ምዕራፍ 11
“ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ”
ጳውሎስ፡ ተጻረርትን ዘይሰምዑ ሰባትን ምስ ኣጋጠምዎ እንታይ ከም ዝገበረ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:1-52 እተመስረተ
1, 2. እቲ በርናባስን ሳውልን እተበገሱሉ ጕዕዞ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ዕዮኦም ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ዘሎ ቓላት ዚፍጽሞኸ ብኸመይ እዩ ነይሩ፧
ነታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ብሓቂ እተሐጕስ መዓልቲ እያ ነይራ። ካብ ኵሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ነብያትን መምህራንን፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ብስራት ናብ ርሑቕ ቦታታት ኬብጽሑ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓርዩ።a (ግብ. 13:1, 2) ልክዕ እዩ፡ ቅድሚኡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ተላኢኾም ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ኣቐዲሞም እተላእኩ ሚስዮናውያን፡ ናብቲ ክርስትና ሱር ዝሰደደሉ ኸባቢታት እዮም ተላኢኾም። (ግብ. 8:14፣ 11:22) በርናባስን ሳውልን እቲ ኼገልግሎም ምስኦም ዝኸደ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስን ግና፡ እቲ ብስራት ናብ ዘይተሰብከሉ ዓድታት እዮም ተላኢኾም።
2 ካብቲ ግዜ እቲ 14 ዓመት ኣቐዲሙ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:8) እቲ በርናባስን ሳውልን ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ እተዋህቦም ሽመት፡ ነቲ ትንቢታዊ ቓላት የሱስ ምእንቲ ኺፍጸም ዚሕግዝ እዩ ነይሩ።b
“ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ” (ግብሪ ሃዋርያት 13:1-12)
3. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነዊሕ ጕዕዞ ምግባር ኣጸጋሚ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
3 ሎሚ፡ ከም ተሽከርከርትን ነፈርትን ዝኣመሰለ መጕዓዝያ ስለ እተማህዘ፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ነዊሕ ርሕቀት ኪጐዓዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ግና ከምኡ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰባት ብእግሮም እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣብ ኣሸጋሪ መገዲ እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም። መገዲ ሓደ መዓልቲ፡ 30 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚሽፍን ኰይኑ፡ ኣድካሚ እዩ ነይሩ!c ስለዚ፡ በርናባስን ሳውልን ናብ እተመደበሎም ዕዮ ንምኻድ ሃንቀውታ ኸም ዝነበሮም ዜጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዙሕ ጻዕርን መስዋእትን ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ግና ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ማቴ. 16:24።
4. (ሀ) በርናባስን ሳውልን ብኸመይ እዮም እተሓርዩ፧ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶምከ ነቲ እተዋህቦም ሽመት ብኸመይ ተቐበልዎ፧ (ለ) ነቶም ቲኦክራስያዊ ዕዮ ዚውሃቦም ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧
4 መንፈስ ቅዱስ ንበርናባስን ንሳውልን፡ “ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ” ኢሉ ዝኣዘዘ ግና ስለምንታይ እዩ፧ (ግብ. 13:2) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይሕብረናን እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተሓርዩ ግና ንፈልጥ ኢና። እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ነብያትን መምህራንን ነዚ ውሳነ እዚ ኸም እተቓወምዎ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የሎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ንበርናባስን ንሳውልን እተዋህቦም ሽመት ምሉእ ብምሉእ ደጊፎምዎ እዮም። እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ኣሕዋት ብዛዕባ ዝገበርዎ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም” ይብል። (ግብ. 13:3) በርናባስን ሳውልን ነቲ እቶም መንፈሳዊ ኣሕዋቶም ብዘይ ቅንኢ ዝሃብዎም ደገፍ ምስ ረኣዩ እተሰምዖም ስምዒት እሞ ገምቶ። ንሕና እውን ነቶም ቲኦክራስያዊ ዕዮ እተዋህቦም ኣሕዋትና፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓለውቲ ዀይኖም እተሸሙ ሰብኡት ክንድግፎም ኣሎና። በቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ እተዋህቦም ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ ነቲ፡ “ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም” ዚብል መምርሒ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።—1 ተሰ. 5:13።
5. ኣብ ደሴት ቆጵሮስ እተገብረ ስብከት እንታይ የጠቓልል ምንባሩ ግለጽ።
5 በርናባስን ሳውልን ናብታ ጥቓ ኣንጾክያ እትርከብ ወደብ ሴሌውቅያ ብእግሮም ድሕሪ ምኻዶም፡ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ፣ እዚ ድማ 200 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን ጕዕዞ እዩ ነይሩ።d በርናባስ ወዲ ቆጵሮስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብስራት ንደቂ ዓዱ ንምስባኽ ተሃንጥዩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም እታ ደሴት እትርከብ ከተማ ሰላሚስ ምስ በጽሑ፡ ግዜ ኸየባኸኑ፡ “ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ሰበኹ።”e (ግብ. 13:5) በርናባስን ሳውልን ካብ ሓደ ጫፍ ቆጵሮስ ናብቲ ኻልእ ጫፍ ተጓዕዙ፣ ኣብ ጕዕዞኦም ድማ ነተን ኣብ መገዶም ዝነበራ ኣገደስቲ ኸተማታት መስኪሮምለን ኪዀኑ ኣለዎም። እዞም ሚስዮናውያን እዚኦም 160 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም ኪዀኑ ኣለዎም!
