ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሓቂ ኣቃሊዖም
ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዓርቢ ወጋሕታ ናይ 29 ጥሪ 1999 ጀሚሮም ክሳዕ ሰንበት: 12 ሚልዮን ቅዳሓት ናይታ ህዝቢ ፈረንሳ: ትታለሉ ኣለኹም ! ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ትራክት ኣብ መገድታት ድሓር ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ብውዕዉዕ መንፈስ ዓዲሎም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈራ ምግባር ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ዓርቢ ንግሆ: ኣብ ፓሪስ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ: ናይቲ ወፈራ ዕላማ ተገሊጹ ኢዩ። ሓደ ኣፈኛ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ሎሚ እዚ እንገብር ዘሎና: እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ንሰባት ንኸነፍልጥ: ነቲ ብዛዕባና እተነዝሐ ናይ ምጽላም ወረ ኸኣ ከም ዘቋርጽ ንምግባር ኢዩ። ነቐፌታ ንምቕባል ቅሩባት ኢና: ንስምና ዘጸልም ሓሶታትን ሓሳባትን ግን ድሕሪ ደጊም ክንሰምዖ ኣይንደልን ኢና።”
ሽሕኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብዝሖም ካብተን ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ናይ ክርስትያን ሃይማኖታት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝምደቡ እንተዀኑ: ብዙሓት ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ተጸሪፎምን ተሰራጥዮምን ኢዮም። ዓበይቲ ሰባት እውን ብሰንኪ እምነቶም ካብ ስራሕ ተሰጒጎምን ምጕብዕባዕ ኣጋጢምዎምን ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ: ካብቲ ዝረኽብዎ ሃይማኖታዊ ውጽኢት እውን ከይተረፈ 60 ሚእታዊት ቀረጽ ክስለዖ ተመዲቡ ኢዩ። እዚ ወፈራ እዚ ነዚ ኣድልዎ ብኸመይ ኢዩ ዘቃልዖ፧
እታ ትራክት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እዞም ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ 250,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምስኦም ዝሓብሩ ብጾቶምን: እቲ ካብ 1900 ኣትሒዙ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ክርስትያናዊ ሃይማኖቶም ካብ 1995 ጀሚሩ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ምስ ሓደገኛ ኣንቆራታት ስለ እተቖጽሩ ተቓውሞኦም ይገልጹ። . . . ብቐጻሊ መጥቃዕቲ ስለ ዝወረዶም እውን ተቓውሞኦም ይገልጹ።” እቲ ኣብዞም ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ናይ ሓሶት ክሲ ከምኡውን እቲ ህዝቢ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ከሕድር እቶም መታለልቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ተቓሊዑ ኢዩ። እታ ትራክት ከምዚ ብምባል ትድምድም:- “ሎሚ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምስኦም ዝሓብሩ ብጾቶምን ኣብ ኣውሮጳ ይነብሩ ኣለዉ። ንወንጌል ክብ ኣቢሎም ብምርኣይ ንሕጊ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት የኽብሩ ኢዮም። ህዝቢ ፈረንሳ: እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ክንገልጸልኩም ሓላፍነትና ኢዩ!”
ቅልጡፍን ኣወንታውን መልሲ
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብሚልዮናት ዝቝጸር ትራክትታት ተዓዲሉ ኢዩ። ኣብ ፓሪስ ጥራይ 7,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ 1.3 ሚልዮን ትራክትታት ዓደሉ። ክንድዚ ዝኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መገዲ ትራክት ክዕድሉ ምርኣይ ነቶም ሰባት መጀመርታ ግዜኦም ምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ናይ መንግስቲ ከምኡውን ኣብቲ ዓዲ ዝርከባ ጋዜጣታትን ተሌቪዥንን ወሲኽካ: መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ወፈራ ብጽቡቕ ገሊጽዎ ኢዩ። እታ ለ ፐሮግሬ ደ ሊዮ እትበሃል ጋዜጣ ከምዚ በለት:- “እዚ ተበግሶ እዚ . . . ነቲ ብዛዕባ ሓንቲ ቃል ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣቃሊዑ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እታ ‘ኣንቆራ’ እትብል ቃል . . . ዘይቅኑዕ: ሓደገኛ: ከምኡውን ጐዳኢ ዝብል ትርጕም ሒዛ ኢያ ጸኒሓ። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕብረተሰብ ዘናዕቡ ሓደገኛታት ሰባት ኣይኰኑን።”
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላማውያንን ንናይ ሕብረተሰብ ስርዓት ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዎምን ምዃኖም ዝፈልጥዎም ሰባት የመስግንዎም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ብዙሓት ኣብ ጐደናታት ዝነበሩ ሰባት ነቶም ኣብ ወፈራ እተሳተፉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞሳኦምን ደገፎምን ዝገለጹሎም። ብኡንብኡ ነታ ትራክት ዝረኸቡ ሰባት ብተሌፎን: ብፋክስ: ከምኡውን ብደብዳበ ገይሮም ምስጋንኦም ገለጹ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: እቶም ቅኑዓት ሰባት እቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዘርበ ናይ ፈጠራን ናይ ዕሽነትን ርእይቶታት ሓቂ ከም ዘይኰነ ንኽፈልጡ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኢዮም። እቶም ብዛዕባ እምነቶም ናይ ምጽላም ወረ እተነዝሖም ሰባት ከኣ ነቲ ዘኽብርዎ እምነቶም እንታይ ዓይነት ስምዒት ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም።