ምዕራፍ ሸውዓተ
እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ
ትንሳኤ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ብኸመይ ንፈልጥ፧
የሆዋ ንምዉታት ብዛዕባ ምትንሳእ እንታይ ስምዒት ኣለዎ፧
መን እዮም ኪትንስኡ፧
1-3. ከመይ ዝበለ ጸላኢ እዩ ንዅላትና ዚስዕበና ዘሎ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ምምርማርና እፎይታ ዜምጽኣልናኸ ስለምንታይ እዩ፧
ካብ ሓደ ሕሱም ጸላኢ ትሃድም ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ካባኻ ኣጸቢቑ ዚብርትዕን ዚቕልጥፍን እዩ። ንገለ ኻብ ፈተውትኻ ኪቐትሎም ስለ ዝረኣኻዮ ኸም ዘይምሕረካ ትፈልጥ ኢኻ። ካብኡ ኸተምልጥ ዝገበርካ እኳ እንተ ገበርካ፡ የርክበካ እዩ ዘሎ። ተስፋ ዚብሃል የብልካን። ብሃንደበት ግና ሓደ መድሓኒ ኣብ ጐድንኻ መጸ። ካብቲ ጸላኢኻ ኣጸቢቑ ዚብርትዕ እዩ፣ ኪሕግዘካ እውን መብጽዓ ኣትዩልካ እዩ። ነዚ ምስ ረኣኻስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ እፎይ እትብል!
2 ከምዚ ዓይነት ጸላኢ ይስዕበካ ኣሎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ኵላትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢና ዘለና። ቀቅድሚ እዚኣ ኣብ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ጸላኢ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። ዋላ ሓደ ኻባና ኻብኡ ኼምልጥን ንዕኡ ተቓሊሱ ኼሰንፎን ዚኽእል የልቦን። መብዛሕትና እዚ ጸላኢ እዚ ህይወት እነፍቅሮም ሰባት ኬጥፍእ ርኢናዮ ኢና። የሆዋ ግና ካብ ሞት ኣጸቢቑ ዚሕይል እዩ። ነዚ ጸላኢ እዚ ኺስዕሮ ኸም ዚኽእል ብግብሪ ዘርኣየ ፈቃር መድሓኒ እዩ። ንሞት ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዜጥፍኦ እውን ኣተስፍዩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ” ኢሉ ይምህር። (1 ቈረንቶስ 15:26) እዝስ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን እዩ!
3 እዚ ጸላኢ እዚ ንእንፈልጦም ሰባት ምስ ቀተለ፡ ብኸመይ ከም እንትንከፍ እስከ ንርአ። ነዚ ምዝካርና ነቲ ምዉታት እንደገና ብህይወት ኪነብሩ ምዃኖም የሆዋ ዘተስፈዎ ዜሐጕስ ተስፋ ኸነማስወሉ ኺሕግዘና እዩ። (ኢሳይያስ 26:19) እወ፡ እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። እዚ ድማ ተስፋ ትንሳኤ ይብሃል።
እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት
4. (ሀ) የሱስ ሓደ ዜፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተ እተሰምዖ ስምዒት ብዛዕባ ስምዒታት የሆዋ ዚምህረና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ፍሉይ ምሕዝነት እዩ ዘማዕበለ፧
4 እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ሽዑ ዚስምዓካ ጓህን ሓዘንን ተስፋ ምቝራጽን እትጻወሮ ኣይመስለካን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ምጽንናዕ ንምርካብ ንቓል ኣምላኽ ክንውከሶ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ሞት እንታይ ስምዒት ከም ዘለዎም የረድኣና እዩ። እቲ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣቦኡ ነጸብራቕ ዝዀነ የሱስ፡ ሰብካ ኺሞተካ ኸሎ ዚስምዓካ ሓዘን ይፈልጦ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ቀረባ እትርከብ ቢታንያ እትብሃል ዓዲ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣልኣዛርን ማርያምን ማርታን ይበጽሖም ነበረ። ዚቐርብዎ ፈተውቱ ድማ ኰኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ” ይብለና። (ዮሃንስ 11:5) ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ ኣልኣዛር ሞተ።
5, 6. (ሀ) የሱስ ምስቶም ዚሓዝኑ ዝነበሩ ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣልኣዛር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ገበረ፧ (ለ) የሱስ ምሕዛኑ ንዓና ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧
5 የሱስ ፈታዊኡ ምስ ሞቶ እንታይ ተሰምዖ፧ ኣዝማድን ፈተውትን ኣልኣዛር ኪሓዝኑ ኸለዉ ምሳታቶም ከም ዝሓዘነ እቲ ጸብጻብ ይነግረና። ምስ ረኣዮም ውሽጡ ተተንከፈ። “ብውሽጡ እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “የሱስ ነብዐ” ይብለና። (ዮሃንስ 11:33, 35) የሱስ ምሕዛኑ ተስፋ ኸም ዘይተራእዮ ድዩ ዚሕብር፧ ኣይፋሉን። አረ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ከም ዚፍጸምሲ ይፈልጥ እውን ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 11:3, 4) እንተዀነ ግና፡ ሞት ዘምጽኦ ሓዘንን ጓህን ተሰምዖ።
