ኣብ ማእከል ናዕቢ ብተግባር እተራእየ ክርስትና
ኵሉ ነገር ሚያዝያ 1994 ብሃንደበት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ኢዩ ጀሚሩ። ፕረዚደንትታት ብሩንዲን ሩዋንዳን ብሓደጋ ነፋሪት ተቐትሉ። ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ዘሰምብድ ደረጃታት ዘለዎ ዓመጽ ንሩዋንዳ ኣዕለቕለቓ። ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ቁሩብ ኣብ ዝዛይድ እዋን ልዕሊ 500,000 ሩዋንዳውያን—ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ—ሞቱ። ገለ ሰባት ነቲ እዋን እቲ “ዓሌታዊ ምጽናት” ኢሎም ይጽውዕዎ።
ካብቶም 7.5 ሚልዮን ደቂ ሩዋንዳ: ፍርቂ ዝዀኑ ክሃድሙ ነበሮም። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እተዓቝቡ 2.4 ሚልዮን ሰባት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ዋሕዚ ስደተኛታት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዛየር (ናይ ሕጂ ደሞክራሲዊት ሩፓብሊክ ኮንጎ): ኣብ ታንዛንያ: ከምኡውን ኣብ ብሩንዲ ብህጹጽ መዓስከር ስደተኛታት ተተኽለ። ገለ ካብቲ መዓስከራት—ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ—200,000 ዝዀኑ ሰባት ኣዕቊቡ ኢዩ።
ካብቶም ስደተኛታት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብርኦም ዘውዕሉ ኣፍቀርቲ ሰላም ዝዀኑ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ይርከብዎም ነበሩ። ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃገር ይሃልዉ ብዘየገድስ: ጽኑዕ ገለልትነት ኢዩ ዘለዎም: ነቲ ኣብዘን “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብላ ናይ ኢሳይያስ 2:4 ቃላት ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓት ድማ ኣብ ግብሪ የውዕልወን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ምጽናት ዘይተኻፈለ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ምዃኖም ብሰፊሑ እተፈልጡ ኢዮም።
የሱስ ክርስቶስ ሰዓብቱ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ተዛሪቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: “ኣብ ዓለም” ስለ ዘለዉ ካብቲ ኣብ ሃገራት ዝለዓል ናዕብታት ኵሉ ግዜ ከምልጡ ኣይክእሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:11, 14) ኣብ እዋን እቲ ናይ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ምጽናት: ገለ 400 ዝዀኑ መሰኻኽር ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም። ዳርጋ 2,000 መሰኻኽርን ኣብቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባትን ስደተኛታት ኰይኖም ኢዮም።
ክፍሊ ናይ ዓለም ዘይምዃን ክበሃል ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገብሩን ኢዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ: ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ: እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ: ሓደ ኻባኻትኩም: ብሰላም ኪዱ: ሙቑ: ጽገቡ: እንተ በሎም: እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ።” (ያእቆብ 2:15-17) ፍቕሪ ሰብ: መሰኻኽር ነቶም ደቂ እምነቶም ዘይኰኑ ሰባት ንኽሕግዙ ኣለዓዒልዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 22:37-40
ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ሩዋንዳ ሓደገኛ ኵነታት ዘጋጠሞም ኣመንቲ ብጾቶም ክሕግዝዎም እኳ እንተ ተሃንጠዩ: ነቲ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ምትሕብባር: ብምዕራብ ኣውሮጳ ክግበር ተመደበ። ኣብ ክረምቲ 1994 ካብ ኣውሮጳ ዝመጹ ጕጅለ ወለንተኛታት መሰኻኽር ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ክርስትያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምሕጋዝ ተጓየዩ። ነቶም ሩዋንዳውያን ስደተኛታት ዝኸውን ብጽቡቕ እተመሓደረ መዓስከራትን ኣብ ጐልጐል እተሰርሐ ግዝያዊ ሆስፒታላትን ተተኽለ። ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲ: ኮበርታ: መግቢ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብነፋሪት ይኹን ብመርከብ ተጻዒኑ ተላእከሎም። ልዕሊ 7,000 ዝዀኑ ውጹዓት ሰባት—ካብ ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይዱ—ካብቲ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ተጠቒሞም ኢዮም። ኣብ ታሕሳስ ናይታ ዓመት እቲኣ: ንመብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዊስካ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብርኦም ዳግም ንምህናጽ ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም ኢዮም።
ውግእ ኣብ ኮንጎ
ብ1996 ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ሩፓብሊክ ኮንጎ ውግእ ተባርዐ። እዚ ኸባቢ እዚ ምስ ሩዋንዳን ብሩንዲን ዝዳወብ ኢዩ። እንደገና ድማ ምግሳስን ቅትለትን ኰነ። ጠያይት እናተወናጨፈን ዓድታት እናነደደን ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ሃደሙ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጻወድያ ናይቲ ናዕቢ ኣተዉ: ዳርጋ 50 ዝዀኑ ድማ ሞቱ። ገሊኣቶም በራሪ ጠያይት ኢዩ ቀቲልዎም። ካልኦት ድማ ኣባላት ናይ እተወሰነ ዓሌታዊ ጕጅለ ብምዃኖም ወይ ድማ ጸላእቲ ኢኹም ተባሂሎም ብጌጋ ኢዮም ተቐቲሎም። 150 መሰኻኽር ዝቕመጡላ ሓንቲ ቑሸት ብሓዊ ነደደት። ኣብ ካልእ ኣቑሻት ከኣ ብደርዘን ዝቝጸር ኣባይትን ኣደራሻት መንግስትን ብሓዊ ነደደ። መሰኻኽር ኣባይቶምን ጥሪቶም ብምጥፍኡ ናብ ካልእ ከባቢታት ሃደሙ: ካብቶም ኣብቲ ዝሃደምሉ ቦታታት ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቶም ድማ ሓገዝ ረኸቡ።
ኣእካል ብምጥፍኡ: ናይ መግቢ መኽዘናት ብምዝራፉ: ቀረብ ዝመጽኣሉ መስመራት ብምብታኹ ነቲ ውግእ ስዒቡ ጥሜት መጸ። እቲ ክርከብ ዝከኣል መግቢ ዋግኡ ክቡር ኢዩ። ኣብ ኪሳንጋኒ: ኣብ መጀመርታ ግንቦት 1997 ዋጋ 1 ኺሎ ድንሽ ዳርጋ ሰለስተ ዶላር ነበረ: እዚ ድማ ንዝበዝሕ ሰብ ልዕሊ ዓቕሙ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ ኢዮም ክበልዑ ዝኽእሉ ነይሮም። ንዋሕዲ መግቢ ስዒቡ ሕማም ከም ዝመጽእ እተረጋገጸ ኢዩ። ጕድለት እተመጣጠነ መግቢ ነቲ ኣካል ሰብ ንዓሶ: ሕማም ውጽኣት: ከምኡውን ናይ ከስዐ ጸገማት ክከላኸል ዘለዎ ዓቕሚ የድክሞ ኢዩ። ብፍላይ በዚ ዝሳቐዩን ዝሞቱን ድማ ቈልዑ ኢዮም።
ነቲ ዘድሊ ሓገዝ ምጽናዕ
ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘድሊ ሓገዝ ንምሃብ እንደገና ቅልጡፍ ምላሽ ኣርኣዩ። ሚያዝያ 1997 ክልተ ናይ ሕክምና ዶክተራት ዝርከብዋ ናይ መሰኻኽር ጕጅለ ረድኤት: መድሃኒትን ገንዘብን ሒዛ ብነፋሪት ናብቲ ቦታ ከደት። ኣብ ጎማ: ናይቲ ኸባቢ መሰኻኽር ህጹጽ ሓገዝ ክዋሃብ ምእንቲ ኽከኣል ነቲ ዅነታት ንምጽናዕ ድሮ ናይ ረድኤት ኮሚተታት ኣቚሞም ነበሩ። እታ ጕጅለ ነቲ ኸተማን ንኸባቢኡን ዳህሰሰቶ። ካብ ርሕቕ ዝበለ ከባቢታት ጸብጻባት ንምእካብ ልኡኻት ተሰዱ። ካብ ጎማ ንምዕራብ ልዕሊ 1,000 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ኪሳንጋኒ እውን ሓበሬታ ተረኽበ። ናይቲ ከባቢ ኣሕዋት ኣብቲ ገለ 700 ዝዀኑ መሰኻኽር ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ጎማ ንዝካየድ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ንምውህሃድ ሓጊዞም ኢዮም።
ሓደ ካብቶም ኣብ ጎማ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ከምዚ በለ:- “ኣሕዋትና ክሕግዙና ኢሎም ክንድዚ ዝኣክል ርሕቀት ተጓዒዞም ክመጹ ምስ ረኣና ኣዚና ተተንኪፍና ኢና። ቅድሚ ምምጽኦም: ንሓድሕድና ተሓጋጊዝና ኢና። ኣሕዋት ካብቲ ሃገረሰብ ናብ ጎማ ክሃድሙ ነበሮም። ገሊኣቶም ኣባይቶም ዝሰኣኑ: ግራውቶም ድማ ዝሓደጉ ኢዮም። ኣብ ኣባይትና ተቐቢልና ክዳውንትናን እታ ዝነበረትና ንእሽቶ መግብን ኣማቐልናዮም። ኣብቲ ኸባቢ ብዓቕምና ክንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ኣይነበረን። ገሌና ብሰንኪ ዋሕዲ እተመጣጠነ መግቢ ንሳቐ ነበርና።
“ይኹን እምበር: ካብ ኣውሮጳ ዝመጹ ኣሕዋት ነቲ ብቐሊሉ ዘይርከብን ዋግኡ ድማ ኣዝዩ ክቡርን ዝነበረ መግቢ ክንገዝኦ ዘኽእለና ገንዘብ ሒዞምልና መጹ። ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ኣባይቶም ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ስለ ዘይነበሮም: እቲ መግቢ ኣብቲ ልክዕ እዋኑ ኢዩ ተረኺቡ። ነቲ መግቢ ንመሰኻኽርን ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑን ዓደልናዮ። እቲ መግቢ ኣብቲ እዋን እቲ እንተ ዘይመጽእ ነይሩ: ተወሰኽቲ ብዙሓት ሰባት: ብፍላይ ድማ ቈልዑ ምሞቱ ነይሮም። የሆዋ ህዝቡ ኣድሒኑ ኢዩ። መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት በቲ ዅነታት ኣዝዮም ተመሲጦም ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ንሓድነትናን ፍቕርናን ዝምልከት ርእይቶ ሂቦም ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ሓቀኛ ሃይማኖት ናትና ምዃና ኣፍልጦ ሃቡ።”
ሽሕ’ኳ መግቢ ካብቲ ኸባቢ እንተ ተዓደገ መድሃኒት ድማ እንተ ተዓደለ: ተወሳኺ የድሊ ነበረ። ክዳውንትን ኮበርታን: ከምኡውን ብዙሕ ቀረብ መግብን መድሃኒትን የድሊ ነበረ። ነቲ ዝዓነወ ኣባይቲ ዳግም ንምህናጽ እውን ሓገዝ ኣድልዩ ኢዩ።
ብልግሲ ዝህቡ ሰባት
ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ኣሕዋት እንደገና ክሕግዙ ደለዩ። ኣብ ሉቪየ: ፈረንሳ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነተን ኣብ ስንጭሮ ሮን: ከምኡውን ኣብ ኖርማንዲ ዝርከባን ንገለ ካብተን ኣብ ፓሪስ ዘለዋን ጉባኤታት ጻውዒት ኣቕረበ። ኣብዚ ድማ ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ወዓለ:- “እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ: እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ። ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።”—2 ቈረንቶስ 9:6, 7
