ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ መንፈሳዊ ናጽነት ከም ዝረኽቡ ምግባር
“ንዓኻትኩም ኢና ክንጽበ ጸኒሕና።” “ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ለይቲ ከም እትመጹ ሓሊመ ነይረ።” “ሓደ ሰብ ስርዓታዊ ኰይኑ ክበጽሓና ስለ ዝመደብኩምልና ነመስግነኩም።” “ነቲ ካብ የሆዋን ማሕበሩን እንቕበሎ ዝዀነ ይኹን ዘይንበቕዖ በረኸትን ነቲ ኣብ ግቡእ ግዚኡ ዝዋሃበና ዘሎ መንፈሳዊ መግብን ዘሎና ምስጋና ክንገልጽ ንፈቱ።”
ነዚ ናይ ምስጋና መግለጺ እዚ ዘለዓዓለ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ እዚ ገለ ካብቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሜክሲኮ ዘለዉ እሱራት ዝለኣኽዎ መግለጺታት ኢዩ። ነቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኽብዎ ዘለዉ ሓልዮት ሞሳ ይህብሉ ኣለዉ: እዚ ድማ ዋላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ እውን ከይተረፈ መንፈሳዊ ናጽነት ከም ዝረኽቡ ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ሜክሲኮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታውያን ኰይኖም ንመንፈሳዊ ድሌት ናይ እሱራት ዘማልኡለን 42 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዋ። እዚ ቦታታት እዚ ሴንትሮ ሪኣዳፕታስዮን ሶስያል (ናይ ማሕበራዊ ተሓድሶ ማእከል) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ገለ ካብዘን ኣብያተ ማእሰርትታት እዚኣተን ኣዝዩ ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ስርዓታዊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ከይተረፈ ይግበር ኢዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብዚ ቦታታት እዚ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት 380 ሰባት ይእከቡ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብገምጋም 350 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይግበር ነበረ። ሰላሳን ሸውዓተን እሱራት ምስባኽ ንኽጅምሩ ብቑዓት ኰኑ: 32 ድማ ወፈይኦም ብማይ ጥምቀት ብምርኣይ ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ።
እቲ ዕዮ ብኸመይ ከም እተገብረ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብዚ ቦታታት እዚ ዝገብርዎ ዕዮ ብኸመይ ኢዮም ዝፍጽምዎ፧ ብቐዳምነት: ዕላማ ናይ ምብጽሖም—ነቶም እሱራት ብኸመይ ኣነባብርኦም ከመሓይሹን ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝሕጐሰሉ መገዲ ከገልግልዎን ከም ዘለዎም ንምምሃር ምዃኑ ብምግላጽ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ንምሕታት ናብቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰበ-ስልጣናት ይኸዱ።
እቶም ሰበ-ስልጣናት ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረበሎም ሕቶ ፍቓድ ሃቡ። እዞም ሰበ-ስልጣናት እዚኣቶም ነቲ ንእሱራት እተዋህበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ሞሳ ኣርእዮም ኢዮም። እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣናት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ነዚ ቦታታት እዚ ኢሉ እተገብረ ናይ ጸጥታ ሕግታት ከም ዝእዘዝዎ ተዓዘቡ። ነዞም በጻሕቲ ኣገልገልቲ እዚኣቶም ከኣ ኣብቲ ኣብያተ ጽሕፈት: መመገቢ ክፍሊ: ከምኡውን ቤት ዕዮ ኣኼባታት ክገብሩ ኣፍቀዱሎም። ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሜክሲኮ ዘገለግል ገያሺ ተዓዛቢ ዘዘንተዎ ተመክሮ ከም እተራእየ እቶም መሰኻኽር ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ንእሽቶ ኣደራሽ መንግስቲ እውን ከይተረፈ ክሰርሑ ተፈቒድሎም ኢዩ።
