የሆዋ ይፈልጠካ ድዩ፧
“እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ።”—2 ጢሞ. 2:19።
1, 2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚግደስ ነይሩ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ንየሱስ፡ “እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 22:35-37) ብሓቂ ኸኣ፡ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ የፍቅሮን ነተን ቃላት ብግብሪ የርእየንን ነይሩ እዩ። በቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ናብራ ህይወቱ ኣቢሉ ኸኣ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ከም ዜገድሶ ኣርኣየ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ቐቅድሚ ሙማቱ፡ ትእዛዛት ኣቦኡ ኸም ዝሓለወ ኺዛረብ ዝኸኣለ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ጸንዐ።—ዮሃ. 15:10።
2 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ዜፍቅርዎ ይዛረቡ እዮም። ንሕና እውን ከምኡ ኢና እንብል። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና፦ ‘ኣምላኽ ይፈልጠኒ ድዩ፧ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧ ነቶም ናቱ ኸም ዚፈልጦም ገይሩ ድዩ ዚፈልጠኒ፧’ (2 ጢሞ. 2:19) ምስቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!
3. ገሊኣቶም ሰባት ናይ የሆዋ ኪዀኑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ ነዚ ንኺቃለስዎ ኺሕግዞም ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧
3 ይኹን እምበር፡ ገሊኣቶም ንየሆዋ ኣዝዮም ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባኦም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ዘይረብሑ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ናይ የሆዋ ኪዀኑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም የጠራጥሮም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ የሆዋ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚርእየና። (1 ሳሙ. 16:7) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ” በሎም። (1 ቈረ. 8:3) ስለዚ፡ ብኣምላኽ ክትፍለጥ እንተ ደሊኻ፡ ከተፍቅሮ ኣሎካ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ነዛ መጽሔት እዚኣ እተንብባ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ሓሳብካን ሓይልኻን ንኸተገልግሎ እትጽዕር ስለምንታይ ኢኻ፧ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ እተጠመቕካ እንተ ዄንካ፡ ከምኡ ንኽትገብር ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር የሆዋ ነቶም “ክቡር ነገር” ተባሂሎም ዘለዉ ናብኡ ኸም ዚስሕቦም ይገልጽ እዩ። (ሃጌ 2:7፣ ዮሃንስ 6:44 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ ንየሆዋ እተገልግሎ ዘለኻ፡ ንሱ ስለ ዝሰሓበካ እዩ። የሆዋ ኸኣ ነቶም ናብኡ ዝሰሓቦም እሙናት ኣገልገልቱ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ። ኣኽቢሩ ይርእዮምን የፍቅሮምን እዩ።—መዝ. 94:14።
4. ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኣዘውቲርና ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 የሆዋ ናብኡ ምስ ሰሓበና፡ ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ ኣሎና። (ይሁዳ 20, 21 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀስ ብቐስ ካብ ኣምላኽ ከይንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። (እብ. 2:1፣ 3:12, 13) ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነተን ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ዘለዋ ቓላት ቀቅድሚ ምጽሓፉ፡ ብዛዕባ ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ገሊጹ ነበረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ የሆዋ እዮም ነይሮም፣ ጸኒሖም ግና ካብ ሓቂ ረሓቑ። (2 ጢሞ. 2:16-18) ገሊኣቶም ኣብ ጉባኤ ገላትያ ዝነበሩ ብየሆዋ ዚፍለጡ ሰባት እውን፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ብርሃን ርሒቖም እዮም። (ገላ. 4:9) እምበኣር፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ።
5. (ሀ) ኣምላኽ ንኸመይ ዝኣመሰለ ባህርያት እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ፧ (ለ) እንታይ ኣብነታት ኢና ኽንርኢ፧
5 የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ባህርያት ኣሎ። (መዝ. 15:1-5፣ 1 ጴጥ. 3:4) እቶም ብኣምላኽ ዚፍለጡ ሰባት ብእምነትን ብትሕትናን እዮም ዚልለዩ። ብምኽንያት እዘን ባህርያት እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተፈትዉ ኽልተ ሰባት እስከ ንርአ። ብዛዕባ ሓደ ብኣምላኽ ዚፍለጥ ኰይኑ ዚስምዖ ዝነበረ እሞ፡ ዕቡይ ስለ ዝዀነ ብየሆዋ እተነጽገ ሰብኣይ እውን ክንምርምር ኢና። ካብዚ ኣብነታት እዚ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።
ኣቦ እቶም ዚኣምኑ
6. (ሀ) ኣብርሃም ብመብጽዓ የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብርሃም ብኣምላኽ ዚፍለጥ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
6 ኣብርሃም ‘ብየሆዋ ኣመነ።’ “ነቶም . . . ዚአምኑ ዅሎም፡ ኣቦኦም” ከም ዝዀነ ጌርካ ኸኣ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍ. 15:6፣ ሮሜ 4:11) ብእምነት ንዓዱን ንፈተውቱን ንንብረቱን ሓዲጉ፡ ናብ ርሑቕ ዓዲ ኸደ። (ዘፍ. 12:1-4፣ እብ. 11:8-10) ብዙሕ ዓመታት ይሕለፍ ብዘየገድስ፡ እምነት ኣብርሃም ድልድልቲ እያ ነይራ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንትእዛዝ የሆዋ ንኺእዘዝ ኢሉ ‘ንይስሃቅ ዝሰውኣሉ’ ኣጋጣሚ ብንጹር ተራእዩ እዩ። (እብ. 11:17-19) ኣብርሃም ብመብጽዓ የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ስለ ዘርኣየ፡ ኣምላኽ ከም ፍሉይ ሰብ ገይሩ ይርእዮን ይፈልጦን ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 18:19 ኣንብብ።) ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ የሆዋ ብዛዕባ ህልውና ኣብርሃም ይፈልጥ ነይሩ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዓርኩ ገይሩ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።—ያእ. 2:22, 23።
7. ኣብርሃም ብዛዕባ መብጽዓታት ኣምላኽ እንታይ ምትእምማን እዩ ነይርዎ፧ እዚ ዝጸለዎኸ ብኸመይ እዩ፧
7 ኣብርሃም ነታ መብጽዓ እተገብረትሉ መሬት ኣይተረስተያን። ዘርኡ “ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ” ኪዀኑ ኸለዉ እውን ኣይረኣየን። (ዘፍ. 22:17, 18) ኰይኑ ግና፡ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ነበረቶ። ኣምላኽ ነቲ ዝኣተዎ ቓል ብርግጽ ከም ዚፍጽሞ ይፈልጥ ነበረ። ምስዛ እምነት እዚኣ ተሰማሚዑ ኸኣ እዩ ዚነብር ነይሩ። (እብራውያን 11:13 ኣንብብ።) ኣምላኽ፡ ከም ናይ ኣብርሃም ዓይነት እምነት ከም ዘላትና ገይሩ ድዩ ዚፈልጠና፧
ንየሆዋ ምጽባይ፡ ምልክት እምነት እዩ
8. ገሊኣቶም እንታይ ኪፍጸመሎም እዮም ዚደልዩ፧
8 ኪፍጸም እንደልዮ ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሓዳር ክንገብር፡ ቈልዑ ኽንወልድ፡ ከምኡውን ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወና ንደሊ ኢና፣ እዚ ኸኣ ንቡርን ግቡእን እዩ። ንገሊኣቶም ግና፡ ከምቲ ዝደለይዎ ኸይኰነሎም ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ ነቲ ዅነታት እንሕዘሉ መገዲ፡ እምነትና ኽሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
