መዝሙር 1 ባህርያት የሆዋ (ራእይ 4:11) 1. ያህ ኣምላኽና፡ ብርቱዕ ብሓይሊ፡ ምንጪ ብርሃን፡ ናይ ሂወት ፈልፋሊ፣ ይርአ’ዩ ኣብ ፍጥረት ሓይልኻ፡ ኣብታ ዓባይ መዓልትኻ። 2. ’ቲ ዝፋንካ፡ ቈይሙ ኣብ ፍትሒ፡ ኣፍሊጥካውን ጽድቃዊ መምርሒ፣ ’ተ ርኢና ነቲ ቕዱስ ቃልካ፡ የንጸባርቕ ንጥበብካ። 3. ፍቕርኻ’ያ ብዘይ መሰታ፡ ኣይንኽእሎን ክንመልስ ውሬታ፣ ባህርያትካ ዀነ ድንቂ ስምካ፡ ክንሰብኮ’ና ንፍጥረትካ። (መዝ. 36:9፣ 145:6-13፣ ያእ. 1:17 እውን ርአ።)