ዛንታ 112
መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
ርአ እሞ! እዛ መርከብ ኣብ ሽግር ኢያ ዘላ! ትሰባበር ኢያ ዘላ! እቶም ናብቲ ባሕሪ ዘሊሎም ዝኣተዉ ሰባት ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ገሊኦም ኣብ ገምገም በጺሖም ኢዮም። እትስ ጳውሎስ ድዩ፧ እንታይ ከም ዘጓነፎ እስከ ንርአ።
ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቂሳርያ እሱር ኰይኑ ኸም ዝጸንሐ ዘክር። ብድሕሪኡ ንሱን ካልኦት እሱራትን ብመርከብ ናብ ሮሜ ተበገሱ። ብጥቓ ደሴት ቅሬጥስ ክሓልፉ ኸለዉ ብርቱዕ ማዕበል ወቕዖም። እቲ ንፋስ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ እቶም ሰባት ነታ መርከብ ክኣልይዋ ኣይከኣሉን። ብቐትሪ ጸሓይ ብለይቲ ኸኣ ከዋኽብቲ ክርእዩ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእትኡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት እቶም ኣብ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ንኽድሕኑ ዝነበሮም ተስፋ ጠፍአ።
ብድሕርዚ ጳውሎስ ደው በለ እሞ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:-‘ዋላ ሓደ ካባኻትኩም ኣይክመውትን ኢዩ፣ እዛ መርከብ ጥራይ ኢያ እትስበር። ምኽንያቱ ሎሚ ለይቲ መልኣኽ የሆዋ መጺኡ: “ጳውሎስ: ኣጆኻ ኣይትፍራሕ! ኣብ ሮሜ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። ነዞም ምሳኻ ዘለዉ ኵሎም እውን ኣምላኽ ከድሕኖም ኢዩ” በለኒ።’
እቲ ማዕበል ካብ ዝጅምር ኣብ መበል 14 መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ይኸውን እቶም ባሕረኛታት ዕምቈት ናይቲ ባሕሪ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሃሉ! በቲ ጸልማት ምስ ከውሒ ከይጋጨዉ ስለ ዝፈርሑ ኸኣ መልህቕ ደርበዩ። ንጽባሒቱ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ። ነታ መርከብ ክሳዕ እቲ ገምገም ከብጽሕዋ ድማ ወሰኑ።
ናብቲ ገምገም እናቐረቡ ምስ ከዱ እታ መርከብ ኣብ ሑጻ ተሸኽለት። ካብኡ ኸኣ እቲ ማዕበል በርትዓ እሞ ተሰባበረት። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ከምዚ በሎም:-‘ሓምቢስኩም እትኽእሉ ናብ ባሕሪ እተዉ እሞ ናብ ገምገም ኪዱ። እቶም ካልኦት ከኣ ደድሕሪኦም እተዉ እሞ ካብቲ ስብርባር ናይታ መርከብ ሓዙ።’ ከምኡ ኸኣ ገበሩ። በዚ መገዲ እዚ ብምሉኦም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 276 ሰባት ልክዕ ከምቲ እቲ መልኣኽ እተመባጽዖ: ብድሓን ኣብ ገምገም በጽሑ።
እታ ደሴት መሊጠ ኢያ እትብሃል። እቶም ህዝቢ ሕያዎት ኢዮም: ነቶም ካብታ መርከብ ዝወጹ ኸኣ ተኸናኸንዎም። እቲ ማዕበል ምስ ሃድአ: ጳውሎስ ብኻልእ መርከብ ናብ ሮሜ ተወስደ።