-
ትሕዝቶግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 መስከረም
-
-
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
-
-
ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2012 | 1 መስከረም
-
-
ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ድዩ፧
“ሓጢኣት ብሰበይቲ እዩ ጀሚሩ፣ ብሰንካ ኸኣ ክንመውት ኣሎና።” —ኤክለስያስቲከስ፡ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ.።
“ንስኻትክን ኣፍ ደገ ሰይጣን ኢኽን፣ ካብታ እተኸልከለት ኦም ዝበላዕክን ንስኻትክን ኢኽን፣ ንመለኮታዊ ሕጊ ንፈለማ እዋን ዝጠሓስክናኦ ንስኻትክን ኢኽን፣ . . . ነቲ ምስሊ ኣምላኽ ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ብቐሊሉ ዘጥፋእክናኦ ንስኻትክን ኢኽን።” —ተርቱልያን፡ ኦን ዘ ኣፓረል ኦቭ ዊመን፡ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.።
እዚ ጥንታዊ ጥቕስታት እዚ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ሓሳባት እዚ፡ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዜጋጥመን ኣድልዎ ቕኑዕ ምዃኑ ንምግላጽ፡ ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጸኒሑ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ጥሩፋት ሰባት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዜውርድዎ ግፍዒ መመኽነይታ ንምቕራብ፡ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ይጠቕሱ እዮም፣ ደቂ ኣንስትዮ ብጸገማት ደቂ ሰብ ተሓተቲ ምዃነን ከኣ ይገልጹ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ ኺነዓቓን ኪህሰያን ዕላማኡ ድዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚብል፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።
◼ ደቂ ኣንስትዮ ብኣምላኽ ተረጊመን ድየን፧
ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ “ድያብሎስ . . . ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” እዩ ‘ተረጊሙ።’ (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:14) ኣምላኽ፡ ኣዳም ንሰበይቱ ኸም ‘ዚመልካ’ ኺሕብር ከሎ፡ ስምረቱ ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:16) ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
ስለዚ፡ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ማህሰይቲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሓጥእ ዝንባለ ደቂ ሰብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንምትዕራቕ ብሰብኣይ ክትምለኽ ከም ዘለዋ ኣይምህርን እዩ።—ሮሜ 5:12።
◼ ኣምላኽ ንጓል ኣንስተይቲ ኻብ ወዲ ተባዕታይ ኣትሒቱ ድዩ ፈጢርዋ፧
ኣይፋልን። ዘፍጥረት 1:27፡ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ትብል። ስለዚ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ፡ ማለት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ንባህርያት ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ኸም ዚኽእሉ ዀይኖም እዮም ተፈጢሮም። ኣዳምን ሄዋንን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ይፈላለዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓደ ዓይነት መምርሒ እዩ ተዋሂብዎም፣ ንኽልቲኦም ከኣ መሰሎም ይሕለወሎም ነበረ።—ዘፍጥረት 1:28-31።
ኣምላኽ ንሄዋን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ “ንእኡ [ንኣዳም] እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 2:18) እታ “ደጋፊት” እትብል ቃል፡ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝተሓተት ምዃና እትሕብር ድያ፧ ኣይፋልን፣ እታ ናይ እብራይስጢ
-