9, 10. (ሀ) ገሊኣቶም ንድሌቶም ብኸመይ ኪፍጽምዎ እዮም ጽዒሮም፧ (ለ) ብዛዕባ ፍጻመ መብጽዓታት ኣምላኽ ከመይ ይስምዓካ፧
9 ንድሌትና ምስ ጥበብ ኣምላኽ ብዚጻረር መገዲ ንኽንፍጽሞ ኽንጽዕርሲ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ! ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንጕዳእ ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኣቶም ሰባት ምስ ምኽሪ የሆዋ ዚጻረር ክንክን ጥዕና መሪጾም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ወይ ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ዜርሕቖም ስራሕ ጀሚሮም እዮም። ምስ ዘይኣምን ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ብዛዕባ ምምስራትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ብየሆዋ ኺፍለጥ ድዩ ዚጽዕር፧ ኣብርሃም፡ መብጽዓ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ብዓቕሊ ኺጽበ እንተ ዘይክእል ነይሩ፡ የሆዋ እንታይ ምተሰምዖ፧ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚጽበዮ፡ ብኢደ ወነኑ ምሹእ ናብራ ኺነብርን ስሙ ኼጸውዕን እንተ ዚጽዕር ነይሩኸ፧ (ምስ ዘፍጥረት 11:4 ኣረኣኢ።) የሆዋ ኸም ዓርኩ ገይሩ ምረኣዮዶ፧
10 እንታይ ኪፍጸመልካ ኢኻ እትደሊ፧ የሆዋ ነቲ ዜድልየካ ነገራት ከም ዜማልኣልካ ንኽትተኣማመን እትድርኸካ ድልድልቲ እምነት ኣላትካዶ፧ (መዝ. 145:16) ከምቲ ንኣብርሃም ዘጋጠሞ፡ ገሊኡ መብጽዓታት ኣምላኽ ከምቲ ንሕና ዝደለናዮ ብቕልጡፍ ኣይፍጸምን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከም ናይ ኣብርሃም ዓይነት እምነት እንተ ኣልያትናን ምስኣ ብዚሰማማዕ መገዲ ንመላለስ እንተ ዄንናን፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ኺርእየና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነባሪ ረብሓ ኼምጽኣልና እዩ።—እብ. 11:6።
ኣብ መንጎ ትሕትናን ትዕቢትን ዘሎ ፍልልይ
11. ቆራሕ እንታይ ፍሉይ መሰላት እዩ ነይርዎ፧ እዚኸ ብዛዕባ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ እዩ ዚሕብር፧
11 ንመሰናድዎን ንውሳነን የሆዋ ብምኽባር ዝመጸ፡ ሙሴን ቆራሕን ኣመና እዮም ዚፈላለዩ። ዝወሰድዎ ስጕምትታት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባኦም ዝነበሮ ኣረኣእያ ጸልይዎ እዩ። ቆራሕ ካብ ዓሌት ቃሃታውያን ዝመጸ ሌዋዊ እዩ ነይሩ፡ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ከኣ ነበሮ። እስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ኺሳገሩ ኸለዉ ርእዩ፡ ኣብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከረን ሲና ዝነበሩ ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ዘውረዶ ፍርዲ ተኻፊሉ፡ ታቦት ኪዳን ኣብ ምጕዕዓዝ እውን ሓጊዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 32:26-29፣ ዘሁ. 3:30, 31) ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ስለ ዘገልገለ፡ በቶም ኣብቲ ሰፈር እስራኤላውያን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።
12. ከምቲ ኣብ ገጽ 28 ዚርአ ዘሎ፡ ቆራሕ ብሰሪ ትዕቢቱ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧
12 ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ይጐዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቆራሕ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ እተወሰነ ጸገም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ካልኦት 250 ስሙያት ሰብኡት ከኣ፡ ለውጢ ንምምጻእ ምስኡ ሓበሩ። ንሱን ተሓባበርቱን፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ዘለዎም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ፡ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ” በልዎም። (ዘሁ. 16:1-3) ብርግጽ እምበኣር፡ ኣብ ርእሶም ዚተኣማመኑን ዕቡያትን እዮም ነይሮም። ሙሴ ነቶም ዓለወኛታት፡ “እግዚኣብሄር . . . እቲ ናቱ ዝዀነ . . . መን ከም ዝዀነ፡ ኬፍልጥ እዩ” በሎም። (ዘሁልቍ 16:5 ኣንብብ።) ንጽብሒቱ፡ ቆራሕን እቶም ተሓባበርቱ ዝነበሩ ዓለወኛታት ሰባትን ሞቱ።—ዘሁ. 16:31-35።
