“ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን”
“ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ . . . ምሳኻ እዩ።”—እያ. 1:7-9።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ሄኖክን ኖህን ትብዓት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
ጥንቲ ዝነበራ ገሊአን ኣንስቲ፡ እምነትን ትብዓትን ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት ዚዀናና ብኸመይ እየን፧
ኣየናይ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘርኣይዎ ኣብነት ትብዓት እዩ ንዓኻ ዚምስጠካ፧
1, 2. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ህይወትና ቕኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኽንገብር እንታይ የድልየና፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
ትብዓት ኣንጻር ፍርህን ራዕድን እያ። ንሓደ ተባዕ ሰብ፡ ከም ብርቱዕን ሓያልን ቈራጽን ጌርና ኢና እንርእዮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ቕኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኽንገብር፡ ትብዓት የድልየና እዩ።
2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞም ክነሱ እዮም ተባዓት ነይሮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ንኣገልገልቲ የሆዋ በብመዓልቱ ዜጋጥሞም ሓፈሻዊ ነገራት እናኣጋጠሞም እዮም ተቢዖም። ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነት ዚዀኑና ተባዓት ሰባት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ተባዓት ክንከውን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ዝነበሩ ተባዓት መሰኻኽር
3. ሄኖክ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ ተነብዩሎም፧
3 ቅድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ፡ ኣብ መንጎ እኩያት ሰባት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን፡ ትብዓት ዚሓትት ነበረ። ኰይኑ ግና፡ “እቲ ሳብዓይ ካብ አዳም” ዝነበረ ሄኖክ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብትብዓት ይንበ ነበረ፦ “ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ አእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ።” (ይሁ. 14, 15) ሄኖክ፡ እቲ ትንቢት ከም ዚፍጸም ርግጸኛ እዩ ነይሩ። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ድማ፡ ብማይ ኣይሂ ጠፍኡ።
4. ኖህ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ‘ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ፧’
4 ማይ ኣይሂ ብ2370 ቅ.ክ.፡ ማለት ካብቲ ሄኖክ ዚንበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ልዕሊ 650 ዓመት ጸኒሑ ኣጋጠመ። ኣብ መንጎኡ፡ ኖህ ተወሊዱ፡ ኣቦ ስድራ ዀነ፣ ምስ ደቁ ዀይኑ ኸኣ መርከብ ሰርሐ። እኩያት መላእኽቲ፡ ስጋ ለቢሶም ምስ ጽቡቓት ኣንስቲ ተዋሰቡ፣ ነፊሊም ድማ ወለዱ። ብዘይካዚ፡ ክፍኣት ደቂ ሰብ ኣመና ስለ ዝበዝሐ፡ ምድሪ ብዓመጻ መልአት። (ዘፍ. 6:1-5, 9, 11) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ “ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፣” “ሰባኽ ጽድቂ” ኸም ምዃኑ መጠን ድማ፡ ብትብዓት መስከረ። (2 ጴጥሮስ 2:4, 5 ኣንብብ።) ንሕና እውን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከምኡ ዓይነት ትብዓት የድልየና እዩ።
እምነትን ትብዓትን ኣርኣዩ
5. ሙሴ እምነትን ትብዓትን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
