ኣርባዕተ ወንጌል ኪእመን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
“ኣዝዩ ዕዉት ኰይኑ እዩ። ሚልዮናት ዘውጽአ ፊልምታትን . . . ብብዝሒ እተሸጠ መጻሕፍትን . . . ኣፍርዩ እዩ። ጕጅለታት ክርስትያናት ተቐቢሎምዎ እዮም። ሃይማኖታትን ውዲታዊ ኽልሰ-ሓሳባትን ከም ዚለዓል ገይሩ እዩ።”—ሱፐር ኢንተረሳንተ፡ ኣብ ብራዚል እትሕተም መጽሔት።
ብዛዕባ እንታይ እዩ እዚ ዅሉ ተባሂሉ፧ እታ መጽሔት ብዛዕባ እቲ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን ኣብ ናግ ሃማዲ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ግብጺ እተረኽበ ናይ ሓሶት ወንጌላትን መልእኽትታትን ኣቡቐለምሲሳትን እያ እትገልጽ ነይራ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሰባት ነዚ ጽሑፋት ኣመና ይግደሱሉን የተኵሩሉን ኣለዉ። እዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰነዳትን ብሓፈሻ፡ ግኖስቲክ ወይ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።a
ገለ ውዲትዶ ተገይሩ ነይሩ እዩ፧
ኣብዚ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስን ንልሙድ ሃይማኖታትን ብሓፈሻ ዚነቕፉሉ ዘለዉ ዘመን፡ ግኖስቲክ ወይ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ብብዙሓት ተቐባልነት ዚረክብ ዘሎ እዩ ዚመስል። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ክርስትናን ዘለዎም ኣረኣእያ ዓብዪ ጽልዋ ገይሩ እዩ። ሓንቲ መጽሔት ከም ዝገለጸቶ፡ “ወንጌል ቶማስን ካልእ ኣቡኸሪፋዊ [ጽሑፋትን] ነቶም ኣብዚ ዘመንና እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ፡ መንፈሳውነት ዚደልዩ፡ ሃይማኖት ዚበሃል ግን ዘይኣምኑ ጕጅለ ሰባት ናይ ልቦም እዩ ዚነግሮም።” ኣብ ብራዚል ጥራይ፡ “እምነተን ኣብ ኣቡኸሪፍ ዝሰረታ እንተ ወሓደ 30 ጕጅለታት ኣለዋ።”
እዚ ሰነዳት እዚ ምርካቡ ነቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ ኽትሓብኦ ውዲት ከም ዝኣለመት ዚሕብር ክልሰ-ሓሳብ ኣጐሃሂርዎ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኽልሰ-ሓሳብ እዚ፡ ገሊኡ ኣብ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ዝቐረበ ዛንታ ህይወት የሱስ ከም እተዓብጠ፡ እቲ ኣብ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌል ከኣ ከም እተቐየረ እዩ ዚእመን። ኢሌን ፔግልዝ ዝስማ ፕሮፌሰር ሃይማኖት፡ ነዚ ጕዳይ እዚ በዚ ዚስዕብ ኣስፊራቶ ኣላ፦ “እቲ ክርስትና ኢልና እንጽውዖ—እቲ ክርስትያናዊ ልምዲ እንብሎ እውን—ከም ሓቂ፡ ካብ ብዙሕ ተቘንጺሉ ናይ እተሓርየ ሒደት ምንጭታት ዚውክል ጥራይ ምዃኑ ኽንግንዘብ ጀሚርና ኢና።”
ከም ፔግልዝ ዝኣመሰሉ ምሁራት፡ ምንጪ ክርስትያናዊ እምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይምዃኑ፡ ከም ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ኻልእ ምንጭታት ከኣ ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ባይብል ሚስትሪስ (ምስጢራት መጽሓፍ ቅዱስ) ዘርእስቱ ኣብ ቢ.ቢ.ሲ. ዝቐረበ መደብ፡ ብዛዕባ “ናይ ሓቂ ማርያም መግደላዊት” ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ንማርያም መግደላዊት ብኸመይ ከም ዚገልጻ ኺሕብር ከሎ፡ “ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ መምህርን መንፈሳዊት መራሒትን ከም ዝዀነት እዩ ዚገልጻ። ሓንቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንሃዋርያት ሃዋርያኦም እያ ነይራ” በለ። ዃን ኣርያስ ዚበሃል ጋዜጠኛ ኣብ ብራዚል ኣብ እትሕተም ኦ ኢስታዶ ደ ሳኦ ፓውሎ ዘርእስታ ጋዜጣ ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ነይርዋ ዚበሃል ግደ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሎሚ፡ እቲ ብየሱስ እተመስረተ ቐዳማይ ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ፡ ብዓብዪኡ ‘ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ’ ምንባሩ ኽንኣምነሉ ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ቀዳሞት ኣብያተ-ክርስትያን፡ ኣባይቲ ኣንስቲ እየን ነይረን፣ ኣብኡ ድማ እተን ኣንስቲ ኸም ኣቕሽሽትን ኣቡናትን ኰይነን የገልግላ ነበራ።”
ብዙሓት ሰባት ንኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምንጪ ንላዕሊ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዘለዉ እዩ ዚመስል። እዚ ምርጫኦም ግን፡ እተወሰነ ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ፦ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ሕጋዊ ምንጪ ክርስትያናዊ እምነት ድዩ፧ ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታት ኪጋጮ ኸሎ፡ ኣየናይ ምንጪ ኢና ኽንኣምን ዘሎና—ንመጽሓፍ ቅዱስዶ ወይስ ንኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ፧ ብዛዕባ የሱስን ማርያም መግደላዊትን ካልኦትን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምሕባእ ተባሂሉ፡ ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ንምዕባጡን ንኣርባዕተ ወንጌል ንምቕያሩን ውዲት ተገይሩ ነይሩ ድዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ንሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌል ዝዀነ ወንጌል ዮሃንስ እስከ ንመርምር።
ወንጌል ዮሃንስ ዜቕርቦ መርትዖ
ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ሓደ ኽቡር ቍራጽ ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ግብጺ ተረኽበ፣ እዚ ድማ ሕጂ ፓፒሩስ ራይላንድስ 457 (P52) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኢደ-ጽሑፍ እዚ፡ ነቲ ኣብ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዮሃንስ 18:31-33, 37, 38 ተባሂሉ ዚፍለጥ ክፋል ዝሓዘ ዀይኑ፡ ሎሚ ኣብቲ ኣብ ማንቸስተር፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዚርከብ ቤተ-መዘክር ጆን ራይላንድስ ይርከብ። እዚ ቝራጽ እዚ፡ ሕጂ ኻብ ዘሎ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፍ እዩ። ብዙሓት ምሁራት ኣብ ከባቢ 125 ድ.ክ. ከም እተጻሕፈ እዮም ዚኣምኑ፣ እዚ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ዮሃንስ ዝሞተሉ ርብዒ ዘመን ዚኣክል ጥራይ ጸኒሑ እዩ ተጻሒፉ። እቲ ኣብቲ ቝራጽ እተረኽበ ጽሑፍ፡ ምስቲ ድሒሩ እተጻሕፈ ኢደ-ጽሑፋት ዳርጋ ብልክዕ ምስምማዑ ዜገርም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥንታዊ ወንጌል ዮሃንስ ክሳዕ ግብጺ ተዘርጊሑ ኺርከብ ምኽኣሉ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮ፡ ዮሃንስ ባዕሉ ንወንጌል ዮሃንስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከም ዝጸሓፋ ዚድግፍ መርትዖ እዩ። ስለዚ፡ ወንጌል ዮሃንስ ብናይ ዓይኒ ምስክር እያ ተጻሒፋ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ኵሉ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ካብ ካልኣይ ዘመን ንደሓር እዩ ተጻሒፉ፣ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዚርከብ ፍጻመታት ኣማእታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ጸኒሑ ተጻሒፉ ማለት እዩ። ገሊኦም ክኢላታት፡ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ጽሑፋት ወይ ያታታት ተመስሪቱ ኸም እተጻሕፈ ዚማጐቱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነዚ ግን ዋላ ሓንቲ መርትዖ የብሎምን። ስለዚ፡ ነየናይ ኢኻ እትኣምን—ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዝሃብዎ ምስክርነትዶ፡ ወይስ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሖም ንዝጸሓፉ ሰባት፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ፍሉጥ እዩ።b
