መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
4-10 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 16-17
“የሆዋ፡ ምንጪ ሰናየይ እዩ”
ኣቱም መንእሰያት፡ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወኩም ይኽእል እዩ
ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣጥሪ
11 መዝሙር 16:3 ኣንብብ። ዳዊት፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ኪረክብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ “ዓብዪ ደስታ” ኸም ዜምጽኡሉ ገሊጹ እዩ። ብስነ ምግባር ንጹሃትን ቅኑዓትን ስለ ዝነበሩ ድማ፡ “ቅዱሳት” ኢልዎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ካልእ ዘማሪ ብዛዕባ ኣዕሩኹ ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻን እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 119:63) ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ንስኻ እውን ንየሆዋ ዚፈርሁን ንዕኡ ዚእዘዙን ብዙሓት ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ድማ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
‘ጽባቐ የሆዋ ርአ’
ዳዊት፡ “እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፡ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 16:5, 6) ነቲ ‘ኽፍሊ ርስቱ፡’ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን ነቲ ንዕኡ ንኼገልግሎ እተዋህቦ ፍሉይ መሰልን ኣማስዩሉ እዩ። ንሕና እውን ልክዕ ከም ዳዊት ጸገማት ኬጋጥመና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ንረክብ ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ኣዘውቲርና ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ንተሓጐስ፣ ንመንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸኣ ነማስወሉ።
ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ
2 ካብቲ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ፍሉጣት ሰባት፡ ማለት ካብ ከም እኒ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ዳዊት፡ ኣስቴር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ከምኡውን ካልኦት ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሕ ዘይፍለጡ ውልቀ-ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ነዚ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነስተንትነሉ፡ ምስ ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ንሱ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይክናወጽን እየ” በለ። (መዝ. 16:8) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧
3 መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደ ዓቀይታይ ነቲ ዋልታኡ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙ ንሰይፉ ድማ ብየማነይቲ ኢዱ ስለ ዚጥቀመላ፡ እታ የማነይቲ ኢዱ ንሓደጋ እተቓልዐት እያ እትኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ብጻዩ ብየማናይ ወገን ኰይኑ ዚቃለስ እንተ ዀይኑ ኺከላኸለሉ ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ንየሆዋ ኣብ ቅድሜና ንገብሮን ፍቓዱ ንገብርን እንተ ዄንና፡ ኬዕቝበና እዩ። ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማርና፡ ንእምነትና ኣደልዲሉ ‘ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና’ ኸም እንገብሮ ዚገብረና ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 714
መርዓት ዓይኒ
እታ ኢሾን እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል (ዘዳ 32:10፣ ምሳ 7:2)፡ ምስታ ዓዪን (ዓይኒ) እትብል ቃል ብሓባር ክትመጽእ ከላ፡ ቃል ብቓሉ “ናይ ዓይኒ ንእሽቶ ሰብ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ድጕዓ 2:18 ባት (ጓል) ዚብል ቃል ምስ ዓይኒ ለጊቡ ብምምጻኡ “ጓል ዓይኒ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ፣ እዚ ኽልቲኡ መግለጺታት፡ ንመርዓት ዓይኒ እዩ ዜመልክት። ኣብ መዝሙር 17:8 ንምጕላሕ ተባሂሉ ኽልቲኡ ብሓባር ተጠቒሱ ኣሎ (ኢሾን ባት-ዓዪን)፣ እዚ ቓል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ፡ “ናይ ጓል ዓይኒ ንእሽቶ ሰብ” (“መርዓት ዓይኒ”) እዩ ዚኸውን። እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ካብቲ ኣብ ዓይኒ ኻልእ ሰብ ዚርአ ንእሽቶ ምስሊ እተወስደ ኪኸውን ኣለዎ።
ዓይኒ ኣዝያ ተኣፋፊትን ተነቃፊትን ክፋል ሰብነትና እያ፣ ኣብ ዓይንና ንእሽቶ ጸጕሪ ወይ ገፈል እኳ እንተ ኣትዩና፡ ብኡብኡ እዩ ዚፍለጠና። እቲ ንመርዓት ዓይኒ ዚሽፍን ብርሃን ዜመሓላልፍ ክፋል ዓይንና (ኮርንያ) ጽቡቕ ሓለዋን ክንክንን ኪግበረሉ ኣለዎ። እዚ ኽፋል እዚ እንተ ተጐዲኡ ወይ ብሕማም እንተ ደቢኑ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ዑረት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ሓለዋ ኽንገብረሉ ብዛዕባ ዚግባእ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “መርዓት ዓይንኻ” ዚብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። ንሕጊ ኣምላኽ ከምኡ ጌርና ኢና ኽንሕልዎ ዘሎና። (ምሳ 7:2) ዘዳግም 32:10 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝገበረሉ ኣባታዊ ሓልዮት ክትገልጽ ከላ፡ “ከም መርዓት ዓይኑ” ኸም ዝሓለዎ ትገልጽ። ዳዊት ድማ “ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልወኒ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ኣሎ። (መዝ 17:8) ከምኡ ዝበለ ኸኣ፡ ጸላኢ ኼጥቅዖ ኸሎ፡ የሆዋ ምእንታኡ ኢሉ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ስለ ዝደለየ እዩ። (ምስ ዘካ 2:8 ኣረኣኢ፣ ኣብዚኣ ብእብራይስጢ ባዋት ዓዪን “ኵዕሶ ዓይኒ” ዚብል ኣሎ።)—ኣብ “ዓይኒ” ርአ።