6 ብሓደ መገዲ የሱስ ምሕዛኑ የተባብዓና እዩ። የሱስን የሆዋ ኣቦኡን ሞት ከም ዚጸልኡ እዩ ዚምህረና። የሆዋ ኣምላኽ ግና ነዚ ጸላኢ ኺቃለሶን ኪስዕሮን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ እንታይ ኪገብር ከም ዘኽኣሎ እስከ ንርአ።
“ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ”
7, 8. ንኣልኣዛር ዘጋጠሞ ነገር ብዓይኒ ሰብ ተስፋ ዘይብሉ ዚመስል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ግና እንታይ እዩ ዝገበረ፧
7 ኣልኣዛር ኣብ በዓቲ እዩ ተቐቢሩ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ነቲ ንመእተዊኡ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ኼልዕልዎ ኣዘዞም። ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ብምንባሩ እሞ ስጋኡ ኺምሽምሽ ብምጅማሩ፡ ማርታ ነዚ ሓሳብ እዚ ተቓወመት። (ዮሃንስ 11:39) ብዓይኒ ሰብ እሞ እንታይ ተስፋ እዩ ነይርዎ፧
8 እቲ እምኒ ተላዕለ፡ የሱስ ድማ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ‘እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኸኣ ወጸ።’ (ዮሃንስ 11:43, 44) እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት እተሰምዖም ሓጐስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ኣሕዋቱ፡ ኣዝማዱ፡ ፈተውቱ፡ ወይ ጐረባብቱ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ እዚ ሞይቱ ዝነበረ ፍቑር ሰብኣይ እንደገና ኣብ መንጎኦም ደው በለ። እዚ ንምእማን እውን ዜጸግም እዩ። ብዘይጥርጥር ብዙሓት ተሓጒሶም ንኣልኣዛር ሓቚፎምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። እዝስ ኣብ ልዕሊ ሞት እተረኽበ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ዓወት ኰን እዩ!
9, 10. (ሀ) የሱስ ምንጪ እቲ ንኣልኣዛር ንምትንሳእ ዝረኸቦ ሓይሊ ብኸመይ እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጸብጻባት ምንባብ ዘምጽኦ ገለ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧
9 የሱስ ነዚ ዜደንቕ ተኣምር እዚ ብርእሱ ኸም ዝፈጸሞ ገይሩ ኣየቕረቦን። ንኣልኣዛር ቀቅድሚ ምጽዋዑ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ የሆዋ ምንጪ ትንሳኤ ምዃኑ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ዮሃንስ 11:41, 42 ኣንብብ።) የሆዋ ንሓይሉ በዚ መገዲ እዚ እተጠቕመሉ ኣብቲ ግዜ እቲ ጥራይ ኣይነበረን። ትንሳኤ ኣልኣዛር ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ትሽዓተ ተኣምር ሓደ ጥራይ እዩ።a ነዚ ጸብጻባት እዚ ምንባብን ምጽናዕን ዜሐጕስ እዩ። እቶም ዝተንስኡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብ እስራኤላውያንን ካብ ኣህዛብን ብምንባሮም፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ይምህረና። ኣብዚ ጸብጻባት እዚ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ተገሊጹ ዘሎ! ንኣብነት፡ የሱስ ንሓንቲ ጓል ካብ ሞት ምስ ኣተንስኣ፡ ወለዳ “ብታሕጓስ ፍንጭሕ በሉ።” (ማርቆስ 5:42) እወ፡ የሆዋ ፈጺሞም ዘይርስዕዎ ዜሐጕስ ነገር እዩ ገይሩሎም።
10 ልክዕ እዩ፡ እቶም የሱስ ዘተንስኦም ሰባት ጸኒሖም እንደገና ሞይቶም እዮም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና ነዚኣቶም ምትንሳኡ ኸንቱ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣገዳሲ ሓቅታት የረጋግጸልና፣ ተስፋ እውን ይህበና።
ካብ ጸብጻባት ትንሳኤ ትምህርቲ ምውሳድ
11. እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብ መክብብ 9:5 ዚርከብ ሓቂ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ኢሉ እዩ ዚምህር። (መክብብ 9:5) ህያዋን ኣይኰኑን፣ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይፍለጦምን እዩ። ብዛዕባ ኣልኣዛር ዚገልጽ ጸብጻብ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። ኣልኣዛር ምስ ተንስአ ንሰባት ብዛዕባ ሰማይ ገሊጹሎም ድዩ፧ ወይስ ብዛዕባ ዜቃጽል ሲኦል ዜስካሕክሕ ዛንታ ብምንጋር ኣፈራሪህዎም ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣልኣዛር ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኸም እተዛረበ ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። ኣብቲ ሞይቱ ዝነበረሉ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ‘ገለ እኳ ኣይፈልጥን’ ነበረ። ብሓጺሩ ኸም ዝደቀሰ እዩ ዀይኑ ነይሩ።—ዮሃንስ 11:11።
