ምዕራፍ ሰለስተ
ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
1. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዜደንቕ ዕላማ ኣለዎ። ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ጽብቕቲ ገነት ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም ነይሩ። ዕላማኡ ኸኣ ውሉዳት ኪወልዱን ንምልእቲ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ንእንስሳታት ኪከናኸንዎምን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ 2:8, 9, 15፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 6 ርአ።
2. (ሀ) ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር እንታይ ይብል፧
2 ኣብ ገነት ክንነብር እንኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ የሆዋ፡ “ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 46:9-11፣ 55:11) እወ፡ ዕላማኡ ኺፍጽም እዩ፣ ኪዓናቕፎ ዚኽእል ድማ የልቦን። የሆዋ ንምድሪ ብዕላማ ኸም ዝፈጠራ ገሊጹ እዩ። ‘ንኸንቱ ኢሉ ኣይፈጠራን።’ (ኢሳይያስ 45:18) ሰባት ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ እንታይ ዓይነት ሰባት ኪነብሩ እዩ ዚደሊ፧ ንኽንደይ እዋንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን [ወይ፡ እዙዛት ሰባት] ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብለና።—መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3, 4።
3. ሰባት ስለ ዚሓምሙን ስለ ዚሞቱን፡ እንታይ ሕቶ እዩ ኺልዓል ዚኽእል፧
3 ሎሚ ግና ሰባት ይሓምሙን ይሞቱን እዮም። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድማ፡ ንሓድሕዶም ይዋግኡን ይቃተሉን እዮም። እዚ ግና ዕላማ ኣምላኽ ኣይኰነን። ከምዚ ዜጋጥም ዘሎ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ብዛዕባ እዚ ኺገልጸልና ዚኽእል።
ጸላኢ ኣምላኽ
4, 5. (ሀ) ኣብ ገነት ኤደን ንሄዋን ብተመን ገይሩ ዘዛረባ መን እዩ፧ (ለ) ሓደ እሙን ዝነበረ ሰብ፡ ሰራቒ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
4 ኣምላኽ፡ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል” ጸላኢ ኸም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ኣብ ገነት ኤደን፡ ሰይጣን ብተመን ገይሩ ንሄዋን ኣዛሪብዋ እዩ። (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:1) እቲ ተመን ብሓቂ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ድማ እዩ ኣዛሪብዋ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 7 ርአ።
5 ሰይጣን ድያብሎስ ካበይ እዩ መጺኡ፧ ኣምላኽ ድዩ ኸምኡ ገይሩ ፈጢርዎ፧ ኣይፋልን። ግናኸ፡ ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪት ኣዳምን ሄዋንን ክትከውን ምስ ኣዳለዋ፡ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ሓደ መልኣኽ፡ ድያብሎስ ኰነ። (እዮብ 38:4, 7) እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ሓደ እሙን ዝነበረ ሰብ፡ ሰራቒ ዚኸውን ከመይ ኢሉ እዩ፧ ሰራቒ ዀይኑ ኸም ዘይውለድ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዘይናቱ ኺወስድ ይምነ ወይ ይደሊ ይኸውን። ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ኺሓስብ ከሎ ድማ እቲ ሕማቕ ትምኒቱ ኣዝዩ ሓያል ይኸውን። ድሕሪኡ፡ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ፡ ነቲ እተመነዮ ነገር ይሰርቆ። በዚ ኸምዚ፡ ሰራቒ ይኸውን።—ያእቆብ 1:13-15 ኣንብብ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 8 ርአ።
6. ሓደ መልኣኽ፡ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
6 እቲ መልኣኽ እውን ከምኡ እዩ ዀይኑ። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ ውሉዳት ኪወልዱን ‘ንምድሪ ኺመልእዋን’ ኣዘዞም። (ዘፍጥረት 1:27, 28) እቲ መልኣኽ ድማ፡ ‘እዞም ኵሎም ሰባት ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ንዓይ ኬምልኹኒ ይኽእሉ እዮም’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ብዝሓሰበ መጠን ከኣ፡ እቲ ንየሆዋ ዚግባእ ነገር ኪረክብ ዝያዳ ባህጊ ኣሕደረ። እቲ መልኣኽ እቲ፡ ሰባት ኬምልኽዎ ደለየ። ስለዚ፡ ንሄዋን ሓስዩ ኣታለላ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ዚብሃል ጸላኢ ኣምላኽ ኰነ።
7. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ዝሞቱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧
7 ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሶም ካብታ ፍረ በልዑ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:6) ንየሆዋ ብዘይምእዛዞም ድማ ሓጥኡ። ስለዚ፡ ጸኒሖም ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:17-19) ኣዳምን ሄዋንን ዝወለድዎም ውሉዳት እውን ሓጥኣን ስለ ዝዀኑ ሞይቶም እዮም። (ሮሜ 5:12 ኣንብብ።) ደቆም ንምንታይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ምእንቲ ኽንርዳእ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ። ጥምባቝ ኣብ ዘለዎ መቝሎ፡ ቅጫ ትስንክት ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ መቝሎ ዚስንከት ቅጫ፡ ጥምባቝ ይህልዎ እዩ። ኣዳም ሕጊ ኣምላኽ ምስ ጠሓሰ፡ ሓጢኡ እዩ። ንሕና ድማ ደቂ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ሓጢእና ወይ ኵላትና ኸም ኣዳም “ጥምባቝ” ሒዝና ተወሊድና ኢና። ኵላትና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና ድማ፡ ንኣርግን ንመውትን ኢና።—ሮሜ 3:23፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 9 ርአ።
