መዝሙር 44
ጸሎት ሓደ ትሑት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(መዝሙር 4:1)
1. ኦ የሆዋ፡ ኣምላኸየ ስምዓኒ ጸሎተይ።
ጕህየ’ለኹ ጨኒቑኒ፡ ከቢዱኒ ጾረይ።
ቅብጸት ተስፋን ከቢድ ሓሳባትን ኣድኪሙኒ።
ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ’ባ ሞገስ ኣርእየኒ።
(ኣዝማች)
ኣብ ድኻመይ፡ ደግፈኒ።
ኣብ ጭንቀተይ፡ ኣጽንዓኒ።
ካብ ቅባጸት፡ ፈውሰኒ።
ኦ የሆዋ፡ ሓግዘኒ።
2. ክደክም ከለኹ፡ ቃልካ’ዩ ዜበርትዓኒ፣
ናይ ልበይ’ውን ዚገልጸለይ፡ ዜጸናንዓኒ።
ሓግዘኒ ኸጥሪ እምነት ዘለዎ ልቢ፣
ከይርስዖ ፍቕርኻ ኻብ ልበይ ከም ዚዓቢ።
(ኣዝማች)
ኣብ ድኻመይ፡ ደግፈኒ።
ኣብ ጭንቀተይ፡ ኣጽንዓኒ።
ካብ ቅባጸት፡ ፈውሰኒ።
ኦ የሆዋ፡ ሓግዘኒ።
(መዝ. 42:6፣ 119:28፣ ሮሜ 8:26፣ 2 ቈረ. 4:16፣ 1 ዮሃ. 3:20 እውን ርአ።)