ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ክሳዕ ኣበይ ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም፧
ካብቲ የሱስ ዝሞተሉ፡ 30 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ብስራት ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ “ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 1:23) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ቃል ብቓሉ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዅሉ ሰብ ነቲ ብስራት ሰሚዑ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ ጳውሎስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ ነጥቢ ግን ንጹር እዩ፦ ክርስትያን ሚስዮናውያን ኣብቲ ሽዑ ዚፍለጥ ዝነበረ ዓለም ብስፍሓት ይሰብኩ ነይሮም እዮም።
ክሳዕ ኣበይ ግን እዮም ኪኸዱ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ጳውሎስ ብመራኽብ ንግዲ ገይሩ ንጥፈታት ስብከቱ ናብ ምዕራብ ገጹ ኽሳዕ ኢጣልያ ኼስፍሕ ከም ዝኸኣለ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት የዘንቱ እዩ። እዚ ተባዕ ሚስዮናዊ፡ ኣብ ስጳኛ እውን ኪሰብኽ ይደሊ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:1፣ 28:30, 31፣ ሮሜ 15:28።
ብኣንጻሩ ኣንፈት ግን ከመይ እዩ ነይሩ፧ ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ክሳዕ ኣበይ ከይዶም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ስለ ዘይህብ፡ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ መንጎ መዲተራነያንን ሃገራት ምብራቕን ዝነበረ መስመራት ንግዲ፡ ክሳዕ ኣበይ ይዝርጋሕ ከም ዝነበረ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። እዚ መስመራት እዚ ምህላዉ፡ እንተ ወሓደ ናብ ምብራቕ ገጽካ ጕዕዞ ንምግባር ዜኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ምንባሩ ይሕብር።
ውርሻ እስክንድር
እስክንድር እቲ ዓብዪ ዝገበሮ ወራራት፡ ብባቢሎንን ፋርስን ኣቢሉ ኽሳዕ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ዚርከብ ፑንጃብ ከም ዚበጽሕ ገበሮ። እዚ ወፍርታቱ ንግሪኻውያን ምስቲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ካብ ዘሎ ኣፍ ኤፍራጥስ ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣፍ ኢንዱስ ከም ዚላለዩ ገበሮም።
ቀመማትን ዕጣንን ካብ ስግር ህንዳዊ ውቅያኖስ ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ናይ ግሪኽ ዓለም ኪውሕዝ ጀመረ። ፈለማ እዚ ንግዲ እዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ህንዳውያንን ኣዕራብን ነጋዶ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ግብጺ ነጊሶም ዝነበሩ እንዳ ተሎሚ፡ ምስጢር ወቕቲ ሞንሱን ምስ ፈለጥዎ፡ ንሳቶም ኣብቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዚግበር ንግዲ ኣተዉ።