“ኣብ መጀመርታ ናይ 1991 ኣብ ቴዋንቴፔክ: ኦሳካ: እትርከብ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ጀመርና: ኣብኡ ድማ ዓቢ መንፈሳዊ ጥሜት ጸንሓና። ሽዑ ብዙሕ ከይጸናሕና ኸኣ 27 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ንተገዳስነት ናይቶም እሱራት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሓሙሽተ ናይ ጉባኤ ኣኼባ መደባት ተሰርዐ። ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ንኽህሉ ኸኣ ሓደ ካብቶም ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ዘርኣየ እሱራት: ኣብ ውሽጢ እቲ ቐጽሪ ቤት ማእሰርቲ ንእሽቶ ኣደራሽ መንግስቲ ክሃንጽ ወሰነ። ናብ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ ፍቓድ ሓተተ: እቶም ሰበ-ሰልጣናት ከኣ ኣዝዮም ተሓባበርቲ ነበሩ። ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 1992 ሽዱሽተ እሱራት: ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንምዃን ብቝዓት ኰኑ። ብምኽንያት እቲ እተራእየ ዕቤት: ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ በዓል ዝኽሪ ንምግባር ምቅርራባት ተገብረ። ነቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ንኸነእቱ ፍቓድ ክህበና ነቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ሓተትናዮ: ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ምይይጥ ከኣ ፍቓድ ተዋህበና።
“ብዕለት 3 ሚያዝያ 1993 (ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ ናይ ዝኽሪ በዓል): ገለ እሱራት ተፈትሑ። ሓደ ኣስፋሒ ዝነበረ ከም እተፈትሐ ዝገልጽ ወረቐት ምስ ተቐበለ: ዝኽሪ በዓል ክሳዕ ዝሓልፍ ንምጽናሕ ፍቓድ ምእንቲ ክረክብ ነቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ክዛረቦ ሓተተ። እዚ ልሙድ ሕቶ ስለ ዘይነበረ ነቲ ሓላፊ ብሓቂ ኣገሪምዎ ኢዩ: እቲ እሱር ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ዝኽሪ በዓል ንኽካፈል ዝነበሮ ድሌት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ንኽጸንሕ ፍቓድ ሃቦ። እቲ ዝኽሪ በዓል 53 ተኣከብቲ ነበርዎ: ንሳቶም ድማ ኣብቲ መወዳእታ ናይቲ ፕሮግራም ብታሕጓስ ነብዑ። ነዛ ጕጅለ እዚኣ ‘ናይ ሴርሶ ናጽነት’ ኢልና ክንጽውዓ ተሰማማዕና: ምኽንያቱ ንሳቶም ብመንፈሳዊ ኵነታት ክረአ ከሎ ናጻ ኢዮም።”
ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ብዙሕ ሞሳ ተዋሂብዎ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ካብዘን መአረሚ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ መዝነት ዘሎ ሰብ: ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምክፋል ንቕልጡፍ ተሓድሶ እሱራት ዝኸውን “ፈውሲ” ኢሉ ብግልጺ ኣፍልጦ ሃበ።
ዕዉት ናይ ተሓድሶ ፕሮግራም
ንጥፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ፍጹም ተሓድሶ ናይ ብዙሓት እሱራት ፍረ ኣርእዩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት ምስ ተፈትሑ ናብ ናይ ዓመጽ ናብራ ከም ዝምለሱ ግሁድ ኰይኑ ኸሎ: እቶም ንመልእኽቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ዝቕበልዎ ግን ምሉእ ብምሉእ ተለዊጦም ኢዮም። እቲ ዝገበርዎ ለውጢ ኸኣ ነቲ “ኣመንዝራታት . . . ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም: ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ የዘኻኽራና።—1 ቈረንቶስ 6:9-11