6, 7. (ሀ) ሰርግዮስ ጳውሎስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ባርየሱስ ንዕኡ፡ ነቲ ምስለኔ፡ ብስራት ከይሰምዕ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዝፈተነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሳውል ነቲ ኻብ ባርየሱስ ዘጋጠሞ ተቓውሞ ብኸመይ ተጻረሮ፧
6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ቆጵሮስ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝመልአት እያ ነይራ። እዚ ድማ በርናባስን ሳውልን ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም እታ ደሴት እትርከብ ጳፎስ ምስ በጽሑ፡ ብዝያዳ ተጋህደ። ኣብኡ፡ “ሓደ ኣስማተኛን ናይ ሓሶት ነብይን ዝዀነ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንሱ ምስቲ ምስለኔ ዝዀነ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚብሃል ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ነበረ።”f ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ዚራቐቑ ሮማውያን፡ ከምቲ “ኣስተውዓሊ ሰብኣይ” ዝነበረ ሰርግዮስ ጳውሎስ እውን ከይተረፉ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ንምግባር፡ ካብ ጠንቋሊ ወይ ካብ ቈጻሪ ኸዋኽብቲ ምኽሪ ይሓትቱ ነበሩ። እንተዀነ ግና፡ ሰርግዮስ ጳውሎስ በቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እተገረመ፡ “ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ” ነበረ። እቲ ኤልማስ ብዚብል “ኣስማተኛ” ዝትርጉሙ ናይ መዓርግ ስሙ ዚፍለጥ ባርየሱስ ግና፡ በዚ ነገር እዚ ኣይተሓጐሰን።—ግብ. 13:6-8።
7 ባርየሱስ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቓወሞ። ከም ኣማኻሪ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓብዪ ቦታ ኺሕሉ ዚኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ “ነቲ ምስለኔ ኸይኣምን ኪመልሶ ደልዩ” እዩ ነይሩ። (ግብ. 13:8) ሳውል ግና፡ እቲ ጠንቋሊ ነቲ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዘርኣዮ ተገዳስነት ዕንቅፋት ኪኸውን ከሎ ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን። እሞ ደኣኸ ሳውል እንታይ ገበረ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ [ንባርየሱስ] ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ ‘ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ኣታ ጸላእ ኵሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ ኻብ ምጥዋይሲ ኣይትዓርፍን ዲኻ፧ እንሃ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ እያ፣ ክትዓውር፡ ንግዜኡ እውን ብርሃን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ’ በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ ብርቱዕ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፣ ብኢዱ ዚመርሖ ደልዩ ኸኣ ናብዝን ናብትን ተመላለሰ።”g እዚ ተኣምር እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ “እቲ ምስለኔ፡ እቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብትምህርቲ የሆዋ ተገሪሙ ኣመነ።”—ግብ. 13:9-12።
8. ሎሚ ነቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ትብዓት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧
8 ጳውሎስ ንባርየሱስ ኣይፈርሆን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ተጻረርቲ ነቶም ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ከይኣምኑ ኺሓናዅልዎም ከለዉ ኽንፈርህ የብልናን። ልክዕ እዩ፡ ዘረባና “ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም” ኪኸውን ኣለዎ። (ቈሎ. 4:6) ይኹን እምበር፡ ግጭት ምእንቲ ኸይፍጠር ኢልና፡ ንመንፈሳዊ ድሕንነት እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኣይነእትዎን ኢና። ነታ ኸም ባርየሱስ “ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ ኻብ ምጥዋይ” ዘይትዓርፍ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ካብ ምቅላዕ እውን ድሕር ክንብል የብልናን። (ግብ. 13:10) ከም ጳውሎስ፡ ብትብዓት ሓቂ ንንገር፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከኣ ንስሓቦም። ኣምላኽ ዚገብረልና ደገፍ ከምቲ ንጳውሎስ ዝገበረሉ ብግሁድ ዚርአ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠቒሙ ነቶም ንሓቂ ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ከም ዚስሕቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 6:44።