8, 9. (ሀ) ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን እንታይ ኬእምኖም እዩ ጽዒሩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧
8 ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን ትእዛዝ የሆዋ ኺጥሕሱ ብምልዕዓል፡ ጀማሪ ዕልወት ኰይኑ እዩ። ንኣዳምን ንሄዋንን ድማ፡ ‘የሆዋ ሓሳውን ጽቡቕ ነገር ክትረኽቡ ዘይደሊ ኽፉእ ገዛእን እዩ’ ኢሉ ኼእምኖም እዩ ፈቲኑ። ሰባት፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮም፡ ቅኑዕን ጌጋን ዘበለ ኸኣ ባዕሎም ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ነቶም ዓለወኛታት ቀቲሉ፡ ነቲ ዕልወት ኬወግዶ ምኸኣለ ነይሩ። ከምኡ እንተ ዚገብር ግና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ምተረጋገጸዶ፧ ኣይምተረጋገጸን ነይሩ።
9 ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ኣየጥፍኦምን። የግዳስ፡ ሰባት ንርእሶም ኬመሓድሩ ግዜ ሃቦም። ከምኡ ብምግባሩ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑን ንሰባት ዚሕሾም ነገር ዚፈልጥ የሆዋ ኸም ዝዀነን ኪንጽር ክኢሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ምዕራፍ 11 ብዝያዳ ኽንምሃር ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ውሳነ ግና ከመይ ይስምዓካ፧ ንሰይጣን ኣሚኖም ንኣምላኽ ዘይምእዛዞም ቅኑዕ ድዩ ነይሩ፧ ንኣዳምን ንሄዋንን ኵሉ ነገራት ዝሃቦም የሆዋ እዩ ነይሩ። ፍጹም ህይወት፡ ጽብቕቲ መንበሪት፡ ዜሐጕስ ዕዮ ሂብዎም ነይሩ። ሰይጣን ግና ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር ኣይገበረሎምን። ንስኻኸ ኣብኡ እንተ ትህሉ ኔርካ፡ እንታይ ምገበርካ፧
10. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኣገዳሲ ምርጫ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧
10 ሎሚ እውን ነፍሲ ወከፍና ውሳነ ኽንገብር ዜድልየሉ ተመሳሳሊ ምርጫ ቐሪቡልና ኣሎ። ህይወትና ድማ ኣብቲ እንገብሮ ምርጫ እተመርኰሰ እዩ። ንየሆዋ ኸም ገዛኢና ጌርና ኽንመርጾ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ድማ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ንሰይጣን ከም ገዛኢና ጌርና ኽንመርጾ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 73:28፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ሒደት እዮም። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ድማ ኣምላኽ ኣይኰነን። መን ደኣ እዩ እሞ፧
ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧
11, 12. (ሀ) ካብቲ ሰይጣን ንየሱስ ኪህቦ ዝሓሰቦ ነገር እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ሰይጣን ንዓለም ይገዝኣ ኸም ዘሎ ዜርኢ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧
11 የሱስ፡ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ብሓቂ መን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን ኣርኣዮ።” ድሕሪኡ ድማ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። (ማቴዎስ 4:8, 9፣ ሉቃስ 4:5, 6) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እዘን መንግስትታት እዚአን ናይ ሰይጣን እንተ ዘይኰና፡ ሰይጣን ንየሱስ ክህቦ ምፈተነዶ፧ ከምኡ ኣይምገበረን። እምበኣር፡ ኵለን መንግስትታት ናይ ሰይጣን እየን።
12 ሰይጣን ገዛኢ ዓለም ዝዀነ ግና ከመይ ኢሉ እዩ፧ ንዅሉ ነገር ዝፈጠሮ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ደይኰነን፧ (ራእይ 4:11) እዚ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30፣ 16:11) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንሰይጣን ድያብሎስ፡ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19።
ናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ክትጠፍእ እያ፧
13. ሓዳስ ዓለም እተድልየና ስለምንታይ እያ፧
13 ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ እናኸፍአት ትኸይድ ኣላ። ውግእ፡ ብልሽውና፡ ግብዝና፡ ዓመጻ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ደቂ ሰብ ከኣ፡ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ ነዚ ዅሉ ጸገማት ኬወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነዛ እክይቲ ዓለም ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኣጥፊኡ፡ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኬምጽእ እዩ።—ራእይ 16:14-16፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 10 ርአ።
14. የሆዋ ንመን እዩ ንጉስ መንግስቱ ኪኸውን መሪጽዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዩ ተነብዩ፧
14 የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ፡ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቱ ኪኸውን መሪጽዎ እዩ። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “መስፍን ሰላም” ከም ዚኸውንን መንግስቱ መወዳእታ ኸም ዘይህልዋን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ ከኣ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኺጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ኣብ ምዕራፍ 8 ኸም እንርእዮ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንመንግስትታት ዓለም ክትትክአን እያ። (ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ንምድሪ ናብ ጽብቕቲ ገነት ክትቅይራ እያ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 11 ርአ።
ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ቀሪባ እያ!
