጋል ብምቕጻልና: ንየሆዋ ንዘለኣለም ንኸነገልግሎ ብቑዓት ክንከውን ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እትሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ እተባህለ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 1 ገጽ 634-5 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እቲ ዘመናዊ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ “ፍንፉን ነገር . . . ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ” ዝኸውን ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧
◻ ሕጂ ናብቲ ናይ ድሕነት ቦታ ምህዳም እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
◻ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሰዓብቲ የሱስ ንኽድሕኑ ከይደንጐዩ ክሃድሙ ነበሮም