ብኣሽሓት ዝቘጸሩ ኣሕዋት ብልግሲ ንምሃብ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተሓጒሶም ተጠቕምሉ። ክዳውንቲ: ሳእኒ: ከምኡውን ካልእ ኣቕሑ ዝሓዘ ሰናዱቕን ሳንጣታትን ናብ ኣደራሻት መንግስቲ ክውሕዝ ጀመረ: ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገዓዘ። ኣብኡ ድማ 400 ወለንተኛታት ኣብ ስዒቡ ክመጽእ ዝነበሮ ስርሒት “ሓገዝ ንዛየር” ንምስታፍ ድሉዋት ነበሩ። እቲ እተወፈየ ኣቕሑ ናብቲ ቦታ ክውሕዝ ከሎ: እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ነቲ ኽዳውንቲ በብናቱ ይፈላልይዎ: ይዓጽፍዎ: ኣብቲ በብ30 ኰይኑ እተጠርነፈ ሰናዱቕ ድማ ይዕሽግዎ ነበሩ። ቈልዑ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘኪሮም ናይ ቈልዑ መጻወቲ—መጻወቲ ማካይን: ከም ዓካት ዝሕምበብ መጻወቲ: ባምቡላታት: ከምኡውን ድቢ ዝመስል መጻወቲ—ለኣኹ። እዚ ምስቲ ንህይወት ዘድሊ ነገራት ብሓንሳእ ተጠርነፈ። ኵሉዅሉ: ትሽዓተ ነናይ 12 ሜትሮ ኮንተይነራት መሊኡ ናብ ኮንጎ ብመርከብ ተላእከ።
ብሓገዝ ናይቶም ኣብ ቤልጅዩም: ፈረንሳ: ከምኡውን ስዊዘርላንድ ዝርከቡ መሰኻኽር ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እተላእከ ረድኤት ክንደይ ዝኣክል ኢዩ፧ ሰነ 1997 እቲ ጠቕላላ ድምር 500 ኪሎ ግራም መድሃኒት: 10 ቶን ዝለዓለ ፕሮቲን ዘለዎ ብሽኮቲ: 20 ቶን ካልእ ዓይነት መግብታት: 90 ቶን ክዳውንቲ: 18,500 ጽምዲ ሳእኒ: ከምኡውን 1,000 ኮበርታ ነበረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እውን ይውሕዝ ነይሩ ኢዩ። እዚ ዅሉ ነቶም ስደተኛታት ንምጽንናዕን ኣብ ፈተናታቶም ንኽጽመሙ ብምሕጋዙን ብዙሕ ሞሳ ተዋሂብዎ ኢዩ። ዋጋ ናይቲ ረድኤት ብድምር ዳርጋ 1,000,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ዝበጽሕ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ውጽኢታት: ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ሰባት ዘሎ ሕውነትን ፍቕርን ዘረጋግጽ ኢዩ።
ኣብ ኮንጎ ዝነበረ ኣተዓዳድላ
እቲ ኣቕሑ ኣብ ኮንጎ ክበጽሕ ምስ ጀመረ: ምስተን ናይቲ ከባቢ ናይ ረድኤት ኮሚተታት ንምዕያይ: ክልተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓብትን ካብ ፈረንሳ ከዱ። ነቲ ደቂ ኮንጎ መሰኻኽር ዝገለጽዎ ምስጋና ኣመልኪታ: ጆስላን ከምዚ በለት:- “ብዙሕ ናይ ምስጋና ደብዳበታት ተቐበልና። ሓንቲ ድኻ ሓብቲ ካብ ማላካይት ዝበሃል ማዕድን እተሰርሐት ስልማት ሃበትኒ። ካልኦት ናይ ገዛእ ርእሶም ስእልታት ሃቡና። ካብቲ ቦታ ክንብገስ ከሎና: ኣሓት ሰዓማኒ: ሓቘፋኒ: በኸያ። ኣነ እውን በኸኹ። ብዙሓት ‘የሆዋ ብሩኽ ኢዩ። የሆዋ ብዛዕባና ይሓስብ ኢዩ’ ዝብል ርእይቶታት ይህቡ ነበሩ። ስለዚ በቲ እተገብረ ህያብ ክኸብር ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡ። ነቲ መግቢ ክንዕድሎ ኸሎና: ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ መንግስቲ መዛሙራት ገይሮም ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ። ኣዝዩ ስምዒትካ ዝትንክፍ ኢዩ ነይሩ።”
ሎኢክ እተባህለ ናይ ሕክምና ዶክተር ኣባል ናይቲ ጕጅለ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ተኣኪቦም ሕክምናዊ ሓገዝ ክህቦም ብትዕግስቲ ይጽበይዎ ነበሩ። ሓንቲ ጓል ኮንጎ ሓብቲ ብግዲኣ ገለ ነገር ክትገብር ስለ ዝደለየት: ነቶም ነቲ ዶክተር ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰባት ዝኸውን 40 ምቁር ሕብስትታት ሰንኪታ ኣበርከተት። ዳርጋ 80 ዝዀኑ ሰባት ይጽበዩ ብምንባሮም: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍርቂ ናይቲ ምቁር ሕብስቲ ተቐበለ።
መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት እተዋህበ ሓገዝ
እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ እተዋህበ ኣይነበረን። ልክዕ ከምቲ ኣብ 1994 እተገብረ ካልኦት እውን ተጠቀምቲ ናይቲ ሓገዝ ኰይኖም ኢዮም። እዚ ምስ ገላትያ 6:10 ዝሰማማዕ ኢዩ: ከምዚ ኸኣ ትብል:- “እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
እቶም መሰኻኽር ኣብ እተፈላለያ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ጥቓ ጎማ ኣብ ዝርከብ ሓደ መዕቈብ ዘኽታማትን መድሃኒት ከምኡውን ክዳውንቲ ዓደሉ። እቲ መዕቈብ ዘኽታማት 85 ቈልዑ ዝኣሊ ኢዩ። ነቲ ዅነታት ንምጽናዕ ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ: እታ ናይ ረድኤት ጕጅለ ናብቲ መዕቈብ ዘኽታማት ክትበጽሕ ከላ 50 ሰናዱቕ ዝለዓለ ፕሮቲን ዘለዎ ብሽኮቲ: ክዳውንቲ: 100 ኮበርታታት: መድሃኒት: ከምኡውን ናይ ቈልዑ መጻወቲ ዝሓዘ ሰናዱቕ ከተምጽእ ምዃና ተመባጺዓ ነበረት። እቶም ቈልዑ ኣብቲ ቐጽሪ ተሰሪዖም ነቶም በጻሕቲ ዘመሩሎም። ቀጺሎም ሓንቲ ፍልይቲ ሕቶ: ማለት ኵዕሶ እግሪ ዝጻወቱላ ሓንቲ ኵዕሶ ክረኽቡ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ሓተቱ፧
ሓያለይ ሰሙናት ጸኒሓ እታ ናይ ረድኤት ኮሚተ: ነቲ ሓገዛት ንምምጻእ ዝኣተወቶ ቃል ፈጸመት። ናይቲ መዕቈቢ ዘኽታማት ዳይረክተር በቲ እተገብረ ልግሲ ከምኡውን በቲ ካብቲ እተዋህቦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ዘንበቦ ተመሲጡ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ዘይተርፎ ምዃኑ ተዛረበ። እቶም ቘልዑኸ ኵዕሶ ረኸቡዶ፧ ናይታ ካብ ፈረንሳ ዝመጸት ጕጅለ ረድኤት ኣዋሃሃዲ ዝነበረ ክሎድ “ሓንቲ ዘይኰነትስ ክልተ ኰዓሳሱ ሃብናዮም” ብምባል መለሰ።
መዓስከር ስደተኛታት
እቲ ሓገዝ ኣብ ኮንጎ ጥራይ ኣይተደረተን። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ካብቲ ናይ ውግእ ዞባታት ሃዲሞም ናብታ ብህጹጽ ሰለስተ መዓስከራት እተተኽለላ ጐረቤት ሃገር ሃደሙ። መሰኻኽር እውን እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ንምዕዛብ ናብቲ ቦታ ኸዱ። እዚ ጸብጻብ እዚ ክዳሎ ኸሎ: እቲ መዓስከራት መብዛሕትኦም ካብ ኮንጎ ዝመጹ 211,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣዕቊቡ ነበረ። ዳርጋ 800 ዝዀኑ ድማ መሰኻኽርን ደቆምን ከምኡውን ኣብቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ውልቀ-ሰባት ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ መዓስከራት ካብ ዝነበረ ዘየላቡ ጸገማት ሕጽረት መግቢ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ መዓስከር: ንሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ዝኸውን መግቢ ነበረ: እዚ ድማ ንሰለስተ ዓመት ተዓቚሩ ዝጸንሐ ባልደንጓ ዘጠቓለለ ነበረ።
እንተዀነ ግን: እቶም መሰኻኽር ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኢዮም ነይሮም። ሒደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እኳ እንተ ነበሮም: ብመንፈስ ምእንቲ ኽህነጹ ኣብ ጐልጐል ስርዓታዊ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። ነቶም ኣብቲ መዓስከራት ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስባኽ እውን ትሑዛት ኢዮም ነይሮም።—ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25