12. ትንሳኤ ኣልኣዛር ብሓቂ ኸም እተፈጸመ ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
12 እቲ ብዛዕባ ኣልኣዛር ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ትንሳኤ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ክዉን ምዃኑ እውን ይምህረና። የሱስ ንኣልኣዛር ብዙሓት መሰኻኽር ኣብ እተረኽቡሉ እዩ ኣተንሲእዎ። እቶም ንየሱስ ዚጸልእዎ መራሕቲ ሃይማኖት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ተኣምር ኣይከሓድዎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ [የሱስ] ብዙሕ ትእምርትታት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧” በሉ። (ዮሃንስ 11:47) ሓያሎ ሰባት ነቲ ዝተንስአ ሰብኣይ ኪርእይዎ ይኸዱ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓያሎ ብየሱስ ኣመኑ። የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ዜርኢ ህያው መርትዖ ኣብ ኣልኣዛር ረኣዩ። እዚ መርትዖ እዚ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ ገሊኦም ተሪር ዝልቦም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ንኣልኣዛር ኪቐትልዎ ተማኸሩ።—ዮሃንስ 11:53፣ 12:9-11።
13. የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ክንኣምን እንታይ መሰረት ኣሎና፧
13 ትንሳኤ ኽትቅበሎ ዜጸግምን ዘይከውንን ነገር ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ የሱስ ሓደ መዓልቲ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ከም ዚትንስኡ ምሂሩ እዩ። (ዮሃንስ 5:28) የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ህይወት እዩ። እሞ ደኣ እንደገና ህይወት ኪፈጥር ከም ዚኽእል ምእማንሲ የጸግም ድዩ፧ ልክዕ እዩ፡ እዚ ኣብቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምዝካር ክእለት እዩ ዚምርኰስ። ንዝሞቱ ፍቑራትና ኺዝክሮም ይኽእል ድዩ፧ ኣብ ዩኒቨርስ ማእለያ ዘይብሎም ብትሪልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ኣለዉ፣ ኣምላኽ ግና ንነፍሲ ወከፎም ሰስሞም ሂብዎም ኣሎ! (ኢሳይያስ 40:26) ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሞይቶም ንዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ብዝርዝር ኪዝክሮም ይኽእል እዩ፣ እንደገና ህያዋን ኪገብሮም እውን ድሉው እዩ።
14, 15. ከምቲ እዮብ ገሊጽዎ ዘሎ የሆዋ ንምዉታት ብዛዕባ ምትንሳእ ዘለዎ ስምዒት እንታይ እዩ፧
14 እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንምዉታት ብዛዕባ ምትንሳእ ዘለዎ ስምዒት እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኬተንስኦም ሃረር ከም ዚብል እዩ ዚምህረና። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣብዚ እዮብ ነቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዚዝክሮ እዋን ክሳዕ ዚኣክል ኣብ መቓብር ብዛዕባ ምጽባይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንየሆዋ ኸኣ፡ “ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ። ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ” በሎ።—እዮብ 14:13-15።
15 ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ይናፍቕ እዩ። ከምዚ ዚስምዖ ምዃኑ ምፍላጥካስ ንልብኻ ደይኰነን ዜሐጕሶ፧ ኣብቲ ዚመጽእ ትንሳኤ መን እዮም ኪትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪትንስኡ፧
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም”
16. ምዉታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ኪትንስኡ፧
