መዝሙር 96
ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(ምሳሌ 2:1)
1. ሓደ ዜገርም ፍሉይ መጽሓፍ ኣሎ፣
ሓጐስ፡ ተስፋ ዚህቦም ንሰባት።
ሓይሊ’ለዎ ’ቲ ድንቂ ሓሳባቱ፣
ዓይኖም ይኸፍተሎም “ንዕዉራት።”
’ዚ መጽሓፍ’ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል፣
ኣብ ውሽጡ ሓሳብ ኣምላኽ ኣለዎ።
ጸሓፍቱ’ኳ ኸማና ሰብ ’ተ ዀኑ፡
ብመንፈስ ኣምላኽ’ዮም ጽሒፎምዎ።
2. ብጽሑፍ’ውን ሰፊሩልና ይርከብ፡
ታሪኽ ኣፈጣጥራ ፍጥረታት፣
ሰብ ኪፍጠር ከሎ ፍጹም ምንባሩ፣
ከመይ’ላ ኸም ዝጠፍአት ገነት።
ሽዑ፡ ሓደ መልኣኽ ካብ ኣምላኽ ዓልዩ፣
ነቒፉ ንልዑላውነቱ፣
’ዚ’ኳ ሓጥያት መከራ እንተ ’ምጽአ፡
ኣምላኽ ግን ኪጭብጥ’ዩ ዓወቱ።
3. ሕጂ መሐጐሲ ምኽንያት ኣሎና፣
የሆዋ ንወዱ ኣንጊሱልና።
ሃየ’ሞ ንስበኽ ብስራት መንግስቲ፣
ንሰባት’ውን ነካፍል ተስፋና።
እዚ መጽሓፍ ሒዙ’ሎ ወንጌል ኣምላኽ፣
የሆዋ ኣምላኽ እተዛረቦ፣
ኣእምሮና ሰላም መታን ኪረክብ፡
ነዚ ህያው ቃል ወትሩ ነንብቦ።
(2 ጢሞ. 3:16፣ 2 ጴጥ. 1:21 እውን ርአ።)