ዛንታ 67
ዮሳፋጥ ኣብ የሆዋ ይውከል
እዞም ሰባት መን ምዃኖምን: እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉን ትፈልጥዶ፧ ናብ ውግእ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ: እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘለዉ ሰባት ከኣ ይዝምሩ ኣለዉ። ‘እቶም ዘመርትስ ንመዋግኢ ዝኸውን ሴፍን ኲናትን ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ዮሳፋጥ ንጉስ ናይቶም ክልተ ነገድ እስራኤል ኢዩ። ዝነብረሉ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ንጉስ ኣከኣብን ኢዛቤልን ነቲ ሰሜናዊ 10 ነገድ መንግስቲ ዝገዝእሉ ዝነበሩ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ዮሳፋጥ ግን ንፉዕ ንጉስ ኢዩ ነይሩ: ኣቡኡ ኣሳ እውን ሕያዋይ ንጉስ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቶም ኣብቲ ደቡባዊ መንግስቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ ክልተ ነገድ ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ ናብራ ነበሩ።
ሕጂ ግን ነቶም ህዝቢ ዘፍርሕ ነገር ኣጋጠመ። ናብ ዮሳፋጥ ዝመጹ ልኡኻት ‘ብዙሕ ሰራዊት ካብ ሞኣብ: ዓሞን ከምኡውን ከረን ሰዒር ይመጸካ ኣሎ’ ኢሎም ነገርዎ። ብዙሓት እስራኤላውያን ድማ ሓገዝ የሆዋ ንምድላይ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። ናብ ቤት መቕደስ ከዱ እሞ ኣብኡ ኸኣ ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- ‘ዎ የሆዋ ኣምላኽና እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ቅድሚ እዚ ዓቢ ጭፍራ ሰራዊት እዚ ሓይሊ የብልናን። ክትሕግዘና ናባኻ ንጥምት ኣሎና።’
የሆዋ ድማ ሰምዖ: ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ከምዚ ኢሉ ከም ዝነግር ገበረ:- ‘እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እምበር ናታትኩም ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣይትዋግኡን ኢኹም። ተመልከቱ እሞ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘድሕነኩም ከኣ ርኣዩ።’
ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ዮሳፋጥ ነቶም ሰባት ‘ኣብ የሆዋ ተወከሉ!’ በሎም። ብድሕርዚ ቐቅድሚ እቲ ሰራዊት ንየሆዋ መዝሙር ውዳሴ እናዘመሩ ዝኸዱ ዘመርቲ ገበረ። ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ውግእ ቦታ ምስ በጽሑ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ የሆዋ እቶም ናይ ጸላኢ ወተሃደራት ንሓድሕዶም ከም ዝዋግኡ ገበሮም። እቶም እስራኤላውያን ምስ መጹ ኸኣ እቶም ናይ ጸላእቶም ወተሃደራት ብምሉኦም ሞይቶም ነበሩ!
ዮሳፋጥ ኣብ የሆዋ ብምውካሉስ ጥበበኛዶ ኣይነበረን፧ ንሕናውን ኣብ የሆዋ ምስ እንውከል ጥበበኛታት ክንከውን ኢና።