5 ሙሴ ዘርኣዮ እምነትን ትብዓትን፡ ኣብነት ይዀነና እዩ። (እብ. 11:24-27) ካብ 1513-1473 ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንምውጻእን ኣብ በረኻ ንምምራሕን ንሙሴ ተጠቕመሉ። ሙሴ ነቲ ዕዮ ዘይክእሎ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ተቐበሎ። (ዘጸ. 6:12) ንሱን ሓዉ ኣሮንን ከኣ ነቲ ጨቋኒ ፈርኦን ግብጺ፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ እተን ንኣማልኽቲ ግብጺ ዘዋረዳን ንእስራኤላውያን ዘድሓናን ዓሰርተ መዓት ነገርዎ። (ዘጸ. ምዕ. 7-12) ሙሴ ሳላ እቲ ዘየቋርጽ ደገፍ ኣምላኽ፡ እምነትን ትብዓትን ኣርኣየ፣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ንዓና ይድግፈና እዩ።—ዘዳ. 33:27።
6. ብሰበ ስልጣን ዓለም ክንምርመር ከለና፡ ብትብዓት ክንምስክር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ንሕና እውን ልክዕ ከም ሙሴ ተባዓት ክንከውን ኣሎና፣ ከመይሲ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ነይሩ እዩ፦ “ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም፡ . . . ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።” (ማቴ. 10:18-20) ብሰበ ስልጣን ዓለም ክንምርመር ከለና፡ ብእምነትን ብትብዓትን ብኣኽብሮትን ምእንቲ ኽንምስክር፡ መንፈስ የሆዋ ኺሕግዘና እዩ።—ሉቃስ 12:11, 12 ኣንብብ።
7. እያሱ ተባዕን ዕዉትን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
7 እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ንሕግታት ኣምላኽ ኣዘውቲሩ የጽንዖ ስለ ዝነበረ፡ እምነቱን ትብዓቱን ደልደለ። ብ1473 ቅ.ክ. እስራኤላውያን ኣብ ድርኵኺት ምድሪ ተስፋ እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ድማ ንእያሱ፡ “ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን” ዚብል ትእዛዝ ሃቦ። እያሱ ምስ ሕጊ ሙሴ ተሰማሚዑ ብምምልላስ፡ ጥበበኛ ኪኸውንን ኪዕወትን ይኽእል ነበረ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። (እያ. 1:7-9) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኰን እየን ኣበራቲዐናኦ ኪዀና ዚኽእላ! እቲ ነታ ምድሪ ተስፋ ንምሓዝ እተገብረ ቐንዲ ውግእ፡ ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ ስለ ዝወሰደ፡ ብ1467 ቅ.ክ. ከኣ ስለ እተዛዘመ፡ ብርግጽ ኣምላኽ ምስ እያሱ እዩ ነይሩ።
ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ደው ዝበላ ተባዓት ኣንስቲ
8. ረሃብ፡ እምነትን ትብዓትን ብምርኣይ ኣብነት እትዀነና ብኸመይ እያ፧
8 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ብዙሓት ኣንስቲ ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ኣምልኾ የሆዋ ደው ኢለን እየን። ንኣብነት፡ እታ ኣመንዝራ ዝነበረት ረሃብ ብዓልቲ ያሪኮ፡ ኣብ ኣምላኽ ብምእማን፡ ብእያሱ ንእተላእኩ ኽልተ ሰለይቲ ብትብዓት ሓብኣቶም፣ ነቶም ኪሕዝዎም ኢሎም ብንጉስ ያሪኮ እተላእኩ ሰባት ከኣ ብኻልእ መገዲ ሰደደቶም። እስራኤላውያን ንያሪኮ ኣብ ዝሓዙሉ እዋን ድማ፡ ንሳን ስድራ ቤታን ደሓኑ። ረሃብ ነቲ ሕማቕ ስራሓ ሓዲጋ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከተምልኾ ጀመረት፣ እኖሓጎ መሲሕ ከኣ ኰነት። (እያ. 2:1-6፣ 6:22, 23፣ ማቴ. 1:1, 5) እወ፡ በቲ ዘርኣየቶ እምነትን ትብዓትን ተባሪኻ እያ።
9. ዴቦራን ባራቅን ያዔልን ትብዓት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