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌል ንገሊኡ ዛንታ የሱስ ንምዕባጥ ተባሂሉ ተቐዪሩ ዚብልዎ ዘረባኸ ሓቂ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ሓቂ ንምጥዋይ ተባሂሉ፡ ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ራብዓይ ዘመን ከም እተቐየረ ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ ምንጪ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ቫቲካን 1209 ዚበሃል ኢደ-ጽሑፍ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስና ኣብ ራብዓይ ዘመን እተገብረ ለውጥታት እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ለውጥታት ኣብቲ ኢደ-ጽሑፍ ምተንጸባረቐ ነይሩ። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ንመብዛሕትኡ ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ዝሓዘ፡ ካብ 175 ድ.ክ. ክሳዕ 225 ድ.ክ. እተዳለወ ቦድመር 14, 15 (P75) ዚበሃል ካልእ ኢደ-ጽሑፍ ኣሎ። ክኢላታት ከም ዚሕብርዎ፡ ትሕዝቶ እዚ ኢደ-ጽሑፍ ምስቲ ናይ ቫቲካን 1209 ኣጸቢቑ ዚቀራረብ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ወንጌል ጕሉሕ ለውጥታት ኣይተገብረን፣ ቫቲካን 1209 እውን ነዚ ዜረጋግጽ እዩ።
ወንጌል ዮሃንስ ኰነ ኻልኦት ወንጌላት ኣብ ራብዓይ ዘመን ከም እተቐየረ ዜረጋግጽ፡ ሰነዳዊ ዀነ ኻልእ መርትዖ የለን። ኣብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ዚዓዪ ዶክተር ፒተር ኤም. ሄድ ነቲ ኣብ ኦክሲሪንከስ፡ ግብጺ፡ እተረኽበ ቝርጽራጽ ኢደ-ጽሑፍ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብሓፈሻኡ፡ እዚ ኢደ-ጽሑፋት እዚ፡ ነቲ ዘመናዊ ሒሳዊ ሕታማት መሰረት ዚኸውን ብዓበይትን እተፈላለየ ፊደላትን [ካብ ራብዓይ ዘመን ንደሓር ብዓበይቲ ፊደላት እተዳለወ ኢደ-ጽሑፋት] እተጻሕፈ ምርኡያት ኢደ-ጽሑፋት ዜረጋግጽ እዩ። ኣብዚ ኸኣ ነቲ ጽሑፋት ሓ.ኪ. [ሓድሽ ኪዳን] ኣብ መጀመርታ እተመሓላለፈሉ መገዲ ኸም ብሓድሽ ንኽንርድኦ ዚድርኽ ዋላ ሓንቲ የለን።”
ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽትበጽሕ ትኽእል፧
እቲ ኣርባዕተ ቐኖናዊ ወንጌላት፡ ማለት ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን፡ እንተ ወሓደ ኻብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ኣትሒዙ ብክርስትያናት ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ቴሽን ነቲ ኻብ 160 ክሳዕ 175 ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ ዝጠርነፎ ዲያተሳሮን (“ብኣርባዕተ” ዚትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል)፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐኖናዊ ወንጌላት ጥራይ ተመርኲሱ ደኣ እዩ ኣዳልይዎ እምበር፡ ዋላ ሓንቲ ኻብቲ ግኖስቲክ ዚበሃል “ወንጌላት” ኣይተጠቕመን። (“ንወንጌላት እተጣበቐሉ ጥንታዊ ጽሑፍ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኢሪንየስ ዝበሎ እውን ኣቓልቦና ዚስሕብ ጕዳይ እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ከምቲ ኣርባዕተ ዅርናዓት ዓለምን ኣርባዕተ ቐንዲ ንፋሳትን ዘሎ፡ ኣርባዕተ ወንጌላት ኪህሉ ኸም ዘለዎ ተዛረበ። እቲ ንጽጽሩ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝበሎ ነገር ግን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣርባዕተ ቐኖናዊ ወንጌላት ጥራይ ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።
