-
ወትሩ ንየሆዋ እሙን ኩንንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ሉቃስ 4:8ን ራእይ 18:4, 5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መልስ፦
ስመይ ከም ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኰይኑዶ ተረቚሑ ኣሎ፧
ኣባል ሓንቲ ምስ ካልእ ሃይማኖት እተኣሳሰረት ውድብ ድየ፧
ስራሐይ ብዝዀነ መገዲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ይድግፍ ድዩ፧
ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክፍለየሉ ዘሎኒ ኻልእ መዳያት ኣሎዶ፧
ንሓደ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢለ እንተ መሊሰ፡ እንታይ ለውጥታት ክገብር ኣሎኒ፧
ኣብ ኵሉ መዳያት፡ ንጹህ ሕልና ኽትሕዝ ዜኽእለካ ውሳነ ግበር፡ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ድማ ኣርኢ።
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሓቂ ምእንቲ ኽጣበቐላ፡ ከሓድቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉ ኽፈልጥ ኣሎኒ።”
-