-
ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
7, 8. (ሀ) እንታይ ጥቕላል ኢዩ ዝኽፈት: ብድሕሪኡኸ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ (ለ) ትንሳኤ ዘይብሎም መን ኢዮም፧
7 ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ካልእ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ከኣ ተገንጸለ: እዚውን እቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ: ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ: ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” (ራእይ 20:12ለ, 13) ብሓቂ ውኖኻ ዝምስጥ ትርኢት ኢዩ! ‘ባሕርን ሞትን ሲኦልን’ ነፍሲ ወከፎም ግደ ክህልዎም ኢዩ: እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ኣብ ንሓድሕዱ እተፈላለየ ኢዩ ማለት ኣይኰነን።a ዮናስ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ከብዲ ዓሳ ከሎ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ ሲኦል ወይ ሃደስ ከም ዝነበረ ገይሩ ይዛረብ። (ዮናስ 2:3) ሓደ ሰብ ብኣዳማዊ ሞት ተታሒዙ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብ ሲኦል ኢዩ ዝህሉ። እዘን ትንቢታውያን ቃላት እዚኣተን: ዋላ ሓደ ሸለል ዝብሃል ከም ዘየለ ጽኑዕ መረጋገጺ ይህባ።
-
-
ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
-
-
a እቶም ካብ ባሕሪ ዝትንስኡ: ነቶም ኣብ ግዜ ኖህ ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኡ ብልሽዋት ተቐማጦ ምድሪ ኣየጠቓልሉን ኢዮም፣ እቲ ጥፍኣት እቲ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓቢ ጸበባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 25:41, 46፣ 2 ጴጥሮስ 3:5-7
-