11-17 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 18
‘የሆዋ መናገፍየይ እዩ’
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ ይርድኣካዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ምስ ህይወት ዘይብሉ ነገራት እውን የመሳስሎ እዩ። ንኣብነት፡ ከም “ከውሒ እስራኤል፡” ከም “ከውሒ፡” ከምኡውን ከም “ዕርዲ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ሳሙኤል 23:3፣ መዝሙር 18:2፣ ዘዳግም 32:4) እዚ ምስ የሆዋ እንታይ ተመሳሳልነት እዩ ዘለዎ፧ ከምቲ ዓብዪ ኸውሒ ጽኑዕን ዘይነቓነቕን ዝዀነ፡ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዓኻ ዜተኣማምን ምንጪ ዕቝባ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።
5 ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ንእተፈላለየ ባህርያት የሆዋ ዜጕልሕ ስእላዊ ዘረባ ብብዝሒ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ምንጪ ብርሃንን ህይወትን ጸዓትን ዕቝባን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መዝሙር 84:11፡ ከም “ጸሓይን ዋልታን” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ መዝሙር 121:5፡ “እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ” ትብል። ከምቲ ጽላል ዘለዎ ቦታ ኻብ መራር ጸሓይ ዜጽልለካ፡ የሆዋ ኸኣ ንኣገልገልቱ ኣብ ትሕቲ ‘ኢዱ’ ወይ ‘ኣኽናፉ’ ብምጽላል፡ ካብ መዓት ኬዕቍቦም ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 51:16፣ መዝሙር 17:8፣ 36:7።
it-2 1161 ¶7
ድምጺ
ኣምላኽ ድምጺ ኣገልገልቱ ይሰምዕ። እቶም ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኽዎ ሰባት ቋንቋኦም ብዘየገድስ፡ ድምጾም ከም ዚሰምዕ ብምትእምማን ናብኡ ኺምህለሉ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ዋላ እኳ ቓል ብቓሉ ድምጺ እንተ ዘይተዳህየ፡ ማለት ሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ብልቡ እኳ እንተ ጸለየ፡ እቲ ልቢ ሰባት ዚፈልጥ ኣምላኽ ነቲ ዚቐርብ ጸሎት “ይሰምዖ” ወይ የቕልበሉ እዩ። (መዝ 66:19፣ 86:6፣ 116:1፣ 1ሳሙ 1:13፣ ነህ 2:4) ኣምላኽ፡ ድምጺ እቶም ናብኡ ዜእውዩ ውጹዓት ይሰምዕ እዩ፣ ብተወሳኺ ድማ፡ ድምጺ እቶም ዚጻረርዎን ንኣገልገልቱ ውዲት ዚኣልሙሎምን ይሰምዕ፡ ነቲ ዝሓለንዎ እውን ይፈልጦ እዩ።—ዘፍ 21:17፣ መዝ 55:18, 19፣ 69:33፣ 94:9-11፣ ኤር 23:25።
ንጭንቀት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧
2. ኣስተንትን። ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ነገራት ምልስ ኢልካ ኸተስተንትን ከለኻ፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ ኽትጻወሮ ብዛዕባ ዝኸኣልካ ፈተናታት ክትዝክር ትኽእልዶ፧ የሆዋ ንዓና ብኸመይ ከም ዝሓገዝና፡ ኣብ ሕሉፍ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ እውን ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እንተ ኣስተንቲንና፡ ውሽጣዊ ብርታዐ ንርከብ፡ ኣብኡ እውን ብዝያዳ እምንቶ ነሕድር ኢና። (መዝ. 18:17-19) ጆሹዋ ዝስሙ ሽማግለ፡ “እተመለሰ ጸሎተይ እምዝግቦ እየ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብዛዕባ ሓደ ነገር ፈልየ ምስ ሓተትክዎ፡ ዜድልየኒ ኸም ዝሃበኒ ኽዝክር ይሕግዘኒ እዩ” ይብል። እወ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንጭንቀትና ኽንጻወር ዜኽእለና ሓድሽ ብርታዐ ንረክብ ኢና።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 432 ¶2
ኪሩብ፡ ኪሩቤል
እዚኣቶም ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ፡ ከምቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ ዜምልኽዎም ዓይነት ግናይ ዝትርኢቶም ዓበይቲ ኣኽናፍ ዘለዎም ምስልታት ኣይነበሩን። ብመሰረት እቲ ጥንታዊ ያታ ኣይሁድ ብሓደ ድምጺ ዚህቦ ምስክርነት (መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ)፡ እዞም ኪሩቤል እዚኦም ቅርጺ ሰብ እዩ ነይርዎም። ነቶም ግሩም ጽባቐ ዘለዎም መላእኽቲ ዚውክሉ ብሉጽ ፍርያት ስነ ጥበብ እዮም ነይሮም፣ “ልክዕ ከምቲ” የሆዋ ንሙሴ ዝሃቦ “ምስሊ” ጌርካ ድማ እዮም ተሰሪሖም። (ዘጸ 25:9) ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ መኽደን መተዓረቒ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (እብ 9:5) እዞም ኪሩቤል እዚኦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዝቘሙ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ኣብኡ ኣነ ኽግለጸልካ፡ ካብ ልዕሊ እቲ መኽደኒ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፡ ኵሉ እቲ ንእስራኤላውያን ዝእዝዘካ ነገር ከፍልጠካ እየ።” (ዘጸ 25:22፣ ዘሁ 7:89) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ “ኣብ ልዕሊ [ወይ፡ ኣብ መንጎ] ኪሩቤል” ከም ዚቕመጥ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1ሳሙ 4:4፣ 2ሳሙ 6:2፣ 2ነገ 19:15፣ 1ዜና 13:6፣ መዝ 80:1፣ 99:1፣ ኢሳ 37:16) ብተወሳኺ፡ ኪሩቤል ን“ምስሊ እቲ [የሆዋ ዚውጥሓሉ] ሰረገላ” ተምሳል ኰይኖም ኣገልጊሎም ኣለዉ (1ዜና 28:18)፣ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ከም ዜጽልልን ብፍጥነት ክትጕዓዝ ከም ዜኽእልን ጌርካ ይርአ ነበረ። ስለዚ፡ ዳዊት ነቲ የሆዋ ንዕኡ ዝረድኣሉ ፍጥነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ። ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ ከኣ ተራእዩ” ኢሉ ኣሎ።—2ሳሙ 22:11፣ መዝ 18:10።
