መጽሓፍ ቅዱስ ብዜደንቕ መገዲ ተዓቀበ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ እዩ፣ ዳርጋ 4.8 ቢልዮን ቅድሓት ድማ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ 2007 ጥራይ፡ ልዕሊ 64,600,000 ቅድሓት ተሓቲሙ እዩ። እቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብብዝሒ እተሸጠ ልቢ ወለድ ግን፡ ኣብ መጀመርታ፡ 12 ሚልዮን ቅዳሕ ጥራይ እዩ ተሓቲሙ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ቕዳሓቱ ቐዳማይ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብዙሕ ሓደገኛ ዅነታት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ብዙሕ ሳዕ ተኣጊዱን ተቓጺሉን እዩ፣ እቶም ኪትርጕምዎ ዝደለዩ ሰባት ድማ ተጨቊኖምን ተቐቲሎምን እዮም። ኰይኑ ግን፡ ንህልውናኡ ዓብዪ ሓደጋ ዝዀኖ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል መስጐጕቲ ዘይኰነስ፡ እቲ በብግዜኡ ዜጋጥሞ ዝነበረ ናይ ምብልሻው ጸገም እዩ። ስለምንታይ፧
መጽሓፍ ቅዱስ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ፣ ካብዚ ድማ እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ መጻሕፍቲ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር ብእስራኤላውያን እተጻሕፈ ወይ እተጠርነፈ እዩ። እቶም ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ዝጸሓፉ ጸሓፍትን እቶም ካብኡ ዝቐድሑ ቐዳሕትን ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ኣብ ከም ፓፒሩስን ቈርበትን ዝኣመሰለ ዚበላሾ ነገራት እዮም ጽሒፎምዎ። ዋላ ሓደ ኻብዚ በዅሪ ጽሑፋት እዚ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይተረኽበን። ይኹን እምበር፡ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ብኣሽሓት ዚቝጸር ጥንታውያን ቅድሓት ተረኺቡ እዩ። ሓደ ኻብዚ ቝርጽራጽ ጽሑፋት እዚ ንወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ እቲ በዅሪ ጽሑፍ ብሃዋርያ ዮሃንስ ምስ ተጻሕፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ እተቐድሐ እዩ።
ቅድሓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ምጽናሑ ዜደንቐና ስለምንታይ እዩ፧ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፋት እተመዝገበ መልእኽቲ ማዕረ ኽንደይ ብትኽክል ሒዙ ኣሎ፧
ካልእ ጥንታውያን ሰነዳት እንታይ ኰነ፧
ምስ ጽሑፋት እቶም ብግዜ እስራኤላውያን ዝነበሩ ኻልኦት ህዝብታት ኪወዳደር ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ግዜና ተዓቂቡ ኺጸንሕ ዝኸኣለሉ መገዲ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ መዋእል ሽሕ ቅ.ክ. ጐረባብቲ እስራኤላውያን ዝነበሩ ፊንቄኣውያን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዞም ነጋዶ ባሕሪ ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ ፊደላቶም ኣብ ብምሉኡ ኸባቢ ባሕሪ መዲተራነያን ዘርጊሖምዎ ነይሮም እዮም። ምስ ግብጽን ናይ ግሪኽ ዓለምን ብዙሕ ፓፒሩስ እናተሻየጡ መኽሰብ ይረኽቡ ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ ናሽናል ጂኦግራፊክ እትበሃል መጽሔት ብዛዕባ ፊንቄኣውያን ከምዚ በለት፦ “መብዛሕትኡ ጽሑፋቶም ኣብቲ ብቐሊሉ ዚበላሾን ዚብስብስን ፓፒሩስ ይጸሓፍ ስለ ዝነበረ፡ ብቐንዱ ኻብቲ ጸላእቶም ዝጸብጸብዎ ቔናን ጸብጻባት ኢና ብዛዕባኦም እንፈልጥ። ፊንቄኣውያን ብስነ-ጽሑፍ ሃብታማት ከም ዝነበሩ ይዝረበሎም እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግን ብግዜ ጥንቲ ጠፊኡ እዩ።”
እቲ ጽሑፋት ጥንታውያን ግብጻውያንከ፧ እቲ ኣብ መናድቕ ቤተ መቕደስን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝቐረጽዎ ወይ ዝሰኣልዎ ሃይረግሊፍ ዚበሃል ጽሕፈት ፍሉጥ እዩ። ግብጻውያን ንፓፒሩስ ከም ናውቲ ጽሕፈት ገይሮም ብምጥቃሞም እውን ውሩያት እዮም። ይኹን እምበር፡ ከነት ኣንደርሰን ኪችን ዚበሃል ብዛዕባ ጥንታዊት ግብጺ ዜጽንዕ ምሁር፡ ኣብ ፓፒሩስ እተጻሓፈ ጽሑፋት ብዚምልከት ከምዚ በለ፦ “ዳርጋ 99 ሚእታዊት ካብቲ ኻብ ከባቢ 3000 ክሳዕ ዘመነ ግሪኻውያንን ሮማውያንን እተጻሕፈ ጽሑፋት ፓፒሩሳት ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ እዩ።”