9 እያሱ ኣብ ከባቢ 1450 ቅ.ክ. ድሕሪ ሙማቱ፡ መሳፍንቲ ኣብ እስራኤል ይገዝኡ ነበሩ። እቲ ከነኣናዊ ዝነበረ ንጉስ ያቢን ንእስራኤላውያን ን20 ዓመት ስለ ዝጨቈኖም፡ ኣምላኽ ብነብዪት ዴቦራ ገይሩ፡ ነቲ ፈራዲ ዝነበረ ባራቅ ምስ ንጉስ ያቢን ኪዋጋእ ኣለዓዓሎ። ባራቅ ድማ 10,000 ሰብኣይ ኣብ ከረን ታቦር ብምእካብ ምስቲ ሲሰራ ዝስሙ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ኪዋጋእ ተዳለወ፣ ሲሰራ ኸኣ ሰራዊቱን 900 ሰረገላታትን ሒዙ ናብ ርባ ቂሶን ወረደ። እስራኤላውያን ናብኡ ገጾም ኪግስግሱ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ሓያል ዝናም ስለ ዘዝነመ፡ እተን ሰረገላታት ከነኣናውያን ኣብ ጭቃ ተተኽላ። በዚ ኸምዚ ሰራዊት ባራቅ ሰዓሩ፣ “ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ።” ሲሰራ ሃዲሙ ኣብ ድንኳን ያዔል እኳ እንተ ተሓብአ፡ ንሳ ግና ደቂሱ ኸሎ ቐተለቶ። ከምቲ ዴቦራ ንባራቅ ብትንቢት ዝነገረቶ ኸኣ፡ ናይቲ ዓወት ‘ክብሪ’ ንሰበይቲ፡ ማለት ንያዔል ኰነ። ዴቦራን ባራቅን ያዔልን ብትብዓት ስጕምቲ ስለ ዝወሰዱ፡ እስራኤላውያን ‘ንኣርብዓ ዓመት ዓረፉ።’ (መሳ. 4:1-9, 14-22፣ 5:20, 21, 31) ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን እውን፡ ምስዚ ዚመሳሰል እምነትን ትብዓትን ኣርእዮም እዮም።
ቃላትና ንኻልኦት ኬተባብዖም ይኽእል
10. ቃላትና ንኻልኦት ኬተባብዖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
10 ቃላትና ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ኵሉ ዕዮ ክሳዕ ዚውዳእ፡ ንሱ ኣይኪጠልመካን ኣይኪሐድገካን ከኣ እዩ” በሎ። (1 ዜና 28:20) በዚ ኸምዚ፡ ሰሎሞን ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ፣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እተደንቕ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸኣ ሃነጻ።
11. ሓንቲ እስራኤላዊት ጓል እተዛረበቶ ትብዓት ዝመልኦ ቓላት፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧
11 ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሓንቲ እስራኤላዊት ጓል እተዛረበቶ ትብዓት ዝመልኦ ቓላት፡ ንሓደ ለምጻም ሰብኣይ ጠቐሞ። እታ ጓል ብወረርቲ ተማሪኻ እያ ተወሲዳ፣ ኣብ ቤት እቲ ለምጻም ዝነበረ ንእማን ዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ኸኣ ተገልግል ነበረት። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብኤልሳእ ኣቢሉ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ንሰበይቲ ንእማን፡ ሰብኣያ ናብ እስራኤል ከይዱ ብነብዪ ኣምላኽ ኪሓዊ ኸም ዚኽእል ነገረታ። ንእማን ድማ ናብ እስራኤል ከደ እሞ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ሓወየ፣ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸኣ ኰነ። (2 ነገ. 5:1-3, 10-17) ንስኻ እውን ልክዕ ከምታ ጓል ንኣምላኽ እተፍቅሮ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንመምህራንካን ንመማህርትኻን ንኻልኦትን ምእንቲ ኽትምስክረሎም፡ የሆዋ ትብዓት ኪህበካ ይኽእል እዩ።
12. ቃላት ንጉስ ህዝቅያስ ኣብቶም ህዝቢ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧
12 ኣብ ጽንኩር ኵነታት እንዛረቦ ብዚግባእ እተመርጸ ቓላት፡ ንኻልኦት ኬተባብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ኣሶራውያን ንየሩሳሌም ምስ ወረርዋ፡ ንጉስ ህዝቅያስ ነቶም ህዝቢ፡ “ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣናን ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ” በሎም። እሞኸ እዚ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ “እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ” ዚብል ነንብብ። (2 ዜና 32:7, 8) ከም ናይ ህዝቅያስ ዝኣመሰለ ቓላት፡ ኣብ እዋን መስጐጕቲ ንዓናን ንኻልኦት ክርስትያናትን ኬተባብዕ ይኽእል እዩ።
13. እቲ ኣዛዝ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ዝነበረ ኦብድያ፡ ትብዓት ብምርኣይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
13 ሓድሓደ ግዜ፡ ትብዓት ብቓላት ዘይኰነስ፡ ብተግባር እዩ ዚርአ። ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ.፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ዝነበረ ኦብድያ፡ ብትእዛዝ ንግስቲ ኢዛቤል ምእንቲ ኸይቅተሉ፡ ንሚእቲ ነብያት የሆዋ “በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም።” (1 ነገ. 18:4) ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ልክዕ ከምቲ ንኣምላኽ ዚፈርህ ዝነበረ ኦብድያ፡ ንሰጐጕቲ ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ብዘይምንጋር ንኣሕዋቶም ብትብዓት ኣዕቊቦምዎም እዮም።