ኣብቲ ባሕሪ፡ ካብ ግንቦት ክሳዕ መስከረም፡ ንፋስ ብቐጻሊ ኻብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀሚሩ እዩ ዚነፍስ፡ እዚ ድማ ንመራኽብ ካብ ኣፍ ቀይሕ ባሕሪ ብገማግም ደቡባዊ ምድሪ ዓረብ ገይረን ንኺጐዓዛ ወይ ብቐጥታ ናብ ደቡባዊ ህንዲ ንኪኸዳ የኽእለን። ኣብ መንጎ ሕዳርን መጋቢትን፡ ንፋስ ብኣንጻሩ ኣንፈት እዩ ዚነፍስ፡ እዚ ድማ ነቲ እተን መራኽብ ኪምለሳ ኸለዋ ዚገብራኦ ጕዕዞ የቀላጥፈለን። ኣዕራብን ህንዳውያንን ባሕረኛታት ኣብ መንጎ ህንድን ቀይሕ ባሕርን ሽቱ፡ ቃርፋ፡ ናርዶስ፡ በርበረ ጽዒኖም ስለ ዚመላለሱ፡ ንኣማእታት ዓመታት ብዛዕባ እዚ ንፋሳት እዚ ፍልጠት ኣዋህሊሎም እዮም።
ናብ እስክንድርያን ሮማን ዚወስድ መስመራት ባሕሪ
ሮማውያን ነቲ ተተካእቲ እስክንድር ዚገዝእዎ ዝነበሩ ሃገራት ምስ ተቘጻጸርዎ፡ ሮማ ቐንዲ ዕዳጋ እቲ ኻብ ምብራቕ ዚመጽእ ኽቡር ነገራት ኰነት። ንኣብነት፡ ካብ ኣፍሪቃ ስኒ ሓርማዝ፡ ካብ ምድሪ ዓረብ ዕጣንን ከርበን፡ ካብ ህንዲ ቐመማትን ክቡር ኣእማንን፡ ካብ ቻይና ድማ ሃሪ ይመጻ ነበረ። ነዚ ኣቕሑ ንግዲ ዝጸዓና መራኽብ፡ ኣብተን በርናይሲን ሚዮስ ሆርሞስን ዚበሃላ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዚርከባ ኽልተ ቐንዲ ወደባት ይተኣኻኸባ ነበራ። ካብ ክልቲአን ወደባት ናብታ ኣብ ገማግም ፈለግ ኒል እትርከብ ኮፕቶስ ዚወስድ መስመር ቃፍላይ ነበረ።
እቲ ኣቕሑ ኻብ ኮፕቶስ በቲ ንግብጺ ኣገዳሲ ዝዀነ ፈለግ ኒል ኣቢሉ ናብ እስክንድርያ ይበጽሕ፡ ኣብኡ ድማ ኣብተን ናብ ኢጣልያን ናብ ካልእ ሃገራትን ዚኸዳ መራኽብ ይጸዓን። ካልእ ናብ እስክንድርያ ዚወስድ ኣማራጺ መገዲ ኸኣ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ጥቓ ዘመናዊ ስወጽ ዚርከበሉ ዘሎ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ፈለግ ኒል ዜተሓሕዝ ዝነበረ መትረብ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ግብጽን ወደባታን ካብቲ የሱስ ዝሰበኸሉ ዓድታት ብዙሕ ዚርሕቕ ኣይነበረን፡ ናብኡ እውን ብቐሊሉ ኽትከይድ ይከኣል ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ስትራፖ ዚበሃል ክኢላ ጂኦግራፊ፡ ኣብ ግዜኡ 120 መራኽብ እስክንድርያ ኣብቲ ዓመት ዓመት ምስ ህንዲ ዚግበር ንግዲ ንኺሳተፋ ኻብ ሚዮስ ሆርሞስ ነቒለን እየን። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚግበር ጕዕዞ ዚገልጽ መምርሒ መጽሓፍ ተረኺቡ ኣሎ። ምናልባት ቋንቋ ግሪኽ ዚዛረብ ግብጻዊ ነጋዳይ፡ ንብጾቱ ነጋዶ ንኺጠቅም ኢሉ እዩ ጽሒፍዎ ኪኸውን ዚኽእል። ካብዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ እንታይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
እዚ መምርሒ መጽሓፍ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ፕሪፕሉስ ማሪስ ኢሪትራ (ኣብ ባሕሪ ኢሪትራ ዚግበር ጕዕዞ) ዚብል ናይ ላቲን ኣርእስቱ ዚፍለጥ ኰይኑ፡ ካብ ግብጺ ንደቡብ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኽሳዕ ዛንዚባር ዚርከብ መስመር ባሕሪ ዚገልጽ እዩ። እቲ ጸሓፊ ናብ ምብራቕ ገጹ ኽሳዕ ምዕራባዊ ገማግም ህንድን ስሪ ላንካን ድሕሪ ምግላጹ፡ ናብ ሰሜን ናብ ምብራቓዊ ገማግም ህንዲ ገጹ ኽሳዕ ፈለግ ጋንጀስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርሕቀታት፡ መራኽብ መልህቀን ዚድርብያሉ ቦታታት፡ ዕዳጋታት፡ ልውውጥ ኣቕሑ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓረብ ዚርከቡ ህዝቢ ዘለዎም ባህርይ ገሊጹ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ሒዛቶ ዘላ መግለጺ ልክዕን ህያውን ብምዃኑ፡ እቲ ጸሓፊ ናብቲ ዝገለጾ ቦታታት ከይዱ ኪኸውን ኣለዎ ናብ ዚብል መደምደምታ የብጽሕ እዩ።