“ዜተባብዕ ቃል” (ግብሪ ሃዋርያት 13:13-43)
9. ጳውሎስን በርናባስን ነዞም ሎሚ ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ሰናይ ኣብነት ዚዀንዎም ብኸመይ እዮም፧
9 እቶም ሰባት ካብ ጳፎስ ናብታ 250 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቓ ኣብ ገምገም ንእሽቶ እስያ እትርከብ ጴርጌ ብመርከብ ከዱ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:13፡ እቶም ጕጅለ ኣሕዋት፡ “ጳውሎስን ብጾቱን” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። እዚ ቓላት እዚ፡ ሽዑ ጳውሎስ በቲ ጕጅለ ኣብ ዚግበር ምንቅስቓሳት መሪሕ ግደ ኺህልዎ ኸም ዝጀመረ ይሕብር። ኰይኑ ግና፡ በርናባስ ብጳውሎስ ከም ዝቐንአ ዚሕብር ዋላ ሓደ ነገር የሎን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ብሓባር ምዕያይ ቀጸሉ። ጳውሎስን በርናባስን ነዞም ሎሚ ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀንዎም። ክርስትያናት ምርኡያት ንምዃን ኣብ ክንዲ ዚወዳደሩ፡ ነቲ የሱስ፡ “ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይዝክርዎ እዮም። ብተወሳኺ እውን፡ “ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ” በለ።—ማቴ. 23:8, 12።
10. ካብ ጴርጌ ናብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ እተገብረ ጕዕዞ ግለጾ።
10 ኣብ ጴርጌ ምስ በጽሑ፡ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ካብ ጳውሎስን በርናባስን ተፈልዩ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ብሃንደበት እተመልሰሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን። ጳውሎስን በርናባስን ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብታ ኣብ ገላትያ እትርከብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ኸዱ። ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ 1,100 ሜተር ብራኸ ስለ እትርከብ፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። እቲ ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ ሓደገኛ ዝዀነ መገዲ፡ ሸፋቱ እውን ዜዘውትርዎ ቦታ እዩ ነይሩ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ጸገማት ጥዕና ኼጋጥሞ ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።h
11, 12. ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ እትርከብ ዝነበረት ምኵራብ ኪዛረብ ከሎ፡ ተገዳስነት ሰማዕቱ ዘለዓዓለ ብኸመይ እዩ፧
11 ብመዓልቲ ሰንበት፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ እትርከብ ዝነበረት ምኵራብ ኣተዉ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ሕግን ነብያትን ምስ ተነብበ፡ እቶም መራሕቲ ምኵራብ፡ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ’ ኢሎም ለኣኹሎም።” (ግብ. 13:15) ሽዑ ጳውሎስ ኪዛረብ ተንስአ።
12 ጳውሎስ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን” ብምባል ዘረባኡ ጀመረ። (ግብ. 13:16) እቶም ሰማዕቱ፡ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን እዮም ነይሮም። እሞ ደኣኸ ነቶም ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዘይፈልጡ ሰማዕቱ ብኸመይ እዩ ተገዳስነቶም ኬለዓዕል ፈቲኑ፧ ፈለማ፡ ታሪኽ ኣይሁድ ዘርዘረሎም። ‘ነቲ ህዝቢ እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓና ዀይኑ ኺነብር ከሎ የሆዋ ብኸመይ ልዕል ከም ዘበሎን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ብኸመይ ከም እተዓገሶምን’ ገለጸሎም። እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ብኸመይ ከም ዝወረስዋን የሆዋ ድማ ‘ነታ ምድሪ ብኸመይ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝመደበሎምን’ ኣዘንተወሎም። (ግብ. 13:17-19) ጳውሎስ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዓው ኢልካ እተነበበ ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ይእምት ከም ዝነበረ ሓሳብ ዚህቡ ሰባት ኣለዉ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ነገር እዚ፡ ጳውሎስ ‘ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ምዃን’ ይፈልጥ ምንባሩ ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እዩ።—1 ቈረ. 9:22።
13. ንልቢ ሰማዕትና ብኸመይ ክንትንኪ ንኽእል፧
13 ንሕና እውን ንተገዳስነት እቶም እንሰብከሎም ሰባት ንምልዕዓል ክንጽዕር ኣሎና። ንኣብነት፡ ሃይማኖት ሓደ ሰብ ምፍላጥና፡ ነቲ ሰብ እቲ ብፍላይ ዜገድሶ ጕዳያት ንምምራጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ እቲ ዚፈልጦ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክንጠቅስ እውን ንኽእል ኢና። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብብ ምግባር ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንልቢ ሰማዕትኻ ንምትንካይ መገድታት ኣናዲ።
14. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ብስራት ብኸመይ ጀመሮ፧ እንታይ መጠንቀቕታኸ ሃበ፧ (ለ) እቶም ሰባት ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ገበሩ፧
14 ጳውሎስ ቀጺሉ መስመር ነገስታት እስራኤል ናብቲ ብዮሃንስ መጥመቕ መገዲ እተጸርገሉ “መድሓኒ . . . ንሱ ኸኣ የሱስ” ብኸመይ ከም ዝመርሐ ገለጸሎም። ኣስዒቡ እውን የሱስ ብኸመይ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ሓበሮም። (ግብ. 13:20-37) “እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ከም ዘሎ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣ . . . ዚኣምን ዘበለ ብእኡ ይጸድቕ እዩ” በሎም። ቀጺሉ እቲ ሃዋርያ ነቶም ሰማዕቱ፡ “እቲ ኣብ ነብያት ከምዚ እተባህለ ኸይበጽሓኩም ተጠንቀቑ፦ ‘ኣቱም ነዓቕቲ፡ እንተ ኣዘንተዉልኩም እኳ ኸቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ፡ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣለኹ እሞ፡ ርኣዩን ተገረሙን ጥፍኡን።’” ብምባል መጠንቀቕታ ሃቦም። እቶም ሰማዕቱ ነቲ ጳውሎስ ዝበሎ ምስ ሰምዑ ዝገበርዎ ነገር ዜገርም እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ “በታ እትመጽእ ሰንበት እውን እዚ ነገር እዚ ኺነግርዎም ለመንዎም” ትብለና። እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ “ብዙሓት ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ጵሮሴሊታትን ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም።”—ግብ. 13:38-43።
“ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና” (ግብሪ ሃዋርያት 13:44-52)
15. ኣብታ እትስዕብ ሰንበት ድሕሪ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ እንታይ ኰነ፧
15 ኣብታ እትስዕብ ሰንበት፡ “ዳርጋ ዅላ እታ ኸተማ” ንጳውሎስ ክትሰምዕ ተኣከበት። እዚ ንገሊኦም ኣይሁድ ኣየሐጐሶምን፡ “ነቲ ጳውሎስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓል እናተጻረፉ ተቓወምዎ።” ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፦ “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንዓኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ደፋእኩምዎን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ባዕላትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና። የሆዋስ፡ ‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ ንድሕነት ምእንቲ ኽትከውን፡ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ።”—ግብ. 13:44-47፣ ኢሳ. 49:6።
16. ኣይሁድ ነቲ እቶም ሚስዮናውያን እተዛረብዎ ሓያል ቃላት ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ ጳውሎስን በርናባስንከ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ገበሩ፧