15. “ሓዳስ ምድሪ” እንታይ እያ፧
15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ከም ዚህሉ ኣተስፍዩና እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ኢሳይያስ 65:17) ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምድሪ” ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ማለቱ እዩ። (ዘፍጥረት 11:1) ስለዚ፡ እታ ጽድቂ ዚሰፍነላ “ሓዳስ ምድሪ፡” ንኣምላኽ ንዚእዘዝዎን ንሱ ንዝባረኾምን ሰባት እያ እተመልክት።
16. ኣምላኽ ኣብታ ንሱ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዚነብሩ ሰባት እንታይ ህያብ ኪህቦም እዩ፧ ነቲ ህያብ እቲ ምእንቲ ኽንቅበልከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
16 የሱስ፡ እቶም ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚውሃቦም ኣተስፍዩ እዩ። (ማርቆስ 10:30) ነዚ ህያብ እዚ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ዮሃንስ 3:16ን 17:3ን ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ዚህሉ ህይወት እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።
17, 18. ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰላም ከም ዚኸውንን ቀሲንና ኸም እንነብርን ብኸመይ ንፈልጥ፧
17 እከይን ውግእን ገበንን ዓመጻን ኣይኪህሉን እዩ። እኩያት ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም። (መዝሙር 37:10, 11) ኣምላኽ፡ ‘ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ’ እዩ። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 2:4) ምድሪ ንኣምላኽ ብዜፍቅርዎን ብዚእዘዝዎን ሰባት ክትመልእ እያ። ንዘለኣለም ሰላም ኪሰፍን እዩ።—መዝሙር 72:7።
18 ኣምለኽቲ የሆዋ ቐሲኖም ብደሓን ኪነብሩ እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኪእዘዝዎ ኸለዉ ንሱ ይሕልዎም ስለ ዝነበረ፡ ቀሲኖም ብደሓን ይነብሩ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 25:18, 19) ኣብ ገነት፡ ዜፍርሃና ነገር ኣይኪህሉን እዩ። ቀሲንና ብደሓን ክንነብር ኢና።—ኢሳይያስ 32:18፣ ሚክያስ 4:4 ኣንብብ።
19. ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ምግቢ ኸም ዚህሉ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧
19 ኣዝዩ ብዙሕ ምግቢ ኺህሉ እዩ። “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።” (መዝሙር 72:16) የሆዋ “ኣምላኽና፡ ኪባርኸና እዩ፣” “ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ።”—መዝሙር 67:6።
20. ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ብኸመይ ንፈልጥ፧
20 ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። ሰባት ጽቡቕ ኣባይትን ስፍራ ኣታኽልትን ኪህልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 65:21-24፣ ራእይ 11:18 ኣንብብ።) ምልእቲ ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ጽብቕቲ ኽትከውን እያ። የሆዋ ወትሩ ዜድልየና ዘበለ ኺህበና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ተዕግብ” ይብል።—መዝሙር 145:16።
21. ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ከም ዚሰፍን ብኸመይ ንፈልጥ፧
21 ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ኪሰፍን እዩ። እንስሳታት ንሰባት ኣይኪጐድእዎምን እዮም። ሕጻናት እኳ ምስቶም ሕጂ ሓደገኛታት ዝዀኑ እንስሳታት ከይፈርሁ ኺጻወቱ እዮም።—ኢሳይያስ 11:6-9፣ 65:25 ኣንብብ።
22. የሱስ ንዝሓመሙ እንታይ ኪገብሮም እዩ፧
22 ዚሓምም ኣይኪህሉን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንብዙሓት ሰባት ኣሕውዩ እዩ። (ማቴዎስ 9:35፣ ማርቆስ 1:40-42፣ ዮሃንስ 5:5-9) ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዅሉ ኼሕዊ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6።
23. ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት እንታይ እዩ ኣተስፍዩ፧
23 ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። ኣምላኽ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ከም ዜተንስእ ኣተስፍዩ እዩ። “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15።
24. ኣብ ገነት ንምንባር እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
24 ኵላትና ምርጫ ኣሎና። ብዛዕባ የሆዋ ተማሂርና ንዕኡ ኸነገልግሎ ወይ ከኣ ዝደለናዮ ኽንገብር ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንተ መሪጽና፡ ዜደንቕ መጻኢ ኺህልወና እዩ። ሓደ ሰብኣይ ድሕሪ ሞቱ ኺዝክሮ ንየሱስ ምስ ለመኖ፡ የሱስ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (ሉቃስ 23:43) እምበኣር፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ተስፋታት የሆዋ ዚፍጽመሉ መገድን ብዝያዳ ተምሃር።