ምዕራባውያን ኣብ ህንዲ
ኣብ ህንዲ፡ ምዕራባውያን ነጋዶ፡ ያቫናታት ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። ብመሰረት መጽሓፍ ፐሪፕሉስ፡ ሓንቲ ኻብተን እዞም ነጋዶ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዜዘውትርዋ ዝነበሩ መዕረፊቶም፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ጫፍ ህንዲ እትርከብ ሙዚሪስ እያ ነይራ።a ኣብ መጀመርታ ዘመን ድ.ክ. ብቛንቋ ታሚል እተጻሕፈ ግጥምታት፡ ነዞም ነጋዶ እዚኣቶም ብተደጋጋሚ ጠቒስዎም ኣሎ። ሓንቲ ግጥሚ፡ “እተን ጽቡቕ እተሰርሓ መራኽብ ያቫናታት ወርቂ ሒዘን መጻ እሞ፡ በርበረ ሒዘን ተመልሳ፡ ሙዚሪስ ከኣ ብጫውጫውታአን መልአት” ትብል። ኣብ ካልእ ድማ፡ ሓደ መስፍን ደቡባዊ ህንዲ ነቲ ያቫናታት ዜምጽእዎ ምኡዝ ወይኒ ኺሰቲ ምትብባዕ ተዋህቦ። ገለ ኻብቲ ኣብ ህንዲ ጽቡቕ ዕዳጋ ዝረኸበ ኣቕሑ ምዕራባውያን፡ ብጥርሙዝ ዚስራሕ ነገራት፡ እተፈላለየ ዓይነት ብረት፡ መርጀን፡ ዓለባ ኺጥቀስ ይከኣል።
ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ካብ ምዕራባዊ ሃገራት ናብ ህንዲ ብዙሕ ኣቕሑ ይመጽእ ምንባሩ መርትዖ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ህንዲ እትርከብ ኣሪካመዱ፡ ኣብ ማእከል ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ኣረትሶ ኸም እተሰርሐ ዚሕብር ማሕተም ዘለዎ ስብርባር ሳርማታት ወይንን ብያትታትን ሮማውያን ተረኺቡ እዩ። ሓደ ጸሓፊ፡ “ሓደ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ጠያቒ፡ ኣብ ልሳን ባሕሪ በንጋል ኣብ ዚርከብ ድበት፡ ስማት እቶም እቶኖም ኣብ ወሰናስን ኣርትሶ ዚርከብ ሰብ ሞያ ዝሓዘ ኣጋልዕ ኪረክብ ከሎ፡ ሓሳቡ እዩ ዚነቓቓሕ” በለ። ኣብ መንጎ መዲተራነያንን ህንድን ዚግበር ዝነበረ ንግዲ፡ በቲ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ እተረኽበ ሓያሎ ሮማውያን ዝሰርሕዎ ሰናቲም ወርቅን ብሩርን ኪረጋገጽ ተኻኢሉ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ሰናቲም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እተሰርሐ ዀይኑ፡ ምስሊ ኣውጉስጦስን ጢቤርዮስን ኔሮን ዚበሃሉ ሃጸያት ሮማ ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ሓደ ጥንታዊ ካርታ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ዜጋታት ሮማ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ቐዋሚ ሰፈር ንግዲ ነይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ቕዳሕ እቲ ካርታ እውን ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ናይ ሮማውያን ዓለም ዚገልጽ ተባሂሉ ዚእመነሉ ሰሌዳ ፖይቲንገር ተባሂሉ ዚፍለጥ ካርታ፡ ኣብ ሙዚሪስ ቤተ መቕደስ ኣውጉስጦስ ከም ዝነበረ ይሕብር። ሮምስ ኢስተርን ትሬድ፦ ኢንተርናሽናል ኮመርስ ኤንድ ኢምፐርያል ፖሊሲ፡ 31 ቢሲ-ኤዲ 305 ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻ፡ ብተገዛእቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ፡ ምናዳ ኸኣ በቶም ኣብ ሙዚሪስ ዚነብሩ ወይ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዜሕልፉ ጥራይ እዩ ተሃኒጹ ኪኸውን ዚኽእል” በለት።