እታ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለ ሓደ ናይ ሕክምና ዶክተር ዝሓዘት ኢያ ነይራ። እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር ንሒደት መዓልትታት ጥራይ ክትጸንሕ እኳ እንተ ኣፍቀዱላ: እታ ጕጅለ ሕክምናዊ ምኽርታት ሂባ ኢያ። ነቶም ክርስትያን ሽማግለታት መድሃኒትን ገንዘብን ሓዲጋትሎም ከደት። በዚ ኸኣ: እቶም ኣሕዋት ብህይወት ክቕጽሉ ከኣሉ። እታ ጕጅለ እቶም መሰኻኽር ድሕሪ ቐረባ እዋን ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ ዝብል ተስፋ ድማ ነበራ።
ብዛዕባ መጻኢኸ፧ የሱስ ክርስቶስ ግዜና ሓደ ካብቲ ብርቱዕ ናዕቢ ዝህልወሉ: ብውግእን ዋሕዲ መግብን እተፈልጠ እዋን ከም ዝኸውን ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። (ማቴዎስ 24:7) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስቓይ መወዳእታ እትገብረሉ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ይፈልጡ ኢዮም። ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ: ምድራዊት ቤትና እዙዛት ደቅሰብ ሰላምን ሽሻይን ዘለኣለማዊ ሓጐስን ዝረኽቡላ ገነት ክትከውን ኢያ። (መዝሙር 72:1, 3, 16) ክሳዕ ሽዑ ግን: እቶም መሰኻኽር ብስራት ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ክእውጁ ከምኡውን ንኣምለኽቲ ብጾቶምን ንኻልኦትን ኣብ እዋን ጸገሞም ምሕጋዝ ክቕጽሉ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ካብ 1994 ኣትሒዞም: ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዘለዉ መሰኻኽር ጥራይ ልዕሊ 190 ቶን መግቢ: ክዳን: መድሃኒት: ከምኡውን ካልእ ናይ ረድኤት ቀረባት ናብ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ልኢኾም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ብግብሪ እተራእየት ክርስትያናዊት ፍቕሪ
ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ስርሒት “ሓገዝ ንዛየር” ብህንጡይነት እተሳተፉ ሰባት ሓንቲ: ሩት ዳኔይ ኢያ። ቈልዓ ኸላ ብምኽንያት ክርስትያናዊ እምነታ ኣብቲ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ተኣሲራ ነበረት። ከምዚ ብምባል ድማ ሓሳብ ትህብ:- “ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገለ ነገር ክንገብረሎም ኣዝዩ ኢዩ ሓጐስ ተሰሚዑና! ድርብ ሓጐስ ክሕጐስ ዝገበረኒ ካልእ ነገር ግን ነይሩ ኢዩ። ብ1945: ካብ ጀርመን ንዓድና ምስ መጻእና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረናን። እቲ ክዳውንትና እውን እንተዀነ ዝለመንናዮ ኢዩ ነይሩ። ብኡንብኡ ግን: ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኣሕዋትና ንዋታዊ ሓገዝ ረኸብና። ስለዚ እዚ ናይ ረድኤት ጻዕሪ እዚ ነቲ ቅድሚ ነዊሕ እዋን እተገብረለይ ሕያውነት ክመልስ ኣጋጣሚ ሂቡኒ ኢዩ። ኣባል ናይቲ ንክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ዘርእይዋ ኣሕዋት ዝሓዘ ዓቢ ስድራቤት ምዃንስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!”—ዮሃንስ 13:34, 35
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ድሕሪ ቐረባ ግዜ ሽሻይ ዝመልኣ ምድራዊት ገነት ንዅሎም ሰባት ክትመጸሎም ኢያ