መዝሙር 88
ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ’ነና፣
ተቐቢልና መጸዋዕታኻ።
ቃልካ ብርሃን’ዩ፡ ዜብርህ መገዲ፡
ከም መብራህቲ’ዩ ትምህርትኻ።
(ኣዝማች)
ምሃረኒ፡ ኣእምሮ ሃበኒ፣
ትእዛዝካ ኽሰምዕ ሓግዘኒ።
ብሓቅኻ፡ ኦ ጐይታይ፡ ምርሓኒ፣
ብሕግኻ መታን ደስ ኪብለኒ።
2. ዘይብጻሕ ልዑል’ዩ ድንቂ ጥበብካ፣
ወትሩ ፍትሒ’ዩ ፍርድታትካ።
ድንቂ ግሩም’ዩ፡ ፍጹም’ዩ ስርዓትካ፣
ጽኑዕ፡ ’ወ ዘይሓልፍ’ዩ ቓልካ።
(ኣዝማች)
ምሃረኒ፡ ኣእምሮ ሃበኒ፣
ትእዛዝካ ኽሰምዕ ሓግዘኒ።
ብሓቅኻ፡ ኦ ጐይታይ፡ ምርሓኒ፣
ብሕግኻ መታን ደስ ኪብለኒ።