18-24 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 19-21
“ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር”
ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ
ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ጓሳ ዀይኑ እዩ ዓብዩ። ስለዚ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ንመጓሰ ኣቦኡ ኽሕሉ ኸሎ ነቲ ኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ይምልከት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሓያል ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረሉ፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ነቲ ኣብ መበል 19 መዝሙር ዝርከብ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ” ዝብል ዝምስጥ ቃላት ኣቀናቢሩ ዘመረ።—መዝሙር 19:1, 4
2 እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ዘደንቕ ሰማያት ብዘይ ዘረባ፡ ብዘይ ቃላት፡ ከምኡውን ብዘይ ድምጺ መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኽብሪ የሆዋ የዘንቱ። ፍጥረት ክብሪ የሆዋ ኻብ ምእዋጅ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ብዘይ ደሃይ ዝወሃብ ምስክርነት ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዖ ናብ “ኵላ ምድሪ” ዝወጽእ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ደቀቕቲ ፍጥረታት ምዃንና እዩ ዘዘኻኽረና። እንተዀነ ግን፡ እዚ ፍጥረት ብዘይ ደሃይ ዝህቦ ምስክርነት እኹል ኣይኰነን። እሙናት ደቅሰብ ብዝስማዕ ደሃይ ኣብዚ ምስክርነት ክካፈሉ ምሕጽንታ ይወሃቦም እዩ። ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ጸሓፍ መዝሙር ንእሙናት ኣምለኽቲ ብመንፈስ ተደሪኹ “ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ” በሎም። (መዝሙር 96:7, 8) እቶም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ነዚ ምሕጽንታ እዚ ተሓጒሶም እዮም ዝቕበልዎ። ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ክበሃል ከሎ ግን እንታይ እዩ ዘጠቓልል፧
ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ!
8 ዳዊት ኣስዕብ ኣቢሉ ኻልእ ዜደንቕ ፍጥረት የሆዋ ገለጸ፦ “ንጸሓይ ከኣ [ኣብቲ ዚርአ ሰማያት] ድንኳን ተኸለ[ላ]። ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ፡ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ አላ። ምውጽኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፡ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፡ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን።”—መዝሙር 19:4-6
9 ጸሓይ ምስ ካልኦት ከዋኽብቲ ኽትወዳደር ከላ ማእከላይ ግዝፊ እዩ ዘለዋ። እንተዀነ ግን፡ እተደንቕ ኰዀብ እያ። እተን ኣብ ዙርያኣ ዚዞራ ፕላነታት ምስኣ ኺወዳደራ ኸለዋ ደቀቕቲ መሲለን እየን ዚረኣያ። ሓደ ምንጪ ክብደት ጸሓይ “2 ቢልዮን ግዜ ቢልዮን ግዜ ቢልዮን ቶን” ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ካብ ክብደት ስርዓተ-ጸሓይ 99.9 ሚእታዊት እዩ! እቲ ስሕበታ ንምድሪ ኻብኣ ኸይረሓቐት ወይ ናብኣ ኸይቀረበት ኣብ 150 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሕቀት ንኽትዘውር የኽእላ። ካብቲ ጸሓይ እተመንጭዎ ሓይሊ፡ ሓደ ኻብ ክልተ ቢልዮን እዩ ኣብ ምድርና ዚበጽሕ። እንተዀነ ግን፡ እዚ ብህይወት ንኽንቅጽል እኹል እዩ።
10 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጸሓይ ኣብ መዓልቲ ኻብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ድሕሪ ምጕያዩ፡ ለይቲ ኣብ “ድንኳን” ከም ዚአቱ “ጅግና” ገይሩ ብምግላጽ ብምሳልያዊ መገዲ ተዛሪቡላ ኣሎ። እዛ ሓያል ኰዀብ ምስ ዓረበት፡ ኣብ ምድሪ ዄንካ ኽትዕዘባ ኸለኻ ንኸተዕርፍ ኢላ ኣብ “ድንኳን” ከም ዝኣተወት እዩ ዚመስል። ንግሆ ኸኣ ብብርቱዕ ብርሃን “ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ።” ዳዊት ጓሳ ስለ ዝነበረ፡ ብርቱዕ ቍሪ ለይቲ ኸመይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 31:40) እቲ ብርሃን ጸሓይ ንዕኡን ነቲ መሬትን ከመይ ገይሩ ቐልጢፉ ኸም ዜሙቖ ይዝክሮ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ጸሓይ ኣብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እትገብሮ “ጕዕዞ” ዘይትደክም ብምዃና፡ ከም “ጅግና” ነቲ ጕዕዞ ንኽትደግም ድልውቲ እያ።
g95 8/11 7 ¶3
ኣብዚ ግዜና ልዕሊ ዅሉ ዕሽሽ እተባህለ ስነ ጥበበኛ
ብዛዕባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ስነ ጥበብ ሞሳና ምዕዛዝ፡ ንፈጣሪና ኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ፣ ከመይሲ፡ ብተግባር ኣእዳዉ ተኸቢብና ኢና ዘለና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ኣብ ገሊላ ዚርከብ ዕምባባታት መሮር ኪምልከቱ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ “ካብቲ ዕምባባታት መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። (ማቴዎስ 6:28, 29) እቲ ኣብ ግምት ዘይነእትዎ ዕምባባ መሮር ውቁብ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ነገራት ከም ዚግደስ የዘኻኽረና እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 1073
እብራይስጢ፡ 2
ብተወሳኺ፡ ጽማረ ሓሳባዊ ተመሳሳልነት ዚብሃል ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዚስዕብ፡ ማለት እቲ ኻልኣይ ክፋል ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘየቃልሓሉ ወይ ኣንጻር ሓሳብ ዘይህበሉ ኣቃውማ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዝነበረ የስፍሖ፡ ሓድሽ ሓሳብ እውን ይውስኸሉ እዩ። መዝሙር 19:7-9 ነዚ ኣብነት ክትከውን ትኽእል እያ፦
ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡
ሓይሊ የሐድስ።
መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡
ንዘይለበመ የጥብቦ።
ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡
ንልቢ የሐጕሶ።
ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡
ንኣዒንቲ የብርሀን።
ፍርሃት የሆዋ ንጹህ እዩ፡
ንዘለኣለም ይነብር።
ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡
ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።
ኣብዚ እቲ ኣብ ኵሉ ምሉእ ሓሳብ ወይ ሓረግ ዘሎ ኻልኣይ ክፋል ነቲ ሓሳብ ከም ዚዛዝሞ ኽንርኢ ንኽእል ኢና፣ ስለዚ፡ ብምሉኡ እቲ ፍቕዲ ናይ ክልተ ባእታታት ውህደት ወይ ጽመራ እዩ። ኣንባቢ ነቲ ኻልኣይ ክፋል፡ ማለት “ሓይሊ የሐድስ” ከምኡ ድማ “ንዘይለበመ የጥብቦ” ዚብል ምስ ኣንበበ ጥራይ እዩ ብኸመይ “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ” ከምኡ ድማ “መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ” ኸም እተባህለ ዚርድኦ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተኸታታሊ ጽማረ ሓሳባት፡ እቲ ኣብ መንጎ ቐዳማይን ካልኣይን ክፋል ዘሎ ምክፍፋል ከም ናይ ረምታ ዕረፍቲ ዀይኑ የገልግል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓደ ሓሳብ እናማዕበለ ኪኸይድ ከሎ፡ ተመሳሳሊ ቕርጺ ይሕዝ።
25-31 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 22
ብዛዕባ ሞት የሱስ እተነግረ ትንቢታት
ንመሲሕ ረኺቦምዎ
16 ኣምላኽ ነቲ መሲሕ ዝሓደጎ ኸም ዚመስል ተገሊጹ ነይሩ። (መዝሙር 22:1 ኣንብብ።) ምስቲ ትንቢት ብዚሰማማዕ መገዲ፡ “ብታስዐይቲ ሰዓት [ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ] የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፤ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፤ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ።” (ማር. 15:34) የሱስ ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበረቶ እምነት ስለ ዝጠፍአት ኣይኰነን ከምኡ ኢሉ። ንጽህናኡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍተን፡ ኣምላኽ ካብ ጸላእቱ ኸም ዘየዕቍቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኢሉ ብምጭዳር ከኣ፡ ንመዝሙር 22:1 ፈጸማ።
ንመሲሕ ረኺቦምዎ
13 ሰባት ነቲ መሲሕ ከም ዚጸርፍዎ፡ ዳዊት ተነብዩ ነይሩ። (መዝሙር 22:7, 8 ኣንብብ።) የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰባት ይጸርፍዎ ነበሩ፣ ማቴዎስ ብዛዕባ እዚ ኺጽብጽብ ከሎ፡ “ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፤ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ” በለ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን እውን፡ “ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከአለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንአምን። ብኣምላኽ ተአሚኑ እዩ፡ ድማ፤ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ አሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ” ኢሎም የላግጹሉ ነበሩ። (ማቴ. 27:39-43) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነዚ ዅሉ ላግጺ ብዓቕሊ ኸኣሎ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀነና!
ንመሲሕ ረኺቦምዎ
14 ንኽዳውንቲ እቲ መሲሕ ብዕጭ ከም ዚማቐልዎ ተሓቢሩ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ” በለ። (መዝ. 22:18) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ፣ ከመይሲ፡ “[ዓቀይቲ ሮሜ ንየሱስ] ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።”—ማቴ. 27:35፣ ዮሃንስ 19:23, 24 ኣንብብ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ
7 ንኣኼባታትና ኣኽብሮት እነርእየሉ ጭቡጥ መገድታት ኣሎ። ሓደ መገዲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝመር ከሎ ኣብኡ ብምክፋል እዩ። መብዛሕትኡ እዚ መዝሙራት ከም ጸሎት ዝኣመሰለ ቓላት ስለ ዘለዎ፡ ብኣኽብሮት እዩ ኺዝመር ዘለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ መዝሙር 22 ብምጥቃስ ብዛዕባ የሱስ “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 2:12) ስለዚ፡ እቲ ኣቦ መንበር ዚዝመር መዝሙር ቅድሚ ምንጋሩ ኣብ በቦታና ኾፍ ክንብልን ኣብ ትርጕም እቲ ቓላት እናኣተኰርና ኽንዝምርን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። መዝሙርና ስምዒት እቲ “ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ አሎኹ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዜንጸባርቕ ይኹን። (መዝሙር 111:1) እወ፡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ምዝማር፡ ኣብ ኣኼባታትና ብኣጋኡ ንኽንመጽእን ክሳዕ ዚዛዘም ንኽንጸንሕን ዚድርኸና ሓደ ጽቡቕ ምኽንያት እዩ።
ንየሆዋ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ኣመስግኖ