ብግዜ ንግስነት ኣውጉስጦስ፡ ማለት ካብ 27 ቅ.ክ. ክሳዕ 14 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ኤምባሲታት ህንዲ ናብ ሮማ ኸም ዝመጹ፡ መዛግብቲ ሮማ ይሕብር። ሓደ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እተገብረ መጽናዕቲ፡ “እዞም ኤምባሲታት፡ ኣርዚንካ ዚርአ ዲፕሎማስያዊ ዕላማ ነይርዎም” ይብል፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት እተፈላለዩ ሃገራት ዚግበር ንግዳዊ ልውውጥ ኣበይ ኪግበር ከም ዚግባእ፡ ቀረጽ ኣበይ ከም ዚስላዕ፡ ወጻእተኛታት ኣበይ ኪቕመጡ ኸም ዚኽእሉ፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጕዳያትን የጠቓልል ነበረ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲተራነያን ዚርከባ ሃገራትን ኣብ መንጎ ህንድን ኣዘውቲርካ ዚግበር ጕዕዞ ልሙድ ነበረ። ሓደ ክርስትያን ሚስዮናዊ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መርከብ ተሰቒሉ ብቐሊሉ ናብ ህንዲ ኪኸይድ ይኽእል ነበረ።
ስግር ህንዲኸ፧
ነጋዶ መዲተራነያንን ካልኦት ተጓዓዝትን ናብ ምብራቕ ገጾም፡ ክሳዕ ኣበይን መዓስን ከም እተጓዕዙ ብልክዕ ምፍላጥ የጸግም እዩ። እንተዀነ ግን፡ ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ገሊኦም ምዕራባውያን ክሳዕ ታይላንድን ካምቦድያን ሱማትራን ጃቫን ተጓዒዞም እዮም።
እቲ ኻብ 23 ድ.ክ. ክሳዕ 220 ድ.ክ. ዘሎ እዋን ዚሽፍን ሆ ሃን-ሾ (መዝገበ-ፍጻመታት ዳሕረዋይ ስርወ-ንግስነት ሃን)፡ ንሓደ ኻብዚ ጕዕዞታት እተገብረሉ ዕለት ጠቒሱ ኣሎ። ብ166 ድ.ክ. ካብ ኣን-ቶን ዝስሙ ንጉስ ዳቺን እተላእከ ኤምባሲ፡ ንሃጸይ ህዋን-ዲ ገጽ በረኸት ሒዙ ናብ ቤተ-መንግስቲ ቻይና መጸ። ዳቺን ብቻይንኛ ንሃጸይ ሮማ ዚወሃብ ስም ኪኸውን ከሎ፡ ኣን-ቶን ነቲ ኣንቶኒኑስ ዚብል ስም ብቻይንኛ ዚጽውዓሉ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ስም እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ሃጸይ ሮማ ዝነበረ ማርኩስ ኦሪልዩስ ዚጽውዓሉ ዝነበረ ስም ስድራ ቤቱ እዩ ነይሩ። እዚ ወግዓዊ ኤምባሲ ዘይኰነስ፡ ምዕራባውያን ነጋዶ ኣብ ክንዲ ብመንጎኛታት፡ ብቐጥታ ኻብ ቻይና ሃሪ ኺረኽቡ ዝገበርዎ ጻዕሪ ምዃኑ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ጥርጣረኦም ይገልጹ እዮም።
ሕጂ ናብታ ኣብ መጀመርታ ዘበገስናያ ሕቶ እንተ ተመሊስና፡ ጥንታውያን መራኽብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ገጸን ክሳዕ ኣበይ እየን ኪወስዳኦም ክኢለን፧ ክሳዕ ህንዲን ስግሩን ወሲደናኦም ድየን፧ ምናልባት ወሲደናኦም ይዀና። እቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ብሰፊሑ ስለ እተዘርግሐ፡ “ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዐበየን” ይኸይድ ከም ዝነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪዛረብ ክኢሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ማለት እዩ።—ቈሎሴ 1:6።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሙዚሪስ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝነበረት ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ግዝኣት ከራላ፡ ኣብ ኣፍ ፈለግ ፐሪያር ከም ዝነበረት፡ ምሁራት ይኣምኑ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