እቲ ዘደንቕ ለውጢ ናይ ባህርያቶም: ስምዒቶም ክገልጹ ከለዉ ይገሃድ ኢዩ። ኣብ ከተማ ካምፐቸ ኣብ እትርከብ ቤት ማእሰርቲ ካምፐቸ ዘሎ ሚገል እተባህለ እሱር “ሎሚ ንገዛእ ርእሰይ ካብ መንጎ እቶም ነቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 ከምኡውን ማቴዎስ 5:5 ተመዝጊቡ ዘሎ ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ዝቘጽራ ብሓጐስ ክዛረብ እኽእል ኢየ” ብምባል ገለጸ። ኣብ ኮቤን: ቤት ማእሰርቲ ካምፐቸ ዘሎ ሆሴ እተባህለ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “ሽሕ’ኳ እሱር: ገበነይ ከኣ ኣዝዩ ከቢድ እንተዀነ: የሆዋ ኣዝዩ መሓሪ ከም ዝዀነ: ንጸሎተይን ምህለላይን ድማ ከም ዝሰምዖ ይርድኣኒ ኢዩ። ንበደላተይ ክሓድገለይ ከምኡውን ዝተረፈ ህይወተይ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ኣብ ምስባኽ ከሕልፎ ኣጋጣሚ ክህበኒ ይኽእል ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ካብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መብጻዓታት ምእንቲ ክንጥቀም ኢሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንምብጻሕና ዘጥፍእዎ ግዜ: ሽማግለታትና ክምስገኑ ይግብኦም። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ በረኸት ኰን ኢዩ! እሱር እየ ክብል እኽእልዶ፧ ኣይፋለይን: የሆዋ እቲ ኣነ ዝደልዮ መንፈሳዊ ናጽነት ሂቡኒ ኢዩ።”
ንቐተልቲ: ብሓይሊ ዝጋሰሱ: ንብረት ብሓዊ ዘቃጽሉ: ሰረቕቲ ንዝነበሩን ካልኦትን ጽፉፍ ናብራ ዝነብሩ ክርስትያናት ንኽዀኑ ዝልውጦም እንታይ ኢዩ፧ ብመሰረት እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ሰባት ዝበልዎ እቲ ቃል ኣምላኽ ሰባት ንኽልውጥ ዘለዎ ሓይልን እቲ ምስቶም ናይ ብሓቂ ውፋያት ሰባት ዝግበር ጽቡቕ ምሕዝነትን ኢዩ። ኵነታት ናይቲ ኣብ ማዛትላን: ሲናሎኣ ኣብ ዝርከብ ናይ መአረሚ ቤት ማእሰርቲ እተኣስረ ቲበርስዮ: ዓወት ናይዚ ናይ ተሓድሶ ፕሮግራም እዚ የርኢ። ንሱ ኣብ ኮንኮርዲያ: ሲናሎኣ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ: ኣብኡ ድማ ብምኽንያት እቲ ዓመጸኛ ባህሪኡ ብዙሕ ሽግራት ነበሮ። በዓልቲ ቤቱ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢያ: ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክትበጽሖ ክትመጽእ ከላ ከይተረፈ እውን ኣዝዩ ብሕማቕ መገዲ ይሕዛ ነበረ። ንሳ ግን ዕግስቲ ነበረት ምብጽሑ እውን ቀጸለት: ስለ ዝዀነ ኸኣ: ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ከተምጽኣሉ ሓተታ: ባዕሉ ድማ ከጽንዓ ጀመረ።a ብድሕርዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ መጺኡ ጽንዓት ክገብረሉ ሓተተ። መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ጀመረ: ምስ ካልኦት ሰባት ዝነበሮ ርክብ እውን ተመሓየሸ። ናብታ ኣብ ማዛትላን እትርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ጕጅለ ዘለዉዋ ቤት ማእሰርቲ ተቐየረ: ሕጂ ኸኣ ኣስፋሒ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ሕጂ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ምስ እሱራት ብጾተይን ኰይነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ክሰምዕ ምኽኣለይ: በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍታሕን ኣብ ኵሉ ኣሰምብሊታት ከምኡውን ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክእከብ ክኽእል ብምዃነይን ዘሎኒ ተስፋ ኣመስጋኒ ኢየ።”
ብተወሳኺ ድማ: በቲ ኣብ ህይወቱ ክገብሮ ዝኸኣለ ለውጥታት ኣዝዩ ኣመስጋኒ ዝዀነ ኮርናዶ ዝበሃል ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓዳሩ ዝነበሮ ሽግር በዓልቲ ቤቱ ሓዲጋቶ ከይዳ ኢያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓሽሽ ብምውሳድ ክጸናናዕ ደለየ። ጸኒሑ ኸኣ ሓሽሽ ዘከፋፍል ኰነ። ብምኽንያት ምጕዕዓዝ ማሪዋናን ኮከይንን ተታሒዙ ኸኣ ንኽእሰር ተፈርደ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ጕጅለ ነበረ እሞ: ምስኦም ኰይኑ ጽንዓት ክገብር ተዓደመ። ንስምዒቱ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “በቲ እቲ ኣኼባታት ዝምርሓሉ ዝነበረ ስርዓት ዘለዎ መገዲ: በቲ ብጽሑፋት ገይርካ ዝግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር: ከምኡውን ኵሉ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ተመሰጥኩ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረለይ ሓተትኩ: ኣኼባታት ክካፈል ከኣ ጀመርኩ።” እዚ ብጥሪ 1993 ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ኮርናዶ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድማ ዕቤት ምግባር ይቕጽል ኣሎ።
ኤስላስ ማሪያስ
ኣብ ሜክሲኮ: ብኣርባዕተ ደሴታት ኣብ ዝቘመ ኤስላስ ማሪያስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ሓደ ዘፍርሕ ቤት ማእሰርቲ ኣሎ። እቶም እሱራት ኣብተን ተኣሲሮምለን ዘለዉ ናይ መቕጻዕቲ ደሴታት ክዛወሩ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ እሱራት ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኣብኡ ይነብሩ።
ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ተመስረተት። ሰለስተ ኣሕዋት ኣኼባታት ንምምራሕ: ጽሑፋት ንምሃብ: ከምኡውን ምትብባዕ ንኽህቡ ኢሎም ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ካብ ማዛትላን ናብኡ ይኸዱ። ሓድሓደ ግዝያት ድማ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክበጽሖም ኢሉ ይኸይድ። እቲ ገምጋም ቍጽሪ ተኣከብቲ ኸኣ ካብ 20 ክሳዕ 25 ኢዩ። ኣርባዕተ ጥሙቓትን ክልተ ዘይተጠምቁን ኣስፋሕቲ ኣለዉ። እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “ገሊኣቶም ኣብቲ ሰንበት ዝግበር ኣኼባ ንምክፋል ኢሎም 17 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ይጓዓዙ እሞ: ኣብቲ ምጽዋዕ ናይ ኣስማት ምእንቲ ከርክቡ ድማ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ቀልጢፎም ይኸዱ። እቲ መገዲ ዋላ ቀልጢፍካ እናሰጐምካ ንኽትምለስ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ይወስድ።” ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሓቂ ዝፈለጡ ኣሕዋት: ኣብዚ ቐረባ እዋን ከምዚ በለ:- “ቅድም ብዛዕባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቀልጢፍካ ምውጻእ ኢየ ዝግደስ ነይረ: ሕጂ ግን ኣብቲ የሆዋ ዝፈቐዶ እዩ ክኸውን ዝኽእል: እቲ ኰይኑ እቲ ግን ኣብ ውሽጢ እዚ ቤት ማእሰርቲ ኰይነ ዝዓዮ ብዙሕ ዕዮ ኣሎኒ።”
ሓቂ ነቶም ንየሆዋ ዘሐጕስሉ መገዲ ዘናድዩ ዘለዉ ቅኑዓት ሰባት ሓራ ንምግባር ሓይላ ትጥቀም ከም ዘላ ብምርኣይና ሕጕሳት ኢና። ካብዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም ሓቂ ዝፈለጡ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ተፈቲሖም: ተጠሚቖም: ሕጂ ድማ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን አረ ገሊኦምስ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብምዃን እውን ከይተረፉ ክብሪ ዘለዎ ህይወት ይነብሩ ኣለዉ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ ከሕውን ንሰባት እንደገና ንኸዐርን ዘለዎ ሓይሊ ብዘደንቕ መገዲ ተራእዩ ኢዩ። እዞም ሕማቕ ተግባራት ብምፍጻሞም እተኣስሩ ሰባት ሓንሳብ ኣብ መገዲ ብርሃን ናይ ቃል ኣምላኽ እንተድኣ ኣትዮም: ነታ የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል እተመባጽዖ ናይ ሓቂ ናጽነት የስተማቕርዎ ኢዮም።—ዮሃንስ 8:32፣ መዝሙር 119:105
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒውዮርክ እተሓትመት
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት ካብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም እተማህርዎ ክርስትያናዊ ሓቅታት ተጠቒሞም ኢዮም