ዛንታ 86
ብኰዀብ እተመርሑ ሰባት
እቲ ሓደ ካብዞም ሰባት ዘመልክተሉ ዘሎ ድሙቕ ኰዀብ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ እቲ ኰዀብ ተራእየ። እዞም ሰባት ካብ ምብራቕ ዝመጹ ከዋኽብቲ ዘጽንዑ ኢዮም። እዚ ሓድሽ ኰዀብ ናብ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ ይመርሖም ከም ዘሎ ኢዮም ዝኣምኑ።
እቶም ሰባት ናብ የሩሳሌም ምስ መጹ ‘እቲ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዝኸውን ህጻን ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሎም ሓተቱ። “ኣይሁድ” ናይ እስራኤላውያን ካልኣይ ስም ኢዩ። እቶም ሰባት ‘መጀመርታ ኣብ ምብራቕ ከለና ኰዀብ ናይቲ ህጻን ርኣና: ክንሰግደሉ ኢልና ኸኣ መጻእና’ በሉ።
ሄሮድስ ናይ የሩሳሌም ንጉስ እዚ ምስ ሰምዐ ሰምበደ። ቦትኡ ካልእ ንጉስ ክወስዶ ኣይደለየን። ስለዚ ሄሮድስ ንሊቃውንቲ ኻህናት ኣኪቡ ‘እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ንጉስ ኣበይ ኢዩ ዝውለድ፧’ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት-ልሄም ኢዩ ዝብል’ ኢሎም መለስሉ።
ስለዚ ሄሮድስ ነቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰባት ጸውዖም ‘ኪዱ ነቲ ሕጻን ድለይዎ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ንገሩኒ። ኣነ እውን ከይደ ክሰግደሉ’ በሎም። ብሓቂ ግን ሄሮድስ ነቲ ቘልዓ ረኺቡ ክቐትሎ ኢዩ ደልዩ ዝነበረ!
ብድሕርዚ እቲ ኰዀብ ቀቅድሚ እቶም ሰባት እናመርሐ ናብ ቤት-ልሄም ከደ: ኣብቲ እቲ ህጻን ዝነበሮ ቦታ ኸኣ ደው በለ። እቶም ሰባት ኣብቲ ገዛ ምስ ኣተዉ: ንማርያምን ነቲ ህጻን የሱስን ረኸብዎም። ህያባት ኣውጺኦም ከኣ ንየሱስ ሃብዎ። ብድሕርዚ ግን የሆዋ ነቶም ሰባት ብሕልሚ ናብ ሄሮድስ ከይከዱ ኣጠንቀቖም። ስለዚ ናብ ሃገሮም ብኻልእ መገዲ ተመልሱ።
ሄሮድስ እቶም ሰብ ምብራቕ ንሃገሮም ከም ዝኸዱ ምስ ተረድአ: ኣዝዩ ተቘጥዐ። ስለዚ ኵሎም ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ክልተ ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት ክቕተሉ ትእዛዝ ኣውጽአ። የሆዋ ግን ንዮሴፍ ኣቐዲሙ ብሕልሚ ኣጠንቀቖ እሞ ዮሴፍ ከኣ ምስ ስድራቤቱ ናብ ግብጺ ከደ። ድሕርዚ ዮሴፍ: ሄሮድስ ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ንማርያምን ንየሱስን ሒዙ ናብ ናዝሬት ናብ ቤቱ ተመልሰ። የሱስ ከኣ ኣብኡ ዓበየ።
እቲ ጋሻ ዝዀነ ኰዀብ ከም ዝመጽእ ዝገበረስ መን ይመስለካ፧ እቶም ሰባት ነቲ ኰዀብ ድሕሪ ምርኣዮም ናብ የሩሳሌም ከም ዝኸዱ ዘክር። ሰይጣን ዲያብሎስ ንወዲ ኣምላኽ ክቐትሎ ይደሊ ኢዩ ነይሩ: እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ክቐትሎ ከም ዝፍትን ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ እቲ ኰዀብ ከም ዝበርህ ዝገበረ ሰይጣን ክኸውን ኣለዎ።