13, 14. ሙሴ ትሕትናኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
13 ብኣንጻሩ ግና፡ ሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” (ዘሁ. 12:3) ብቘራጽነት ንመምርሒ የሆዋ ብምስዓብ፡ ዓቕሉን ትሕትናኡን ኣርኣየ። (ዘጸ. 7:6፣ 40:16) ንመገዲ የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም ዘእተዎ ወይ ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ መምርሒታት ብምስዓቡ ኸም እተበሳጨወ ዚሕብር የልቦን። ንኣብነት፡ እቲ የሆዋ ንህንጸት እታ ማሕደር ብዚምልከት ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ኣብቲ ዓለባ ማሕደር ዚህሉ ሕብሪ ፈትልን ብዝሒ መኸንትቦን እውን ዜጠቓልል ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 26:1-6) ኣብ ውድብ የሆዋ ምስ ሓደ ብዙሕ ዝርዝር መምርሒታት ዚህበካ ሓላዊ እንተ ትዓዪ፡ ሓድሓደ ግዜ ምተበሳጨኻ። የሆዋ ግና፡ ፍጹም ሓላዊ ስለ ዝዀነ፡ ብልግሲ ንኻልኦት ሓላፍነት ይህብን ንኣገልገልቱ ይኣምኖምን እዩ። ኣብ ግቡእ ምኽንያት ተመርኲሱ ኸኣ እዩ ዝርዝር መምርሒ ዚህብ። ሙሴ ግና፡ በቲ እተዋህቦ ዝርዝር መምርሒ ኣይተበሳጨወን፣ የሆዋ ዜዋርዶ ዘሎን ንናጽነቱ ወይ ንመሃዝነቱ ዚድርቶ ዘሎን ኰይኑ እውን ኣይተሰምዖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ዓየይቲ ንመምርሒታት ኣምላኽ ከም ዚስዕቡ ገበረ። (ዘጸ. 39:32) ከመይ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ኣኻይዳ ዀን እዩ! ሙሴ፡ የሆዋ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎን እቲ ዕዮ ናይ የሆዋ ምዃኑን ተገንዚቡ ነበረ።
14 ሙሴ ዜጕሂ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞ እውን ከይተረፈ፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ እስራኤል ብምጕርምራሞም ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ፡ ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህብ ተግባር ገበረ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ መሪሑ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘይኣቱ ብየሆዋ ተነግሮ። (ዘሁ. 20:2-12) ንሱን ኣሮን ሓዉን ንነዊሕ ዓመታት ንመረረት እስራኤላውያን ጸይሮም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ሙሴ ኣብዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ስለ ዝተጋገየ ግና፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዚጽበዮ ዝነበረ ተስፋ በኒኑ ተረፈ። እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ በዚ ኸም ዚጕሂ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ዓመጽ ዘይብሉ ጻድቕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንውሳነ የሆዋ ብትሕትና ተቐበሎ። (ዘዳ. 3:25-27፣ 32:4) ብዛዕባ ሙሴ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ብየሆዋ ዚፍለጥ ዝነበረ ዀይኑዶ ኣይኰነን ዚስምዓካ፧—ዘጸኣት 33:12, 13 ኣንብብ።
ንየሆዋ ንኽንግዝኦ፡ ትሕትና ተድልየና
15. ካብ ትዕቢት ቆራሕ እንታይ ኢና እንመሃር፧