እዚ ዅሉ ሓቅታት እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እንተላይ እቲ ኣርባዕተ ወንጌል፡ ካብ ካልኣይ ዘመን ንደሓር ዓብዪ ለውጢ ኸይተገብረሉ ኽሳዕ እዚ ግዜና ኸም ዝጸንሐ እዩ ዚሕብር። ኣብ ራብዓይ ዘመን፡ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ንምልዋጥ ወይ ንምዕባጥ ውዲት ከም እተገብረ ዜእምን ዋላ ሓንቲ ጭቡጥ መርትዖ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብሩስ መትስገር ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን፡ . . . እተን ኣብ ምሉእ ናይ መዲተራነያን ዓለም ዝነበራ ጥራይ ዘይኰናስ፡ እተን ካብ ብሪጣንያ ኽሳዕ መሰጶታምያ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ኣዝየን እተፈላለያ ጉባኤታት፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ሓድሽ ኪዳን ኣጸቢቐን ይሰማምዓሉ ነበራ።”
ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ይጣበቑሉ ነይሮም እዮም። ክልቲኦም ንክርስትያናት ብጾቶም፡ ካብቲ ንሳቶም ዝመሃርዎ ወጻኢ ኸይቅበሉ ወይ ከይኣምኑ ኣጠንቂቖምዎም እዮም። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘሎዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ” በሎ። ጴጥሮስ እውን፡ “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን” በለ።—1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21፣ 2 ጴጥሮስ 1:16።
ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 40:8) እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብመንፈሱ ገይሩ ኸም ዚጸሓፍ ዝገበረ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ስለ ዚደሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝዓቀቦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 2:4።
[እግረ ጽሑፍ]
a “ግኖስቲክ” ወይ “ኣቡኸሪፋዊ” ዚብል መጸውዒ፡ “ምስጢራዊ ፍልጠት” ከምኡውን “ብጥንቃቐ እተሰወረ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ኻብ ዚኽእል ቃላት ግሪኽኛ እዩ ተወሲዱ። እዘን ስያመታት እዚኣተን፡ ነቲ ኣብቲ ቐኖናዊ መጻሕፍቲ ዝዀነ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ወንጌላትን ግብሪ ሃዋርያትን መልእኽትታትን ራእያትን ዜምስል ናይ ሓሶት ወይ ዘይቀኖናዊ ጽሑፋት ንምጽዋዕ የገልግላ።
b ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ዜስዕቦ ኻልእ ጸገም፡ ኣዝዩ ሒደት ቅዳሓት ጥራይ ዘሎ ምዃኑ እዩ። ካብ ጥንታዊ ቕዳሓት እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ወንጌል ማርያም መግደላዊት፡ ክልተ ንኣሽቱ ቝርጽራጽን ፍርቂ እቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚኣክል ዝሓዘ ሓደ ዝነውሐ ቝራጽን ጥራይ እዩ ዚርከብ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኢደ-ጽሑፋት ዓብዪ ፍልልያት ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ነገር]
ፓፒሩስ ራይላንድስ 457 (P52)፡ እዚ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቝራጽ ወንጌል ዮሃንስ፡ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ ጸኒሑ እዩ ተጻሒፉ