ኣብዚ ግዜና እውን ልክዕ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ንእምነቱ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ወይ ጉባኤ ንኽገልጽ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሉ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ንዅሉ እተኸፍተ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝቐርብ ሕቶታት ሓሳብ ምሃብ እዩ። እዚ ዝህቦ ጥቕሚ ኣትሒትካ ኽርአ የብሉን። ንኣብነት፡ ጸገማት ብኸመይ ከም እትሰግሮ ወይ እተወግዶ ዝገልጽ ሓሳባት ኣሕዋትና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽስዕቡ ዝገበርዎ ቈራጽነት የደልድሎ። ነቲ ሓሳባቱ ዘይተገልጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ዘነጽር ወይ ካብ ናይ ብሕቲ ምርምር እተረኽበ ነጥብታት ዝሓዘ ሓሳባት ምሃብ፡ ንኻልኦት ዝሓሸ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኸማዕብሉ የተባብዖም።
1-7 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 23-25
“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
የሆዋ ንኣባጊዑ ይመርሐን። ኣባጊዕ ጓሳ እንተ ዘይብለን፡ ኪጠፍኣ ይኽእላ እየን። ንሕና እውን፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ ህይወት ንኽንፈልጥ ሓገዝ የድልየና እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ዳዊት፡ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ” ብምባል፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚመርሖም ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ” በለ። (ቍጽሪ 2, 3) እዚ ኣገላልጻ እዚ፡ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም እንኽእል የረጋግጸልና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምእዛዝ ንመሪሕነት ኣምላኽ ምስ እንስዕብ፡ ዕግበትን ደስታን ድሕንነትን ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ ንኽእል ኢና።
“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
የሆዋ ንኣባጊዑ የዕቍበን። ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ፡ ፈራሃትን ርእሰን ኪኣልያ ዘይክእላ መሳኪንን እየን። የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ብርባርባ ድነ ሞት ኪኸዱ ኸለዉ’ ማለት፡ ኣብ ህይወቶም ጽንኩር ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ኪፈርሁ ኸም ዘይብሎም ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 4) ከመይሲ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ ይቋመቶም እዩ። ንኣምለኽቱ፡ ንፈተናታት ኪዋጽኡሉ ዜኽእሎም ጥበብን ብርታዐን ኪህቦም ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13፣ ያእቆብ 1:2-5።
“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
የሆዋ ንኣባጊዑ ይምግበን። ኣባጊዕ ምግበን ንኺረኽባ ኣብ ጓሰአን እየን ዚውከላ። ንሕና እውን፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ ክንረኽቦ እንኽእል ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ኣሎ። (ማቴዎስ 5:3፡ NW) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ የሆዋ ለጋስ ወሃቢ ስለ ዝዀነ፡ ንኣገልገልቱ ኣኺሉ ዚተርፍ መኣዲ ኣዳልዩሎም ኣሎ። (ቍጽሪ 5) መጽሓፍ ቅዱስን ከምዛ መጽሔት እዚኣ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን፡ ትርጕም ህይወትን ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ዕላማን ንኽንፈልጥ ዚሕግዝ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ብምሉእ ልብኻ ጽድቂ ፍቶ
የሆዋ ንህዝቡ፡ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ገይሩ፡ “ብመገዲ ጽድቂ” ይመርሖም ኣሎ። (መዝ. 23:3) እንተዀነ ግን፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ካብ መገዱ ኽንወጽእ ንኽእል ኢና። ካብ ግጉይ መገድና ተመሊስና ቕኑዕ ዘበለ ንኽንገብር፡ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ንኽንዕወት ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ከም የሱስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ክንፈቱ ኣሎና።—መዝሙር 45:7 ኣንብብ።
2 “መገዲ ጽድቂ” እንታይ እዩ፧ እዚ “መገዲ” እዚ፡ ኣብ ስርዓታት ጽድቂ የሆዋ እተመርኰሰ እዩ። እታ “ጽድቂ” እትብል ቃል፡ ብእብራይስጢ ይኹን ብግሪኽኛ ን“ቕንዕና፡” ማለት ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ጠቢቕካ ምስዓብ ተመልክት። የሆዋ “ማሕደር ጽድቂ” ስለ ዝዀነ፡ ኣምለኽቱ፡ ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ዝዀነ መገዲ ንምምራጽ መምርሒኡ እዮም ዚስዕቡ።—ኤር. 50:7።
3 ብምሉእ ልብና ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ንጽዕር እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኸነሐጕሶ እንኽእል። (ዘዳ. 32:4) እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኽንፈልጥ ዝከኣለና ብምግባር እዩ ዚጅምር። ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናን መዓልታዊ ንኽንቀርቦ ብዝያዳ ብዝጸዓርናን መጠን፡ ንጽድቁ እውን ብዝያዳ ኽንፈትዎ ኢና። (ያእ. 4:8) ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና እውን፡ ነቲ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ኽንቅበል ኣሎና።
8-14 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 26-28
ዳዊት ንጽህናኡ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧
ብንጽህና ተመላለስ