ኣስቴር—ተባዕ ንግስቲ
14, 15. ንግስቲ ኣስቴር እምነትን ትብዓትን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧
14 ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሃማን ነቶም ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ኣይሁድ ኬጽንቶም ውዲት ምስ ኣለመ፡ ንግስቲ ኣስቴር እምነትን ትብዓትን ኣርኣየት። እቶም ኣይሁድ ብምኽንያት እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ጃምላዊ ቕትለት ሓዘኑን ጾሙን፣ ካብ ልቦም ከኣ ጸለዩ። (ኣስ. 4:1-3) ንግስቲ ኣስቴር ኣመና ተጨኒቓ እያ ነይራ። ማርዶካይ ወዲ ሓው ኣቦኣ፡ ቅዳሕ እቲ ጃምላዊ ቕትለት ኪግበር ዚፈቅድ ትእዛዝ ለኣኸላ፣ ናብ ንጉስ ኣትያ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኸኣ ኣዘዛ። ኰይኑ ግና፡ ከይተጸውዐ ናብ ንጉስ ዚኣቱ ሰብ ይቕተል ነበረ።—ኣስ. 4:4-11።
15 ይኹን እምበር፡ ማርዶካይ ንኣስቴር፡ ‘በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧’ በላ። ሽዑ ኣስቴር ንማርዶካይ፡ ንዅሎም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣኪቡ፡ ብሓባር ኰይኖም ምእንታኣ ኺጾሙ ነገረቶ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣነ ድማ . . . ክጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ” በለት። (ኣስ. 4:12-17) ብትብዓት ድማ ስጕምቲ ወሰደት፣ እታ ብስማ እተሰየመት መጽሓፍ ከም እትሕብሮ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኣድሓኖም። ሎሚ እውን፡ ቅቡኣት ክርስትያናትን እቶም ውፉያት ብጾቶምን ተመሳሳሊ ትብዓት የርእዩ እዮም፣ ‘እቲ ጸሎት ዚሰምዕ’ ከኣ ወትሩ ኣብ ጐድኖም እዩ።—መዝ. 65:2፣ 118:6 ኣንብብ።
“ኣጆኻ”
16. የሱስ ንመንእሰያት እንታይ ኣብነት እዩ ዚዀኖም፧
16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ወለዱ ኣብ ቤተ መቕደስ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን” ረኸብዎ። ብዘይካዚ፡ “ዝሰምዕዎ ዘበሉ . . . በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” (ሉቃ. 2:41-50) የሱስ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መምህራን ንምሕታት ዜድልዮ እምነትን ትብዓትን ነበሮ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ መንእሰያት ንኣብነት የሱስ ዚዝክርዎ እንተ ዀይኖም፡ ‘ብዛዕባ እታ ኣባታቶም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሓትቶም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ’ ዜኽእሎም ኣጋጣሚታት ብጽቡቕ ንኺጥቀሙሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 3:15።
17. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣጆኹም” ኢሉ ዘተባብዖም ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኽንተብዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
17 የሱስ ንኻልኦት ሰባት፡ ‘ኣጆኹም’ ኢሉ የተባብዖም ነበረ። (ማቴ. 9:2, 22) ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፦ “እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን። ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።” (ዮሃ. 16:32, 33) ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ ንዓና እውን ዓለም ትጸልኣና እያ፣ ኰይኑ ግና፡ ከምዛ ዓለም ክንከውን የብልናን። ብዛዕባ እቲ ትብዓት ዝመልኦ ህይወት ወዲ ኣምላኽ ነስተንትን እንተ ዄንና፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ንኽንፍለ ዜኽእለና ትብዓት ኪህልወና ይኽእል እዩ። ከምቲ ንሱ ንዓለም ዝሰዓራ፡ ንሕና እውን ክንስዕራ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 17:16፣ ያእ. 1:27።