16 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት ትንሳኤ፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ትንሳኤ ብዙሕ እዩ ዚምህረና። እቶም ኣቐዲሞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተንስኡ ሰባት፡ ምስ ዜፍቅርዎም ሰባት ተራኺቦም እዮም። ኣብ መጻኢ ዚህሉ ትንሳኤ እውን ተመሳሳሊ ዀይኑ፡ ብዝበለጸ መገዲ ኺፍጸም እዩ። ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም እተምሃርናዮ፡ ኣምላኽ ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ዚብል ዕላማ እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ ምዉታት ኣብ ውግእን ዓመጻን ሕማምን ዝመልኣ ዓለም ኪነብሩ ኣይኰኑን ዚትንስኡ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብሰላምን ብሓጐስን ኪነብሩ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ።
17. ትንሳኤ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሰፊሕ ኪኸውን፧
17 መን እዮም ዚትንስኡ፧ የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ . . . ኺወጹ [ድማ] እዮም” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ብተመሳሳሊ፡ ራእይ 20:13፡ “ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ” ትብል። (ኣብታ “ሲኦልን ሃደስን እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።) መቓብር ብሓፈሻ ጥራዩ ኪኸውን እዩ። ኵሎም እቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኣብኡ ዘለዉ ሰባት እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
18. ካብቶም ዚትንስኡ “ጻድቃን” መነመን ይርከብዎም፧ እዚ ተስፋ እዚ ንዓኻ ብብሕቲ ብኸመይ ኪጸልወካ ይኽእል፧
18 እቶም “ጻድቃን” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ታሪኾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ እንረኽቦ ሰባት እዮም። ካብዚኣቶም እኒ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ኣስቴር፡ ከምኡ እውን ካልኦት ትዝክር ትኸውን። ገለ ኻብዞም ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን እዚኦም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተዘርዚሮም ኣለዉ። እቶም “ጻድቃን” ተባሂሎም ዘለዉ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዝሞቱ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን የጠቓልሉ እዮም። ሳላ ተስፋ ትንሳኤ፡ ካብ ፍርሂ ሞት ሓራ ኽንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 2:15።
19. “ሓጥኣን” መን እዮም፧ የሆዋኸ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ብሕያውነት ዚህቦም፧
19 ኵሎም እቶም ብዛዕባ የሆዋ ብዘይምፍላጦም፡ ዘየገልገልዎ ወይ ዘይተኣዘዝዎኸ፧ እዞም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ “ሓጥኣን” እዚኦም ኣይኪርስዑን እዮም። ንሳቶም እውን ኪትንስኡ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንዕኡ ብኸመይ ከም ዜገልግልዎን ኪምሃሩ ኸኣ ግዜ ኺውሃቦም እዩ። ኣብ ውሽጢ ሽሕ ዓመት፡ ምዉታት ኪትንስኡን ምስቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ንየሆዋ ዜገልግሉ እሙናት ሰባት ኪሓብሩ ኣጋጣሚ ኺውሃቦምን እዩ። ኣዝዩ ዜደንቕ እዋን እዩ ኪኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዋን እዚ መዓልቲ ፍርዲ ኢሉ ይጽውዖ።b
20. ገሃነም እንታይ እዩ፧ መንከ እዮም ኣብኡ ዚኣትዉ፧
20 እዚ ግና ኵሎም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኪትንስኡ እዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኦም ምዉታት ኣብ “ገሃነም” ከም ዘለዉ ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 12:5) እቲ ገሃነም ዚብል ቃል፡ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ ዝነበረ ጐሓፍ ዚድርበየሉ ቦታ እዩ ተወሲዱ። ኣብቲ ቦታ እቲ ሬሳን ጐሓፍን ይነድድ ነበረ። እቶም ሬሳኦም ኣብቲ ቦታ እቲ ዚድርበ ምዉታት፡ ቀብሪ ኺግበረሎም ኰነ ትንሳኤ ኺረኽቡ ብቕዓት ዘይብሎም ጌርካ እዮም በቶም ኣይሁድ ዚረኣዩ ነይሮም። ስለዚ፡ ገሃነም ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዜመልክት ጽቡቕ ምሳሌ እዩ። የሱስ ንህያዋንን ንምዉታትን ኣብ ምፍራድ ግደ ዚህልዎ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዳኛ ግና የሆዋ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) ነቶም እኩያትን ዘይልወጡን ብምዃኖም እተፈርዱ ኸቶ ኣይኬተንስኦምን እዩ።
ሰማያዊ ትንሳኤ
21, 22. (ሀ) እንታይ ካልእ ዓይነት ትንሳኤ እዩ ዘሎ፧ (ለ) ንመጀመርታ ግዜ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ዝተንስአ መን እዩ፧
21 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻልእ ዓይነት ትንሳኤ እውን ይገልጽ እዩ። እዚ ድማ ገሊኦም ሰባት፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ኣብ ሰማይ ዚረኽብዎ ትንሳኤ እዩ። ካብዚ ዓይነት ትንሳኤ እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ፣ እዚ ኸኣ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ።
22 የሱስ ምስ ሞተ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ወዱ ኣብ መቓብር ኣይሓደጎን። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:34, 35) ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንስኦ፣ ሰብ ኰይኑ ግና ኣይኰነን ተንሲኡ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ “ብስጋ ሞይቱ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:18) እዚ ብሓቂ ዓብዪ ተኣምር እዩ ነይሩ። የሱስ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ እዩ እንደገና ህያው ኰይኑ። (1 ቈረንቶስ 15:3-6 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ክብሪ ዝመልኦ ትንሳኤ ብምርካብ፡ ናይ መጀመርታ እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ መወዳእታ ግና ኣይነበረን።—ዮሃንስ 3:13።
23, 24. እቶም “ሒደት መጓሰ” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ ቍጽሮምከ ኽንደይ እዩ፧
23 የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ ሰማይ ከም ዚምለስ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ኣብኡ ‘ቦታ ኼዳልወሎም’ ምዃኑ ነገሮም። (ዮሃንስ 14:2) ነቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡ፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸውዖም። (ሉቃስ 12:32) እዞም ብተዛማዲ ሒደት ጕጅለ እሙናት ክርስትያናት እዚኦም ቍጽሮም ክንደይ እዩ፧ ብመሰረት ራእይ 14:1 ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል [የሱስ ክርስቶስ] ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000 እውን ምስኡ ረኣኹ” በለ።
24 እዞም እሙናት ሃዋርያት የሱስ ዚርከብዎም 144,000 ክርስትያናት፡ ናብ ሰማያዊ ህይወት እዮም ተንሲኦም። ትንሳኤኦም መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከም ዚፍጸም ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 15:23) ኣብ ምዕራፍ 9 ምስ በጻሕካ ኸም እትርእዮ፡ ሕጂ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢና እንነብር ዘሎና። ስለዚ፡ እቶም ኣብዚ ግዜና ዚሞቱ ሒደት ተረፍ 144,000 ብቕጽበት እዮም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ። (1 ቈረንቶስ 15:51-55) ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ መጻኢ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምትንሳእ ተስፋ እዩ ዘለዎም።
25. ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ እዩ ኺግለጽ፧
25 እወ፡ የሆዋ ብሓቂ ነቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ኪስዕሮ እዩ፣ ንሓዋሩ እውን ኬጥፍኦ እዩ! (ኢሳይያስ 25:8 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ‘እቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡ ኣብኡ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ክፍሊ እታ እተደንቕ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም። ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ዝያዳ ኽንምሃር ኢና።
a እቲ ዝተረፈ ጸብጻባት ኣብ 1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ማቴዎስ 28:5-7፣ ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12 ይርከብ።
b ብዛዕባ መዓልቲ ፍርድን ነቲ ፍርዲ መሰረት ዚኸውን ነገራትን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።