8 ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር፡ መርምረንን ተዐዘበንን፡ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ወይ ብመሰረት እቲ በዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ “ንዀላሊተይን ልበይን ኣጽርዮ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 26:2) ኰላሊት ኣብ ውሽጢ ኣካላትና እዩ ዚርከብ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ንውሽጣዊ ሓሳባትን ስምዒታትን የመልክት። ምሳልያዊ ልቢ ኸኣ ጠቕላላ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ፡ ማለት ድራኸታቱን ስምዒታቱን ምስትውዓሉን የመልክት። ዳዊት ብየሆዋ ኺምርመር ኪሓትት ከሎ፡ ውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ብደቂቕ ኪምርመር እዩ ዚጽሊ ነይሩ።
9 ዳዊት ኰላሊቱን ልቡን ኪጸርየሉ እውን ለሚኑ እዩ። የሆዋ ውሽጥና ዜጽርየና ብኸመይ እዩ፧ ዳዊት “ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ አሎኹ፡ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 16:7) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ዚህቦ ማዕዳ ኣብ ውሽጢ ዳዊት ከም ዝኣተወን ኣብኡ ኸም እተቐመጠን እሞ ንውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ከም ዚምህሮ ወይ ከም ዚእርሞ የመልክት። ነቲ ብቓል ኣምላኽ፡ ብተወከልቱ፡ ከምኡውን ብማሕበሩ ኣቢሉ ዚመጽእ ማዕዳ ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንናሉን ኣብ ውሽጥና እንተ ኣንቢርናዮን ንሕናውን ከምኡ ኽንጥቀም ኢና። የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ንኼጽርየና ኣዘውቲርና ንጽሊ እንተደኣ ዄንና፡ ብንጽህና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና እዩ።
ብንጽህና ተመላለስ
12 ዳዊት ካልእ ንንጽህናኡ ዘደልደለሉ ረቛሒ ኺጠቅስ ከሎ፡ “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፡ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ” በለ። (መዝሙር 26:4, 5) ምስ ረሲኣን ከቶ ኣይቅመጥን እዩ ነይሩ። ክፉእ ዕርክነት ይጸልእ ነበረ።
13 ንሕናኸ፧ ምስቶም ብመደባት ተለቪዥን፡ ብቪድዮታት፡ ብሲነማታት፡ ብመርበብ ሓበሬታ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ጌርና እንረኽቦም ሓሰውቲ ሰባት ምቕማጥ ንኣቢ ዲና፧ ካብቶም ኣምሰሉታት ንርሕቕ ዲና፧ ገሊኦም ኣብ ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ እንረኸቦም ሰባት፡ ንኼታልሉና ኢሎም ኣዕሩኽትና የምስሉ እዮም። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ዘይመላለሱ ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ነማዕብል ዲና፧ ከሓድቲውን ቅኑዓት ብምምሳል ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኼርሕቑና ዘለዎም ውጥን ይሓብእዎ ይዀኑ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሑ ገለ ሰባት እንተ ሃልዮምከ፧ ንሳቶም እውን ኣምሰሉታት እዮም። ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ጄሰን ብንእስነቱ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ነበርዎ። ብዛዕባኦም ድማ ከምዚ በለ፦ “ሓደ መዓልቲ ሓደ ኻባታቶም ‘ሕጂ እንገብሮ ነገር ዜገድስ ኣይኰነን፡ ከመይሲ፡ ሓድሽ ኣገባብ ምስ መጸ፡ ክንመውት ኢና። እንታይ ይሓልፈና ኸም ዘሎ ኣይክንፈልጥን ኢና’ በለኒ። እዚ ዘረባ እዚ ንዓይ ኣንቂሑኒ እዩ። ሓድሽ ኣገባብ ኪመጽእ ከሎ ኺመውት ኣይደልን እየ።” ጄሰን ምስዞም ሰባት ዝነበሮ ዕርክነት ብምብታኽ ጥበባዊ ውሳነ ገበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!
ብንጽህና ተመላለስ
17 እቲ ማሕደርን እቲ መሰውኢኡን ኣብ እስራኤል ማእከል ኣምልኾ የሆዋ እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ቦታ እቲ ኸም ዚፈትዎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንቤት ማሕደርካ፡ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ” በለ።—መዝሙር 26:8
18 ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋ እንመሃረሉ ቦታታት ምእካብ ንፈቱ ዲና፧ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስሩዕ መደብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዘለዎ ማሕበረሰብ ከም ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ ዜገልግል። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዓዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ፡ ናይ ወረዳ ኣኼባ፡ ከምኡውን መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣሎና። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ “ምስክራት” ወይ መዘኻኸሪታት የሆዋ እዩ ዚቐርብ። ነዚ ‘ኣዚና ነፍቅሮ’ እንተደኣ ዄንና፡ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ሃንቀውታ ኺህልወና እዩ፡ ምስ ተኣከብናውን ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ኢና። (መዝሙር 119:167) ምስቶም ንብሕታዊ ድሕንነትና ዚሓልዩን ንጽህናና ሓሊና ንኽንመላለስ ዚሕግዙናን ክርስትያናት ብጾትና ኽንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ መንፈስ ዜሐድስ ኰን እዩ!—እብራውያን 10:24, 25
መንፈሳዊ ሃብቲ
የሆዋ ንዝጸበቦ የናግፎ
15 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 27:10) ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ወላዲ ወይ ወላዲት ንላዕሊ ኸም ዚበልጽ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ወላዲ ኺነጽገካ፡ ኺገፍዓካ፡ ወይ ኪጥንጥነካ ኸሎ ኣዝዩ ዜሳቒ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ሓልዮት ግን ዋላ ሓንቲ ኣይትንክፎን እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅሮም ናብኡ ኸም ዚስሕቦም ዘክር። (ዮሃንስ 3:16፣ 6:44) ሰባት ዝገበሩ ይግበሩኻ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ የፍቅረካ እዩ!