[ሳጹን/ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእልታት]
ንወንጌላት እተጣበቐሉ ጥንታዊ ጽሑፍ
ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ክርስትና፡ ወንጌላት ንሓድሕዱ ኸም ዚጋጮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሒዝዎ ዘሎ ጸብጻብ ዜተኣማምን ከም ዘይኰነ ዚማጐቱ ሓያስያን ነይሮም እዮም። ቴሽን (ከባቢ 110-180 ድ.ክ.) ዚበሃል ሶርያዊ ጸሓፊ ግን ንወንጌላት ተጣበቐሉ። ወንጌላት ኣብ ኣርባዕተ ጸብጻባት ኣብ ክንዲ ዚከፋፈል፡ ብውሕሉል መገዲ ኣብ ሓደ ተሓዊሱ እንተ ተጻሒፉ፡ እቲ ዚጋጮ ዚመስል ነገራት ከም ዚጠፍእ ተሰምዖ።
ቴሽን ከምዚ ዝኣመሰለ ስኒት ዘለዎ ጽሑፍ ኬዳሉ ተላዕለ። ነዚ በዅሪ ጽሑፉ ንምጽሓፍ እተጠቕመሉ ቛንቋ፡ ካብ ግሪኽኛ ወይ ሱርስት ኣየናይ ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ከባቢ 170 ድ.ክ.፡ ዲያተሳሮን (ብግሪኽኛ “ብኣርባዕተ” ማለት እዩ) ተባሂሉ ዚፍለጥ ጽሑፉ ዛዘመ። እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዘይነፈሶ ጽሑፍ ኬገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ዋላ ሓደ ኻብቲ ወንጌላት ቅድሚ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ከም ዘይተጻሕፈ ዚማጐቱ ሓያስያን ተላዒሎም ነይሮም እዮም፣ ስለዚ፡ እቲ ወንጌላት ብዙሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ተራእየ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው እተረኽበ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ዲያተሳሮን ግን፡ ኣርባዕተ ወንጌል ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ምንባሩ፡ ወንጌላት ዚበሃል ኣርባዕተ ጥራይ ምንባሩ፡ ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ምንባሩ ይሕብር።
ዲያተሳሮን ኰነ ብዛዕባኡ ብላቲንን ብኣርመንኛን ብዓረብኛን ብግሪኽኛን እተዋህበ ርእይቶታት ኪርከብ ምኽኣሉ፡ ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ንዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ኢሉ ንኺጽሕፍ ደረኾ፦ “እዚ ርኽበታት እዚ፡ ዲያተሳሮን እንታይ ምንባሩ ንእተላዕለ ጥርጣረ ኣብ መወዳእታ ቐንጠጦ፣ ኣብ ከባቢ 170 ድ.ክ. እቲ ኣርባዕተ ቐኖናዊ ወንጌላት ካብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ህይወት መድሓኒና ዜዘንቱ ኻልእ ዛንታታት ንላዕሊ ብዘየከራኽር መገዲ ተፈላጥነት ረኺቡ ምንባሩ ኣመስኪሩ እዩ።”
[ስእልታት]
ቴሽን
ዲያተሳሮን ብዓረብኛ
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ሰሌዳ]
(For fully formatted text, see publication)
“ከ.” ን“ከባቢ” ወይ “ኣቢሉ” የመልክት።
33 ድ.ክ.
የሱስ ሞተ
ከ. 41
ወንጌል ማቴዎስ ተጻሕፈት
ከ. 58
ወንጌል ሉቃስ ተጻሕፈት
ከ. 65
ወንጌል ማርቆስ ተጻሕፈት
ከ. 98
ወንጌል ዮሃንስ ተጻሕፈት
125
ራይላንድስ 457 (P52)
ከ. 140
ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ተጀመረ
ከ. 175
ቦድመር 14, 15 (P75)
ራብዓይ ዘመን
ቫቲካን 1209
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ቫቲካን 1209
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቫቲካን 1209 ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ ራብዓይ ዘመን እተጻሕፈ ኢደ-ጽሑፍ፡ ኣብ ወንጌላት ጕሉሕ ለውጢ ኸም ዘይተገብረ ይሕብር
[ምንጪ ስእሊ]
From the book Bibliorum Sacrorum Graecus Codex Vaticanus, 1868
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin