ዛንታ 43
እያሱ መራሒ ይኸውን
ሙሴ ምስ እስራኤላውያን ከነኣን ክኣቱ ደለየ። ስለዚ ኸኣ ‘ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ ክርኢ ኣሕልፈኒ’ ብምባል ለመነ። የሆዋ ግን ‘ይኣኽለካ! በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ’ ኢሉ መለሰሉ። የሆዋ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበለስ ትፈልጥዶ፧
ሙሴ ነቲ ከውሒ ክወቕዖ ከሎ ብእተፈጸመ ነገር ኢዩ። ንሱን ኣሮንን ንየሆዋ ከም ዘየኽበርዎ ትዝክሮ ኢኻ። ነቶም ህዝቢ ካብቲ ከውሒ ማይ ዘውጽአ የሆዋ ምዃኑ ኣይነገርዎምን። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ናብ ከነኣን ከም ዘይኣትዉ ነገሮም።
ስለዚ ሒደት ኣዋርሕ ኣሮን ድሕሪ ሙማቱ የሆዋ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- ‘ንእያሱ ውሰዶ: ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝብን ከኣ ደው ኣብሎ። ኣብ ቅድሚኦም ድማ እያሱ ሓድሽ መራሒ ምዃኑ ንገር።’ ኣብዚ ስእሊ ከም እትርእዮ: ሙሴ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ።
ድሕርዚ የሆዋ ንእያሱ ‘ጽናዕ: ትባዕ። ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከነኣን እተእትዎም ንስኻ ኢኻ: ኣነውን ምሳኻ ክኸውን ኢየ’ በሎ።
ድሕርዚ የሆዋ ንሙሴ ናብቲ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዝርከብ ከረን ኔቦ ክድይብ ነገሮ። ካብኡ ሙሴ ነታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ ከነኣን ኣማዕድዩ ረኣያ። የሆዋ ኸኣ ‘እታ ንዘርኢ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ክህቦም እተመባጻዕኩሎም ምድሪ እዚኣ ኢያ። ብዓይንኻ ክትርእያ ኢኻ: ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ’ በሎ።
ኣብኡ ኣብ ርእሲ ከረን ኔቦ ሙሴ ሞተ። ወዲ 120 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ገና ሓያል ነበረ ኣዒንቱ እውን ኣይሓመቓን። እቶም ህዝቢ ሙሴ ስለ ዝሞተ ኣዝዮም ጐሃዩ በኸዩ ድማ። እንተዀነ ግን: ንእያሱ ሓድሽ መራሒ ብምርካቦም ሕጕሳት ኢዮም።