ዛንታ 7
ሓደ ተባዕ ሰብኣይ
ሰባት ኣብ ምድሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ መብዛሕትኦም ከም ቃየል እኩይ ነገራት ገበሩ። ሓደ ሰብኣይ ግን ፍልይ ዝበለ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ስሙ ሄኖክ ኢዩ። ሄኖክ ተባዕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ እኩይ ዝዀነ ተግባራት ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም: ሄኖክ ግን ንኣምላኽ ምግልጋል ቀጸለ።
እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት: ብዙሕ እከይ ዝገብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ: ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዙን ካብቲ ኣምላኽ ከይትበልዕዎ ዝበሎም ከም ዝበልዑን ዝገበሮም መን ኢዩ፧ እወ: ሓደ እኩይ መልኣኽ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ኢሉ ይጽውዖ። ኵሉ ሰብ እኩይ ክኸውን ከኣ ኢዩ ዝጽዕር።
ሓደ መዓልቲ የሆዋ ኣምላኽ ንሄኖክ እቶም ሰባት ክሰምዕዎ ዘለዎም ነገር ከም ዝነግሮም ገበረ። ከምዚ በሎም:- ‘ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ ንዅሎም እኩያት ሰባት ከጥፍኦም ኢዩ።’ እቶም ሰባት ከምዚ ምስምዖም ብዙሕ ተቘጢዖም ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ምናልባት እውን ንሄኖክ ክቐትልዎ ይደልዩ ነይሮም ይዀኑ። ስለዚ ሄኖክ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ነቶም ሰባት ንኽነግሮም ተባዕ ክኸውን የድልዮ ነበረ።
ኣምላኽ ሄኖክ ኣብ መንጎ እቶም እኩያት ሰባት ብዙሕ ግዜ ክነብር ኣይሓደጎን። ሄኖክ 365 ዓመታት ጥራይ ኢዩ ብህይወት ጸኒሑ። ስለምንታይ ኢና “365 ዓመታት ጥራይ” እንብል፧ ምኽንያቱ ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ድልዱላት ኢዮም ነይሮም: ዝነውሐ ግዜ ኸኣ ይነብሩ ነበሩ። ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ ክሳዕ ወዲ 969 ዓመት ዝኸውን ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ!
ሄኖክ ድሕሪ ሙማቱ: ሰባት ዝያዳ እኩያት እናዀኑ ከዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ኵሉ እቲ ሰባት ዝሓስብዎ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነ’ ከምኡውን ‘ምድሪ ብዓመጻ ከም ዝመልአት’ ይዛረብ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ክንድዚ ዝኣክል ጸገም ኣብ ምድሪ ክህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧ ሰይጣን ሰባት እከይ ንኽገብሩ ሓድሽ መገዲ ስለ እተጠቕመ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ዝስዕብ ክንማሃር ኢና።