ዛንታ 56
ሳኦል እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል
ሳሙኤል ኣብ ርእሲ እዚ ሰብኣይ ዘይቲ ከፍስስ ከሎ እሞ ርኣዮ። ሓደ ሰብ ንጉስ ክኸውን ከም እተመርጸ ንምርኣይ ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። የሆዋ ንሳሙኤል ኣብ ርእሲ ሳኦል ዘይቲ ከፍስስ ነገሮ። ፍሉይ ዝዀነ ጥዑም ጨና ዘለዎ ዘይቲ ኢዩ።
ሳኦል ንጉስ ክኸውን ዝበቅዕ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ሳኦል ከኣ ንሳሙኤል ‘ኣነስ ብንያማዊ ካብቶም ዝነኣሱ ነገዳት እስራኤል ኢየ። ንጉስ ክትከውን ኢኻ እትብለንስ ስለምንታይ ኢኻ፧’ በሎ። ሳኦል ዓቢ ከም ዝዀነ ስለ ዘየምሰለ የሆዋ ፈተዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ንጉስ ክኸውን ዝመረጾ።
ሳኦል ግን ድኻ ወይ ከኣ ደቂቕ ሰብ ኣይነበረን። ስድራቤቱ ሃብታማት ኢዮም: ንሱ ኸኣ መልክዐኛን ነዊሕን ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ እስራኤል ዝነበረ ሰብ: ሳኦል ዳርጋ ብሳላሳ ሰንቲ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ዝነውሐ ኢዩ ነይሩ! ሳኦል ቅልጡፍ ጐያዪ: ከምኡውን ሓያል ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ የሆዋ ንሳኦል ንጉስ ክኸውን ስለ ዝመረጾ ተሓጒሶም ኢዮም። ኵሎም ከኣ ‘ንጉስ ህያው ይኹን!’ እናበሉ ጨደሩ።
እቶም ናይ እስራኤል ጸላእቲ ከም ቀደሞም ሓያላት ነበሩ። ንእስራኤላውያን ከኣ ገና ብዙሕ ሽግር የውርዱሎም ነበሩ። ሳኦል ንጉስ ድሕሪ ምዃኑ: ዓሞናውያን ክዋግእዎም መጹ። ሳኦል ግን ዓቢ ሰራዊት ኣኪቡ ንዓሞናውያን ሰዓሮም። እዚ ኸኣ ሳኦል ንጉስ ምዃኑ ነቶም ህዝቢ ኣሐጐሶም።
ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ሳኦል እስራኤላውያን ንጸላእቶም ብዙሕ ስዕረታት ከም ዝስዕርዎም ገበሮም። ሳኦል ዮናታን ዝበሃል ተባዕ ወዲ እውን ነበሮ። ዮናታን ከኣ ንእስራኤላውያን ኣብ ብዙሕ ውግኣት ንኽስዕሩ ሓገዞም። ፍልስጥኤማውያን ገና ናይ እስራኤል ቀንዲ ጸላእቲ ኢዮም ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ክዋግእዎም መጹ።
ሳሙኤል ከኣ ክሳዕ መጺኡ ንየሆዋ መስዋእቲ ዝገብር ወይ ህያብ ዘቕርብ ንሳኦል ክጽበ ነገሮ። ሳሙኤል ግን ደንጐየ። ሳኦል እቶም ፍልስጥኤማውያን ውግእ ከይጅምሩ ፈርሐ: ስለዚ ባዕሉ መስዋእቲ ኣቕረበ። ኣብ መወዳእትኡ ሳሙኤል ምስ መጸ: ንሳኦል እዙዝ ከም ዘይኰነ ነገሮ። ‘የሆዋ ካልእ ሰብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክገብር ኢዩ’ ኸኣ በሎ።
ጸኒሑ ሳኦል እንደገና ኣይተኣዘዘን። ስለዚ ኸኣ ሳሙኤል ከምዚ በሎ:- ‘ንየሆዋ ዝበለጸ መስዋእቲ ካብ ምቕራብ: ምእዛዝ ኢዩ ዘሐጕሶ። ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝካ: የሆዋ ኸኣ ንጉስ እስራኤል ኴንካ ከይትቕጽል ከልከለካ።’
ካብዚ ጽቡቕ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ምእዛዝ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ የርእየና። ከምቲ ሳኦል ዝዀኖ: ጥዑይ ዝነበረ ሰብ እውን ተለዊጡ እኩይ ክኸውን ከም ዝኽእል የርእየና። እኩያት ክንከውን ፈጺምና ኣይንደልን ኢና: ንደሊ ዲና፧