16 እቶም ነዚ ዝሰምዑ ኣህዛብ ተሓጐሱ፡ “ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ድማ ኣመኑ።” (ግብ. 13:48) ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ቃል የሆዋ ናብ ኵላ እታ ሃገር ተዘርግሐ። ኣይሁድ ግና በዚ ኣይተሓጐሱን። ቃል ኣምላኽ ፈለማ ንዓታቶም እኳ እንተ ተሰብከ፡ ነቲ መሲሕ ከም ዝነጸግዎን ፍርዲ ኣምላኽ ድማ ከም ዚጽበዮምን እዩ በቶም ሚስዮናውያን ተነጊርዎም። ኣይሁድ ነተን ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ኣውራታት እታ ኸተማን ኣናዓብዎም፡ “ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን መስጐጕቲ ኣለዓዓሉ፡ ካብ ወሰኖም እውን ሰጐጕዎም።” ጳውሎስን በርናባስንከ እንታይ ገበሩ፧ “ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፡ ናብ ኢቆንዩም ከዱ።” እሞኸ ድሕሪኡ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ዚግበር ክርስትያናዊ ንጥፈታት ደስኪሉዶ፧ ኣይፋልን! የግዳስ፡ እቶም ኣብኡ ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ፡ “ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።”—ግብ. 13:50-52።
17-19. ነቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ ከምኡ ምግባርና ንሓጐስና ኣበርክቶ ዚገብርከ ብኸመይ እዩ፧
17 እዞም እሙናት ሰባት ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም ዝገበርዎ ነገር፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ይዀነና እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ምርኡያት ሰባት መልእኽትና ኸይነብጽሕ ኪዓናቕፉና እኳ እንተ ፈተኑ፡ ስብከትና ደው ኣይነብልን ኢና። ሰብ ኣንጾክያ ነቲ መልእኽቲ ምስ ነጸግዎ፡ ጳውሎስን በርናባስን ‘ደሮና ኣእጋሮም ከም ዝነገፉሎም’ እውን ኣስተብህል፣ እዚ ድማ ከም ዝሓረቑ ዘይኰነስ፡ ሓላፍነቶም ከም ዘውረዱ እዩ ዜመልክት። እዞም ሚስዮናውያን እዚኦም ነቲ ኻልኦት ዚህብዎ ምላሽ ኪቈጻጸርዎ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንሳቶም ኪቈጻጸርዎ ዚኽእሉ ነገር፡ ስብከቶም ምቕጻል እዩ ነይሩ። ናብ ኢቆንዩም ምስ ከዱ ኸኣ፡ ስብከቶም ቀጺሎም እዮም።
18 እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ ደኣኸ፧ ልክዕ እዩ፡ ተጻረርቲ ኣብ ዘለውዎ ኽሊ እዮም ነይሮም። ሓጐሶም ግና ኣብቲ ኻልኦት ዚህብዎ ምላሽ እተመርኰሰ ኣይነበረን። የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 11:28) እቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከምኡ ኺገብሩ እዮም ቈሪጾም እተላዕሉ።
19 ንሕና እውን ከም ጳውሎስን በርናባስን፡ ንዓና እተዋህበና ሓላፍነት፡ ነቲ ብስራት ምስባኽ ምዃኑ ወትሩ ንዘክር። ነቲ መልእኽቲ ምቕባሉ ወይ ምንጻጉ፡ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሰማዕትና ሓላፍነት እዩ። እቶም እንሰብከሎም ሰባት ነቲ መልእኽትና ዘይቅበልዎ እንተ መሲሎም፡ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ንሓቂ ኣኽቢርና እንርእን ብመንፈስ ቅዱስ እንምራሕን እንተ ዄንና፡ ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ገላ. 5:18, 22።
a “በርናባስ—‘ወዲ ምጽንናዕ’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክሳብ እታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ሰሜን 550 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ጉባኤታት ይርከባ ነበራ።
d ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ መራኽብ፡ ጽቡቕ ንፋስ ኣብ ዚነፍሰሉ እዋን፡ ኣብ መዓልቲ 150 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ኪጐዓዛ ይኽእላ ነይረን እየን። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ግና፡ እቲ ጕዕዞ ዝነውሐ ግዜ ይወስድ ነበረ።
e “ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
f ቆጵሮስ ኣብ ትሕቲ ሰነት ሮሜ ነበረት። እቲ ቐንዲ ሹም እታ ደሴት ከኣ፡ መዓርግ ምስለኔ ይውሃቦ ነበረ።
g ካብዚ ንደሓር፡ ሳውል፡ ጳውሎስ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ገሊኦም ንኽብሪ ሰርግዮስ ጳውሎስ ኢሉ ሮማዊ ስም ኪጥቀም ከም ዝጀመረ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ቆጵሮስ ምስ ወጸ እውን ነቲ ስም እቲ ሒዙ ምቕጻሉ፡ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ነቲ ሮማዊ ስሙ ኺጥቀም ምውሳኑ እዩ ዚሕብር። ነቲ ጳውሎስ ዚብል ስም ኪጥቀም ዝመረጸሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሳውል ዚብል ናይ እብራይስጢ ስሙ ብግሪኽኛ ኺድመጽ ከሎ፡ ሕማቕ ሓሳባት ምስ እተመሓላልፍ ቃል ስለ ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሮሜ 11:13።