መረረት ሃጸይ
ብ22 ድ.ክ.፡ ሮማዊ ሃጸይ ጢቤርዮስ ብዛዕባ እቲ ደቂ ዓዱ ዚገብርዎ ደረት ዘይብሉ ብኽነት፡ ጓሂኡ ገሊጹ ነይሩ። ንምሾት ዝነበሮም ዘይተኣደነ ሸውሃትን ወይዘራዝር ሮማ ዝነበረን ሕሉፍ ፍቕሪ ኣዕናቝን፡ ንሃብቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ናብ “ጓኖት ወይ ተጻባእቲ ኣህዛብ” ይዘርዎ ነበረ። ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ ፕሊኒ ዓብዪ (23-79 ድ.ክ.) እውን ብዛዕባ ተመሳሳሊ ብኽነት ኣማሪሩ ነይሩ። “በቲ ዝወሓደ ገምጋም፡ ህንዲ፡ ሰረስ፡ ከምኡውን ሓውሲ ደሴት ዓረብ ካብ ሃጸያዊ ግዝኣትና ኣብ ዓዓመት ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ሰስተርስ ይወስደልና፣ ንምሾትናን ንኣንስትናን ብዙሕ ኢና እንኸፍል” ኢሉ ጸሓፈ።b
[እግረ-ጽሑፍ]
b ተንተንቲ ብዝገበርዎ ገምጋም፡ 100 ሚልዮን ሰስተርስ፡ ዳርጋ 2 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ቝጠባ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ይኸውን ነበረ።
[ምንጪ ስእሊ]
Museo della Civiltà Romana, Roma; Todd Bolen/Bible Places.com
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ነጋዶ ኣቕሑ ዜናድዩሉ ዝነበሩ ቦታታት
የሱስ ብዛዕባ ሓደ “ጽብቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ” ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 13:45) መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እውን ብዛዕባ እቶም ክቡር እምንን ሃርን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዕንጨይትን ስኒ ሓርማዝን ቃርፋን ዕጣንን ኣሞሙንን ካልእ ነገራትን ዚጽዕኑ “ነጋዶ” ጠቒሳ ኣላ። (ራእይ 18:11-13) ምንጪ እዚ ኣቕሑ እዚ፡ ካብ ፍልስጥኤም ናብ ምብራቕ ገጹ ኣብ ዘሎ መስመራት ንግዲ እዩ ዚርከብ። ከም ሰንደል ዝኣመሰለ ምኡዝ ሽታ ዘለዎ ዕንጨይቲ ኻብ ህንዲ ይመጽእ ነበረ። ማዕረ ኽቡር እምኒ ዝዋግኡ ኣዕናቝ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመሰረት ጸሓፊ ፕሪፕሉስ ማሪስ ኢሪትራ ኸኣ ኣብ ከባቢ ሙዚሪስን ስሪ ላንካን ይርከብ ነበረ። ኣዕናቝ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብ ኵሉ ዝበለጸን ዝኸበረን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ገለ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ መንጎ ሮማን እስያን ዝነበረ መስመራት ንግዲ
ኣረትሶ
ሮማ
ባሕሪ መዲተራነያን
ኣፍሪቃ
እስክንድርያ
ግብጺ
ኮፕቶስ
ፈለግ ኒል
ሚዮስ ሆርሞስ
በርናይሲ
ዛንዚባር
ቀይሕ ባሕሪ
የሩሳሌም
ምድሪ ዓረብ
ፈለግ ኤፍራጥስ
ባቢሎንያ
ወሽመጥ ፋርስ
ፋርስ
ሞንሱን ሰሜናዊ ምብራቕ
ሞንሱን ደቡባዊ ምዕራብ
ፈለግ ኢንዱስ
ፑንጃብ
ፈለግ ጋንጀስ
ልሳን ባሕሪ በንጋል
ህንዲ
ኣሪካመዱ
ሙዚሪስ
ስሪ ላንካ
ህንዳዊ ውቅያኖስ (ባሕሪ ኢሪትራ)
ቻይና
ሃጸያዊ ግዝኣት ሃን
ታይላንድ
ካምቦድያ
ቭየትናም
ሱማትራ
ጃቫ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ሞደል መርከብ ጽዕነት ሮማውያን
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Ship: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.