15 ብየሆዋ ኽንፍለጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ በቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ኣቢሉ ኣብታ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚግበር ምትዕርራያትን ውሳነታትን ክንቅበሎ ኣሎና። ቆራሕን ተሓባበርቱን፡ ኣመና ኣብ ርእሶም ይተኣማመኑ ስለ ዝነበሩን ብትዕቢት ስለ እተወጠሩን እምነት ስለ ዝጐደለቶምን፡ ንርእሶም ካብ ኣምላኽ ፈለይዋ። ቆራሕ ነቲ በብመዓልቱ ውሳነ ዚገብር ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ሙሴ እኳ እንተ ረኣየ፡ ከም ሓቂ ግና የሆዋ እዩ ነቶም ህዝቢ ዚመርሖም ነይሩ። ቆራሕ ነዚ ሓቂ እዚ ስለ ዝረስዖ፡ ነቶም የሆዋ ዚጥቀመሎም ዝነበረ ሰባት፡ እሙን ከይኰነ ተረፈ። የሆዋ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ዜነጽሮ ወይ ኣድላዪ ምትዕርራይ ክሳዕ ዚገብር እንተ ዚጽበ ምሓሸ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ብሰሪ ትዕቢት ነቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ኣገልግሎት ኣጥፍኦ።
16. ብየሆዋ ምእንቲ ኽንፍለጥ፡ ነቲ ሙሴ ዘርኣዮ ኣብነት ትሕትና ምስዓብና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
16 እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ነቶም ሎሚ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታትን ካልኦት ሰባትን፡ ረዚን መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም። ንየሆዋ ምጽባይን ንመምርሒ እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ምስዓብን፡ ትሕትና ይሓትት እዩ። እሞኸ ኸም ሙሴ ትሑታትን ዓቃላትን ዲና፧ ንሓላፍነት እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነቲ ዚህቡና መምርሒ ንቕበሎ ዲና፧ ዜጕሂ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ርእስና ንገትእ ዲና፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብየሆዋ ኽንፍለጥ ኢና። ትሑታትን ተገዛእትን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተፈተውቲ ኽንከውን ኢና።
የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም
17, 18. ብየሆዋ ንኽንፍለጥን ናቱ ንኽንከውንን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
17 ብዛዕባ እቶም የሆዋ ናብኡ ዝሰሓቦምን ዝፈለጦምን ሰባት ምስትንታን ጠቓሚ እዩ። ኣብርሃምን ሙሴን ልክዕ ከማና ዘይፍጹማትን ጌጋ ዚገብሩን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ይፈልጦምን ከም ናቱ ገይሩ ይርእዮምን ነበረ። ቆራሕ ዝሓደጎ ኣብነት ግና፡ ካብ የሆዋ ኽንርሕቕን ብእኡ ኸም ዘይንፍለጥ ክንከውንን ከም እንኽእል ዜርኢ እዩ። እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባትከ እንታይ ክመሃር እኽእል፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።
18 የሆዋ ነቶም ናብኡ ዝሰሓቦም እሙናት ኣገልገልቱ፡ ናቱ ኸም ዝዀኑ ገይሩ ኸም ዚርእዮም ምፍላጥካ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እምነትን ትሕትናን ካልእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ተፈታዊ ዚገብረካ ባህርያትን ኣማዕብል። ብየሆዋ እንፍለጥ ምዃንና፡ ሎሚ ዕግበት ዜምጽኣልና፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ዜደንቕ በረኸት ዜውህበና ፍሉይ መሰል እዩ።—መዝ. 37:18።
ትዝክሮዶ፧
• ምስ የሆዋ ኸመይ ዝኣመሰለ ኽቡር ርክብ ኢኻ ኽትምስርት እትኽእል፧
• ንእምነት ኣብርሃም ክትቀድሓ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
• ካብ ቆራሕ እንታይ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል፧ ካብ ሙሴኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ኣብርሃም፡ የሆዋ ንመብጽዓታቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፍጽም ንተኣማመን ዲና፧
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ቆራሕ ንመምርሒ ብትሕትና ኺግዛእ ፍቓደኛ ኣይነበረን
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ፡ ንመምርሒታት ብትሕትና ኸም እትግዛእ ገይሩ ድዩ ዚፈልጠካ፧