18, 19. ሃዋርያ ጳውሎስ እምነትን ትብዓትን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
18 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ፈተናታት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ወተሃደራት ሮሜ እንተ ዘየድሕንዎ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ምቐተልዎ ነይሮም። “ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፤ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ።” (ግብ. 23:11) ጳውሎስ እውን ከምቲ እተነግሮ ገበረ።
19 ጳውሎስ ነቶም ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኺብክልዋ ዚጽዕሩ ዝነበሩ “ብሉጻት ሃዋርያት” ገሰጾም። (2 ቈረ. 11:5፣ 12:11) ንሱ ኸማታቶም ስለ ዘይነበረ፡ የሱስ ዝለኣኾ ሃዋርያ ምዃኑ ኼርኢ ይኽእል ነበረ፣ ከመይሲ፡ ተኣሲሩ፡ ተወቒዑ፡ ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዙ፡ ካልእ ሓደጋታት ኣጋጢምዎ፡ ጠምዩ፡ ጸሚኡ፡ ድቃስ ስኢኑ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ የተሓሳስቦ ነይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-28 ኣንብብ።) እወ፡ እምነትን ትብዓትን ኣርእዩ እዩ፣ ከምኡ ኺገብር ዝኸኣለ፡ ሳላ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ብርታዐ እዩ ነይሩ።
20, 21. (ሀ) ብኸመይ ተባዓት ክንከውን ከም ዘሎና ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ትብዓት ከነርኢ ዘሎና፧ ብዛዕባ እንታይከ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
20 ኵሎም ክርስትያናት ኣይኰኑን ከቢድ መስጐጕቲ ዜጋጥሞም። ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸገማት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ትብዓት የድልዮም እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምብራህ፦ ሓደ ምስ ዓዋሉ ዚሓብር ዝነበረ ኣብ ብራዚል ዚነብር መንእሰይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ እሞ፡ ለውጢ ኺገብር ከም ዘለዎ ተገንዘበ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስቶም ዓዋሉ ዘሎካ ርክብ ምቍራጽ፡ ሞት እዩ ዜስዕብ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸለየ፣ ንመራሒ እቶም ዓዋሉ ኸኣ፡ ምስኣቶም ዘለዎ ርክብ ስለምንታይ ከም ዘቋረጾ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣርኣዮ። ከም ውጽኢቱ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን መቕጻዕቲ ለቐቕዎ፣ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኰነ።
21 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እውን ትብዓት ይሓትት እዩ። ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጽህናኦም ኪሕልዉ እንተ ዀይኖም፡ ትብዓት የድልዮም እዩ። ኣብ ኵሉ መደባት ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትእከብ ዜድልየካ ፍቓድ ንምሕታት፡ ትብዓት የድሊ። ካልእ ኣብነታት እውን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ የሆዋ ‘ነቲ ናይ እምነት ጸሎትና’ ይሰምዖ እዩ። (ያእ. 5:15) ‘ምእንቲ ኽንጸንዕን ኣዚና ምእንቲ ኽንተብዕን፡’ መንፈስ ቅዱሱ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ሄኖክ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ብትብዓት ሰበኸ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ያዔል ጽንዕትን ተባዕን ነበረት