15-21 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 29-31
ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ
it-1 802 ¶3
ገጽ
‘ገጽ ምሕባእ’ ዚብል መግለጺ ኸከም ኵነታቱ እተፈላለየ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ገጹ ኸም ዝሓብአ ኺግለጽ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሞገሱ ወይ ሓይሉ ምሃብ ከም ዝኣበየ እዩ ዜመልክት። እዚ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት ውልቀ ሰብ ወይ ህዝቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮ 34:29፣ መዝ 30:5-8፣ ኢሳ 54:8፣ 59:2) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ የሆዋ ኽሳዕ እቲ ምዱብ ግዜኡ ሓደ ነገር ካብ ምግባር ወይ ምላሽ ካብ ምሃብ ከም እተቘጠበ ኼመልክት ይኽእል እዩ። (መዝ 13:1-3) ዳዊት ንኣምላኽ፡ “ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ምለስ” ኢሉ ኺልምኖ ኸሎ፡ ኣበሳኡ ይቕረ ኺብሃለሉ ወይ ኪሕደገሉ እዩ ዚልምን ነይሩ።—መዝ 51:9፣ ምስ መዝ 10:11 ኣረኣኢ።
ብሓጐስ ንየሆዋ ምጽባይ
ተግሳጽ የሆዋ ምቕባልና ዜምጽኣልና ጥቕሚ: ምስቲ ሓደ ፍረ ዚበስለሉ መገዲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ተግሳጽ ብዚምልከት “ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ይብል። (እብራውያን 12:11) ልክዕ ከምቲ ሓደ ፍረ ንኺበስል ግዜ ዚወስድ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ስልጠና ዘሎና ኣረኣእያና ንኽንቅይር ግዜ የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ብሰሪ ዘርኣናዮ ዘይእዱብ ኣካይዳ፡ ኣብታ ጉባኤ ዝነበረና ሓላፍነት እንተ ስኢንና፡ ንኣምላኽ ንምጽባይ ዘሎና ፍቓደኛነት ከም ዘይንሕለልን ተስፋ ኸም ዘይንቘርጽን ይገብረና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ “ኵራኡ [ኵራ ኣምላኽ] ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፡ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፡ ምሸት ብኽያት ይሐድር፡ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዳዊት ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 30:5) ናይ ምጽባይ ባህርይ እንተ ኣማዕቢልና ኸምኡውን ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ውድቡን ዚወሃበና ምዕዶ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ‘እልል’ እንብለሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ።
ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ እዩ፧
18 ሓደ እተወገደ ሰብ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ይመጽእ፡ ነቲ ጽቡቕ ልማድ ጸሎትን መጽናዕትን ኪህልዎ ብሽማግለታት ዚውሃቦ ምኽሪ ኸኣ ይስዕብ እዩ። ናብቲ ኣበሳኡ ኻብ ዝመርሖ ዅነታት ንምርሓቕ እውን ይጽዕር እዩ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ እንተ ጽዒሩ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብሎ፡ ሽማግለታት እውን ናብ ጉባኤ ኸም ዚመልስዎ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ንሓደ ኣባሲ ኼዛራርቡ ኸለዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ፍሉይ ምዃኑ ይዝክሩ፡ ብጭካነ ኸይፈርዱ እውን ይጥንቀቑ እዮም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
31:23—ዕቡይ ብዙሕ ዚፍደ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ እቲ ዚፍደዮ መቕጻዕቲ እዩ። ጻድቕ ስለቲ ብዘይፍላጥ ዚገብሮ ጌጋታት፡ ካብ የሆዋ ብዚመጽእ ተግሳጽ ይፍደ እዩ። ዕቡይ ካብ ግጉይ መገዱ ስለ ዘይምለስ፡ ብሓያል መቕጻዕቲ ብዙሕ ይፍደ እዩ።—ምሳሌ 11:31፣ 1 ጴጥሮስ 4:18
22-28 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 32-33
ከቢድ ሓጢኣት ምንዛዝ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
w93 15/3 9 ¶7
ምሕረት የሆዋ ካብ ተስፋ ምቝራጽ የድሕነና
7 ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ከቢድ በደል ምስ እንገብር፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሓጢኣትና ንኣምላኽ ምንዛዝ ከቢድ ኰይኑ ንረኽቦ ኢና። ምስ ዘይንናዘዝ ከመይ ይስምዓና? ኣብ መዝሙር 32 ዳዊት “ስቕ ኢለ ኸሎኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፡ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ” ኢሉ ይእመን። (ቍጽሪ 3, 4) ንሓጢኣቱ ክኽውሎን ነቲ በደለኛ ሕልናኡ ክጸቕጦን ኢሉ ብምፍታኑ ንዳዊት ኣድኪምዎ ኢዩ። ዓቕሊ ጽበት፡ ክሳብ ከም ሓንቲ ብድርቂ ዝተወቕዐት ኦም እሞ ህይወት ዝህብ ጠሊ ዘይብላ እትኸውን ገይሩ ንሓይሉ ኣድኪምዎ ኢዩ። ብርግጽ ብኣካልን ብኣእምሮን ተተንኪፉ ነይሩ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ እንተ በዚ እንተ በቲ ዳዊት ሓጐሱ ኣጥፊኡ ኢዩ። ገለ ካባና ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ምስ እንወድቕ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
“ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ
8 እቲ እተነስሐ ዳዊት፡ “ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን። . . . ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ” በለ። (መዝሙር 32:5) እታ “ሓዲግካለይ” እትብል ቃል፡ ካብታ “ምልዓል” ወይ “ምስካም” እትብል መሰረታዊ ትርጉም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል እተተርጐመት እያ። ኣብዚ ኣወዓዕላኣ፡ “በደል፡ ሓጢኣት፡ ኣበሳ” ምርሓቕ ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመልክት። ስለዚ የሆዋ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሓጢኣት ዳዊት ኣልዒሉ፡ ተሰኪሙ ደርብይዎ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ዳዊት ተሰኪምዎ ዝነበረ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዜቃለለሉ ፍሉጥ እዩ። (መዝሙር 32:3) ስለዚ ንሕና እውን የሆዋ ነቶም ኣብቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኣሚኖም ይቕረ ኺብሃለሎም ዚደልዩ ሰባት ሓጢኣቶም ዚስከመሎም ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 20:28።
ናብ መንፈሳዊ ጥዕና ዝመርሕ ምንዛዝ