እቲ ኣብ ፓፒሩስ እተጻሕፈ መዛግብቲ ሮማውያንከ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ንርአ። ብመሰረት እታ ሮማን ሚሊታሪ ሪኮርድስ ኦን ፓፒረስ (ወተሃደራዊ መዛግብቲ ሮማ ኣብ ፓፒሩስ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ወተሃደራት ሮማ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ እዩ ዚኽፈሎም ነይሩ፡ እቲ ኽፍሊት ድማ ኣብ መዝገብ ፓፒሩስ ይጸሓፍ ነበረ። ኣብቲ ኻብ ዘመነ ኣውጉስጦስ (27 ቅ.ክ.–14 ድ.ክ.) ክሳዕ ዘመነ ዳዮክሊሽያን (284-305 ድ.ክ.) ዝነበረ 300 ዓመት፡ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ 225,000,000 ዚኣክል ክፍሊታት ከም እተገብረ ይግመት። ካብዚ ዅሉ፡ ሎሚ ኽንደይ ዚኣክል ተረኺቡ፧ ኪንበብ ዚከኣል ክልተ ጥራይ እዩ ተረኺቡ።
ካብቲ ኣብ ፓፒሩስ እተጻሕፈ ጥንታዊ ሰነዳት፡ ሒደት ጥራይ ኪርከብ እተኻእለ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ፓፒሩስን ብራናን ዝኣመሰለ ዝውቱር ናውቲ ጽሕፈት፡ ኣብ ጠሊ ዘለዎ ዅነታት ኣየር ብቐሊሉ እዩ ዚበላሾ። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ “ኣብቲ እዋን እቲ [ኣብ ቀዳማይ መዋእለ ሽሕ ቅ.ክ.] ዝነበረ ሰነዳት ፓፒሩስ፡ ብሰንኪ ዅነታት ኣየር፡ ኣብ ደረቕ ምድረ-በዳ ኣብ ዚርከብ በዓቲ ወይ መዕቀሊ ጥራይ እዩ ኺዕቀብ ዚከኣል ነይሩ” ይብል።
ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስከ፧
በዅሪ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ፊንቄኣውያንን ግብጻውያንን ሮማውያንን ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ተኣፋፊ ናውቲ ጽሕፈት ይጸሓፍ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽሑፍ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ተዓቂቡ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዘለዎ መጽሓፍ ኪኸውን ዝኸኣለ ደኣ እሞ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ ፕሮፌሰር ጄምስ ኤል. ኩገል ሓደ ምኽንያት ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ በዅሪ ጽሑፋት፡ “ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ሳዕ” ከም እተቐድሐ ሓቢሩ ኣሎ።
ዘመናዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ኪነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧ ሓደ ኻብቶም ነቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ንምጽናዕን ንምሕታምን እተመደቡ ጕጅለ ኽኢላታት ዝነበረ ፕሮፌሰር ሁልዮ ትረቦየ ባሬራ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ እተመሓላለፈሉ መገዲ ዜደንቕ ልክዕነት ዝሓለወ እዩ፡ ኣብ ክላሲካዊ ስነ-ጽሑፍ ግሪኽኛን ላቲንን እውን መወዳድርቲ የብሉን” በለ። ፍረደሪክ ኤፍ. ብሩስ ዚበሃል ኣኽቢርካ ዚርአ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ዚድግፍ መርትዖ፡ ካብቲ ሓቅነቱ ፈጺምካ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ሓያሎ ጽሑፋት ክላሲካዊ ደረስቲ ኣጸቢቑ ይዛይድ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሓድሽ ኪዳን ጥርናፈ ዓለማዊ ጽሑፋት እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ሓቅነቱ ብሓፈሻ ፈጺምካ ዘየጠራጥር ጌርካ ምተራእየ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሓቂ ዜደንቕ መጽሓፍ እዩ። እሞኸ መዓልታዊ ግዜ መዲብካ ተንብቦ ዲኻ፧—1 ጴጥሮስ 1:24, 25።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ [ብሉይ ኪዳን] እተመሓላለፈሉ መገዲ ዜደንቕ ልክዕነት ዝሓለወ እዩ፡ ኣብ ክላሲካዊ ስነ-ጽሑፍ ግሪኽኛን ላቲንን እውን መወዳድርቲ የብሉን።”—ፕሮፌሰር ሁልዮ ትረቦየ ባሬራ
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ኣስታት 6,000 ዚኣክል ብኢድ እተጻሕፈ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ወይ ብሉይ ኪዳን፡ ከምኡውን ኣስታት 5,000 ዚኣክል ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ወይ ሓድሽ ኪዳን ኣሎ
[ምንጪ ስእሊ]
Left: Todd Bolen/Bible Places.com; right: Shrine of the Book, Israel Museum, Jerusalem
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
From the book The Parallel Bible, The Holy Bible, 1885