ዳዊት ድሕሪ ምንዛዙ ዘይረብሕ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። እቲ ብዛዕባ ምንዛዙ ዝጸሓፎ ኣብ መዝሙር ዘሎ ቓላት ዝረኸቦ እፎይታን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ንኸገልግሎ ዝገበሮ ቈራጽነትን ዝገልጽ ኢዩ። ንኣብነት መዝሙር 32 ንርአ። ኣብ ቍጽሪ 1 “ኣበሳኡ እተሐድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ” ትብለና። ሓደ ሰብ ልባዊ ነስሓ እንተድኣ ገይሩ ሓጢኣቱ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ይኹን ብዘየገድስ ዘሐጕስ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ነስሓ ልባዊ ምዃኑ ክረኣየሉ ዝኽእል ሓደ መገዲ ኸምቲ ዳዊት ዝገበሮ ንዝወሰድካዮ ስጕምቲ ምሉእ ብምሉእ ብሓላፍነት ትሕተተሉ ምዃንካ ምእማን ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:13) ነቲ በደል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከማኻንየሉ ወይ ከኣ ንኻልኦት ከላግበሎም ኣይፈተነን። ቝጽሪ 5 ከምዚ ትብል፦ “ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፡ በደለይውን ኣይሰወርኩን፡ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፡ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።” ናይ ሓቂ ነስሓ ዕረፍቲ ስለ ዘምጽእ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሓጢኣቱ ብሕልንኡ ተደቚሱ ኣይነብርን ኢዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
33:6—እቲ “እስትንፋስ” ኣፍ የሆዋ እንታይ እዩ፧ እዚ እስትንፋስ እዚ እቲ ኣምላኽ ነቲ ግኡዝ ሰማያት ንምፍጣር እተጠቕመሉ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ወይ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥረት 1:1, 2) እስትንፋስ ኣፉ እተባህለ ኸኣ፡ ከም ሓያል እስትንፋስ ብምዃን፡ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ነገር ንምፍጻም ኪለኣኽ ስለ ዚከኣል እዩ።
29 ሚያዝያ–5 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 34-35
‘ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ወድሶ’
ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ
11 “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።” (መዝሙር 34:1) ዳዊት ከም ስጉጕ ኰይኑ ይነብር ብምንባሩ፡ ብስጋ ዜድልዮ ብኸመይ ከም ዜማልእ ብዙሕ የተሓሳስቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዘን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ቓላት ከም ዚሕብራኦ ግን እቲ መዓልታዊ ሻቕሎቱ ነቲ ንየሆዋ ንኺውድስ ዝነበሮ ቘራጽነት ኣይዓብለሎን። እዝስ ንዓና ሽግር ኬጋጥመና ኸሎ ኽንስዕቦ ዘለና ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና፡ ወይ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ባህግና ንየሆዋ ምውዳስ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኸምኡ እንገብረሉ ታእላው ዘይብሉ ምኽንያታት እሞ ሕስብ ኣብል! ንኣብነት፡ ካብቲ መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ኽንረኽቦ እንኽእል ፍልጠት ኰነ ሓጐስ መወዳእታ የብሉን። በቲ ምድራዊ ኽፋል ውድቡ ኣቢሉ ዝዓመሞ ነገራት እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብዚ ግዜና ዘይፍጹማት ብዝዀኑ እሙናት ሰባት ገይሩ ብዙሕ ነገራት ዓሚሙ እዩ። ግብርታት የሆዋ ምስ ግብርታት እቶም ዓለም ከም ኣማልኽቲ እትርእዮም ሰባት ኪወዳደር ከሎ ኸመይ ይመስል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ምስቲ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን” ኢሉ ዝጸሓፈ ዳዊት ኣይትሰማማዕንዶ፧—መዝሙር 86:8
ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ
13 “ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፡ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም።” (መዝሙር 34:2) ዳዊት ኣብዚ ብብሕቱ ብዝዓመሞ ነገራት ኣይኰነን ተሓቢኑ። ንኣብነት፡ ንንጉስ ጋት ብዘታለለሉ መገዲ ኣይተጃሃረን። ኣብ ጋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን የሆዋ ኸም ዘዕቈቦን ብሓገዝ የሆዋ ኸም ዘምለጠን ኣስተውዒሉ ነበረ። (ምሳሌ 21:1) ስለዚ፡ ዳዊት ብርእሱ ዘይኰነስ፡ ብየሆዋ ተሓበነ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ትሑታት ናብ ኣምላኽ ተሳሕቡ። የሱስ እውን ንስም የሆዋ ኣዕብዩ እዩ፡ ንትሑታትን ትምህርቲ ንዚቕበሉን ሰባት ከኣ ናብ የሆዋ ኸም ዚሰሓቡ ገይሩ እዩ። ሎሚ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ትሑታት ናብታ የሱስ ዝርእሳ ኣህጉራዊት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ይሰሓቡ ኣለዉ። (ቈሎሴ 1:18) እቶም ትሑታት ሰባት ስም ኣምላኽ በቶም ትሑታት ኣገልገልቱ ኪኽበር ኪሰምዑ ኸለዉን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እናተሓገዙ ኺሰምዑ ኸለዉን ኣልባቦም ይትንከፍ እዩ።—ዮሃንስ 6:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14
ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ
15 “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡ ንሱውን መለሰለይ፡ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።” (መዝሙር 34:4) እዚ ተመክሮ እዚ ንዳዊት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ” በለ። (መዝሙር 34:6) ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ እንራኸበሉ እዋን፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኽንጽመም የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ዚገልጽ ሃናጺ ተመክሮታት ንኸነዘንቱ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ከምቲ ቓላት ዳዊት ንእምነት ደገፍቱ ዘደልደለ፡ እቲ ንሕና እነዘንትዎ ተመክሮታት ድማ ንእምነት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና የደልድል እዩ። ዳዊት ብዛዕባ ብጾቱ “ናብኡ [ናብ የሆዋ] ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን” በለ። (መዝሙር 34:5) እቶም ብጾቱ ኻብ ንጉስ ሳኦል ይሃድሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣይሓፈሩን። ኣምላኽ ንዳዊት ይድግፎ ኸም ዝነበረ ይተኣማመኑ ነበሩ፡ ገጾም ድማ የንጸባርቕ ነበረ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደስቲ ተገደስቲ ዀኑ ንነዊሕ ግዜ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኰይኖም ዘገልገሉ ሰባት፡ ካብ የሆዋ እዮም ደገፍ ዚጽበዩ። ሓገዙ ባዕሎም ስለ እተመከርዎ፡ እቲ ዜንጸባርቕ ገጾም እሙናት ንኪዀኑ ዘለዎም ቈራጽነት የርኢ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
35:19—ዳዊት፡ እቶም ዚጸልእዎ በዒንቶም ከይጣቐሱሉ ምሕታቱ እንታይ የመልክት፧ ዓይኒ ምጥቃስ፡ ጸላእቲ ዳዊት በቲ ዝኣለሙሉ ውዲት ባህ ይብሎም ምንባሩ የመልክት። ዳዊት ከምዚ ኸይከውን እዩ ዝለመነ።